ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግድን ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ክትከውን ኣሎካ ድዩ፧

ግድን ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ክትከውን ኣሎካ ድዩ፧

ግድን ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ክትከውን ኣሎካ ድዩ፧

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ምዃን ኣመልኪቶም: ‘ኣብ ኣምላኽ ንምእማን: ግድን ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ክኸውን ወይ ኣዘውቲረ ናብ ቤተ-ክርስትያን ክኸይድ ኣየድልየንን እዩ’ ኢሎም ይዛረቡ እዮም። አረ ገሊኣቶምሲ ናብ ቤተ-ክርስትያን ካብ ምኻድ: ኣብ ደገ ዀይኖም ተፈጥሮ ኼድንቑ ኸለዉ ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ዝቐረቡ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም እዮም ዚገልጹ። ኣብዚ ግዜና ኣብ ኣምላኽ ንምእማን ኣባል ሓንቲ ጕጅለ ሃይማኖት ክትከውን ከም ዘየድልየካ እዩ ብብዝሒ ዚእመን።

ገሊኣቶም ግን ካብዚ እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ሓደ ሰብ ስምረት ኣምላኽ ኪረክብ እንተ ዀይኑ: ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ኪኸውንን ናብ ቤተ-ክርስትያን ኪኸይድን ኣለዎ ኢሎም እዮም ዚማጐቱ። ስለዚ: ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ናይ ምዃን ወይ ናይ ዘይምዃን ሕቶ: ነቶም ንኣሃዛዊ ጸብጻባትን ንኻልእ ነገራትን ኢሎም ብዛዕባ ሃይማኖት መጽናዕቲ ዚገብሩ ጥራይ ዘይኰነስ ንነፍሲ ወከፍና ናይ ብሓቂ ዜገድሰና ጕዳይ እዩ። በዚ ዀነ በቲ: ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ስለ ዚትንከፍ: ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዘለዎ ኣረኣእያ ኽንፈልጥዶ ኣይግባእን፧ እሞ ደኣ ነዚ ብዚምልከት እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ ዚምህረና፧

ኣምላኽ ምስቶም ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት ዝነበሮ ርክብ

ኣስታት 4,400 ዓመት ይገብር: ማይ ኣይሂ ንምድሪ ኣጥለቕለቓ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመ ብቐሊሉ ዚርሳዕ ኣይኰነን: ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ህዝብታት ከኣ ኣብ ናይ ቀደም ታሪኾም ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ዛንታታት ኣለዎም። እዚ ዛንታታት እዚ ኣብ ዝርዝር ዚፈላለ እኳ እንተዀነ: ሒደት ሰባትን ገለ እንስሳታትን ጥራይ ከም ዚደሓኑ ኣብ ዚገልጽ ሓሳብን ካልእ ነጥብታትን ይሰማማዕ እዩ።

እቶም ካብ ማይ ኣይሂ ዝደሓኑ በጋጣሚ ኻብቲ ጥፍኣት ዝደሓኑ ዕድለኛታት ሰባት ድዮም ነይሮም፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ከምኡ ኸም ዘይኰነ እዩ ዚገልጸልና። ኣምላኽ ንሰባት በብውልቂ ብዛዕባ ምምጻእ ማይ ኣይሂ ኸም ዘይነገሮም ከነስተውዕለሉ ዚግባእ ነገር እዩ። ኣብ ክንድኡስ: ኣምላኽ ንኖህ ነገሮ: ኖህ ድማ ብግዴኡ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ ምቕራብ ማይ ኣይሂ ኣጠንቀቖም።—ዘፍጥረት 6:13-16፣ 2 ጴጥሮስ 2:5

ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ኪድሕኑ እንተ ዀይኖም: ብሓንሳእ ተጠርኒፎም በቲ ኣምላኽ ብኖህ ኣቢሉ ዝሃቦም መምርሒ ኺመላለሱ ፍቓደኛታት ኪዀኑ ነበሮም። እቶም እንስሳታት እውን እንተዀኑ: ምስታ ጕጅለ እቲኣ ብምንባሮም እዮም ድሒኖም። ኖህ ንህይወት እቶም እንስሳታት ንምዕቃብ ዜድሊ ምድላዋት ኪገብር ንጹር መምርሒታት ተዋሂብዎ ነበረ።—ዘፍጥረት 6:17–7:8

ድሕርዚ ሓያሎ ዘመናት ጸኒሑ: እቶም ብሴም ኣቢሎም እተወልዱ ዘርኢ ኖህ ኣብ ግብጺ ባሮት ኰይኖም ነበሩ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ሓራ ኣውጺኡ: ናብታ ንኣብርሃም ኣቦኦም እተመባጽዓሉ ምድሪ ኼእትዎም ዕላማ ነበሮ። እዚ ዕላማ እዚውን እንተዀነ: ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ኣይኰነን ተነጊሩ: ኣብ ክንድኡስ ነቶም መራሕቲ ኪዀኑ እተመርጹ ሙሴን ኣሮን ሓዉን እዩ ተነጊርዎም። (ዘጸኣት 3:7-10፣ 4:27-31) እቶም ባሮት ዝነበሩ ህዝቢ ብሓባር ካብ ግብጺ ምስ ወጹ: ኣብ ከረን ሲና ሕጊ ኣምላኽ ተዋህቦም: ህዝቢ እስራኤል ድማ ኰኑ።—ዘጸኣት 19:1-6

ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ ኺድሕን ዚኽእል: ምስቶም ኣምላኽ ዘቘሞም ጕጅለ ምስ ዚሓብርን እቶም እተሸሙ መራሕቲ እቲ ጕጅለ ዚህብዎ መምርሒ ምስ ዚስዕብን ጥራይ እዩ ነይሩ። ግብጻውያን እውን እንተዀኑ ምስቲ ስምረት ኣምላኽ ዝነበሮ ጕጅለ ኺሓብሩ ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ: እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ምሳታቶም ሓቢሮም ወጹ: በረኸት ኣምላኽ ኪረኽቡ ድማ ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም።—ዘጸኣት 12:37, 38

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከኣ: የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ዝዀኑ ሰባት ንምእካብ ኺሰብኽ ጀመረ። ንውልቀ-ሰባት ከከም ዜድልዮም ፍቕራዊ ቘላሕታ ይገብረሎም እኳ እንተ ነበረ: ምስኦም ዝነበሮ ርክብ ብደረጃ ጕጅለ እዩ ነይሩ። ነቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ እኳ “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም። . . . ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ: ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም” በሎም። (ሉቃስ 22:28, 29) ጸኒሑ: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ደቀ መዛሙርቲ ብጕጅለ ተኣኪቦም ከለዉ እዩ ወሪዱ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4

እዚ ኣብነታት እዚ ብግዜ ጥንቲ ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ዝነበሮ ርክብ: ብደረጃ ጕጅለ ምንባሩ እዩ ዜነጽረልና። እቶም ምስ ኣምላኽ ብብሕቲ ርክብ ዝነበሮም ከም እኒ ኖህ: ሙሴ: የሱስ: ከምኡውን ካልኦት እውን እንተዀኑ: ነቶም ሓድነት ዝነበሮም ጕጅለ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ እዩ ዚጥቀመሎም ነይሩ። ኣምላኽ ምስዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቱ እውን ካብዚ ብእተፈልየ መገዲ ርክብ ይምስርት እዩ ኢልና ንኽንኣምን ዜኽእለና ምኽንያት የብልናን። ልክዕ እዩ: እዚ ‘ኣባል ናይ ዝዀነት ትኹን ጕጅለ ሃይማኖት ምዃን እኹል ድዩ፧’ ዚብል ሕቶ የበግስ እዩ። መልሲ እዛ ኣዝያ ኣገዳሲት ሕቶ እዚኣ ኸኣ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ምስ ህዝቡ ዝነበሮ ርክብ ብደረጃ ጕጅለ እዩ ነይሩ