ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣየነይቲ ሃይማኖት ኢኻ ኽትመርጽ ዘሎካ፧

ኣየነይቲ ሃይማኖት ኢኻ ኽትመርጽ ዘሎካ፧

ኣየነይቲ ሃይማኖት ኢኻ ኽትመርጽ ዘሎካ፧

ኣባል ሓንቲ ጕጅለ ሃይማኖት ምዃን ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ: ዝዀነት ትኹን እንተ መረጽካ ኣገዳስነት የብሉን ኢሎም ዚኣምኑ ብዙሓት ሰባት: ‘እተፈላለያ ሃይማኖታት ናብ ሓደ ዕላማ ዜብጽሓ እተፈላለያ መገድታት እየን። ከመይሲ: ሓደ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዘሎ: ኣይኰነን ድዩ፧’ ይብሉ እዮም።

ነዚ ጕዳይ እዚ ላዕለ ላዕሉ ጥራይ ክትርእዮ ኸለኻ: ሓደ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ስለ ዘሎ: ቅኑዕ መሲሉ ይረኣየካ ይኸውን። (ኢሳይያስ 44:6፣ ዮሃንስ 17:3፣ 1 ቈረንቶስ 8:5, 6) ይኹን እምበር: ኣብ መንጎ እተን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነገልግል ኢና ዚብላ ሓያሎ ጕጅለታት ሃይማኖት ዚርከብ ንጹር ፍልልያት ኰነ ዚጋጮ ሓሳባት ዕሽሽ ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ልምድታተን: እምነታተን: ትምህርትታተን: ከምኡውን ኣብቲ ኺማላእ ዚደልያኦ ብቕዓታት ዓብዪ ፍልልይ ኣለወን። እቲ ፍልልያት ኣዝዩ ብዙሕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ገሊኦም ኣብ ሓደ ጕጅለ ሃይማኖት ዚርከቡ ሰባት ነቲ ኻልኦት ዚምህርዎ ወይ ዚኣምኑሉ ነገራት ንኺርድኦም ወይ ንኪቕበልዎ እኳ የጸግሞም እዩ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን የሱስ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ: እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግድሉ ይግብኦም” በለ። (ዮሃንስ 4:24) ኣምላኽ ብሓቂ ኺምለኽ እንተ ዀይኑ: ብዛዕባ መንነቱን ዕላማታቱን ኪምለኽ ዚደልየሉ መገድን ዚጋጮ ሓሳባት ኪህሉ ግቡእ ድዩ፧ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ብኸመይ ከም እነምልኾ ኣየገድሶን እዩ ኢልካ ምሕሳብ ዚወሓጠልካ ነገር ድዩ፧

ጥንቲ ዝነበሩን ሕጂ ዘለዉን ናይ ሓቂ ክርስትያናት

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት: ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ገለ ነገራት እተፈላለየ ኣረኣእያ ዚሕዙሉ እዋን ነይሩ እዩ። ንኣብነት: ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ “ኣሕዋተየ: ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ: ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ አለዉ: እዚ ማለት፤ ነፍሲ ወከፍኩም: ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ: ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ: ኣነ ናይ ኬፋ: ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ: ከም እትብሉ: እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ” በሎም።—1 ቈረንቶስ 1:11, 12

ጳውሎስ ነዚ ፍልልያት እዚ ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ ገይሩ ድዩ ርእይዎ፧ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ናብ ድሕነት ዚመርሖ ናይ ርእሱ መገዲ ምስዓቡ ኣቕሊልካ ዚርአ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን! ጳውሎስ: “ኣሕዋተየ: ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ: ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር: ምፍልላይ ከይህልወኩም: እምዕደኩም አሎኹ” ኢሉ ተማሕጸኖም።—1 ቈረንቶስ 1:10

ልክዕ እዩ: ኣገዲድካ ሓደ ዓይነት እምነት ከተምጽእ ኣይከኣልን እዩ። ውልቀ-ሰባት ነቲ ጕዳያት ብጥንቃቐ መርሚሮም ኣብ ሓደ ዝዓይነቱ መደምደምታ ኺበጽሑን ነቲ ዚበጽሕዎ መደምደምታ ኪቕበሉዎን ከለዉ እዩ ሓድነት ኪህሉ ዚኽእል። ስለዚ: ነቲ ጳውሎስ እተዛረበሉ ሓድነት ንምርካብ: ቃል ኣምላኽ ብብሕቲ ኸተጽንዕን ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ልባዊ ባህጊ ኸተሕድርን ኣሎካ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድነት ኪብጻሕ ይከኣል ድዩ፧ ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ: ኣምላኽ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ምስ ህዝቡ ዝነበሮ ርክብ ብደረጃ ጕጅለ እዩ ነይሩ። ሎሚ እዞም ጕጅለ እዚኣቶም መን ምዃኖም ክንፈልጥ ንኽእልዶ፧

ምስቶም ቅኑዓት ጕጅለ ምሕባር ዘለዎ ረብሓታት

ሓደ ግዜ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፧ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። እዚ ብሓቂ ዜተሓሳስብ ሕቶ እዩ። ዳዊት ባዕሉ ድማ “እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን” ብምባል ናይታ ሕቶ መልሲ ሃበ። (መዝሙር 15:1, 2) ሓደ ሰብ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርጡብ ምርዳእ ምስ ዚህልዎ: እታ ኣምላኽ ዚደልዮ ብቕዓታት እተማልእ ሃይማኖት ኣየነይቲ ምዃና ንኼለሊ የኽእሎ። ድሕሪኡ ምስታ ጕጅለ ሃይማኖት ብምሕባር ምስቶም ንኣምላኽ ብሓድነትን “ብመንፈስን ብሓቅን” ዜምልኹ ህዝቢ ሃናጺ ምሕዝነት ይህልዎ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዛ ሓድነት ዘይብላ ዓለም እውን ከይተረፈ: ኣብ እምነትን ተግባርን ሓድነት ኪህሉ ኸም ዚኽእል ኣርእዮም እዮም። ኣብ መንጎኦም ካብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ዚመጹን በበይኑ ዓሌታት ዝመበቈሎምን ሰባት ኣለዉ። ገሊኣቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ኣቐዲሞም ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ነገር የልቦን ወይ ኣምላኽ ዚበሃል የልቦን ዚብሉ ዝነበሩ እዮም። ገሊኣቶም እውን ብዛዕባ ሃይማኖት ኣርዚኖም ሓሲቦም ዘይፈልጡ እዮም። ካብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ሃይማኖታትን ባህልታትን ፍልስፍናታትን ግን ኣብዛ ዓለምና ዘይተራእየ ዓይነት ሓድነት ሃይማኖት ዘለዎም ውልቀ-ሰባት ተኣኻኸቡ።

ነዚ ሓድነት እዚ መሰረት ዚዀኖ: እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ልክዕ እዩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኻልኦት እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ኪእዝዝዎም ከም ዘይኽእሉ ይፈልጡ እዮም። እንተዀነ ግን: ካልኦት ነቲ ኣምልኾኦም ኣብ ድልዱል መሰረት ምእንቲ ኺስርቱ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺመሃሩ ኼተባብዑዎም ብምኽኣሎም የማስዉ እዮም። በዚ ኸምዚ ድማ ብዙሓት ሰባት እቲ ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ምግልጋል ዜምጽኦ ረብሓታት ይረኽቡ።

ኣብዚ ግዜና ብጐዳኢ ጽልዋታትን መስድዒታትን ንኽትታለል ዜኽእል ሰፊሕ ኣጋጣሚ ኣሎ። ጥዑያት ኣዕሩኽ ምርካብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን:” ከምኡውን “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 13:20፣ 1 ቈረንቶስ 15:33) ምስቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ምቅርራብ ዕቝባ እዩ ዚዀነካ። ስለዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር: ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ: ኣኼባና ኣይንሕደግ” ብምባል የዘኻኽረና። (እብራውያን 10:24, 25) ብመንፈስ ኣሕዋትን ኣሓትን ዝዀኑ ናይ ሓቂ ፈተውቲ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎም ሓላፍነት ንምፍጻም ብፍቕሪ ኺተሓጋገዙስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ!

ኦትማር ምስዚ ሓሳብ እዚ ይሰማማዕ እዩ። እዚ ሰብ እዚ ኣብ ሃገረ ጀርመን ብሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዝዀኑ ወለዲ እዩ ዓብዩ። ጸኒሑ ግን ናብ ቤተ-ክርስትያን ምኻድ ገደፎ። “ናብ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዝኸደሉ ዝነበርኩ እዋን: ከምቲ ኽኣቱ ኸለኹ ዝነበረኒ ናይ ባዶነት ስምዒት እናተሰምዓኒ እየ ዝወጽእ ነይረ” ብምባል ገለጸ። እንተዀነ ግን: ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት ኣየጥፍአን። ድሕሪኡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበ: ናይ ሓቂ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምዃኖም ድማ ኣመነ። ምሳታቶም ኪሓብር ከም ዘለዎ ተገንዘበ። ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ “ኣብ ሓደ ዓለምለኻዊ ማሕበር ብንጥፈት ብምስታፈይ: ውሽጠይ ሰላም እዩ ዚስምዓኒ። በብቕሩብ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርጡብ ፍልጠት ምእንቲ ኸጥሪ ሓገዝ ተዋሂቡኒ እዩ። እዚ ንዓይ ብዋጋ ዘይሽነን ረብሓ እዩ ዘለዎ” በለ።

ነቶም ንኣምላኽ ዚደልይዎ ዝቐረበሎም ዕድመ

ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ብሓባር ኪዓዩ ኸለዉ: ካብቲ ውልቀ-ሰባት በብርእሶም ዚዓይዎ ንላዕሊ እዮም ዚዓሙ። ንኣብነት: የሱስ ንሰዓብቱ ኺፋነዎም ከሎ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዘዞም። (ማቴዎስ 28:19, 20) መሪሕነት ወይ ማሕበር እንተ ዘየልዩ: እዚ ዕዮ እዚ ኸመይ ኢሉ እዩ ብዜዕግብ መገዲ ኺፍጸም ዚከኣል፧ ሓደ ሰብ ካብ ካልኦት ተፈልዩ ብብሕቱ ንኣምላኽ ኬገልግሎ እንተደኣ ፈቲኑ: ከመይ ገይሩ እዩ ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ እዚ ኺእዘዝ ዚኽእል፧

ዓሚ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 91,933,280 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መጻሕፍትን ንኣሽቱ መጻሕፍትን ብሮሹራትን ከምኡውን 697,603,247 መጽሔታት ዘርጊሖም። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ 235 ሃገራት ንዚርከቡ በማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት መልእኽቲ ቓል ኣምላኽ በጽሖም። እዚ ድማ ሓደ ብስርዓት እተወደበ ጕጅለ ብሓድነት ዚገብሮ ጻዕርታት: ካብቲ ወልቀ-ሰባት ብዘይ ሓገዝ ካልኦት ዚገብርዎ ጻዕርታት ኣጸቢቑ ኸም ዜስልጥ ዜርኢ እዩ።

ኣብ ርእሲ እቲ ዚዝርግሕዎ ጽሑፋት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚደልዮ ብቕዓታት ሰባት ዓሚቝ ምርዳእ ምእንቲ ኺህልዎም ብዘይ ክፍሊት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ እዮም። ዓሚ ብገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ን5,726,509 ውልቀ-ሰባት ወይ ጕጅለታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሖም እዮም። እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ትምህርቲ: ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት እንታይ ከም ዜምልኹ ምርጫ ንኺገብሩ ድልዱል መሰረት ኰይንዎም እዩ። ንዓኻውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታት ክትመሃር ንዕድመካ። ድሕሪኡ: ዝደለኻዮ ኽትመርጽ ትኽእል።—ኤፌሶን 4:13፣ ፊልጲ 1:9፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:20፣ 2 ጴጥሮስ 3:18

ንኣምላኽ ምእንቲ ኸተሐጕስ ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ክትከውን ዜድሊ እኳ እንተዀነ: ኣባል ዝዀነት ትኹን ሃይማኖት ክትከውን ኣሎካ ማለት ግን ኣይኰነን። ኣብ መርትዖ ዘይብሉ ሰረተ-እምነት ወይ ኣብ በላበለው ተመርኲስካ ዘይኰነስ: ኣብ ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስካ ኢኻ ሃይማኖት ክትመርጽ ዘሎካ። (ምሳሌ 16:25) ነቲ ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኬተማልኦ ዜድሊ ብቕዓታት ተምሃር። ነቲ ዚወሃበካ ትምህርቲ ድማ ምስ እምነታትካ ኣነጻጽሮ። ድሕሪኡ: ኣብኡ ተመርኲስካ ምረጽ።—ዘዳግም 30:19

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዛ ሓድነት ዘይብላ ዓለም ብሓድነት ይነብሩ ኣለዉ