ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ጸልማት ማሕቡስ ናብ ኣኽራን ስዊዝ

ካብ ጸልማት ማሕቡስ ናብ ኣኽራን ስዊዝ

ታሪኽ ህይወት

ካብ ጸልማት ማሕቡስ ናብ ኣኽራን ስዊዝ

ሎታር ቫልተር ዘዘንተዎ

ንሰለስተ ዓመት ኣብቲ ኣብ ምብራቕ ጀርመን ሰፊኑ ዝነበረ ዴሳዊ ስርዓት ዚጥቀመሉ ጸልማት ማሕቡስ ድሕሪ ምጽናሕ: ናጽነት ከስተማቕራን ምስ ስድራቤተይ ክራኸብን ተሃንጥየ ነበርኩ።

እንተዀነ ግን: ኣብ ገጽ እቲ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ዝነበረ ዮሃንስ ዝስሙ ወደይ ናይ ምግራም ስምዒት ክርኢ እየ ኢለ ኣይተጸበኹን። ፍርቂ ዕድሚኡ ነቦኡ ኣይረኣየን። ጋሻ እየ ዀይነዮ።

ብግዜ ንእስነተይ: ከም ወደይ ዘይኰነስ: ምስ ወለደይ ጽቡቕ እዋን እየ ኣሕሊፈ። ኣብታ ብ1928 እተወለድኩላ ከምኒትስ: ጀርመን: እትርከብ ቤትና ጽቡቕ ሃዋሁ እዩ ነይሩ። ኣቦይ ሃይማኖት ዚበሃል ከም ዚጸልእ ብጋህዲ ይዛረብ ነበረ። ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ 25 ታሕሳስ ብኽልቲኦም ተጻባእቲ ወገን ዚርከቡ “ክርስትያን” ወተሃደራት ነቶም ጸላእቶም “ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልና” ኪበሃሃሉ ድሕሪ ምጽናሕ: ንጽብሒቱ ይቀታተሉ ምንባሮም ኣቦይ ኣይረስዖን። ሃይማኖት ኪበሃል ከሎ: እቲ ዝኸፍአ ዓይነት ግብዝና ዚረኣየሉ ዀይኑ እዩ ዚስምዖ።

ጓሂ ብእምነት ተተክአ

እቲ ዜሐጕስ ግን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጓሂ ተሰቲረ እየ። ወዲ 17 ዓመት ከለኹ እዩ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ኣኽቲሙ: ብግዲ ወተሃደር ካብ ምዃን ድማ ንቕሩብ እየ ወጺአ። ይኹን እምበር: ‘እዚ ዅሉ ምቅትታል ንምንታይ ኣድለየ፧ ንመን እየ ኽኣምን ዝኽእል፧ ካበይ እየ ናይ ሓቂ ዕቝባ ዝረክብ፧’ ዚብል ዜጨንቕ ሕቶታት ነበረኒ። እታ እንነብረላ ዝነበርና ምብራቕ ጀርመን: ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሶቭየት ኣተወት። እቲ ብዛዕባ ፍትሒ: ማዕርነት: ጽንዓት: ከምኡውን ብዛዕባ ሰላማዊ ርክብ ዚገልጽ ዴሳዊ ሓሳብ: ነቶም በቲ ውግእ እተሓለሉ ሰባት መሰጦም። ነዊሕ ከይጸንሑ መብዛሕትኦም ካብዞም ቅኑዓት ውልቀ-ሰባት ከምቲ እተጸበይዎ ስለ ዘይኰነ ብዙሕ ጐሃዩ። ዘጕሃዮም ግን ሃይማኖት ዘይኰነስ ፖለቲካ እዩ።

ንሕቶታተይ ዜዕግብ መልሲ ኣብ ዝደልየሉ ዝነበርኩ እዋን: እታ ናይ የሆዋ ምስክር ዝነበረት ሓትኖይ ብዛዕባ እምነታ ኣዘራረበትኒ። ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ንማቴዎስ ምዕራፍ 24 ብምልእታ ኼንብብ ዝደረኸትኒ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት ጽሕፍቲ ሃበትኒ። ካብታ ጽሕፍቲ: እዚ ዘለናሉ እዋን “መወዳእታ ዓለም” ምዃኑ ብምግላጽን ሱር ጸገማት ደቅሰብ እንታይ ምዃኑ ብምሕባርን: ጽቡቕን ዜእምንን መግለጺ ስለ ዝረኸብኩ ልበይ ተተንከፈ።—ማቴዎስ 24:3፣ ራእይ 12:9

ነዊሕ ከይጸናሕኩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓተምዎ ተወሳኺ ጽሑፋት ተቐበልኩ: ተሃንጥየ ኸንብቦ ኸለኹ ኸኣ ነታ ብሃንቀውታ ዘናድያ ዝነበርኩ ሓቂ ኸም ዝረኸብኩዋ ኣስተውዓልኩ። ብ1914 የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ከም ዝነገሰ: ድሕሪ ሓጺር እዋን እውን ንእዙዛት ደቅሰብ በረኸት ምእንቲ ኼምጽእ ነቶም ንኣምላኽ ዘይእዘዙ ኼጥፍኦም ምዃኑ ምፍላጠይ ብዙሕ እዩ ኣሐጒሱኒ። ነቲ በጅነት ክርድኦ ምኽኣለይ ድማ ካልእ ዓብዪ ነገር እዩ ነይሩ። ምሕረት ንኽረክብ ካብ ልቢ ብዝመነጨ ጸሎት ናብ የሆዋ ክቐርብ ኣኽኣለኒ። በቲ ኣብ ያእቆብ 4:8 ዚርከብ “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ዚብል ሕያውነት ዝመልኦ ዕድመ ተተንኪፈ እየ።

ነቲ ሓድሽ ዝረኸብክዎ እምነተይ ውዕዉዕ ስምዒት እኳ እንተ ነበረኒ: ኣብ መጀመርታ ወለደይን ሓብተይን ነቲ ዝነገርክዎም ኪቕበሉኒ ኣይደለዩን። እዚ ግን ኣብቲ እቶም ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጥቓ ከምኒትስ ዚገብርዎ ዚነበሩ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምእካብ ዝነበረኒ ባህጊ ኣየጥፍኦን። እቲ ዜገርም ከኣ: ወለደይን ሓብተይን ንፈለማ ግዜ ናብቲ ኣኼባ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን ምሳይ ሓቢሮም ከዱ! እዚ ዝዀነ ኣብ ሓጋይ 1945/46 እዩ። ጸኒሑ: ኣብታ እንነብረላ ዝነበርና ኸተማ ሃርታው መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብር ጕጅለ ቈመት: ስድራቤተይ ከኣ ኣዘውቲሮም ኪእከቡ ጀመሩ።

“ገና ቘልዓ እየ”

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣገዳሲ ሓቅታት ስለ ዝፈለጥኩን ኣዘውቲረ ምስ ህዝቢ የሆዋ ኽእከብ ስለ ዝኸኣልኩን: ህይወተይ ንየሆዋ ወፈኹ። ብ25 ግንቦት 1946 ከኣ ተጠመቕኩ። እቲ ዝያዳ ዘሐጐሰኒ ኸኣ ኣባላት ስድራቤተይ ብመንፈስ ዕቤት ገበሩ: ጸኒሖም ሰለስቲኦም እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ሓብተይ ሕጂ እውን እንተዀነ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ከምኒትስ ዚርከባ ጉባኤታት ብንጥፈት ተገልግል ኣላ። ኣደይን ኣቦይን ክሳዕ እቲ ብ1965ን ብ1986ን ዝሞቱሉ እዋን ብተኣማንነት ኣገልገሉ።

ምስ ተጠመቕኩ ሽዱሽተ ወርሒ ዚኸውን ጸኒሐ: ፍሉይ ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ምሉእ ህይወተይ “ብእዋን ራህዋን ብእዋን ጸበባን” ዝፈጸምክዎ ኣገልግሎት ጀመርኩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:2 ትርጕም 1990) ነዊሕ ከይጸንሐ ሓድሽ ናይ ኣገልግሎት ኣጋጣሚታት ተኸፍተለይ። ኣብቲ ኣብ ምብራቓዊ ጀርመን ዚርከብ ምሕድግ ዝበለ ኸባቢ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን ኣድለዩ። ኣነን ሓደ ሓውን ነዚ ዕዮ እዚ ኣመልከትና። ነዚ ኸቢድ ሓላፍነት እዚ ግን ተመክሮ ዀነ ብስለት ዘይብለይ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 18 ዓመት ስለ ዝነበርኩ: ከምቲ ኤርምያስ “ኣይ: ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ: ገና ቘልዓ እየ እሞ: እንሆ: ክዛረብ ኣይክእልን እየ” ኪብል ከሎ እተሰምዖ ዓይነት ስምዒት ተሰምዓኒ። (ኤርምያስ 1:6) ምጥርጣር እኳ እንተ ነበረኒ: እቶም ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋት ነዚ ዕድል እዚ ኺህቡና ፍቓደኛታት ነበሩ። ስለዚ: ኣብታ ኣብ ብራንደንበርግ እትርከብ በልዚኽ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ኸነገልግል ተመደብና።

ኣብቲ ዞባ እቲ ምስባኽ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ነበረ: ጠቓሚ ስልጠና እዩ ሂቡኒ። ጸኒሑ ገሊኣተን ፍሉጣት ነጋዶ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተቐቢለን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰና። እቲ ኣቕዋመን ግን ምስቲ ነባሮ እቲ ኸባቢ ዚስዕብዎ ዝነበሩ ሱር ዝሰደደ ስርዓታት ዚጻረርን ንሓድሽ ነገር ብዓይኒ ጥርጣረ ናይ ምርኣይ ልማዶም ዚጥሕስን እዩ ነይሩ። ካህናት ካቶሊክ ኰኑ ኣቕሽሽቲ ፕሮተስታንት ኣበርቲዖም ተጻረሩና: ንስብከትና ዜጸልም ክስታት ድማ ዘርግሑ። እንተዀነ ግን: የሆዋ መምርሕን ዕቝባን ከም ዚህበና ስለ እተኣማመንና: ንሓያሎ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ሓቂ ንኪቕበሉ ሓገዝናዮም።

ምጽራር ከም ዚመጽእ ዚሕብር ምልክታት በዝሐ

ብ1948 በረኸትን ዘይተጸበኽዎ ጸገማትን ኣጋጠመኒ። ፈለማ: ኣብታ ኣብ ቱሪንጅያ እትርከብ ከተማ ሩዶልሽታት ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ተመደብኩ። ኣብኡ ምስ ብዙሓት እሙናት ኣሕዋትን ኣሓትን ተፋለጥኩን ተቐራረብኩን። ኣብ ሓምለ እታ ዓመት እቲኣ ኸኣ: ካልእ ዓብዪ በረኸት ረኸብኩ። ንሓንቲ ኣብ ጉባኤ ከምኒትስ ኣብ ኣኼባታት ክእከብ ካብ ዝጀመርኩሉ ግዜ ኣትሒዘ ዝፈልጣ ዝነበርኩ ኤሪካ ኡልማን እትበሃል እምንትን ንጥፍትን ክርስትያን መንእሰይ ተመርዓኽዋ። ክልቴና ብሓባር ኣብታ ዝዓበኹላ ኸተማ ሃርታው ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል ጀመርና። ድሕሪ ግዜ ግን ኤሪካ ብሰንኪ ናይ ጥዕና ጸገማትን ካልእ ምኽንያታትን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይና ኽትቅጽል ኣይከኣለትን።

እቲ እዋን እቲ ንህዝቢ የሆዋ ጽንኩር እዋን እዩ ነይሩ። ኣብ ከምኒትስ ዚርከብ ክፍሊ ሸቃሎ: ነቲ ስብከት ምእንቲ ኽሓድጎን ምሉእ መዓልቲ ምእንቲ ኽሰርሕን ኢሉ: ነቲ ናይ ምግቢ መቝነን መዐደሊ ኩፖነይ ሰረዞ። እቶም ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋት ነዚ ጕዳይ እዚ ተጠቒሞም ኣብታ ሃገር ሕጋዊ ተፈላጥነት ንኽንረክብ ሕቶ ኣቕረቡ። እዚ ሕቶ እዚ ተቐባልነት ኣይረኸበን: ብ23 ሰነ 1950 ብገንዘብ ክቕጻዕ ወይ ከኣ ን30 መዓልቲ ኽእሰር ተፈርደኒ። ነቲ ውሳነ ይግባይ እኳ እንተ በልና: እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግን ነቲ ጕዳይና ስለ ዘይተቐበሎ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣተኹ።

እዚ ምጽራርን ጸበባን እናወሰኸ ኪኸይድ ምዃኑ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ድሕርዚ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ: ንስምና ዜጸልም ነገራት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ድሕሪ ምዝርጋሑ: ኣብ መስከረም 1950 እቲ ዴሳዊ ስርዓት ንንጥፈታትና ኣገዶ። ቅልጡፍ ወሰኽን ገለልተኛ ኣቕዋምን ስለ ዝነበረና: ብጕልባብ ሃይማኖት “ዜጠራጥር ንጥፈታት” ዚፍጽሙ: ካብ ምዕራባውያን እተላእኩ ሓደገኛታት ሰለይቲ ተብሃልና። በታ እዚ እገዳ እዚ እተኣወጀላ መዓልቲ ኣነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸለኹ ብዓልቲ ቤተይ ኣብ ገዛ ንዮሃንስ ወድና ወለደት። ሰበ-ስልጣን ሃገራዊ ጸጥታ ነቲ ኽሶም መርትዖ ኺረኽቡ ኢሎም: እታ መሕረሲት እናተቓወመቶም ናብ ቤትና ጥሒሶም ብምእታው ፈተሹ። እንተዀነ ግን: ዋላ ሓንቲ ኣይረኸቡን። ይኹን እምበር: ጸኒሖም ኣብ ጉባኤና ሰላዪ ኣእተዉልና። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ ጥቅምቲ 1953 ኵላትና እቶም ሓላፍነት ዝነበረና ኣሕዋት ተኣሰርና።

ኣብ ጸልማት ማሕቡስ

ገበነኛታት ምስ ተባሃልና: ካብ ሰለስተ ኽሳዕ ሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈርደና። ምስቶም ኣብ ዝዊካው ኣብ ዚርከብ ዝዓስተኸ ግምቢ ኦስተሽታይን ዝነበሩ ኣሕዋትና ተዳጐንና። እቲ ዅነታት ሕማቕ እኳ እንተ ነበረ: ምስ ብሱላት ኣሕዋት ምርኻብና ግን ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። ናጽነትና እኳ እንተ ተገደበ: መንፈሳዊ ምግቢ ግን ኣይሰኣንናን። እቲ ስርዓት ንዒቑናን ኣጊዱናን እኳ እንተ ነበረ: መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ግን ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ እቲ ዝነበርናሉ ኽፍልታት ትኣቱ ነይራ! ብኸመይ፧

ገሊኣቶም ኣሕዋት ኣብ መዓደኒ ኸሰል ኪሰርሑ ተመዲቦም ስለ ዝነበሩ: ምስቶም መጽሔት ዜምጽኡሎም ዝነበሩ ኣብ ወጻኢ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ምርኻብ ኣጋጣሚ ነይርዎም። ድሕሪኡ እቶም ኣሕዋት ነቲ መጽሔታት ብሕቡእ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ የእትዉዎ: ነቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝነበረ መንፈሳዊ ምግቢ ናብ ኵላትና ኺባጻሕ ድማ ብዙሕ ብልሓት ይጥቀሙ ነበሩ። በዚ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ: ሓልዮትን መምርሕን የሆዋ ብምርካበይ ድማ ተተባባዕኩ!

ኣብ መወዳእታ 1954 ናብቲ ኣብ ቶርጋው ዚርከብ ኣዝዩ ዕሉል ቤት ማእሰርቲ ተመሓላለፍና። እቶም ኣብኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ናብኦም ብምጽምባርና ብዙሕ እዮም ተሓጒሶም። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ኻብቲ ናይ ቀደም ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ዚዝክርዎ ዘበለ ብምድጋም ብመንፈስ ጽኑዓት ኰይኖም እዮም ጸኒሖም። ነቲ ሓድሽ መንፈሳዊ ምግቢ ብሓቂ ሃረር ኢሎም እዮም ዚጽበይዎ ነይሮም! ድሕርዚ ነቲ ኣብ ዝዊካው እተመሃርናዮ ነጥብታት ናይ ምንጋር ሓላፍነት ተሰከምና። መዓልታዊ ብእግርና ኽንዛወር ከለና ከይንዘራረብ ብጽኑዕ ተኸልኪልና ብምንባርና ግን: ከመይ ጌርና ኢና ነቲ እተመሃርናዮ ኽንነግሮም እንኽእል፧ እቶም ኣሕዋት ነዚ እንፍጽመሉ ጽቡቕ ሓሳባት ሃቡና: እታ ሓያል መጽለሊት ኢድ የሆዋ ድማ ኣይተፈልየትናን። ካብዚ ድማ ናጽነትን ኣጋጣምን ከሎካ መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ምጽናዕን ምስትንታንን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ተምሃርና።

ኣገዳሲ ውሳነ ዚግበረሉ እዋን

ሳላ ሓገዝ የሆዋ ኻብ መትከልና ፈልከት ኣይበልናን። እቲ ዜገርም ከኣ: መብዛሕትና ኣብ መወዳእታ 1956 ምሕረት ተገብረልና። ካብ ማእሰርቲ ምስ ተፈታሕና እተሰምዓና ሓጐስ ምግላጹ ዜሸግር እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ወደይ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ኰይኑ ነበረ: ምስ ሰበይተይ ዳግም ክንራኸብን ንወድና ኣብ ምዕባይ እጃመይ ከበርክትን ብምኽኣለይ እውን ብዙሕ እየ ተሓጒሰ። ዮሃንስ ንእተወሰነ እዋን ከም ጋሻ ገይሩ እዩ ዚርእየኒ ነይሩ: ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ኣጸቢቕና ተቐራረብና።

ኣብ ምብራቕ ጀርመን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከቢድ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም ነይሩ። ንክርስትያናዊ ኣገልግሎትናን ነቲ ገለልተኛ ኣቕዋምናን ዘጋጥሞ ጽልኢ እናገደደ ይኸይድ ብምንባሩ: ሓደጋን ጭንቀትን ድኻም ዝመልኦ ህይወትን ኢና ነሕልፍ ኔርና። በዚ ምኽንያት እዚ: ኣነን ኤሪካን ነቲ ዅነታትና ተጠንቂቕና ብጸሎት ድሕሪ ምምርማር: ብጭንቀት ምእንቲ ኸይንወሓጥ ኣብ ትሕቲ ዝሓሸ ዅነታት ንምንባር ናብ ካልእ ዓዲ ኽንግዕዝ ወሰንና። ንየሆዋ ንምግልጋልን መንፈሳዊ ሸቶታት ንምስዓብን ናጽነት ኪህልወና ደለና።

ኣብ ጽድያ 1957 ናብታ ኣብ ምዕራብ ጀርመን እትርከብ ከተማ ስቱትጋርት ንኽንግዕዝ ኣጋጣሚ ረኸብና። ኣብታ ሃገር እቲኣ ዕዮ ወንጌላውነት ኣይተኣገደን ነይሩ: ምስ ኣሕዋትናውን ብናጻ ኽንእከብ ንኽእል ኔርና። ዕዙዝ ፍቕራዊ ደገፍ እዮም ገይሮምልና። ኣብ ጉባኤ ሄደልፊንገን ሸውዓተ ዓመት ኣሕለፍና። ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን ወድና ትምህርቲ ጀመረ: ኣብ ሓቂ ድማ ጽቡቕ ዕቤት ገበረ። ኣብ መስከረም 1962 ኣብ ቪስባንድ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ናይ ምስታፍ ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኸብኩ። ድሕሪኡ ምስ ስድራቤተይ ጀርመንኛ ዚዛረቡ መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ዚድለየሉ ቦታታት ክግዕዝ ምትብባዕ ተዋህበኒ። እዚ ቦታታት ኣብ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዚርከብ እዩ።

ናብ ኣኽራን ስዊዝ

ስለዚ: ብ1963 ናብ ስዊዘርላንድ ገዓዝና። ኣብታ ኣብ ማእከላይ ክፋል ኣኽራን ስዊዝ: ጥቓ እቲ ምልኩዕ ቀላይ ሉሰርን እትርከብ ከተማ ብሩነን ዝነበረት ንእሽቶ ጉባኤ ኸነገልግል ተመደብና። እዚ ንዓና ናብ ገነት ከም ምእታው እዩ ነይሩ። ነቲ ኣብኡ ዚዝረብ ናይ ጀርመንኛ ላህጃ: ንናብራ እቶም ተቐማጦ: ከምኡውን ነተሓሳስባ እቶም ህዝቢ ኽንለምዶ ነይሩና። ይኹን እምበር: ኣብ መንጎ እቶም ሰላም ዜፍቅሩ ሰባት ምዕያይን ንዓታቶም ምስባኽን ባህ እዩ ዚብለና ነይሩ። ኣብ ብሩነን 14 ዓመት ጸናሕና። ወድና ድማ ኣብታ ኸተማ ዓበየ።

ብ1977 ዕድመይ ናብ 50 ዓመት ኣብ ዚቀራረበሉ እዋን: ኣብቲ ኣብ ቱን ዚርከብ ናይ ስዊዝ ቤትኤል ከነገልግል ጻውዒት ቀረበልና። ዘይተጸበናዮ ፍሉይ ምደባ ጌርና ኢና ርኢናዮ: ብዓብዪ ሞሳ ድማ ተቐበልናዮ። ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ኣብ ቤትኤል ንትሽዓተ ዓመት ኣገልገልና: ነዚ ድማ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወትናን መንፈሳዊ ዕቤትናን ዓብዪ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኢና እንዝክሮ። ምስቶም ኣብ ቱንን ኣብ ከባቢኣን ዚርከቡ ኣስፋሕቲ ሓቢርና: ነቲ “ተኣምራት” የሆዋ ዝዀነ ጫፉ ብበረድ እተሸፈነ ናይ በርን ኣልፕስ ዚበሃል ኣኽራን እናረኣና ምስባኽ እውን የሐጕሰና ነበረ።—መዝሙር 9:1

እንደገና ምግዓዝ

ድሕርዚ ኣብ መጀመርታ 1986 እንደገና ገዓዝና። ኣብቲ ኣብ ምብራቓዊ ኽፋል ስዊዘርላንድ ንጉባኤ ቡኽስ እተመደበ ሰፊሕ ዞባ ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል ጻውዒት ቀረበልና። እንደገና ኸኣ ሓድሽ ናብራ ኽንለምድ ነበረና። ይኹን እምበር: ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኼድና ንየሆዋ ብዝበለጸ ኸነገልግሎ ባህጊ ስለ ዝነበረና: ነዚ ሓድሽ ምደባ እዚ ምስ በረኸቱ ተቐበልናዮ። ሓድሓደ እዋን ንገየሽቲ ተዓዘብቲ ተኪአ ንጉባኤታት ብምብጻሕን ብምብርታዕን ኣገልጊለ እየ። እዚ ኻብ ዚኸውን 18 ዓመት እኳ እንተ ሓለፈ: ኣብዚ ኸባቢ እዚ ምስባኽ ብዙሕ ዜሐጕስ ተመክሮታት እዩ ዘለዎ። እታ ኣብ ቡኽስ እትርከብ ጉባኤ ሕጂ ዓብያ እያ: ሓሙሽተ ዓመት ይገብር ንየሆዋ ኣብ እተወፈየ ምልኩዕ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ኣኼባና ንገብር ኣሎና።

የሆዋ ብዚግባእ እዩ ተኸናኺኑና። መብዛሕትኡ ኽፋል ህይወትና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እኳ እንተ ኣሕለፍናዮ: ዝጐደለና ግን የብልናን። ወድናን ብዓልቲ ቤቱን ደቆምን ስድራቤት ደቆምን ብመገዲ የሆዋ ብተኣማንነት ኪመላለሱ ብምርኣይና: ሓጐስን ዕግበትን ረኺብና ኢና።

ንድሕሪት ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ: ንየሆዋ ብርግጽ “ብእዋን ራህዋን ብእዋን ጸበባን” ኣገልጊልናዮ ኢና። እቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንምፍጻም ዝገበርክዎ ጻዕሪ: ካብቲ ዴሳዊ ስርዓት ዚዳጕነሉ ጸልማት ማሕቡስ ናብ ዜደንቕ ኣኽራን ስዊዝ ከም ዝሰግር ገይሩኒ እዩ። ኣነን ስድራቤተይን በዚ እንጠዓሰሉ ጕዳይ የብልናን።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን]

እቶም “ክልተ ሳዕ ግዳይ ዝዀኑ” መስጐጕቲ እናወረዶም ጸንዑ

ኣብ ትሕቲ እታ ምብራቕ ጀርመን እውን ተባሂላ እትፍለጥ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ጀርመን: ፈሊኻ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጭቈና ይወርዶም ነበረ። ልዕሊ 5,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኽንያት ክርስትያናዊ ኣገልግሎቶምን ገለልትነቶምን ናብ ናይ ሸቕሊ ደምበን ናብ ማሕቡስን ከም ዝኣተዉ ጸብጻብ ይሕብር እዩ።—ኢሳይያስ 2:4

ገለ ኻብዚኣቶም “ክልተ ሳዕ ግዳይ ዝዀኑ” ተባሂሎም እዮም። ኣስታት 325 ዝዀኑ ኣብ መዳጐኒ ደምበታትን ኣብያተ-ማእሰርትን ናዚ ተዳጒኖም ነይሮም። ድሕሪኡ ብ1950ታት ሽታዚ ዚበሃል ክፍሊ ሃገራዊ ጸጥታ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ጀርመን: ነዞም ሰባት እዚኣቶም እናሃደነ ይኣስሮም ነበረ። አረ ገሊኡ ኣብያተ-ማእሰርቲ እሞ ኸኣ: ናይ ናዚ ኸምኡውን ናይ ሽታዚ ኣብያተ-ማእሰርቲ ብምዃን ክልተ ሳዕ ኣገልጊሉ እዩ።

ኣብቲ ኻብ 1950 ክሳዕ 1961 ኣቢሉ ዝነበረ ዓመታት: ብሰንኪ ግፍዕን ጕድለት ኣመጋግባን ሕማምን እርጋንን ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ዚርከብዎም 60 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቶም እዮም። ዓሰርተው ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕድመ ይፍታሕ እኳ እንተ ተፈርዶም: ጸኒሑ ግን ናብ 15 ዓመት ማእሰርቲ ተነከየሎም።

ኣብዚ ግዜና ኣብቲ ኣብ በርሊን ዚርከብ ናይ ቀደም ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ሽታዚ: ነቲ ን40 ዓመት ብወግዒ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወረደ መስጐጕቲ ዜጕልሕ ምርኢት ኣሎ። እቲ ኣብኡ ዚርከብ ስእልታትን ናይ ውልቀ-ሰባት ጸብጻባትን ነቲ መስጐጕቲ ዚወርዶም ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርኣይዎ ትብዓትን መንፈሳዊ ብርታዐን ዚምስክር እዩ።

[ኣብ ገጽ 24, 25 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ምብራቕ ጀርመን

ሩዶልሽታት

በልዚኽ

ቶርጋው

ከምኒትስ

ዝዊካው

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ዝዊካው ዚርከብ ግምቢ ኦስተሽታይን

[ምንጪ ስእሊ]

Fotosammlung des Stadtarchiv Zwickau, Deutschland

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ብዓልቲ ቤተይ ኤሪካ