ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ወሓይዝ ኣእዳዎም የጣቕዑ”

“ወሓይዝ ኣእዳዎም የጣቕዑ”

መስተንክር ፍጥረት የሆዋ

“ወሓይዝ ኣእዳዎም የጣቕዑ”

ንኻርታ ዓለም እንተ ተመልኪትካ: ኣብ እተፈላለያ ኣህጉራት ነዋሕቲ ሕንጻጻት ትርኢ ኢኻ። እዚ ድማ ኣብ ጐላጕል: ኣብ ምድረ-በዳታት: ከምኡውን ኣብ ሸኻታት ከም ሓረግ ተጠናኒጉ ኺሓልፍ ኢኻ እትርእዮ። ብስንጭሮታትን ሕሉማትን ዱርን ኣቢሉውን ይጐዓዝ እዩ። (ኣንባቆም 3:9) እዚ እንዛረበሉ ዘሎና ሕንጻጻት እቲ ናይ ምድርና ሰራውር ደም ኪበሃል ዚከኣል ወሓይዝ እዩ። እዚ ወሓይዝ እዚ ንጥበብን ሓይልን እቲ ፈጣሪ ምድሪ ዝዀነ የሆዋ እዩ ዚምስክር። ንሕናውን ክንምልከቶ ኸለና: ከምቲ “ወሓይዝ ኣእዳዎም የጣቕዑ: ኣኽራን ሐቢሮም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብሓጐስ ይዘምሩ” ኢሉ ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበሮ ዓይነት ስምዒት እዩ ዚሓድረና።—መዝሙር 98:8, 9 a

ወሓይዝ ምስ ታሪኽ ደቅሰብ ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኻብቲ ንኤድን ዜስቲ ዝነበረ ርባ ዚፈላለ ኣርባዕተ ዓበይቲ ጨንፈር ወሓይዝ ይዛረብ እዩ። (ዘፍጥረት 2:10-14) ሓደ ኻብቲ ብጥንታውነቱ ምስቶም ቀዳሞት ዚስራዕ ስልጣነ: ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዚርከብ ልሙዕ ሽንጭሮታት ጢግሪስን ኣብ ርባ ኤፍራጥስን እዩ ጀሚሩ። ሳላ እቲ ኣብ ቻይና ዚርከብ ፈለግ ህዋንግ: ኣብ ደቡባዊ እስያ ዚርከብ ፈለግ ጋንጀስን ፈለግ ኢንደስን: ከምኡውን ሳላ እቲ ኣብ ግብጺ ዚርከብ ፈለግ ኒል ዓብዪ ስልጣነታት ኪዕምብብ ክኢሉ እዩ።

እምበኣር: ወድሰብ ብዕቤትን ስፍሓትን ጽባቐን ወሓይዝ እንተ ኣስተንከረ ኣየገርምን እዩ። ኣብ ግብጺ ዚርከብ ፈለግ ኒል 6,670 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ እዩ ዚውሕዝ። እቲ ዝዓበየ ውሕዚ ኸኣ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዚርከብ ፈለግ ኣማዞን እዩ። ገሊኡ ወሓይዝ ብዕቤቱ ዚድነቕ ኪኸውን ከሎ: ከምቲ ንእሽቶ ኽነሱ ግን ከኣ ፍጥነት ዘለዎ ኣብ ጃፓን ዚርከብ ፈለግ ቶኔ ዝኣመሰለ ኸኣ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽባቐ ኣለዎ።

ንፈለግ ከም ዚውሕዝ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ ብሓጺሩ ስሕበት እዩ። እወ: ንማይ ካብ ዝበረኸ ቦታ ናብ ዝተሓተ ቦታ ኸም ዚውሕዝ ዚገብሮ ስሕበት እዩ። ሓድሓደ ግዜ ድማ እዚ ዜስደምም መንጫዕጫዕታ እዩ ዚፈጥር። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ መግለጺ ሓይልን ዕቤትን ኣመልኪቱ: “ጐይታየ: ወሓይዝ ኣልዐሉ: ወሓይዝ ድምጾም ኣልዐሉ: ወሓይዝ ህማሞም ኣልዐሉ” ይብል።—መዝሙር 93:3

የሆዋ ነቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ እዮብ “ንፈሳሲ ዝናምሲ መትረብ ዘቃንዓሉ . . . መን እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። (እዮብ 38:25) እወ: እዚ ዅሉ ማይ ካበይ እዩ ዚመጽእ፧ መልሲ ናይዛ ሕቶ እዚኣ ነቲ እተሓላለኸ ዑደት ማይ ዜጠቓልል እዩ። ኣብ ምድሪ ዘሎ ማይ ብሓይሊ ጸሓይን ስሕበትን ኣብ ዘየቋርጽ ዑደት እዩ ዚርከብ። ማይ ምስ ሃፈፈ: ናብ ሃዋሁ ኽብ ይብል። ጸኒሑ ይዝሕል እሞ ደስኪሉ ደበና ይኸውን። ድሕሪ ግዜ እዚ ዝሃፈፈ ማይ እዚ ውርጪ ወይ ዝናም ኰይኑ ናብ ምድሪ ይምለስ። መብዛሕትኡ ማይ ኣብ ውቅያኖሳት: ኣብ ቀላያት: ኣብ ወሓይዝ: ኣብ ኣኻውሕ በረድ: ኣብ ዋልታታት ኣብ ዚርከብ በረድ: ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ምድሪ እዩ ዚርከብ።

ብዛዕባ እዚ ዜደንቕ ዑደት እዚ: መጽሓፍ ቅዱስ “ውሒዝ ዘበለ ዅሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ: ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልእን። ወሓይዝ ናብቲ ዚኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ” ይብል። (መክብብ 1:7) እቲ ዘይተኣደነ ጥበብን ፍቕርን ሓልዮትን ዘለዎ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ዑደት ኬዳሉ ዚኽእል። ከምዚ ዝኣመሰለ ብሉጽ ንድፊ: ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ባህሪ ኸም ዘለዎ እዩ ዚነግረና፧ ዓብዪ ጥበብን ፍቕራዊ ሓልዮትን ዘለዎ ኣምላኽ ምዃኑ እዩ ዚሕብረና።—መዝሙር 104:13-15, 24, 25፣ ምሳሌ 3:19, 20

ሓያሎ ዓበይቲ ወሓይዝ እኳ እንተሎ: ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ጽሩይ ማይ ግን እተወሰነ መጠን ጥራይ እዩ ሒዙ ዚርከብ። ይኹን እምበር: ንህይወት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ዎተር ዘርእስቱ መጽሓፍ “ሰባት ማይ እንተ ዘይረኽቡን ብእተወሰነ ደረጃ እንተ ዘይቈጻጸርዎን ነይሮም: ሰባት ቀሊል ኰነ እተሓላለኸ ናብራ ይንበሩ ብዘየገድስ: ብህይወት ምንባር ኣይምተኻእለን ነይሩ” በለት። ብተወሳኺውን: “መብዛሕትኡ ታሪኽ ስልጣነ እቲ ወድሰብ ማይ ንምርካብን ንምቍጽጻሩን ዝገበሮ ጸብጻብ ዝሓዘ እዩ” በለት።

ወሓይዝ በሽሓት ንዚቝጸር ዓመታት ንጽምኢ ወድሰብ ኣርውዩ: ነታኽልቱውን ኣስትዩሉ እዩ። ኣብ ደንደስ መብዛሕትኡ ወሓይዝ ዚርከብ ልሙዕ መሬት: ዘራእቲ ንምብቋል ምሹእ እዩ። እዚ ሓሳባት እዚ ኣብቲ ነገልጋሊ የሆዋ እተዋህበ በረኸት ብኸመይ ከም እተገልጸ እሞ ኣስተብህል:- “ኣታ ያእቆብ: ድንኳናትካ: ኣታ እስራኤል ድማ: ማሕደርካ ኽንደይ ይጽብቕ። ከም ለሴታት: ኣብ ገምገም ርባ ኸም ዘሎ ኣታኽልቲ: እግዚኣብሄር ከም ዝተኸሎ ዕሬታት: ኣብ ወሰን ማይ ከም ዘሎ ጽሕድታት ይዝርግሑ።” (ዘሁልቍ 24:5, 6) ከምዘን ኣብዚ ስእሊ ዘለዋ ደርሁ ማይ ኰና ተዅላ ብህይወት ንኪቕጽላ ወሓይዝ ይሕግዘን እዩ። ብዛዕባ ወሓይዝ ዝያዳ ብዘጽናዕና መጠን: ንየሆዋ ምስጋና ንምሃብ ብዝያዳ ኢና እንድረኽ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 2004 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግንቦት/ሰነ ርአ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኣብ ዶብ ኣርጀንቲናን ብራዚልን ዚርከብ መንጫዕጫዕታ ኢጉዋሱ: ሓደ ኻብቲ ኣብ ዓለም ብርቱዕ ዚበሃል መንጫዕጫዕታታት እዩ። ስፍሓቱ ሰለስተ ኺሎ ሜተር ኣቢሉ ይኸውን። ኣብ ባህርያዊ ትሮፒካዊ ዱር ዚርከብ ኰይኑ: ዳርጋ 300 ኣቢሉ ዚኸውን ንኣሽቱ መንጫዕጫዕታታት ዝሓቘፈ እዩ። ዝናም ኣብ ዝሃርመሉ ወቕቲ: ኣብ ሓንቲ ኻልኢት 10,000 ኲቢክ ሜተር ማይ የፍስስ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጃፓን ዚርከብ ፈለግ ቶኔ