ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣረጋውያን ኣገደስቲ ኣባላት ክርስትያናዊ ሕውነት እዮም

ኣረጋውያን ኣገደስቲ ኣባላት ክርስትያናዊ ሕውነት እዮም

ኣረጋውያን ኣገደስቲ ኣባላት ክርስትያናዊ ሕውነት እዮም

“እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ . . . ይልምዑ። . . . ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ።” —መዝሙር 92:13, 14

1. ብዙሓት ሰባት ንኣረጋውያን ብኸመይ እዮም ዚርእይዎም፧

 የሆዋ ንዅሎም እሙናት ኣገልገልቱ: እንተላይ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ የፍቅሮም እዩ። ብመሰረት ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተገብረ ሓደ ግምት ግን ኣብ ዓዓመት ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ኣቢሎም ዝዀኑ ኣረጋውያን ማህሰይቲ ይወርዶም ወይ ዕሽሽ ይበሃሉ። ካብ መላእ ዓለም እተረኽበ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ: ኣብ ኣረጋውያን ዚወርድ ማህሰይቲ ዓለምለኻዊ ጸገም ይኸውን ኣሎ። ሓደ ውድብ ነቲ ቐንዲ ጠንቂ እዚ ሽግር እዚ ኺገልጽ ከሎ: “እቲ ኣብ ብዙሓት ሰባት እናኣስፋሕፍሐ ዚኸይድ ዘሎ ኣረኣእያ: ኣረጋውያን ዋጋ ዘይብሎምን ዘየፍርዩን ጽግዕተኛን እዮም ዚብል እዩ” በለ።

2. (ሀ) የሆዋ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ኣገልገልቱ ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧ (ለ) ኣብ መዝሙር 92:12-15 እንታይ ልቢ ዚትንክፍ መግለጺ ኢና እንረክብ፧

2 የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ኣገልገልቱ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም። ኣብ ኣካላዊ ጕድለትና ዘይኰነስ ኣብ “ውሽጥና:” ማለት ኣብ መንፈሳዊ ዅነታትና እዩ ዜተኵር። (2 ቈረንቶስ 4:16) ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ ልቢ ዚትንክፍ መተባብዒ ንረክብ:- “ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም: ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዐቢ። እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ ኣብ ኣጸድ ኣምላኽና ይልምዑ። እግዚኣብሄር ጻድቕ ምዃኑ ምእንቲ ኼውርዩስ: ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ: ይረውዩን ይልምዑን።” (መዝሙር 92:12-15) እቶም ኣረጋውያን ዘበልኩም ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ምስ እትምርምሩ: ኣብ ክርስትያናዊ ሕውነት ከተበርክትዎ እትኽእሉ ጠቓሚ እጃም ኪንጽረልኩም እዩ።

“ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ”

3. (ሀ) ጻድቃን ምስ ስየ እተመሳሰሉ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ብዕድመ ዝደፍኡ ‘ብእርግናኦም ኪፈርዩ’ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

3 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንጻድቃን ምስ “ኣብ ኣጸድ ኣምላኽ” እተተኽለ ስየ ኣመሳሲልዎም ኣሎ። “ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ።” እዝስ ዜተባብዕ ከም ዝዀነ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እዋን ውቁብን ትኽ ዝበለን ኣእዋም ስየ ኣብ ኣጸድ ምብራቓውያን ይርከብ ነበረ። ስየ ኣብ ርእሲ እቲ ምልኩዕ ምዃኑ: ብዙሕ ፍረ እውን ይፈሪ እዩ። አረ ገሊኡ ኣእዋምሲ ንልዕሊ ሚእቲ ዓመት እዩ ዚፈሪ። a ንስኻውን ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ጸኒዕካ ብምቛም: ‘ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍረ ኽትፈሪ’ ትኽእል ኢኻ።—ቈሎሴ 1:10

4, 5. (ሀ) ክርስትያናት እንታይ ኣገዳሲ ፍረ እዮም ኪፈርዩ ዘለዎም፧ (ለ) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሶም ዚርከቡ “ፍረ ኸናፍር” ዝፈረዩ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣብነታት ጥቐስ።

4 የሆዋ ንክርስትያናት “ፍረ ኸናፍር:” ማለት ብዛዕባኡን ብዛዕባ ዕላማኡን ብምውዳስ ዚዝረብ ቃላት ኬፍርዩ ይጽበዮም እዩ። (እብራውያን 13:15) ብዕድመ ዝደፋእካ እንተደኣ ዄንካ እዚ ይምልከተካ ድዩ፧ እሂናይ ደኣ።

5 መጽሓፍ ቅዱስ ንስም የሆዋን ዕላማኡን ከይፈርሁ ብዛዕባ ዝመስከሩ ኣብነት ዚዀኑና ኣረጋውያን ጸብጻብ ሒዙ ኣሎ። ሙሴ ብየሆዋ ነብዪን ተወካልን ኪኸውን ኪምዘዝ ከሎ: ዕድሚኡ ድሮ “ሰብዓ ዓመት” ሓሊፉ ነይሩ። (መዝሙር 90:10፣ ዘጸኣት 4:10-17) እርጋን ንነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ ሉዓላውነት የሆዋ ብትብዓት ምስክርነት ካብ ምሃብ ኣይዓገቶን። ዳንኤል ነታ ኣብ መንደቕ እተጻሕፈት ጽሕፈት ትርጕማ ንኺፈትሕ ብቤልሻጽር ኣብ እተጸውዓሉ እዋን: ምናልባት ኣብ 90 ዓመት ዕድሜኡ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። (ዳንኤል ምዕራፍ 5) ሃዋርያ ዮሃንስከ ኣብቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረሉ እዋን እንታይ እዩ ዝገበረ፧ ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝፈጸሞ ኣገልግሎቱ: “ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን” ኣብታ ጳጥሞስ እትበሃል ደሴት ተኣሲሩ ነበረ። (ራእይ 1:9) ብዘይካ እዚኣቶምው ብግዜ እርጋኖም “ፍረ ኸናፍር” ዝፈረዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ብዙሓት ሰባት ትዝክር ትኸውን።—1 ሳሙኤል 8:1, 10፣ 12:2፣ 1 ነገስት 14:4, 5፣ ሉቃስ 1:7, 67-79፣ 2:22-32

6. የሆዋ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ‘ንኣረገውቲ’ ትንቢት ንኺንበዩ እተጠቕመሎም ብኸመይ እዩ፧

6 ሃዋርያ ጴጥሮስ ካብቲ እቲ እብራዊ ነብዪ ዮኤል ዝበሎ ብምጥቃስ: “በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: ይብል ኣምላኽ: ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዅሉ [እንተላይ ኣብ “ኣረገውትኹም”] ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ: . . . ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:17, 18፣ ዮኤል 2:28) በዚ መሰረት እዚ ድማ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት: የሆዋ ዕላማኡ ንምእዋጅ ነቶም ኣረጋውያን ክፍሊ እቶም ቅቡኣትን “ካልኦት ኣባጊዕን” ተጠቒሙሎም እዩ። (ዮሃንስ 10:16) ገለ ኻብዚኣቶም ንሓያሎ ዓመታት ብተኣማንነት ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ኪፈርዩ ጸኒሖም እዮም።

7. ኣረጋውያን ኣካላዊ ጸገማት እኳ እንተለዎም: ብኸመይ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ምፍራይ ከም ዚቕጽሉ ግለጽ።

7 ንኣብነት ነታ ብ1941 ናይ ምሉእ ግዜ ኣስፋሒት መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነት ሶንያ እስከ ንውሰድ። ንነዊሕ እዋን ሕዱር ሕማም እኳ እንተ ነበራ: ወትሩ ኣብ ቤታ ንሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ ነበረት። “ስብከት ኣገዳሲ ኽፍሊ ህይወተይ እዩ። አረ ህይወተይ እውን እዩ ኽብል እኽእል እየ። ስለዚ: ነዚ ኻብ ምፍጻም ዓዲ ኣይክውዕልን እየ” በለት። ኣብዚ ቐረባ ግዜ: ሶንያን ኦሊቭ ሓብታን ንሓንቲ ጃኔት እትበሃል ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዚርከብ መጸበዪ ኽፍሊ ዝረኸባኣ ኸቢድ ሕማም ዘለዋ ሰብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣካፈላኣ። እታ ውፍይቲ ካቶሊክ ዝነበረት ኣደ ጃኔት በቲ ንጓላ ዘርኣያኣ ሓልዮት ኣዝያ ስለ እተደነቐት: ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትገብር ፍቓደኛ ዀነት: ሕጂ ኸኣ ቅልጡፍ ዕቤት ትገብር ኣላ። ንስኻኸ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ንምፍራይ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚታት ክትጥቀም ትኽእልዶ፧

8. እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ካሌብ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ትውክልቲ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ: ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናትከ ብኸመይ እዮም ኪመስልዎ ዚኽእሉ፧

8 ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት እርጋን ዜምጸኦ ጸገማት እኳ እንተለዎም: ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ከይተሓለሉ ብምቕጻል: ኣሰር እቲ ንሙሴ ን40 ዓመት ኣብ በረኻ ዘሰነዮ ካሌብ ዚበሃል እሙን እስራኤላዊ እዮም ዚስዕቡ ዘለዉ። ካሌብ ንርባ ዮርዳኖስ ሰጊሩ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኺኣቱ ኸሎ: ወዲ 79 ዓመት ነበረ። ንሽዱሽተ ዓመት ምስቶም ዓወት ዝልማዶም ሰራዊት እስራኤል ተሰሊፉ ድሕሪ ምውጋኡ: በቲ ዝገበሮ ዓጊቡ መዕረፈ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ነተን ኣብ ኣኽራን ይሁዳ ዚርከባ ዓናቃውያን ዚበሃሉ ገዘፍቲ ህዝቢ ዚነብሩለን “ዓበይትን ዕሩዳትን ከተማታት” ኪሕዝ ብትብዓት ሓተተ። ብሓገዝ የሆዋ ኸኣ ‘ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ሰጐጎም።’ (እያሱ 14:9-14፣ 15:13, 14) የሆዋ ኸምቲ ምስ ካሌብ ዝነበረ: ኣብ ግዜ እርጋንካ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ክትፈሪ ኸለኻ እውን ምሳኻ ኸም ዚኸውን ተኣማመን። እሙን እንተደኣ ዄንካ ኸኣ ኣብታ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ርስቲ ኺህበካ እዩ።—ኢሳይያስ 40:29-31፣ 2 ጴጥሮስ 3:13

“ይረውዩን ይልምዑን”

9, 10. ኣረጋውያን ክርስትያናት ብእምነት ኪጥዕዩን መንፈሳዊ ብርታዐኦም ኪዕቅቡን ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ኣብ ገጽ 13 ዚርከብ ሳጹን ተወከስ።)

9 እቲ ጸሓፊ መዝሙር እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣገልገልቲ የሆዋ ዘለዎም ፍረ ብዚምልከት ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም: ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዐቢ። . . . ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ: ይረውዩን ይልምዑን።”—መዝሙር 92:12, 14

10 ብዕድመ እናደፋእካ ኽነስኻ ብኸመይ ኢኻ መንፈሳዊ ብርታዐኻ ሒዝካ ኽትቅጽል እትኽእል፧ ኦም ስየ ንነዊሕ ዓመታት ውቁብ ኰይኑ ኺጸንሕ ዚኽእል: ብቐጻሊ ጽሩይ ማይ ምስ ዚረክብ እዩ። ንስኻውን ብተመሳሳሊ ቓል ኣምላኽ ብምጽናዕን ምስ ማሕበሩ ብምሕባርን ካብቲ ብማይ ዚምሰል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 1:1-3፣ ኤርምያስ 17:7, 8) መንፈሳዊ ብርታዐኻ ብክርስትያናት ብጾትካ ኽቡር ኴንካ ኸም እትርአ እዩ ዚገብረካ። ሓቅነት ናይዚ ኣብቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ዮያዳ ብኸመይ ከም እተረጋገጸ እስከ ንርአ።

11, 12. (ሀ) ዮያዳ ኣብ ታሪኽ መንግስቲ ይሁዳ እንታይ ኣገዳሲ እጃም እዩ ዘበርከተ፧ (ለ) ዮያዳ ነቲ ዝነበሮ ጽልዋ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ምድንፋዕ እተጠቕመሉ ብኸመይ እዩ፧

11 እታ ህርፋን ስልጣን ዝነበራ ንግስቲ ዓታልያ ንደቂ ደቃ ብምቕታል ኣብ ይሁዳ ስልጣን ክትሕዝ ከላ: ዕድመ ዮያዳ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። እዚ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ እዚ እንታይ እዩ ኺገብር ዚኽእል፧ ንሱን ሰበይቱን ነቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስ በይኑ ኻብ ሞት ዝተረፈ ዮኣስ ንሽዱሽተ ዓመት ኣብ ቤተ መቕደስ ሓብእዎ። ድሕሪኡ: ዮያዳ ብሃንደበት ነቲ ወዲ ሸውዓት ዓመት ዝነበረ ዮኣስ ኣንገሶ: ዓታልያ ድማ ተቐትለት።—2 ዜና መዋእል 22:10-12፣ 23:1-3, 15, 21

12 ዮያዳ ነቲ ንጉስ ዘዕበዮ ብምንባሩ: በቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣስፋሕፍሐ። “ህዝቢ እግዚኣብሄር ኪዀኑ ኢሉ: ኣብ መንጎ ርእሱን ኣብ መንጎ ብዘሎ ህዝብን ንጉስን ኪዳን ኣቘመ።” ብትእዛዝ ዮያዳ እቶም ህዝቢ ንቤት እቲ በዓል ዚበሃል ናይ ሓሶት ኣምላኽ ኣፍረስዎ: ንመሰውኢታቱን ምስልታቱን ካህናቱን ድማ ኣወገዱ። ዮኣስ ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚፍጸም ኣገልግሎት ናብ ቀደሙ ኸም ዚምለስ ዝገበረን ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝነበረ ጽገና ቤተ መቕደስ ኬካይድ ዝኸኣለን እውን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ዮያዳ ዀይኑ እዩ። “ዮኣስ ከኣ በቲ ኻህን ዮያዳ ኺምህሮ ኸሎ ዝነበሮ ዅሉ ዘመን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።” (2 ዜና መዋእል 23:11, 16-19፣ 24:11-14፣ 2 ነገስት 12:2) ዮያዳ ኣብ 130 ዓመቱ ምስ ሞተ: “ኣብ እስራኤል ንኣምላኽን ነታ ቤቱን ጽቡቕ ስለ ዝገበረሎም:” ብፍሉይ ክብሪ ምስቶም ነገስታት ተቐብረ።—2 ዜና መዋእል 24:15, 16

13. ኣረጋውያን ክርስትያናት ‘ንኣምላኽን ንቤቱን ጽቡቕ ኪገብሩ’ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

13 ምናልባት ጕድለት ጥዕና ወይ ካልእ ኵነታት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ምድንፋዕ ክትገብሮ ንእትኽእል ነገራት ይድርተካ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዅነታትውን: ‘ንኣምላኽን ነታ ቤቱን ጽቡቕ ክትገብረሎም’ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ብምእካብን ብምስታፍን ከምኡውን ብእተኻእለካ መጠን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብምክፋል: ነታ መንፈሳዊት ቤት የሆዋ ቕንኣት ከተርኢ ትኽእል ኢኻ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚወሃብ ምኽሪ ብፍታው ምቕባልካን ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዀነ ንጉባኤኻ ብተኣማንነት ምድጋፍካን: ንክርስትያናዊ ሕውነት ዜደልድል እዩ። (ማቴዎስ 24:45-47) ንክርስትያን ብጾትካ ኸኣ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን” ከተነቓቕሖም ትኽእል ኢኻ። (እብራውያን 10:24, 25፣ ፊልሞን 8, 9) ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “እቶም ኣረገውቲ ሰብኡት ጥንቁቓት: ረዘንቲ: ለባማት: ብእምነት: ብፍቕሪ: ብትዕግስቲ ጥዑያት ኪዀኑ: እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ: ዘይሓመይቲ: ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና: መሃርቲ ሰናይ ኪዀና” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ተሰማሚዕካ ትመላለስ እንተደኣ ዄንካ: ንኻልኦት በረኸት ኢኻ እተምጽኣሎም።—ቲቶስ 2:2-4

14. ንነዊሕ ግዜ ክርስትያን ሽማግለታት ኰይኖም ዘገልገሉ: ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድንፋዕ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

14 ንሓያሎ ዓመታት ናይ ጉባኤ ሽማግለ ዄንካ ኣገልጊልካ ዲኻ፧ ሓደ ንነዊሕ ዓመታት ናይ ጉባኤ ሽማግለ ዀይኑ ዘገልገለ ሓው ከምዚ ዚስዕብ ብምባል መዓደ:- “ነቲ ዕድመ ብምድፋእ ዚርከብ ጥበብ ብዘይስስዐ ተጠቐመሉ። ንኻልኦት ሓላፍነት ሃቦም: ነቶም ኪመሃሩ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ድማ ተመክሮኻ ንገሮም። . . . ካልኦት ሰባት ንኺዓብዩ ተኽእሎ ኸም ዘለዎም ተገንዘብ። ንእኡ ድማ ኣማዕብሎን ኰስኵሶን። ንመጻኢ ምድላዋት ግበር።” (ዘዳግም 3:27, 28) ኣብቲ እናሰፍሐ ዚኸይድ ዘሎ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎካ ናይ ሓቂ ተገዳስነት: ንኻልኦት ክርስትያናት ኣሕዋትካ ብዙሕ በረኸት ኬምጽኣሎም እዩ።

የሆዋ ‘ጻድቕ ምዃኑ ኣውሪ’

15. ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት: የሆዋ ‘ጻድቕ ምዃኑ ዜውርዩ’ ብኸመይ እዮም፧

15 ብዕድመ ዝደፍኡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ነቲ የሆዋ ‘ጻድቕ ምዃኑ ኼውርዩ’ እተዋህቦም ሓላፍነት ብሓጐስ እዮም ዚፍጽምዎ። ብዕድመ ዝደፋእካ ክርስትያን እንተደኣ ዄንካ: የሆዋ ‘ከውሕኻ ምዃኑን ኣብኡ ዓመጻ ኸም ዘየልቦን:’ ንኻልኦት ብቓላትካን ብተግባራትካን ክትነግሮም ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 92:15) ኦም ስየ ነቲ ብሉጽ ባህርያት ፈጣሪኡ ብዘይ ደሃይ እዩ ምስክርነት ዚህብ። ንዓኻ ግን የሆዋ ነቶም ሕጂ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚቕበሉ ዘለዉ ንኽትምስክር ፍሉይ ኣጋጣሚ ኸፊቱልካ ኣሎ። (ዘዳግም 32:7፣ መዝሙር 71:17, 18፣ ዮኤል 1:2, 3) እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16. ኣየናይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነት እዩ የሆዋ ‘ጻድቕ ምዃኑ ምውራይ’ ኣገዳሲ ምዃኑ ዚሕብር፧

16 እቲ ንእስራኤላውያን ዚመርሖም ዝነበረ እያሱ “ኣሪጉ ነዊሕ ዕድመ ምስ ገበረ:” ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም ጻድቕ ተግባራት ንኼዘኻኽሮም: “ንብዘለዉ እስራኤል: ንዓበይቶምን ንሓላቑኦምን ንፈረዶምን ንመኳንንቶምን [ጸውዖም]።” “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ [ኣይወደቐን]: . . . ኵሉ በጽሓኩም” ድማ በሎም። (እያሱ 23:1, 2, 14) እዚ ቓላት እዚ ንእተወሰነ ግዜ ነቶም ህዝቢ እሙናት ንኪዀኑ ኣበራትዖም። ድሕሪ ሞት እያሱ ግን: “ንእግዚኣብሄርን ነቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብሪ ዘይፈልጥ ካልእ ወለዶ ተንስኤ። ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ: ንበዓልውን ኣገልገሉ።”—መሳፍንቲ 2:8-11

17. ኣብዚ ግዜናውን የሆዋ ንህዝቡ እንታይ እዩ ገይሩሎም፧

17 ንጽህና እዛ ሕጂ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ: ኣብቲ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብኣፎም ዚህብዎ ምስክርነት ኣይኰነን ዚምርኰስ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንህዝቡ ብዛዕባ ዝገበረሎም “ዓብዪ ግብሪ” ብዓይኑ ኻብ ዝረኣየ ሰብ ተመክሮ ኽንሰምዕ ከለና: ኣብኡን ኣብ መብጽዓታቱን ዘሎና እምነት ይድልድል። (መሳፍንቲ 2:7፣ 2 ጴጥሮስ 1:16-19) ንነዊሕ ዓመታት ምስ ማሕበር የሆዋ ኽትመላለስ እንተ ጸኒሕካ: ኣብ ከባቢኻ ወይ ኣብ ሃገርካ ሒደት ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነበሩሉ ወይ ከኣ ንዕዮ ስብከት ተሪር ምጽራር ዜጋጠመሉ እዋን ትዝ ይብለካ ይኸውን። ድሕሪ ግዜ የሆዋ ንገሊኡ ዕንቅፋታት ኬወግዶን ኣስፋሕቲ እናወሰኹ ንኪኸዱ ‘ኬቐልጥፎን’ ከሎ ርኢኻ ኢኻ። (ኢሳይያስ 54:17፣ 60:22) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኺንጽር ከሎ: ማሕበር የሆዋ ድማ በብቝሩብ እናተዓረየት ክትከይድ ከላ እውን ርኢኻ ኢኻ። (ምሳሌ 4:18፣ ኢሳይያስ 60:17) ብዛዕባ እዚ ጻድቕ ተግባራት የሆዋ ዚገልጽ ተመክሮ ንኻልኦት ብምንጋር ክትሃንጾም ትጽዕር ዲኻ፧ እዝስ ኣብ ክርስትያናዊ ሕውነትና ኽንደይ ዜነቓቕሕን ዜበራትዕን ኰን እዩ!

18. (ሀ) ንሰባት የሆዋ ‘ጻድቕ ምዃኑ ምውራይ:’ ውዒሉ ሓዲሩ እንታይ ጽልዋ ኸም ዚህልዎ ግለጽ። (ለ) ንስኻ ብብሕትኻ ጽድቂ የሆዋ ብኸመይ ርኢኻ፧

18 ኣብ ብሕታዊ ህይወትካ ፍቕራዊ ሓልዮትን መምርሕን የሆዋ ዝረኣኻሉ እዋን እውን ኣሎ። (መዝሙር 37:25፣ ማቴዎስ 6:33፣ 1 ጴጥሮስ 5:7) ሓንቲ ማርታ እትበሃል ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ: “ዝመጸ እኳ እንተ መጸ: ንየሆዋ ኣይትሕደግዎ። ንሱ ድማ ኬጽንዓኩም እዩ” ብምባል ንኻልኦት ተተባብዕ ነበረት። እዚ ማዕዳ እዚ ኣብ ሓንቲ ቶልሚና እትበሃል ማርታ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃረታ እሞ ኣብ መጀመርታ 1960ታት እተጠምቀት ሰበይቲ ሓያል ጽልዋ ነበሮ። ቶልሚና “ብዓል ቤተይ ምስ ሞተ: ሕልናይ ዓሪቡኒ ነይሩ። እዘን ቃላት እዚኣተን ግን ካብ ዋላ ሓንቲ ኣኼባ እኳ ንኸይበኵር ሓገዛኒ። የሆዋ ኸኣ ብሓቂ ጸኒዐ ንክቕጽል ኣበርቲዑኒ እዩ” ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ። ንሳውን ብግዴኣ ንሓያሎ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃረቶም ሰባት ንብዙሕ ዓመታት ተመሳሳሊ ማዕዳ እያ ሂባ። እወ: ብምትብባዕን ነቲ ጻድቕ ተግባራት የሆዋ ብምውራይን: ንእምነት ክርስትያን ብጾትካ ኣብ ምህናጽ ብዙሕ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

የሆዋ ነቶም እሙናት ኣረጋውያን ኣኽቢሩ ይርእዮም

19, 20. (ሀ) የሆዋ ንንጥፈታት እቶም ኣረጋውያን ኣገልገልቱ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ እዩ ኺግለጽ፧

19 እዛ ብዘየማስዉ ሰባት ዝመልአት ዓለም: ንኣረጋውያን ሓልዮት የብላን። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 2) መብዛሕትኡ ግዜ ኣረጋውያን በቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝፈጸምዎ ነገር እዮም ዚዝከሩ: ማለት እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበሩ ደኣ እምበር: ሕጂ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝዀኑ ኣይዝከሩን እዮም። ብኣንጻሩ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” ይብል። (እብራውያን 6:10) ልክዕ እዩ: የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ብተኣማንነት ዝፈጸምካዮ ግብርኻውን ይዝክሮ እዩ። እንተዀነ ግን: ነቲ ሕጂ እተገልግሎ ዘለኻ እውን ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። እወ: ነቶም ኣሙናት ኣረጋውያን ከም ፍረ ዜፍርዩን ብመንፈስ ጥዑያትን ሓያላትን ክርስትያናት ከም ዚዀኑ ገይሩ እዩ ዚርእዮም: እዚውን ንሓይሉ ህያው ምስክርነት እዩ።—ፊልጲ 4:13

20 ነቶም ኣረጋውያን ክርስትያናት ኣሕዋትና ኸምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርካ ዲኻ እትርእዮም፧ ከምኡ እንተ ዄንካ: ፍቕርኻ ንኸተርእዮም ክትድረኽ ኢኻ። (1 ዮሃንስ 3:18) እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ: ንኣረጋውያን ዜድልዮም ኣብ ምሕላይ ነዛ ፍቕሪ እዚኣ እነንጸባርቐሉ ግብራዊ መገድታት እያ እትገልጽ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነፍሲ ወከፍ ዘለላ ተምሪ ሓደ ሽሕ ኣቢሉ ዚኸውን ፍረታት ዚህልዎ ኰይኑ: ሸሞንተ ኺሎ ግራም ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣቢሉ ድማ ይምዘን። ሓደ ጸሓፊ “ነፍሲ ወከፍ ፍረ እትፈሪ ኦም [ስየ] ኣብ ምሉእ ህይወታ ንዋናኣ ኽልተ ወይ ሰለስተ ቶን ተምሪ እያ እተፍርየሉ” ብምባል ገመተ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ኣረጋውያን ፍረ ‘ዚፈርዩ’ ብኸመይ እዮም፧

• መንፈሳዊ ብርታዐ ኣረጋውያን ክርስትያናት ኣኽቢርካ ዚርአ ስለምንታይ እዩ፧

• ኣረጋውያን: የሆዋ ‘ጻድቕ ምዃኑ ኼውርዩ’ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

• የሆዋ ነቶም ንነዊሕ ግዜ ዜገልገልዎ ኣኽቢሩ ዚርእዮም ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን]

ብእምነት ጥዑያት ኰይኖም ኪቕጽሉ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ክርስትያናት ብእምነት ጥዑያት ኪዀኑን መንፈሳዊ ብርታዐኦም ከይደኸመ ኪቕጽሉን ዘኽኣሎም እንታይ እዩ፧ ገሊኣቶም ዝበልዎ እስከ ንርአ:-

“ምስ የሆዋ ብዛዕባ ዘሎና ርክብ ዜተኵር ጥቕስታት ምንባብ ሓጋዚ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ለይቲ ንመዝሙር 23ን 91ን እደግመን እየ።”—ብ1930 እተጠምቀት ኦሊቭ

“ኣብ ኵሉ ናይ ጥምቀት ዝርርብ ክርከብን ሕጂ ይጥመቕ ከም ዘሎኹ ዀይነ ጽን ኢለ ኽሰምዕን ቈራጽነት ገበርኩ። ነቲ ዝገበርክዎ ወፈያይ ወትሩ ምሕዳሰይ: ብተኣማንነት ንክቕጽል ኣገዳሲ ስጕምቲ ዀይኑኒ እዩ።”—ብ1946 እተጠምቀ ሃሪ

“መዓልታዊ ምጽላይ ኣገዳሲ እዩ። ‘ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ እናሓሰብካ:’ የሆዋ ንኺሕግዘካ: ንኼዕቍበካ: ከምኡውን ንኺባርኸካ ወትሩ ኽትጽሊ ኣሎካ።” (ምሳሌ 3:5, 6)—ብ1951 እተጠምቀ ኣንቶንዮ

“ተመክሮታት እቶም ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ድሕሪ ምግልጋል ክሳዕ ሕጂ እሙናት ዘለዉ ምስማዐይ: ነቲ ንዕኡ እሙን ንክኸውን ዘሎኒ ቘራጽነት የሐድሶ።”—ብ1954 እተጠምቀት ጆኣን

“ብዛዕባ ርእስኻ ኻብቲ ዚግባእ ንላዕሊ ኽትሓስብ የብልካን። እዚ ረኺብናዮ ዘሎና ሳላ እቲ ኣምላኽ ዘርኣየና ዘይንበቕዖ ሕያውነት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ምሓዝ: መንፈሳዊ ምግቢ ኻብቲ ግቡእ መትረብ ንኽትወስድን ክሳዕ መወዳእታ ንኽትጸንዕን የኽእለካ።”—ብ1954 እተጠምቀት ኣርሊን

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ኣረጋውያን ዕዙዝ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ይፈርዩ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

መንፈሳዊ ብርታዐ ኣረጋውያን ኣኽቢርካ እዩ ዚርአ