ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደቅሰብ ንኣምላኽ ንኼሐጕሱ ዚገብርዎ ጻዕሪ

ደቅሰብ ንኣምላኽ ንኼሐጕሱ ዚገብርዎ ጻዕሪ

ደቅሰብ ንኣምላኽ ንኼሐጕሱ ዚገብርዎ ጻዕሪ

ጆን ቦውከር ኣብታ ጎድ—ኤ ብሪፍ ሂስትሪ ዘርእስታ መጽሓፉ “ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምን ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ክሳዕ ሕጂ የልቦን። መብዛሕትኡ ግዜ ኣምላኽ ንዅሉ ፍጥረት ከም ዚቈጻጸር ወይ ከም ዝፈጠረ ጌርካ እዩ ዚግለጽ። እቶም ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ሕብረተሰብ እውን በዚ ይጽለዉ እዮም” በለ። እንተ በዚ እንተ በቲ: ንኣምላኽ ንምድላይን ሞገሱ ንምርካብን ዚግበር ጻዕሪ ኽፍሊ ናብራ ወድሰብ ኰይኑ እዩ። ኣብ ብዘላ ዓለም ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ንኼሐጕስዎ ልባዊ ድሌት ኣለዎም። ልክዕ እዩ: ነዚ ዚገብሩሉ መገዲ ኸከም እምነቶም ይፈላለ እዩ።

ገሊኣቶም ሞገስ ኣምላኽ ንኽትረክብ ቅኑዕ ምዃን ጥራይ ኣኻሊ እዩ ዚብል እምነት ኣለዎም። ገሊኣቶም ከኣ ንድኻታት ብምምጽዋት ሞገስ ኣምላኽ ዚረኽቡ ይመስሎም። ኣብ ርእሲ እዚውን ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ሃይማኖታዊ ጽምብላትን ወግዕታትን ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ኣምላኽ ኪርከብ ዘይከኣል: ኣዝዩ ርሑቕ ወይ ብጕዳዩ ኣመና ትሑዝ ብምዃኑ ንተራ ሰባት ቈላሕታ ዘይገብር ከም ዝዀነ ዚኣምኑ ኣለዉ። እቲ ኤጲቁሬዎስ ዚበሃል ጥንቲ ዝነበረ ግሪኻዊ ፈላስፋ ‘ኣማልኽቲ ካባና ኣዝዮም ርሑቓት ብምዃኖም ሕማቕ ኰነ ጽቡቕ ኪገብሩ ኸም ዘይክእሉ’ ይኣምን ምንባሩ እዩ ዚንገር። ይኹን እምበር: ሓያሎ ኸምዚ ዓይነት እምነት ዘለዎም ሰባት እውን ሃይማኖታውያን እዮም። አረ ገሊኣቶምሲ ንዚሞቱ ኣባሓጎታቶም ንኼሐጕሱ ኢሎም መስዋእትታት ይስውኡን ኣብ እተፈላለየ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ይሳተፉን እዮም።

ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ኣምላኽ ነቲ ሞገሱ ንኽንረክብ እንገብሮ ጻዕሪ የስተብህለሉ ድዩ፧ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ንኽእል ዲና፧

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

COVER: Courtesy of ROE/Anglo-Australian Observatory, photograph by David Malin