ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ግዜ ጸበባ ሰናይ ምግባር

ኣብ ግዜ ጸበባ ሰናይ ምግባር

ኣብ ግዜ ጸበባ ሰናይ ምግባር

ሃዋርያ ጳውሎስ “ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር” በለ። (ገላትያ 6:10) ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ኸኣ ንክርስትያናት ብጾቶም ሰናይ ብምግባር: ነዚ ስርዓት እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣበርቲዖም እዮም ዚጽዕሩ። እዚ ብግዜ ጸበባ ብተደጋጋሚ ተራእዩ እዩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ዘጋጠመ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ኣብ ታሕሳስ 2002 ኣብ ሰዓት 300 ኪሎ ሜተር ዚጓዓዝ ብርቱዕ ህቦብላ ናብ ጓም መጸ። ሓያሎ ኣባይቲ ጕድኣት ወረዶ: ገሊኡ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ዓነወ። ኣብታ ሃገር ዚርከባ ጉባኤታት ነተን ከቢድ ጕድኣት ዝወረደን ስድራቤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምሕጋዝ: ብኡንብኡ ነቲ ዝፈራረሰ ዜጸራርያ ጕጅለታት ኣቘማ። ኣብ ጓም ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ነቲ ጕድኣት ዝወረዶ ኣባይቲ ንምጽጋን ንዋትን ሰራሕተኛታትን ኣዳለወ: ኣብ ሃዋይ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እውን ደገፍ ሃበ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ኣብቲ ዳግመ ህንጸት ኪሕግዙ ጸራቦ ኻብ ሃዋይ መጹ: ንዓታቶም ንምድጋፍ ከኣ ገሊኣቶም ኣብ ጓም ዚነብሩ ኣሕዋት ካብ ስርሖም ዕረፍቲ ወሰዱ። ብሓጐስ ሓቢሮም ይዓዪ ብምንባሮም ንዅሎም እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ምስክርነት እዩ ነይሩ።

ኣብ ከባቢ ኸተማ ማንድለይ: ምያንማር: ካብ ሓደ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቑ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ባርዕ ተላዕለ። ጥቓ እቲ ባርዕ: ቤት ሓንቲ ዝዛሕተለት ሓብቲ ነበረት። እቲ ንፋስ ነቲ ባርዕ ናብታ ቤት ገጹ ይወስዶ ብምንባሩ: እታ ሓብቲ እናጐየየት ናብቲ ኣደራሽ መጺኣ ሓገዝ ሓተተት። ኣብቲ ግዜ እቲ: እቲ ኣደራሽ ይሕደስ ስለ ዝነበረ: ብዙሓት ኣሕዋት ኣብኡ ነበሩ። እታ ሓብቲ ኣብቲ ኸባቢ ኸም እትነብር ዘይፈልጡ ብምንባሮም: ምስ ረኣይዋ ተገረሙ። እቶም ኣሕዋት ብኡንብኡ ነቲ ንብረታ ናብ ደሓን ቦታ ኣግዓዙላ። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ሰብኣያ ብዛዕባ እቲ ባርዕ ሰሚዑ ጐዪዩ ናብ ቤቱ ምስ መጸ: ኣሕዋት ንስድራኡ ኺሕግዝዎም ጸንሕዎ። በዚ ተመሰጠ: ብዙሕ ድማ ኣማሰወ። ምስ ረኣዮም ቅሳነት ተሰምዖ: ከመይሲ ዘረፍቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ይጥቀሙሉ እዮም። እዚ ኣሕዋት ዝገበርዎ ሕያውነት ነታ ሓብትን ንወዳን ልቦም ስለ ዝተንከፎም: ናብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ለገቡ: ኣብዚ እዋን እዚ እውን ኣዘውቲሮም ኣብ ኣኼባታት ይእከቡ ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ብዙሓት ኣብ ሞዛምቢክ ዝነበሩ ሰባት ብሰንኪ ድርቅን ሃጒን ተሸጊሮም እዮም። እቲ ኣብታ ሃገር ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም እተሸገሩ ምግቢ ብምሃብ ቀልጢፉ ስጕምቲ ወሰደ። እቲ ምግቢ ኣብ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ይዕደል ነበረ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ድሕሪ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት እዩ ዚዕደል ነይሩ። ሓንቲ ንበይና ደቃ እተዕቢ ሓብቲ: “ደሓር ናብ ቤትና ምስ ተመለስና ንደቀይ እንታይ ከም ዜብልዖም ሓርቢቱኒ ስለ ዝነበረ: እናተጨነቕኩ እየ ናብ ኣኼባ መጺአ” በለት። እቲ ኣሕዋት ዝገበሩላ ፍቕራዊ ደገፍ ብኡንብኡ ኣተባብዓ። “እዚ ንዓይ ትንሳኤ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ!” ድማ በለት።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዜጸናንዕን ተስፋ ዚኸውንን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ንኻልኦት ብምንጋር እውን: ብመንፈሳዊ መገዲ ‘ሰናይ ይገብሩ’ እዮም። ነቲ እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ ነዊሕ ይገብር “እቲ ዚሰምዓኒ [ንጥበብ ኣምላኽ ዚሰምዕ] ግና ብደሓን ኪነብር: ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ” ብምባል እተዛረቦ ነገር ይኣምኑሉ እዮም።—ምሳሌ 1:33

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

1, 2. ኣብ ሞዛምቢክ ንእተሸገሩ ምግቢ ምዕዳል

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

3, 4. ኣብ ጓም ህቦብላ ንፋስ ሓያሎ ኣባይቲ ኣዕነወ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

Child, left: Andrea Booher/FEMA News Photo; woman, above: AP Photo/Pacific Daily News, Masako Watanabe