ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኵነታትካ ንህይወትካ ኺቈጻጸሮ ተፍቅድ ዲኻ፧

ኵነታትካ ንህይወትካ ኺቈጻጸሮ ተፍቅድ ዲኻ፧

ኵነታትካ ንህይወትካ ኺቈጻጸሮ ተፍቅድ ዲኻ፧

ኣብዚ “ኽፉእ ዘመን” እዚ: ዜጨንቕ ኵነታትን ጸገማትን ብብዝሒ እዩ ዜጋጥም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ገሊኡ ጸገማት ግዜያዊ ብምዃኑ ውዒሉ ሓዲሩ ይሓልፍ ይኸውን። ገሊኡ ግን ነዋርሕ ወይውን ንዓመታት ይቕጽል። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: ብዙሓት ሰባት ከምቲ “ጭንቀት ልበይ ዐዚዙ: ካብ ጸበባይ ኣውጽኣኒ” ብምባል ናብ የሆዋ እተማህለለ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ይስምዖም እዩ።—መዝሙር 25:17

ምስ ብዙሕ ጸገማት ትቃለስ ዲኻ ዘለኻ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓገዝን ምትብባዕን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እምበኣር ንጸገማቶም ብዓወት ብዛዕባ ዝሰገሩ ኽልተ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እስከ ንርአ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ዮሴፍን ዳዊትን እዮም። ጸበባ ምስ ኣጋጠሞም እንታይ ከም ዝገበሩ ብምምርማር: ሎሚ ንዜጋጥመና ተመሳሳሊ ጸገማት ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

ከቢድ ጸገማት ኣጋጠሞም

ዮሴፍ ወዲ 17 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ኣብ ውሽጢ ስድራቤቱ ኸቢድ ጸገም ኣጋጢምዎ ነበረ። እቶም ዓበይቲ ኣሕዋቱ: ኣቦኦም ያእቆብ ንዕኡ “ሓለፋ ዅላቶም ኸም ዝፈተዎ ርእዮም: ጸልእዎ: ብሰላም ኪዛረብዎ ድማ ኣይከአሉን።” (ዘፍጥረት 37:4) እዚ ዅነታት እዚ ንዮሴፍ ዘምጽኣሉ ጭንቀትን ውጥረትን ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መወዳእታኡ: እቶም ኣሕዋቱ እምብዛ ስለ ዚጸልእዎ: ንባርነት ሸጥዎ።—ዘፍጥረት 37:26-33

ዮሴፍ ባርያ ዀይኑ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ነቲ ሰበይቲ ጐይታኡ ብዕሉግ ተግባር ኪፍጽም ዝሓተተቶ ሕቶ ነጸጎ። በዚ ስለ ዝሓረቐት ድማ: ዮሴፍ ኪዕምጻ ኸም ዝፈተነ ገይራ ኸሰሰቶ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ “ቤት ማእሰርቲ” ኣተወ: ኣብኡ ኸኣ “ነእጋሩ ብመቝሕ ሳቐዩ: ነፍሱ ኣብ ሓጺን አተወት።” (ዘፍጥረት 39:7-20፣ መዝሙር 105:17, 18) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ፈታኒ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል! ዮሴፍ ኣባላት ስድራቤቱ ዀኑ ኻልኦት ብዜውረዱሉ በደል ን13 ዓመት ዚኸውን ባርያ ወይ እሱር ኰይኑ እዩ አሕሊፍዎ።—ዘፍጥረት 37:2፣ 41:46

እቲ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ ዳዊት እውን መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፈተናታት ኣጋጢምዎ እዩ። ንሓያሎ ዓመታት ብንጉስ ሳኦል ከም እንስሳ እናተሃድነ እዩ ዚነብር ነይሩ። ህይወቱ ወትሩ ኣብ ሓደጋ እያ ነይራ። ሓደ እዋን ዳዊት ዚብላዕ ደልዩ ናብ ካህን ኣሂሜሌክ ከደ። (1 ሳሙኤል 21:1-7) ሳኦል: ኣሂሜሌክ ንዳዊት ከም ዝሓገዞ ምስ ሰምዐ: ንኣሂሜሌክ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሎም ካህናትን ስድራቤቶምን ኣጥፍአ። (1 ሳሙኤል 22:12-19) ዳዊት ነዚ ዜሕዝን ተግባር ብተዘዋዋሪ ጠንቂ ኸም ዝዀነ ምስ ፈለጠ: ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጐሃየ ኽትግምቶ ትኽእልዶ፧

ነቲ ዮሴፍን ዳዊትን ንዓመታት ብትዕግስቲ ዘሕለፍዎ ጸበባን በደልን እሞ ሕስብ ኣብሎ። ነቲ ዅነታቶም ብኸመይ ከም እተዋጽኡሉ ብምምርማር: ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ነዞም ሰባት እዚኣቶም ክንመስለሉ እንኽእል ሰለስተ መገድታት እስከ ንርአ።

ቅሬታን ቂምን ኣይትሓዝ

ፈለማ እዞም እሙናት ሰብኡት እዚኣቶም ቅሬታን ቂምን ኣይሓዙን። ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን በቲ ኣሕዋቱ ዝፈጸምዎ ኽድዓት ኪቕየም: ምናልባት ከኣ እንተ ረኺብዎም ብኸመይ ሕነ ኸም ዚፈዲ ኺውጥን ይኽእል ነይሩ። እንተዀነ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ጐዳኢ ሓሳባት ከም ዘይሓሰበ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ኣሕዋቱ እኽሊ ኺዕድጉ ናብ ግብጺ ምስ መጹ እሞ ሕነኡ ኺፈዲ ኣጋጣሚ ምስ ረኸበ: “ካባታቶም ኣግሊሱ . . . በኸየ: . . . ዮሴፍ ድማ ነቲ ዓያብቶም እኽሊ ኺመል[ኡ]ሎም እቲ ገገንዘቦም ከኣ ኣብ ዐዓይበቶም ኪመልሱሎም: ንመገዲውን ስንቂ ኺህብዎም [ንገላውኡ] አዘዘ።” ጸኒሑ ነሕዋቱ: ነቦኦም ናብ ግብጺ ኼምጽእዎ ኺሰዶም ከሎ “ኣብ መገዲ ኣይትበአሱ” ኢሉ መዓዶም። ዮሴፍ ቅሬታን ቂምን ንህይወቱ ኼበላሽዎ ኸም ዘይፈቅድ ብቓልን ብግብርን ኣርኣየ።—ዘፍጥረት 42:24, 25፣ 45:24

ዳዊት እውን ንንጉስ ሳኦል ቂም ኣይሓዘሉን። ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ዳዊት ንሳኦል ንምቕታል ምሹእ ኵነታት ረኸበ። እንተዀነ ግን: እቶም ሰቡ ንኪቐትሎ ምስ ኣተባብዕዎ: “ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ: ንጐይታይ: ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር: ኢደይ ናብኡ ዘርጊሔ እዚ ነገር እዚ ምግባርሲ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ” በለ። “ህያው እግዚኣብሄር እዩ: እግዚኣብሄር ኪቐትሎ እዩ: ወይ ከኣ መዓልቱ በጺሓ ይመውት ወይ ኣብ ውግእ ወሪዱ ይጠፍእ” ብምባል ነቲ ነገር ኣብ ኢድ የሆዋ ገደፎ። ደሓር ሳኦልን ወዱ ዮናታንን ምስ ሞቱ እሞ ኸኣ ልቕሶታት ኣልቀሰሎም። ዳዊት እውን ከም ዮሴፍ ቂም ኣይሓዘን።—1 ሳሙኤል 24:4-7፣adj. 26:7-13፣ 2 ሳሙኤል 1:17-27

ግፍዒ ምስ ዚወርደና ቕሬታን ቂምን ንሕዝ ዲና፧ በዚ ብቐሊሉ ኽንፍተን ንኽእል ኢና። ስምዒታትና ኺቈጻጸረና እንተ ፈቒድና: ሳዕቤኑ ኻብቲ ግፍዒ ዝገደደ ጕድኣት ኬስዕበልና ይኽእል እዩ። (ኤፌሶን 4:26, 27) ካልኦት ንዚገብርዎ ኽንቈጻጸር ዘይንኽእል እኳ እንተ ዄንና: ንርእስና ግን ክንቈጻጸር ንኽእል ኢና። የሆዋ ኣብ እዋኑ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ እምነት እንተደኣ ኣሎና: ነቲ ቕሬታን ቂምን ንኽንርስዖ ዝቐለለ ይዀነልና።—ሮሜ 12:17-19

ነቲ ዘሎ ዅነታት ብዚግባእ ተጠቐመሉ

ካልኣይ እንመሃሮ ትምህርቲ ድማ ኵነታትና ኻብቲ ኣዘውቲርና እንገብሮ ተግባራት ኬጓናድበና ዘይምፍቃድ እዩ። ኣብቲ ኽንገብሮ ዘይንኽእል ነገራት ኣመና እንተ ኣተኲርና: ነቲ ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት ክንርስዖ ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ ዅነታትና ኺቈጻጸረና ይጅምር። ዮሴፍ ግን በቲ ዜጋጠሞ ዅነታት ኣይተዳህለን: ኣብ ክንድኡስ ነቲ ዅነታቱ ብዚግባእ ኪጥቀመሉ ወሰነ። ባርያ ዀይኑ ኣብ ግብጺ ኼገልግል ከሎ “ኣብ ቅድሚኡ [ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ] ሞገስ ረኸበ: የገልግሎውን ነበረ። ኣዛዝ ቤቱ ገበሮ።” ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እውን ተመሳሳሊ ነገር ገበረ። ትጉህ ብምንባሩን በረኸት የሆዋ ስለ ዝረኸበን “እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ . . . ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝነበሩ ዅሎም እሱራት ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሀቦ። ኣብኡ ዝገበርዎ ዘበለ ዅሉ: ገባሪኡ ንሱ ነበረ።”—ዘፍጥረት 39:4, 21-23

ዳዊት እናሃደመ ይነብር ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ነቲ ዅነታቱ ብዚግባእ ተጠቕመሉ። ኣብ በረኻ ጳራን ከሎ: ንሱን ሰቡን ንመጓሰ ናባል ካብ ዘረፍቲ ይሕልውወን ነበሩ። ብዛዕባኦም ሓደ ኻብቶም ጓሶት ናባል “ለይቲ ዀነ: መዓልቲ ዀነ: ኵሉ ጊዜ መካበብያ ዀይኖምና ነበሩ” በለ። (1 ሳሙኤል 25:16) ዳዊት ኣብ ጺቅላግ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ነተን ኣብ ደቡብ ዚርከባ ብጸላእቲ እስራኤል ተታሒዘን ዝነበራ ኸተማታት ይወረን ነበረ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ዶብ ይሁዳ ጽኑዕ ኰነ።—1 ሳሙኤል 27:8፣ 1 ዜና መዋእል 12:20-22

ነዚ ዘሎ ዅነታትካ ብዚግባእ ክትጥቀመሉ ዝያዳ ጻዕሪ ኽትገብርዶ የድልየካ እዩ፧ እዚ ኸቢድ እኳ እንተዀነ: ክንገብሮ ግን ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ዘሕለፎ ህይወት ምልስ ኢሉ ኺሓስብ ከሎ: “ኣነስ በቲ ዘሎኒ ይአኽለኒ ምባል ተምሂረ እየ . . . ትሕት ምባል እፈልጥ: ሕልፍን ትርፍን እፈልጥ እየ። ጽጋብን ጥሜትን ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን: ኣብ ኵሉን ብዅሉን ልሙድ እየ” በለ። ጳውሎስ ከመይ ገይሩ እዩ ኸምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኼሕድር ክኢሉ፧ ወትሩ ኣብ የሆዋ ይምርኰስ ስለ ዝነበረ እዩ። ባዕሉ እኳ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ብምባል ኣፍልጦ ሂቡ እዩ።—ፊልጲ 4:11-13

ንየሆዋ ተጸበዮ

ካብዚ እንረኽቦ ሳልሳይ ትምህርቲ: ኵነታትና ንምቕያር ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይድግፎ መገዲ ኣብ ክንዲ እንጥቀም: ንየሆዋ ኽንጽበዮ ኣሎና። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር: “ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ: እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 1:4) ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ መገዲ ጌርና ኻብቲ ፈተና ተቐላጢፍና ኣብ ክንዲ እነምልጥ: ክሳዕ መወዳእታ ብምጽማም: እታ ትዕግስትና “ፍጹም ግብሪ” ኺህልዋ ኸነፍቅድ ኣሎና። ድሕሪኡ እምነትና ትፍተንን ትጸርን: ጽንዓታ ድማ ይምስከር። ዮሴፍን ዳዊትን ከምዚኣ ዝዓይነታ ትዕግስቲ እያ ነይራቶም። ንየሆዋ ኼጕህዮ ዚኽእል መፍትሒ ኺጥቀሙ ኣይፈተኑን። ኣብ ክንድኡስ ምስቲ ዅነታት ተወሃሂዶም ኪነብሩ እዮም ዝከኣሎም ጽዒሮም። ንየሆዋ ተጸብዮምዎ: ከምኡ ብምግባሮም ከኣ ብዙሕ በረኸት እዮም ረኺቦም! የሆዋ ድማ ንኽልቲኦም: ንህዝቡ ንምድሓንን ንምምራሕን ተጠቒሙሎም እዩ።—ዘፍጥረት 41:39-41፣ 45:5፣ 2 ሳሙኤል 5:4, 5

ንሕናውን ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይድግፎ መፍትሒ ኸነናዲ እንፍተነሉ ዅነታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ንሓዳር እትዀነካ ብጸይቲ ብምስኣንካ ተስፋ ቘሪጽካ ዲኻ፧ ከምኡ እንተደኣ ዄንካ: ነቲ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ክትምርዖ እተዋህበ ትእዛዝ የሆዋ ንኽትጥሕስ ካብ ዚደፋፍኣካ ዝዀነ ይኹን ፈተና ርሓቕ። (1 ቈረንቶስ 7:39) ኣብ ሓዳርካ ጸገማት የጋጥመካዶ ኣሎ፧ ነቲ ምፍልላይን ፍትሕን ዜተባብዕ ኣብዛ ዓለም ነጊሱ ዘሎ ኣካይዳ ኣብ ክንዲ እትስዕብ: ነዚ ጽንኩር ግዜ ብሓባር ክትፈትሕዎ ጽዓሩ። (ሚልክያስ 2:16፣ ኤፌሶን 5:21-33) ብሰንኪ ቝጠባዊ ጸገማት ንስድራቤትካ ዜድሊ ምምላእ የጸግመካዶ ኣሎ፧ ንየሆዋ ምጽባይ ኪበሃል ከሎ: ገንዘብ ምእንቲ ኽትረክብ ኢልካ ዜተሓታትት ወይ ዘይሕጋዊ ነገራት ዘይምግባር እውን ዜጠቓልል እዩ። (መዝሙር 37:25፣ እብራውያን 13:18) እወ: ኵላትና ንዅነታትና ብዚግባእ ምእንቲ ኽንጥቀመሉ ኣበርቲዕና ኽንዓዪ: የሆዋ ምእንቲ ኺባርኸና ድማ ክንጽዕር ኣሎና። ከምዚ ኽንገብር ከለና: የሆዋ ፍጹም ፍታሕ ምእንቲ ኼምጽኣልና ንዕኡ ንጸበዮ ወይ ኣብኡ ተስፋ ንግበር።—ሚክያስ 7:7

የሆዋ ኺድግፈካ እዩ

ከም ዮሴፍን ዳዊትን ዝኣመሰሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት: ንጓሂኦምን ጸገማቶምን ብኸመይ ከም ዝሰገርዎ ምስትንታን: ኣባና ኣወንታዊ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ዛንታኦም ኣብ ሒደት ገጻት መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ተጠቕሰ: እቲ ዜጋጠሞም ፈተናታት ግን ንሓያሎ ዓመታት እዩ ቐጺሉ። እምበኣርከስ ንርእስኻ ‘እዞም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እዚኣቶም ነቲ ዅነታቶም ኪቕበልዎ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ብኸመይ እዮም ሓጐሶም ዓቂቦም፧ እንታይ ባህርያትከ እዮም ኬማዕብሉ ነይርዎም፧’ ኢልካ ሕተት።

ዘመናውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ንዘርኣይዎ ጽንዓት እንተ መርሚርና እውን ክንጥቀም ንኽእል ኢና። (1 ጴጥሮስ 5:9) መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኣብ ዓዓመት ሓያሎ ታሪኽ ህይወት ሒዘን ይወጻ እየን። ነዚ እሙናት ክርስትያናት ዝገደፍዎ ኣብነት ተንብቦን ተስተንትነሉን ዲኻ፧ ብዘይካዚ: ኣብ ጉባኤና ጽንኩር ኵነታት ተጻዊሮም ዜሕልፉ እሙናት ክርስትያናት ኣለዉ። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኣዘውቲርካ ምሳታቶም ትእከብን ካባታቶም ትመሃርን ዲኻ፧—እብራውያን 10:24, 25

ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ: የሆዋ ኸም ዚሓልየልካን ከም ዚድግፈካን ኣይትጠራጠር። (1 ጴጥሮስ 5:6-10) ኵነታትካ ንህይወትካ ምእንቲ ኸይቈጻጸሮ ኣበርቲዕካ ዕየ። ቂም ብዘይምሓዝ: ንዅነታትካ ብዚግባእ ብምጥቃም: ከምኡውን ፍጹም ፍታሕ ንኽትረክብ ንየሆዋ ብምጽባይ: ኣብነት ዮሴፍን ዳዊትን ካልኦትን ስዓብ። ብጸሎትን ብመንፈሳዊ ንጥፈታትን ኣቢልካ ንየሆዋ ቕረቦ። በዚ ኸምዚ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን እንተዀነ ሓጐስን ደስታን ክትረክብ ከም እትኽእል ክትርኢ ኢኻ።—መዝሙር 34:8

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ዮሴፍ ንዅነታቱ ብዚግባእ ተጠቕመሉ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ንጸገማቱ ፍታሕ ንምርካብ ንየሆዋ ተጸበዮ