ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቶም ንኣምላኽ ክብሪ ዚህብዎ ብሩኻት እዮም

እቶም ንኣምላኽ ክብሪ ዚህብዎ ብሩኻት እዮም

እቶም ንኣምላኽ ክብሪ ዚህብዎ ብሩኻት እዮም

“ዎ እግዚኣብሄር: . . . ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱ: ንስምካውን ኬኽብሩ እዮም።” —መዝሙር 86:9

1. ካብቲ ግኡዝ ፍጥረት ብዚበልጽ መገዲ ንኣምላኽ ክብሪ ኽንህቦ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

 የሆዋ ኻብ ኵሎም ፍጥረታቱ ውዳሰ ዚግብኦ እዩ። ግኡዛን ፍጥረታቱ ብዘይ ድምጺ ኽብሪ ዜምጽኡሉ እኳ እንተዀኑ: ሰባት ዘበልና ግን ንኸነመዛዝን: ንኽንግንዘብ: ንኸነማሱ: ከምኡውን ንኸነምልኽ ተኽእሎ ኣሎና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኵሉኹም ሃገራት: ንኣምላኽ እልል በሉሉ: ንኽብሪ ስሙ ዘምሩ: ንውዳሴኡ ኽብሪ ሀቡ” ዝበለ እምበኣር ንዓና እዩ።—መዝሙር 66:1, 2

2. ንስም ኣምላኽ ክብሪ ኺህቡ ዝቐረበሎም ጻውዒት ምላሽ ዝሃቡ መን እዮም: ስለምንታይከ፧

2 መብዛሕትኦም ደቅሰብ: ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣፍልጦ ኣይህቡን ወይ ክብሪ ኣይህብዎን እዮም። ይኹን እምበር: ኣብ 235 ሃገራት ዚርከቡ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ መሰኻኽር የሆዋ: በቲ ግብሩ ኣቢሎም ነቲ ‘ዘይርኤ ባህሪ’ ኣምላኽ ከም ዝረኣዩን ነቲ ፍጥረት ብዘይድምጺ ዚህቦ ምስክርነት ከም ‘ዝሰምዑን’ ኣርእዮም እዮም። (ሮሜ 1:20፣ መዝሙር 19:2, 3) መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ከኣ ንየሆዋ ኺፈልጥዎን ኬፍቅርዎን ከኣሉ። መዝሙር 86:9, 10 “ዎ እግዚኣብሄር: ዝፈጠርካዮም ኣህዛብ ኵሎም መጺኦም ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱ: ንስምካውን ኬኽብሩ እዮም። ንስኻ ዓብይን ተኣምራት እትገብርን ኢኻ እሞ: ኣምላኽሲ ንስኻ ጥራይ ኢኻ” ብምባል ትንበ።

3. እቶም “ብዙሓት ሰብ” ‘ለይትን መዓልትን ዜገልግሉ’ ብኸመይ እዮም፧

3 ብተመሳሳሊውን: ራእይ 7:9, 15 ንኣምላኽ ‘ለይትን መዓልትን ብዛዕባ ዜገልግልዎ’ “ብዙሓት ሰብ” ትገልጽ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ኣምላኽ ቃል ብቓሉ ለይትን መዓልትን ብዘይምቍራጽ ኪውድስዎ ይደሊ ማለት ዘይኰነስ: ኣምለኽቱ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ምዃኖም እዩ ዜመልክት። ስለዚ: ኣብ ገሊኡ ሃገራት ለይቲ ኪኸውን ከሎ: ኣብ ካልእ ሸነኽ ምድሪ ዚርከቡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ዕዮ ምስክርነት ይሳተፉ። በዚ ኸምዚ እቶም ንየሆዋ ኽብሪ ዜምጽኡሉ ለይትን መዓልትን የገልግልዎ ኣለዉ ኺበሃል ይከኣል። ድሕሪ ሓጺር እዋን “ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ” ዓው ኢሉ ንየሆዋ ኺውድሶ እዩ። (መዝሙር 150:6) ክሳዕ ሽዑ ግን: ንኣምላኽ ክብሪ ንምሃብ ብብሕትና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ እንታይ ጸገማት ኬጋጥመና ይኽእል፧ ነቶም ንኣምላኽ ክብሪ ዚህብዎኸ እንታይ በረኸት እዩ ተነቢሩሎም ዘሎ፧ ናይዚ መልሲ ንምርካብ: ብዛዕባ እቲ ሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ዝነበረ ጋድ እተጻሕፈ ጸብጻብ ንመርምር።

ጥንቲ ዘጋጠመ ጸገም

4. ነገድ ጋድ እንታይ ጸገማት የጋጥሞም ነበረ፧

4 እቶም ሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ዝነበሩ ደቂ ጋድ: ናብታ ምድሪ ተስፋ ቕድሚ ምእታዎም: ኣብቲ ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዚርከብ ንማል ዚጥዕም ቦታ ኪቕመጡ ሕቶ ኣቕረቡ። (ዘሁልቍ 32:1-5) እቶም ኣብቲ ቦታ እቲ ዚቕመጡ ነገዳት ከቢድ ጸገማት የጓንፎም ነበረ። ነቶም ብምዕራብ ዝነበሩ ነገዳት ግን እቲ ንወተሃደራዊ ወራር ዕንቅፋት ዚኸውን ስንጭሮ ዮርዳኖስ ይከላኸለሎም ነበረ። (እያሱ 3:13-17) ይኹን እምበር: እታ ብጆርጅ ኣዳም ስሚዝ እተጻሕፈት ዘ ሂስቶሪካል ጂኦግራፊ ኦቭ ዘ ሆሊ ላንድ: ብዛዕባ እቲ ብምብራቕ ዮርዳኖስ ዝነበረ መሬት “ኣብ ልዕሊ እቲ ዋላ ሓደ ዕንቅፋት ዘይብሉ ሰፊሕ ከበሳ ዓረብ ተዘርጊሑ እዩ ዚርከብ። በዚ ምኽንያት እዚ ንወራራት እቶም ዝጠመዩ ሰበኽ-ሳግም እተቓልዐ እዩ ነይሩ: አረ ገሊኣቶምሲ መገሃጫ ደልዮም ኣብ ዓዓመት ይመጹ ነበሩ” በለት።

5. ያእቆብ ንደቂ ጋድ መጥቃዕቲ ምስ ወረዶም እንታይ ኪገብሩ እዩ ዜተባብዖም፧

5 ነገድ ጋድ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘየቋርጽ ጸቕጢ ኺወርዶም ከሎ ብኸመይ ተጻዊሮምዎ፧ ሓያሎ ዘመናት ኣቐዲሙ ኣቦኦም ያእቆብ ኣብ ኣጋ ሙማቱ ኣብ ዝሃቦ ትንቢት “ንጋድ ጭፍራታት ኬጨንቕዎ እዮም: ንሱ ግና እግርእግሮም ኬጨንቖም እዩ” ኢሉ ነይሩ። (ዘፍጥረት 49:19) ነዘን ቃላት እዚኣተን ላዕለ ላዕሉ ኽትርእየን ከለኻ ኣሉታዊ ኺመስላ ይኽእላ እየን። ከም ሓቂ ግን ጋዳውያን እውን ሕነኦም ከም ዚፈድዩ ዚሕብራ እየን። ከምዚ እንተደኣ ገይሮም: ጋዳውያን ነቶም ወረርቲ እግርእግሮም እናኣጨነቑ ኣዋሪዶም ከም ዚመልስዎም ያእቆብ ኣረጋገጸሎም።

ሎሚ ኣብ ኣምልኾና ዜጋጥም ጸገማት

6, 7. ኵነታት እዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ምስቲ ንነገድ ጋድ ዜጋጥሞም ዝነበረ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧

6 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ልክዕ ከም ነገድ ጋድ ነቲ ናይ ሰይጣን ኣገባብ ዜምጽኦ ጸቕጥን ጾርን እተቓልዑ እዮም። ምስዚ ኻብ ምቅላስ ኬድሕነና ዚኽእል ተኣምራዊ ዕቝባ የብልናን። (እዮብ 1:10-12) ሓያሎ ኻባና ኣብ ቤት ትምህርትና: ንናብራና ዜድሊ ኽንምእርር ከለና: ከምኡውን ውሉዳትና ኸነዕቢ ኸለና ጸቕጥታት የጋጥመና እዩ። እቲ ብሕታዊ ወይ ውሽጣዊ ጸቕጢ እውን ዕሽሽ ኪበሃል የብሉን። ገሊኣቶም ስንክልና ወይ ከቢድ ሕማም ስለ ዘለዎም ‘ኣብ ስጋኦም ንዘሎ ግራጭ’ ይጻወርዎ እዮም። (2 ቈረንቶስ 12:7-10) ገሊኣቶም ከኣ ዋጋ ዘይብሎም ኰይኑ ይስምዖም። እቲ “ኽፉእ መዓልትታት” እርጋን ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ከምቲ ቐደም ዝነበርዎ ንየሆዋ ብምሉእ ሓይሎም ንኸየገልግልዎ ይዓግቶም ይኸውን።—መክብብ 12:1

7 ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ‘እቲ ቕልስና ምስ መናፍስቲ እከይ ኣብ ሰማያት’ ምዃኑ ኣዘኻኺሩና ኣሎ። (ኤፌሶን 6:12) ኵሉ ሳዕ ነቲ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዜስፋሕፍሕዎ መንፈስ ዕልወትን ስነ-ምግባራዊ ብልሽውናን ዝዀነ “መንፈስ ዓለም” እተቓላዕና ኢና። (1 ቈረንቶስ 2:12፣ ኤፌሶን 2:2, 3) ከምቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ሎጥ: በቲ ኣብ ከባቢና ዚርከቡ ሰባት ዚዛረብዎን ዚገብርዎን ርኽሰት ንስቀ ንኸውን። (2 ጴጥሮስ 2:7) ንቐጥታዊ መጥቃዕቲ ሰይጣን እውን እተቓላዕና ኢና። ሰይጣን ምስቶም “ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን” ዝተረፉ ቕቡኣት ይዋጋእ ኣሎ። (ራእይ 12:17) እተን ናይ የሱስ “ካልኦት ኣባጊዕ” እውን እገዳን መስጐጕትን ስለ ዜጋጥመን: ካብ መጥቃዕቲ ሰይጣን ሓራ ኣይኰናን።—ዮሃንስ 10:16

ኢድካ ምሃብዶ ወይስ ምቅላስ፧

8. ንመጥቃዕቲ ሰይጣን ብኸመይ ኢና ምላሽ ክንህበሉ ዘሎና: ስለምንታይከ፧

8 ሰይጣን መጥቃዕቲ ኼውርደልና ኸሎ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ነገድ ጋድ ብኣምላኽ እናተመራሕና ብመንፈስ ድልዱላት ክንከውንን መሊስና መጥቃዕቲ ኽንፍኑን ኣሎና። እቲ ዜሕዝን ግን ገሊኣቶም በቲ ናብራ ዜውርደሎም ጸቕጢ ብምድካሞም ንመንፈሳዊ ሓላፍነታቶም ዕሽሽ ኢሎምዎ እዮም። (ማቴዎስ 13:20-22) ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ጉባኤኡ ቝጽሪ ተኣከብቲ ስለምንታይ ከም ዝነከየ ኺገልጽ ከሎ: “ኣሕዋት ይደኽሙ እዮም ዘለዉ። ንዅላቶም ውጥረት በዚሕዎም እዩ ዘሎ” በለ። ልክዕ እዩ: ኣብዚ ግዜና ሰባት ንኺደኽሙ ብዙሕ ምኽንያታት ኣለዎም። ስለዚ: ነቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣምልኾ ኸም ተወሳኺ ጸቕጢ ወይ ምጻሩ ኸቢድ ከም ዝዀነ ግዴታ ጌርካ ኺርአ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: እዚ ኣረኣእያ እዚ ጥዑይ ወይ ቅኑዕ ድዩ፧

9. ኣርዑት ክርስቶስ ምጻር ዕረፍቲ ዜምጽኣልና ብኸመይ እዩ፧

9 የሱስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ በቲ ናብራ ዜምጽኦ ጸቕጢ ዝደኸሙ ብዙሓት ህዝቢ: “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” በሎም። የሱስ ነቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብምንካይ ዕረፍቲ ኸም እንረክብ ድዩ ሓቢሩ፧ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: “ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት . . . እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም” በለ። ኣርዑት ብዕንጨይቲ ወይ ብሓጺን እተሰርሐ ዀይኑ: ንሰብ ወይ ንእንስሳ ከቢድ ጾር ኪስከም ዜኽእሎ መሳርሒ እዩ። እሞ ደኣ ሓደ ሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣርዑት ኪስከም ዚደሊ ስለምንታይ እዩ፧ ‘ጾር ዝኸበደናዶ’ ኸይኰንና፧ እወ: እዚ ዜተሓታትት ኣይኰነን። ይኹን እምበር: እቲ ናይ ግሪኽ ጽሑፍ “ምሳይ ኣብ ትሕቲ ኣርዑተይ እተዉ” ተባሂሉውን ኪንበብ ይኽእል እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ:- የሱስ ጾርና ንምጻር ኪሕግዘና ፍቓደኛ እዩ! ንጾርና በይንና ኽንስከሞ የብልናን ማለት እዩ።—ማቴዎስ 9:36፣ 11:28, 29፣ 2 ቈረንቶስ 4:7

10. ንኣምላኽ ክብሪ ንምሃብ እንገብሮ ጻዕሪ እንታይ ፍረ እዩ ዜፍሪ፧

10 ደቀ መዛሙርቲ ብምዃን ኣርዑት ምስ እንጸውር: ምስ ሰይጣን ንቃለስ ኣሎና ማለት እዩ። ያእቆብ 4:7 “ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ” ብምባል ትመባጽዓልና። ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ንድያብሎስ ምጽራር ቀሊል እዩ ማለት ኣይኰነን። ንኣምላኽ ምግልጋል ብዙሕ ጻዕሪ እዩ ዚሓትት። (ሉቃስ 13:24) መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣብ መዝሙር 126:5 “ብንብዓት ዚዘርኡ ብእልልታ ይዐጽዱ” ብምባል ተመባጺዑልና ኣሎ። እወ: ንዘየማሱ ኣምላኽ ኣይኰንናን እነምልኽ ዘሎና። የግዳስ: “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ . . . ዚህቦምን” ነቶም ክብሪ ዚህብዎ ዚባርኾምን ኣምላኽ እዩ።—እብራውያን 11:6

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ንኣምላኽ ክብሪ ምሃብ

11. ግራት ኣገልግሎት ካብ መጥቃዕትታት ሰይጣን ከም መከላኸሊ ዀይኑ ዜገልግለና ብኸመይ እዩ፧

11 የሱስ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዘዘ። ዕዮ ስብከት ንኣምላኽ “መስዋእቲ ምስጋና” እነቕርበሉ ቐንዲ መገዲ እዩ። (ማቴዎስ 28:19፣ እብራውያን 13:15) ‘ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ኣብ ኣእጋርና ኸም ኣሳእን ምእታው:’ ሓደ ኻብቲ መጥቃዕትታት ሰይጣን እንከላኸለሉ ናይ ግድን ኣድላዪ ዝዀነ “ኣጽዋር ኣምላኽ” እዩ። (ኤፌሶን 6:11-15) ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንኣምላኽ ምውዳስ እምነትና ንምድልዳል ዜኽእል ብሉጽ መገዲ እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:13) ኣእምሮና ኣብ ኣሉታዊ ነገራት ከየተኵር ይሕግዘና። (ፊልጲ 4:8) ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስታፍ ምስቶም ምሳና ሓቢሮም ዜምልኹ ሃናጺ ዕርክነት ከነማዕብል የኽእለና።

12, 13. ኣብ ግራት ኣገልግሎት ኣዘውቲርካ ምስታፍ ንስድራቤታት ኪጠቕመን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

12 ዕዮ ስብከት: ኣባላት ስድራቤት ብሓባር ዚፍጽምዎ ባህ ዜብል ንጥፈት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ውሉዳት ሚዛኑ ዝሓለወ ምዝንጋዕ ከም ዜድልዮም ዘይክሓድ እኳ እንተዀነ: ኣባላት ስድራቤት ብሓባር ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዜሕልፍዎ ግዜ ግን ኣድካሚ ኪኸውን የብሉን። ወለዲ ንደቆም ኣብ ኣገልግሎት ክኢላታት ንኪዀኑ ብምስልጣን: ዜሐጕሶም ኪገብርዎ ይኽእሉ እዮም። ውሉዳት ንሓደ ነገር ጽቡቕ ገይሮም ምስ ዚፍጽምዎ የሐጕሶምዶ ኸይኰነ፧ እምበኣር: ወለዲ ሚዛናዊ ብምዃን ማለት ንውሉዳት ልዕሊ ዓቕሞም ኪገብሩ ጸቕጢ ብዘይምግባር: ካብ ኣገልግሎት ሓጐስ ምእንቲ ኺረኽቡ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም።—ዘፍጥረት 33:13, 14

13 ብተወሳኺውን: ንኣምላኽ ብሓባር እትውድሶ ስድራቤት: ድልዱል ማእሰር እዩ ዘለዋ። ንኣብነት: ንሓንቲ ዘይኣማኒ ሰብኣያ ምስ ሓሙሽተ ደቃ ጠንጢንዋ ዝኸደ ሓብቲ እስከ ንውሰድ። እዛ ሓብቲ እዚኣ ንደቃ ብስጋ ዜድልዮም ንምምላእ ስራሕ ክትኣቱ ተገደደት። በዚ እምብዛ ስለ እተዋጠረት ነቲ ደቃ ብመንፈስ ዜድልዮም ነገር ዕሽሽ ኢላቶ ድያ፧ ባዕላ ኸምዚ ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ:- “መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋትን ብትግሃት አጽንዕ ነበርኩ: ነቲ ዘንበብክዎ ድማ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ እጽዕር ነበርኩ። ንደቀይ ኣዘውቲረ ናብ ኣኼባታትን ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎትን እወስዶም ነበርኩ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየለይ፧ ሓሙሽቲኦም ደቀይ ተጠሚቖም እዮም።” ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ተሳትፎ ምግባር: ንደቅኻ “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ንኸተዕብዮም ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ኤፌሶን 6:4

14. (ሀ) መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) መንእሰያት ‘ብወንጌል ዘይሓፍሩ’ ንኪዀኑ ኺሕግዞም ዚኽእል እንታይ እዩ፧

14 ኣቱም መንእሰያት: ኣብቲ ንሰባት ብዛዕባ ሃይማኖት ምንጋር ብሕጊ ዘይክልከለሉ ዓዲ ትነብሩ እንተ ዄንኩም: ኣብ ቤት ትምህርቲ ብምምስካር ንኣምላኽ ክብሪ ትህብዎዶ ኣለኹም: ወይስ ንሰብ ፈሪህኩም ተጽቅጡ ኢኹም፧ (ምሳሌ 29:25) ሓንቲ ኣብ ፖርቶ ሪኮ እትነብር ጓል 13 ዓመት ናይ የሆዋ ምስክር: “ሓቂ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ: ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስባኽ ኣሕፊሩኒ ኣይፈልጥን። ኣብ ክፍሊ ወትሩ ኢደይ ሓፍ ብምባል ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ ነገር እነግር እየ። ናጻ ኽፍለ-ግዜ እንተ ረኺበ: ናብ ቤተ-መጻሕፍቲ ኸይደ ነታ መንእሰያት ዝሓትዎ ዘርእስታ መጽሓፍ አንብብ” በለት። a የሆዋ ንጻዕርታታ ባሪኽዎዶ፧ “ሓድሓደ ግዜ ደቂ ኽፍለይ ሕቶታት ይሓቱኒ: አረ ቕዳሕ እታ መጽሓፍ ከምጽኣሎም እውን ይሓቱኒ እዮም” በለት። ኣብዚ መዳይ እዚ ዝሕጥሕጥ ትብል እንተደኣ ዄንካ: ተጊህካ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ብምግባር “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ” እንታይ ምዃኑ መርሚርካ ንርእስኻ ኸተረጋግጽ የድልየካ ይኸውን። (ሮሜ 12:2) እቲ እትመሃሮ ዘለኻ ሓቂ ምዃኑ ምስ ተኣማመንካ: ‘ብወንጌል [ከቶ] ኣይክትሓፍርን’ ኢኻ።—ሮሜ 1:16

ነገልግሎት ዚኸውን ‘ኽፉት ደገ’

15, 16. ገሊኣቶም ክርስትያናት ናብ ምንታይ “ዓብይን ብርቱዕን ደገ” እዮም ኣትዮም: እንታይ በረኸትከ ረኺቦም፧

15 ሃዋርያ ጳውሎስ “ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ አሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 16:9) ብርቱዕ ዕዮ ንኽትዓዪ ዅነታትካ ዚፈቅድ ድዩ፧ ንኣብነት: ስርዓታዊ ወይ ሓጋዚ ፓይነር እንተ ዄንካ: ኣብ ወርሒ 70 ወይ 50 ሰዓት ኣብ ዕዮ ስብከት ከተሕልፍ ኣሎካ። ስለዚ ኸኣ ፓይነራት ኣገልግሎቶም ብተኣማንነት ዚፍጽሙ ብምዃኖም: ብክርስትያናት ብጾቶም ኣኽቢርካ እዮም ዚረኣዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ዜሕልፉ ብምዃኖም: ካብ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ጸብለል ዝበሉ ዀይኑ ኣይስምዖምን እዩ። ኣብ ክንድኡስ: ነቲ የሱስ “ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና: እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና” ኺብሉ ዜተባብዖም ባህሪ እዮም ዜማዕብሉ።—ሉቃስ 17:10

16 ፓይነር ኴንካ ምእንቲ ኸተገልግል: ርእስኻ ኽትግስጽ: ብሕታዊ ጕዳያትካ ብስርዓት ክትሕዝ: ከምኡውን መስዋእቲ ንምግባር ፍቓደኛ ኽትከውን ኣሎካ። ምስቲ ዚርከብ በረኸት ኪወዳደር ከሎ ግን: እዚ ዅሉ ጻዕሪ ኺግበረሉ ዚግብኦ እዩ። ታሚካ እትበሃል ፓይነር ኰይና እተገልግል መንእሰይ “ቃል ኣምላኽ ብቕኑዕ ምምቓል ብሓቂ በረኸት እዩ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላውን “ፓይነር ኴንካ ኸተገልግል ከለኻ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ኢኻ እትጥቀመሉ። ሕጂ ኻብ ቤት ናብ ቤት ክኸይድ ከለኹ: ንነፍሲ ወከፍ ብዓል ቤት ዚኸውን ጥቕሲ ኽዝክር እኽእል እየ” በለት። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) ሚካ እትበሃል ፓይነር ከኣ “ሓቂ ንህይወት ሰባት ኪቕይሮ ኸሎ ምርኣይ ካልእ ዜደንቕ በረኸት እዩ” በለት። ማቲው ዚበሃል መንእሰይ ድማ “ሓደ ሰብ ናብ ሓቂ ኺመጽእ ምርኣይ” ብዛዕባ ዜምጽኦ ሓጐስ ኪገልጽ ከሎ: “ዝዀነ ይኹን ካልእ ዓይነት ሓጐስ ኣይወዳደሮን እዩ” በለ።

17. ሓንቲ ክርስትያን ብዛዕባ ፓይነር ምዃን ዝነበራ ኣሉታዊ ስምዒት ብኸመይ ተዋጽአትሉ፧

17 ፓይነር ንምዃን ትሓስብ ዲኻ፧ ምናልባት ፓይነር ክትከውን እናደለኻ: ብቕዓት ዘይብልካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ኬንያት እትበሃል መንእሰይ ሓብቲ: “ፓይነር ብዛዕባ ምዃን ኣሉታዊ ኣረኣእያ እዩ ነይሩኒ። ክእለት ዘሎኒ ዀይኑ ኣይስምዓንን ነይሩ። መእተዊታት ብኸመይ ከም ዝዳሎ ወይ ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይረ ብኸመይ ከም ዘረድእ ኣይፈልጥን እየ ነይረ” ብምባል ተኣመነት። ይኹን እምበር: እቶም ሽማግለታት ተመክሮ ዘለዋ ፓይነር ምስኣ ኸተገልግል መደቡላ። ኬንያት ድሕርዚ “ምስኣ ምግልጋል ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። ፓይነር ክኸውን ባህጊ ንኺሓድረኒ ኣኽኣለኒ” በለት። ንስኻውን ምትብባዕን ስልጠናን ምስ ተዋህበካ: ምናልባት ፓይነር ክትከውን ባህጊ ይሓድረካ ይኸውን።

18. እቶም ሚስዮናውያን ኰይኖም ዜገልግሉ እንታይ በረኸት ኪረኽቡ ይኽእሉ፧

18 ፓይነር ኴንካ ምግልጋል ንኻልእ መዳያት ኣገልግሎት እውን መገዲ ይኸፍተልካ ይኸውን። ንኣብነት: ገሊኣቶም ሰብ ሓዳር ሚስዮናውያን ኰይኖም ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ምእንቲ ኺሰብኩ: ስልጠና ንኺወሃቦም ብቕዓት የጥርዩ ይዀኑ። ሚስዮናውያን ኣብታ እተመደቡላ ሓዳስ ሃገር ተወሃሂዶም ኪነብሩ ኣለዎም። ምናልባት ሓድሽ ቋንቋ: ሓድሽ ባህሊ: ከምኡውን ሓድሽ ምግቢ ኺለምዱ ኼድልዮም እዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ዚረኽብዎ በረኸት ነዚ ጸገማት ይውሕጦ እዩ። ሓንቲ ሚልድረድ እትበሃል ኣብ መክሲኮ ንነዊሕ ግዜ ሚስዮናዊት ኰይና ዘገልገለት ሓብቲ: “ሚስዮናዊት ክኸውን ዝገበርክዎ ውሳነ ኣጣዒሱኒ ኣይፈልጥን። ንእሽቶ ጓል ካብ ዝነበርኩሉ ግዜ ኣትሒዘ ዝብህጎ ዝነበርኩ ነገር እዩ” በለት። እንታይ በረኸትከ ረኸበት፧ “ኣብ ዓድና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሉ ሰብ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብዚ ግን ሓድሓደ ግዜ ኽሳዕ ኣርባዕተ ዚበጽሑ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮም ሰባት ብሓንሳእ ኣገልግሎት ይጅምሩ እዮም!” በለት።

19, 20. ብዙሓት ክርስትያናት ኣብ ቤትኤል ብምግልጋል: ኣህጉራውያን ኣገልገልቲ ብምዃን: ከምኡውን ኣብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ብምስልጣን እንታይ በረኸት እዮም ረኺቦም፧

19 እቶም ኣብ ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ቤትኤላውያን ኴይኖም ዜገልግሉ እውን ብዙሕ በረኸት ይረኽቡ እዮም። ኣብ ጀርመን ዜገልግል ዘሎ ስቨን ዚበሃል መንእሰይ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤትኤል ዚፍጽሞ ዕዮ: “ነባሪ ጥቕሚ ዘለዎ ነገር እዓዪ ኸም ዘለኹ እዩ ዚስምዓኒ። ክእለተይ ኣብ ዓለም ክጥቀመሉ እኽእል ነይረ። እንተዀነ ግን: ኣብ ሓደ ዚጥፍሽ ዘሎ ባንክ ገንዘብካ ምቕማጥ ምዀነ” በለ። ደሞዝ ዘይወሃበካ ወለንተኛ ዄንካ ምዕያይ መስዋእቲ ኸም ዚሓትት ዚከሓድ ኣይኰነን። ስቨን ግን “ናብ ቤትካ ኽትከይድ ከለኻ: በታ መዓልቲ እቲኣ ዝገበርካዮ ዅሉ ንየሆዋ ምዃኑ ስለ እትርዳእ: ፍሉይ ስምዒት እዩ ዜሕድረልካ” በለ።

20 ገሊኣቶም ኣሕዋት ናብ ወጻኢ ሃገራት ከይዶም ኣብ ዕዮ ህንጸት ብምግልጋል: ኣህጉራውያን ኣገልገልቲ ዀይኖም ይዓዩ ኣለዉ። ኣብ ሸሞንተ ወጻኢ ሃገራት ዜገልገሉ ሰብ ሓዳር: “ኣብዚ ዘለዉ ኣሕዋት ባህ ዜብሉ እዮም። ካብዚ ኣብ እንሰናበተሉ እዋን ብዙሕ ኢና ኽንጕሂ። እዚ ድማ ንሻምናይ ግዜ እዩ ኼጋጥመና። ክሳዕ ክንደይ ዜደንቕ ተመክሮ ዀን ኢና ረኺብና!” በሉ። ኣብ ርእሲ እዚውን ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ ኣሎ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ብቕዓት ንዘለዎም ንጽል ኣሕዋት መንፈሳዊ ስልጠና ዚወሃበሉ እዩ። ሓደ ምሩቕ “ነዚ ዜገርም ትምህርቲ ዜማስወሉ ቓላት ኣይረኸብኩሉን። ኣየነይቲ ኻልእ ማሕበር እያ እሞ ስልጠና ንኽትህብ ኢላ ኽንድዚ ዚኣክል ጻዕሪ እትገብር፧” ኢሉ ጸሓፈ።

21. ኵሎም ክርስትያናት ንኣምላኽ ኣብ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧

21 እወ: ብዙሕ ብርቱዕ ዕዮ ዚዕየየሉ ደገ ተኸፊቱ ኣሎ። ልክዕ እዩ: መብዛሕትና ኣብ ቤትኤል ኴንና ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኬድና ኸነገልግል ኣይንኽእልን ኢና። የሱስ እኳ ኸይተረፈ: ክርስትያናት እተፈላለየ ዅነታት ስለ ዘለዎም: እተፈላለየ “ፍረ” ኸም ዚፈርዩ ኣፍልጦ ሂቡሉ እዩ። (ማቴዎስ 13:23) እምበኣር: ከም ክርስትያናት መጠን: ንዅነታትና ብዚግባእ ክንጥቀመሉ: ማለት ኵነታትና ብዜፍቅደልና መጠን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንካፈል ሓላፍነት ኣሎና። ከምዚ ኽንገብር ከለና: ንየሆዋ ኢና ኽብሪ ንህብ: ንሱ በዚ ኸም ዚሕጐስ ድማ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ ሓደ ኣረጋውያን ዚጥወሩሉ ቤት እትነብር ኤተል እሞ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ነቶም ምስኣ ዚነብሩ ኣዘውቲራ ትምስክረሎም: ኣብ ናይ ተሌፎን ምስክርነት እውን ትሳተፍ እያ። ዓቕማ ድሩት እኳ እንተዀነ: ብምሉእ ነፍሳ እያ እተገልግል።—ማቴዎስ 22:37

22. (ሀ) ንኣምላኽ ክብሪ ኸነምጽኣሉ እንኽእል እንታይ ተወሳኺ መገድታት ኣሎ፧ (ለ) እንታይ ዜደንቕ ግዜ እዩ ዚመጽእ ዘሎ፧

22 ይኹን እምበር: ስብከት ንየሆዋ ኽብሪ እነምጽኣሉ ሓደ መገዲ ጥራይ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ኣብ ስራሕና: ኣብ ቤት ትምህርትና: ከምኡውን ኣብ ቤትና በካይዳናን ትርኢትናን ኣብነታውያን ብምዃን: ንልቢ የሆዋ ኸነሐጕሶ ንኽእል ኢና። (ምሳሌ 27:11) ምሳሌ 28:20 “እሙን ሰብ ኣዝዩ ይባረኽ” ብምባል ትመባጽዓልና። እምበኣር: ኣብቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ብበረኸት ከም እንዓጽድ ፈሊጥና ‘ብበረኸት ክንዘርእ’ ኣሎና። (2 ቈረንቶስ 9:6) ከምዚ እንተ ጌርና: “ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ” ንየሆዋ እቲ ዚግብኦ ኽብሪ ኺህቦ ኸሎ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ፍሉይ መሰል ክንረክብ ኢና።—መዝሙር 150:6

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ መጽሓፍ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት እያ።

ትዝክሮዶ፧

• ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንየሆዋ “ለይትን መዓልትን” ዜገልግልዎ ብኸመይ እዮም፧

• ነገድ ጋድ እንታይ ጸገም እዩ ኣጋጢምዎም: እዚኸ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እንታይ እዩ ዚምህሮም፧

• ግራት ኣገልግሎት ካብ መጥቃዕቲ ሰይጣን ዕቝባ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

• ገሊኣቶም ናብ ምንታይ ‘ክፉት ደገ’ እዮም ኣትዮም: እንታይ በረኸትከ ረኺቦም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ከምቲ ጋዳውያን ምስ ጭፍራታት እተቓለሱ: ክርስትያናት ከኣ ምስ መጥቃዕቲ ሰይጣን ኪቃለሱ ኣለዎም

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣገልግሎት ዚሃንጹና ኣዕሩኽ ክንረክብ ንኽእል

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ፓይነር ምዃን ናብዚ ዚስዕብ ናይ ኣገልግሎት መሰላት መገዲ ኪኸፍት ይኽእል:-

1. ናይ ኣህጉራዊ ኣገልግሎት

2. ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት

3. ናይ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት