ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብርሃምን ሳራን ንእምነቶም ክትቀድሓ ትኽእል ኢኻ!

ኣብርሃምን ሳራን ንእምነቶም ክትቀድሓ ትኽእል ኢኻ!

ኣብርሃምን ሳራን ንእምነቶም ክትቀድሓ ትኽእል ኢኻ!

ን“ዚአምኑ ዅሎም: ኣቦኦም” ተባሂሉ ተጸዊዑ እዩ። (ሮሜ 4:11) እታ ፍቕርቲ ብዓልቲ ቤቱውን እምነት ነበራ። (እብራውያን 11:11) እዞም ኣብዚ እንጠቕሶም ዘለና ሰብ ሓዳር: እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ሓደ ኻብ ኣበዋት ዝዀነ ኣብርሃምን እታ ውፍይቲ ሰበይቱ ሳራን እዮም። ብእምነቶም ሰናይ ኣብነት ዚዀኑና ስለምንታይ እዮም፧ ገለ ኻብቲ ዘሕለፍዎ ፈተናታት እንታይ እዩ፧ እቲ ዛንታኦምከ ንዓና እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

ኣምላኽ ንኣብርሃም ካብ ዓዱ ንኺወጽእ ምስ ሓተቶ: ኣብርሃም እምነት ኣርኣየ። የሆዋ ድማ “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ” በሎ። (ዘፍጥረት 12:1) እዚ እሙን ኣበው ከኣ ተኣዘዘ: ከመይሲ “ኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተአመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዔ: ብእምነት ተአዘዘ: ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ” ዚብል ነንብብ ኢና። (እብራውያን 11:8) እዚ እንታይ ማለት ምንባሩ እሞ ሕስብ ኣብሎ።

ኣብርሃም ኣብዚ ሕጂ ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ዚርከብ: ኡር ኣብ እትበሃል ከተማ ይነብር ነበረ። ኡር ምስ ኣብ ወሽመጥ ፋርስን ሽንጭሮ ኢንደስን ዝርከባ ዓድታት ንግዳዊ ልውውጥ እትገብር ዝነበረት ኣብ መሶጶታምያ እትርከብ ከተማ እያ ነይራ። ነቲ ኣብ ኡር እተገብረ ዅዕታ ዝመርሐ ሰር ሊዮናርድ ዉሊ: ብግዜ ኣብርሃም ኣብቲ ቦታ ዚርከብ ኣባይቲ መብዛሕትኡ ብሕጡብ እተሃንጸ ዀይኑ እተለሰነን ብጻዕዳ ቐለም እተለቕለቐን ምንባሩ ገለጸ። ንኣብነት: ሓደ ኣብታ ኸተማ ዚቕመጥ ዝነበረ ሃብታም: ደርቢ ዘለዎ ቤት ኪህልዎ ኸሎ: ኣብ ማእከል ዝጣጥሐ ኣጸድ ነበሮ። እቲ ታሕተዋይ ክፍልታት እንስሳታትን ኣጋይሽን ዚሕዝ ነበረ። እቲ ብዙርያ እቲ መንደቕ: ኣብቲ ደርቢ ዘሎ ኽፍልታት ከኣ ንኣባላት እቶም ስድራቤት ነበረ። ከምዚ ዝኣመሰለ መንበሪ ኻብ 10 ክሳዕ 20 ዚኸውን ክፍልታት ስለ ዝነበሮ: “ብዓይኒ ምብራቓውያን ኪርአ ኸሎ ብተዛማዲ ሰፊሕ ኰይኑ ምሾትን ጣዕምን ዘለዎ” ኸም ዝነበረ ዉሊ ገለጸ። እዚ “ኣባይቲ ናይ ዝሰልጠኑ ሰባት ኰይኑ ንምዕቡል ናብራ ኸተማ ዜድሊ ዘበለ ዘማልአ እዩ ነይሩ።” ኣብርሃምን ሳራን ኣብ ድንኳን ንኪቕመጡ ኢሎም ከምዚ ዝኣመሰለ ቤት ሓዲጎም ከይዶም እንተ ዀይኖም: ንየሆዋ ንኺእዘዙ ኢሎም ዓብዪ መስዋእቲ እዮም ገይሮም።

ኣብርሃም ፈለማ ንስድራቤቱ ሒዙ ናብታ ሕጂ ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ዘሎ ቦታ ዝነበረት ካራን ከደ: ድሕሪኡ ናብ ከነኣን ተጓዕዘ። እዚ 1,600 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ርሕቀት እዩ። እዚ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር ቀሊል ጕዕዞ ኣይነበረን። ካብ ካራን ኪወጹ ኸለዉ: ኣብርሃም ወዲ 75 ዓመት ሳራ ኸኣ ጓል 65 ዓመት እዮም ነይሮም።—ዘፍጥረት 12:4

ኣብርሃም ንሳራ ኻብ ኡር ከም ዚወጹ ምስ ነገራ እንታይ ተሰሚዕዋ ይኸውን፧ ምሹእ ቤትካ ሓዲግካ ናብ ዘይትፈልጦን ጸላእቲ ኺህልውዎ ናብ ዚኽእሉን ቦታ ምግዓዝ: ኣብኡ ኸኣ ዝተሓተ ኣነባብራ ምንባር ኣተሓሳሲብዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ሳራ ንኣብርሃም ከም ‘ጐይታኣ’ ገይራ ትግዝኦ እያ ነይራ። (1 ጴጥሮስ 3:5, 6) ገሊኣቶም ምሁራት እዚ ባህሪኣ “ንዕኡ ዝነበራ ኣኽብሮትን ኣረኣእያን” ከም ዚሕብር: ከምኡውን “ብሓቂ ኣዘውቲራ ኸምኡ ኸም እትሓስብን ከም ዚስምዓን” ዜመልክት ምዃኑ ይገልጹ እዮም። ልዕሊ ዅሉ ግን: ሳራ ኣብ የሆዋ ትውከል ነበረት። እቲ ተኣዛዝነታን እምነታን ንክርስትያናት ኣንስቲ ሰናይ ኣብነት እዩ ዚዀነን።

ገሊኣቶም ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ነቲ ብስራት ኣብ ካልእ ሃገራት ንኺሰብኩ ኢሎም ዓዶም ገዲፎም እኳ እንተ ኸዱ: ኵላትና ግን ንኣምላኽ ምእንቲ ኽንእዘዝ ዓድና ኽንገድፍ ጻውዒት ኣይቀረበልናን። ንኣምላኽ እነገልግለሉ ዘሎና ዓዲ ብዘየገድስ: ንመንፈሳዊ ነገራት ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ እንተ ሂብናዮ: ንሱውን ዜድልየና ኼማልኣልና እዩ።—ማቴዎስ 6:25-33

ኣብርሃምን ሳራን በቲ ዝገበርዎ ውሳነ ኣይተጣዕሱን። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባኦም “ነታ ዝወጹላ ሃገር ሐሲቦም እንተ ዝዀኑስ: ኪምለሱ ጊዜ ነይርዎም” በለ። እንተዀነ ግን: የሆዋ “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦም” ብምትእምማን: ኣብ መብጽዓታቱ እምነት ስለ ዝገበሩ: ኣይተመልሱን። ንሕናውን ብምሉእ ነፍስና ንየሆዋ ኸነገልግሎ እንተደኣ ዄንና: ኣብ መብጽዓታቱ እምነት ኪሓድረና ኣለዎ።—እብራውያን 11:6, 15, 16

መንፈሳውን ስጋውን ሃብቲ

ኣብርሃም ኣብ ከነኣን ምስ በጽሐ: ኣምላኽ “እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህቦ እየ” በሎ። ኣብርሃም ድማ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሔ: ብስም የሆዋ ድማ ተማህለለ። (ዘፍጥረት 12:7, 8) የሆዋ ንኣብርሃም ኣሀብተሞ: እቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ እውን ብዙሓት ነበሩ። ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ቤቱ እተወልዱ 318 ፍቱናት ሰብኡት ስለ ዝነበርዎ: “ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ኵሉምሎም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኪዀኑ ኣለዎም” ዚብል ገምጋም ኣሎ። ዝዀነ ዀይኑ: ካልኦት ሰባት “ናይ ኣምላኽ መስፍን” ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም።—ዘፍጥረት 13:2፣ 14:14፣ 23:6

ኣብርሃም ነቶም ኣብ ቤቱ ዝነበሩ “መገዲ እግዚኣብሄር ኪሕልዉን: ጽድቅን ፍርድን ከኣ ኪገብሩን” ይምህሮም ነበረ። (ዘፍጥረት 18:19) ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣቦታት በቲ ኣብርሃም ኣብ ቤቱ ንዝነበሩ ሰባት ኣብ የሆዋ ንኺውከሉን ብጽድቃዊ መገድታቱ ንኺምርሑን ዝገደፈሎም ኣብነት ኪተባብዑ ይኽእሉ እዮም። እታ ኣጋር እትበሃል ግብጻዊት ግዝእቲ ሳራ: እቲ ብዕድመ ኻብ ኵሎም ግዙኣት ዝዓበየ ግዙእ ኣብርሃም: ከምኡውን ይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም ኣብ የሆዋ እንተ ተወከሉ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—ዘፍጥረት 16:5, 13፣ 24:10-14፣ 25:21

ኣብርሃም ሰላም ደለየ

ካብቲ ንኣብርሃም ዘጋጠሞ ነገራት ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርያት ከም ዝነበሮ ኢና እንዕዘብ። ኣብ መንጎ ጓሶቱን ጓሶት ሎጥ ወዲ ሓዉን እተላዕለ ባእሲ ንኪቕጽል ስቕ ኢሉ ኣብ ክንዲ ዚርኢ: ንኺፈላለዩ ሓሳብ ኣቕረበሉ: ነቲ ብዕድመ ኻብኡ ዚንእስ ሎጥ ድማ ዝደለዮ መሬት ኪመርጽ ዕድል ሃቦ። ኣብርሃም ገባር ሰላም እዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 13:5-13

ንመሰላትና ምጥባቕ ወይ ምእንቲ ሰላም ኢልና ሕድገት ክንገብር ኣብ ዘድልየሉ እዋን: ኣብርሃም ንሎጥ ብምሕላዩ ኸም ዘይተወጽዐ ኽንዝክር ኣሎና። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ድሕሪዚ ኣምላኽ ንኣብርሃም ብዅሉ ኣንፈት ነቲ ኺርእዮ ዚኽእል ዘበለ ምድሪ ንዕኡን ንዘርኡን ከም ዚህቦ ተመባጽዓሉ። (ዘፍጥረት 13:14-17) የሱስ: “ገበርቲ ሰላም: ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ።—ማቴዎስ 5:9

ንኣብርሃም መን እዩ ዚወርሶ፧

ወሉድ ከም ዚወልዱ መብጽዓ እኳ እንተ ተኣትወሎም: ሳራ ግን መኻን ነበረት። ኣብርሃም ነዚ ጕዳይ እዚ ንኣምላኽ ነገሮ። ንዅሉ እቲ ዚውንኖ ጥሪት እቲ ኣልኣዛር ዚበሃል ግዙኡ ይወርሶ ደዀን ይኸውን፧ ኣይፋልን: ከመይሲ የሆዋ “ካብ ከስዔኻ ዝወጸ እዩ ዚወርሰካ እምበር: እዝስ ኣይወርሰካን እዩ” ኢልዎ እዩ።—ዘፍጥረት 15:1-4

ይኹን እምበር: ውሉድ ኣይነበሮምን: እታ ጓል 75 ዓመት ሳራ ኸኣ ክትጠንስ ተስፋ ኣይነበራን። ስለዚ: ንኣብርሃም “ኣነ ኸይወልድ እግዚኣብሄር ዓጽዩኒ እዩ: ምናልባሽ ብእኣ እንተ ተፋሬኹ: በጃኻ ናብዛ ግዝእተይ እቶ” በለቶ። ድሕርዚ ኣብርሃም ንኣጋር ካልአይቲ ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ: ናብኣ ኣተወ: ንሳውን ጠነሰት። ኣጋር ከም ዝጠነሰት ምስ ረኣየት: ንእመቤታ ኣቃለለታ። ሳራ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብምምራር ንኣብርሃም ነገረቶ: ንኣጋር እውን ኣዋረደታ: እታ ግዝእቲ ኸኣ ካብ ቅድሚኣ ሃደመት።—ዘፍጥረት 16:1-6

ኣብርሃምን ሳራን ምስቲ ብግዜኦም ዚግበር ዝነበረ ተግባር ብምስምማዕ እዮም ብንጹህ ሕልና ነዚ ዝፈጸሙ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ዘርኢ ኣብርሃም በዚ መገዲ እዚ ኣይኰነን ኬምጽእ መዲቡ። ባህልና ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ገሉኡ ዓይነት ስጕምቲ ቕኑዕ ምዃኑ እኳ እንተ ሓበረና: የሆዋ ግን ምስዚ ይሰማማዕ እዩ ማለት ኣይኰነን። ብዛዕባ እቲ ዅነታት ዘለዎ ኣረኣእያ ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ: ኣምላኽ ክንወስዶ ዘሎና ስጕምቲ ንኺሕብረና ብምጽላይ: ካብኡ መምርሒ ኽንደሊ ኣሎና።—መዝሙር 25:4, 5፣ 143:8, 10

ንየሆዋ ‘ዚጨንቆ ነገር የልቦን’

ኣጋር ንኣብርሃም እስማኤል እተባህለ ውሉድ ወለደትሉ። ኰይኑ ግን: ንሱ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ኣይነበረን። ሳራ ኣሪጋ እኳ እንተ ነበረት: ነቲ ወራሲ ግን ንሳ ኽትወልዶ ነበራ።—ዘፍጥረት 17:15, 16

ሳራ ንሰብኣያ ወዲ ኽትወልደሉ ምዃና: ኣምላኽ ምስ ገለጸሉ: “ኣብርሃም ብገጹ ተደፍኤ: ስሒቑ ድማ ብልቡ: ንወዲ ሚእቲ ዓመትዶ ወዲ ይውለደሉ፧ ሳራ: ጓል ተስዓ ዓመትከ ትወልድዶ፧” በለ። (ዘፍጥረት 17:17) ሳራ: ሓደ መልኣኽ ነቲ መልእኽቲ ኺዛረብ ምስ ሰምዓቶውን: ‘ብልባ ሰሓቐት።’ እንተዀነ ግን: ንየሆዋ ‘ዚጨንቆ ነገር የልቦን።’ ዝደለዮ ዘበለ ዅሉ ኸም ዚገብር እምነት ኪህልወና ይኽእል እዩ።—ዘፍጥረት 18:12-14

“ሳራ እኳ ጊዜኣ ምስ ሐለፈ: ነቲ ተስፋ ዝሀባ እሙን ገይራ ስለ ዝረአየቶ: ዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት።” (እብራውያን 11:11) ድሕሪ ግዜ: ሳራ ነቲ “ሰሓቕ” ዚትርጕሙ ስም ዝወጸሉ ይስሃቅ ወለደት።

ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምእማን

የሆዋ: ይስሃቅ እቲ ንነዊሕ ግዜ ትጽቢት እተገብረሉ ዘርኢ ምዃኑ ገለጸ። (ዘፍጥረት 21:12) ስለዚ: ኣምላኽ ንኣብርሃም ወዱ ኺስውኣሉ ምስ ሓተቶ: ኣብርሃም ደንጽይዎ ኪኸውን ኣለዎ። ኰይኑ ግን: ኣብ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ንኺተኣማመን ብቑዕ ምኽንያት ነበሮ። የሆዋ ንኣብርሃም ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ዚከኣሎዶ ኸይኰነ፧ (እብራውያን 11:17-19) ኣምላኽ ንኣብርሃምን ንሳራን ብተኣምር ከም ዚወልዱ ብምግባር ሓይሉዶ ኣየርኣየን፧ ኣብርሃም ኣብ ክእለትን መብጽዓታትን ኣምላኽ ስለ እተኣማመነ: ንኺእዘዝ ድሉው ነበረ። ሓቂ እዩ: ንወዱ ኸይሓርዶ ተኸልኪሉ እዩ። (ዘፍጥረት 22:1-14) ይኹን እምበር: ኣብርሃም ኣብዚ ዝወሰዶ ስጕምቲ: ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ‘በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኪኸውን ብምሃብ’ ዝገበሮ መስዋእቲ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንኽንርዳእ ይሕግዘና።—ዮሃንስ 3:16; ማቴዎስ 20:28

ኣብርሃም: እቲ ንመብጽዓታት የሆዋ ዚወርስ ወዱ ንሓንቲ ኣብ ምድሪ ከነኣን እትነብር ናይ ሓሶት ኣምላኺት ኪምርዖ ኸም ዘይክእል ንጹር ዝዀነሉ እውን ኣብ ኣምላኽ ይኣምን ስለ ዝነበረ እዩ። ሓደ ንኣምላኽ ዚፈርህ ወላዲ ኸመይ ገይሩ እዩ እሞ ንውሉዱ ንሓንቲ ንየሆዋ ዘይተገልግል ሰብ ኪምርዖ ዚፈቕደሉ፧ ስለዚ: ኣብርሃም ልዕሊ 800 ኪሎ ሜተር ርሒቖም ኣብ መሶጶታምያ ኻብ ዚርከቡ ኣዝማዱ ንይስሃቅ እትዀኖ ሰበይቲ ኼምጽኣሉ ደለየ። ኣምላኽ ንርብቃ ሰበይቲ ይስሃቅን ዓባዩ ነቲ መሲህን ክትከውን ከም ዝመረጻ ብምሕባር: ነዚ ጻዕሩ ባረኾ። እወ: የሆዋ “ንኣብርሃም ብዅሉ ባሪኽዎ ነበረ።”—ዘፍጥረት 24:1-67፣ ማቴዎስ 1:1, 2

ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን በረኸት

ኣብርሃምን ሳራን ንዚመጾም ፈተናታት ብምጽዋርን ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ብምእማንን ዝመጸ ኣብነት እዮም ዚዀኑና። እቲ እተኣትወሎም መብጽዓታት ፍጻሜኡ ምርካቡ: ኣብ ዘለኣለማዊ ተስፋ ደቅሰብ ጽልዋ ኣለዎ። ከመይሲ: የሆዋ ንኣብርሃም “ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” ብምባል ኣረጋጊጹሉ እዩ።—ዘፍጥረት 22:18

ልክዕ እዩ: ኣብርሃምን ሳራን ከምዚ ኸማና ዘይፍጹማት እዮም ነይሮም። ፍቓድ ኣምላኽ ንጹር ምስ ኰነሎም ግን: ዚኸፍልዎ መስዋእቲ ብዘየገድስ ምስኡ ተሰማሚዖም እዮም ተመላሊሶም። ስለዚ: ኣብርሃም “ፍቑር [“ዓርኪ:” ትርጕም 1990] ኣምላኽ” ኪበሃል ከሎ: ሳራ ኸኣ ‘ተስፋኣ ናብ ኣምላኽ ዝገበረት ቅድስቲ ሰበይቲ’ ተባህለት። (ያእቆብ 2:23፣ 1 ጴጥሮስ 3:5) ንሕናውን ኣብነት ኣብርሃም ሳራን ክንቀድሕ ብምጽዓር: ምስ ኣምላኽ ክንቀራረብ ንኽእል ኢና። ካብቲ የሆዋ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ዚድነቕ መብጽዓታት እውን ክንጥቀም ንኽእል ኢና።—ዘፍጥረት 17:7

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብርሃምን ሳራን እምነት ስለ ዝነበረቶም: የሆዋ ኣብ ግዜ እርጋኖም ውሉድ ብምሃብ ባረኾም

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ካብቲ ኣብርሃም ዝገደፎ ኣብነት: የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ ኺመውት ኬፍቅድ ከሎ እተሰምዖ ስምዒት ክንርድኦ ንኽእል