ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ናባና ሕለፍ እሞ ርድኣና’

‘ናባና ሕለፍ እሞ ርድኣና’

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ

‘ናባና ሕለፍ እሞ ርድኣና’

ኣብ ሓምለ 2000 ኣብ ኦስትርያን ጀርመንን ስዊዘርላንድን ንዚርከቡ ጀርመንኛ ዚዛረቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቦሊቭያ ኪግዕዙ ጻውዒት ቀረበሎም። ስለምንታይ፧ ካብታ ኣብ ቦሊቭያ እትርከብ ከተማ ሳንታ ክሩዝ ክሳዕ 300 ኪሎ ሜተር ኣብ ዘሎ ርሕቀት ዚርከቡ ጀርመንኛ ዚዛረቡ ሰዓብቲ እምነት ሜኖ ዝዀኑ ሓረስቶት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ኬሕድሩ ስለ ዝጀመሩ እዩ።

ኣስታት 140 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ጻውዒት ተቐበልዎ። ገሊኣቶም ንሒደት ሰሙናት ናብቲ ቦታ ኪኸዱ ኸለዉ: ገሊኣቶም ከኣ ንሓደ ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዚኸውን ግዜ ኣብቲ ቦታ ጸንሑ። ከምዚ ብምግባሮም: ምስቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ “ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና” ዚብል ጻውዒት እተቐበሉ ሚስዮናውያን ዘርኣይዎ መንፈስ ዚመሳሰል እዮም ኣንጸባሪቖም።—ግብሪ ሃዋርያት 16:9, 10

ኣብቲ ዞባ እቲ ምግልጋል ከመይ ይመስል፧ ሓደ ኣብታ ዓዲ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ዜገልግል ሽማግለ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ናብ ሓደ ኻብቲ ጕጅለታት ሜኖኣውያን ዚርከብዎ 43 ቦታታት ንምኻድ ፎር-ዊል-ድራይቭ ዝዓይነታ ማኪና ሒዝካ ብዘይጥጡሕ መገዲ ኽሳዕ ሸሞንተ ሰዓት ትጐዓዝ። ነቲ ዝረሓቐ ቦታታት ንምብጻሕ መብዛሕትኡ ግዜ ኣርባዕተ መዓልቲ ዚወስድ ኰይኑ: ለይቲ ኣብ ድንኳን ክትሓድር ትግደድ። እንተዀነ ግን: እዞም ሰባት እዚኣቶም ቅድሚ ሕጂ ነቲ ብስራት ሰሚዖምዎ ዘይፈልጡ ብምዃኖም: እዚ ጻዕሪ እዚ ኺግበረሎም ዚግባእ እዩ።”

ፈለማ ብዙሓት ሜኖኣውያን ነቲ እተገብረሎም ምብጻሕ ኣይተቐበልዎን። እንተዀነ ግን: እቲ እተገብረ ተደጋጋሚ ጻዕርታት: ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሒዞምሎም ዚመጹ መልእኽቲ ኺግንዘብዎ ሓገዞም። ንኣብነት: ሓደ ሓረስታይ መጽሔት ንቕሑ! ንሓደ ዓመት ዚኸውን ከም ዘንበበ ገለጸ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ኣብዚ ቦታ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ነዚ እትብልዎ ኸም ዘይሰማምዑሉ እፈልጥ እየ: ኣነ ግን ሓቂ ምዃኑ እኣምነሉ እየ” በለ። ኣብ ካልእ ቦታ ዚነብር ሰብኣይ ድማ “ገሊኣቶም ጐረባብተይ ናይ ሓሶት ነብያት ከም ዝዀንኩም ገይሮም ይዛረቡ: ገሊኣቶም ከኣ ሓቂ ምሳኻትኩም ከም ዘላ ይዛረቡ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ባዕለይ ከረጋግጽ እየ ዝደሊ” በለ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቦሊቭያ 14 ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ዚርከብዎም 35 ኣስፋሕቲ ዘለዉዋ ጉባኤ ጀርመንኛ ኣላ። ክሳዕ እዛ ግዜ እዚኣ ሜኖኣውያን ዝነበሩ 14 ሰባት: ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ኸለዉ: 9 ኻልኦት ድማ ኣዘውቲሮም ኣብ ኣኼባ ይእከቡ ኣለዉ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተጠምቀ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ: “የሆዋ ይመርሓና ኸም ዘሎ ብንጹር ንርኢ ኣሎና። ምእንቲ ኺሕግዙና ተመክሮ ዘለዎም ጀርመንኛ ዚዛረቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ሰዲዱልና እዩ። ኣዚና ኢና እነማስወሉ” በለ። ዓሰርተው ሸውዓተ ዓመት ዝዕድሜኣ እተጠምቀት ጓሉ ኸኣ: “እቶም ናብዚ ዝመጹ መንእሰያት ኣሕዋትን ኣሓትን ዘለዎም ውዕዉዕ ስምዒት ንኻልኦት ዜቕንእ እዩ። መብዛሕትኦም ፓይነራት ስለ ዝዀኑ ግዜኦምን ገንዘቦምን ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ እዮም ዜውዕልዎ። ንዓይውን ተመሳሳሊ ንኽገብር ባህጊ ኣሕዲሩለይ እዩ” በለት።

እዞም ንሰባት ምእንቲ ኺረድኡ ኢሎም ናብ ካልእ ቦታ ‘ዝሓለፉ:’ ብሓቂ ዓብዪ ሓጐስን ዕግበትን እዮም ዚረኽቡ ዘለዉ።