ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ዝነበረ ዳዊት: ንሚካል ሰበይቱ ኸምቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 19:12, 13 ተጠቒሱ ዘሎ ምስሊ ጣኦት ኪህልዋ ዝፈቐደላ ስለምንታይ እዩ፧

ፈለማ: ኣብ ከባቢ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት ንርአ። ንጉስ ሳኦል ንዳዊት ኪቐትሎ ኸም ዝመደበ ሰበይቲ ዳዊት ምስ ሰምዐት: ብኡንብኡ ስጕምቲ ወሰደት። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ሚካል ከኣ ንዳዊት ብመስኮት ኣውረደቶ: ንሱ ኸደ: ሀዲሙውን ኣምለጠ። ሚካል ድማ ምስሊ ጣኦት ወሲዳ [ክንዲ ሰብኣይ ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ] ኣብ ዓራት ኣንበረቶ: ኣብ ርእሱ ኸኣ መኼዳ ጸጕሪ ጤል ገበረትሉ: ክዳንውን ከደነቶ።” እቶም ሳኦል ዝለኣኾም ልኡኻት ንዳዊት ኪሕዝዎ ምስ መጹ: ሚካል “ሓሚሙ አሎ” በለቶም። እዚ ድማ ንዳዊት ኣርሒቑ ኼምልጥ ግዜ ሃቦ።—1 ሳሙኤል 19:11-16

ስነ-ጥንታዊ ርኽበታት ከም ዚሕብሮ: እዚ ሚካል እተጠቕመትሉ ተራፊም ዚበሃል ጣኦት ንኣምልኾ ጥራይ ዘይኰነስ ንሕጋዊ ጕዳያት እውን የገልግል ነይሩ እዩ። ልክዕ ከምዚ ኣብዚ ግዜና ምስክር ዋንነትን ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ለበዋን ንመሰል ውርሲ ዜረጋግጽ: ብግዜ ጥንቲ ጣኦት ተራፊም ነዚ የገልግል ነይሩ እዩ። ኣብ ገለ ገለ ዅነታት ሰብኣይ ጓል ነዚ ተራፊም እዚ እንተ ወኒኑ: ንጥሪት እቲ ዝሞተ ሓሙኡ ናይ ምውራስ መሰል ኣለዎ። ስለዚ ኸኣ እዩ ቕድሚ ነዊሕ ግዜ ራሄል ናይ ኣቦኣ ጣኦት ተራፊም ምስ ወሰደት: ኣቦኣ ንኼምልሶ ሓያል ጻዕሪ ዝገበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ያእቆብ ሰብኣይ ራሄል: ሰበይቱ ዝገበረቶ ነገር ኣይፈለጠን ነይሩ።—ዘፍጥረት 31:14-34

እስራኤላውያን ከም ህዝቢ ምስ ቈሙ: ዓሰርተ ትእዛዛት ተዋህቦም። እታ ኻልአይቲ ትእዛዝ ድማ ብንጹር ጣኦታት ከይገብሩ እትኽልክል ነበረት። (ዘጸኣት 20:4, 5) ጸኒሑ ነብዪ ሳሙኤል ንንጉስ ሳኦል “ዕልወትሲ ሓጢኣት ጥንቍልና እዩ: ህልኽ ከኣ ምምላኽ ጣኦትን ትራፊምን እዩ” ኢሉ ኺዛረቦ ኸሎ: ነቲ ትእዛዝ እዩ ኣሚቱ። (1 ሳሙኤል 15:23) በዚ ምኽንያት እዚ: እስራኤላውያን ውርሲ ንምርግጋጽ ኢሎም ተራፊም ኪሕዙ ዘይመስል እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እዚ ጥንቲ ኣብ ኣይሁድ ዝነበረ ማሪታዊ እምነት: ኣብ ገሊኣቶም እስራኤላውያን ዝቐጸለ እዩ ዚመስል። (መሳፍንቲ 17:5, 6፣ 2 ነገስት 23:24) ሚካል ጣኦት ተራፊም ምሓዛ: ልባ ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ ኸም ዘይነበረ እዩ ዜመልክት። ዳዊት ብዛዕባ እቲ ምስሊ ተራፊም ኣይፈለጠን: ወይውን ጓል ንጉስ ሳኦል ብምንባራ ዕሽሽ ኢልዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ዳዊት ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ውፉይ ምንባሩ ኣብቲ “እግዚኣብሄርሲ ዓብዪ እዩ: ብዙሕ ምስጉን ከኣ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዜፍርህ እዩ። ኵሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ጣኦታት እዮም: እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ” ብምባል እተዛረቦ ቓላቱ ይርአ እዩ።—1 ዜና መዋእል 16:25, 26

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እታ ኻልአይቲ ኸምዚ ኣብዚ ስእሊ ዚርአ ተራፊም ዝኣመሰለ ጣኦታት ምግባር እትኽልክል እያ

[ምንጪ ስእሊ]

From the book The Holy Land, Vol. II, 1859