ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ካብ ሕማቕ ጥራይ ምቝጣብ፧

ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ካብ ሕማቕ ጥራይ ምቝጣብ፧

ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ካብ ሕማቕ ጥራይ ምቝጣብ፧

“ከምቲ ኺገብሩኹም ዘይትደልይዎ: ንኻልኦት ከምኡ ኣይትግበሩ።” እዛ ብሂል እዚኣ እቲ ኮንፊሸስ ዚበሃል ፍሉጥ ቻይናዊ መምህርን ፈላስፋን እተዛረባ እያ። ሎሚ ድሕሪ 2,500 ዓመታት ኣቢሉ: ንኻልኦት ካብ ምጕዳእ ምስ እትቝጠብ ጥራይ ጥዑይ ሰብ ኢኻ ኢሎም ዚኣምኑ ብዙሓት ኣለዉ።

ልክዕ እዩ: እዛ ኮንፊሸስ እተዛረባ ስርዓት እትነኣድ እያ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኣዊ ባህርያትን ርክባትን ብኻልእ ኵርናዕ እውን ይገልጾ እዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ንሰባት ብምብዳል ዚፍጸም ሓጢኣት: ጽቡቕ ካብ ምግባር ምስናፍ እውን ሓጢኣት ምዃኑ ይገልጽ እዩ። ያእቆብ እቲ ክርስትያን ወደ መዝሙር “እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ: ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ” በለ። (ያእቆብ 4:17) የሱስ ክርስቶስ እውን ክርስትያናት ንኻልኦት ሕማቕ ከይገብሩ ጥራይ ዘይኰነስ: “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” ኢሉ መዓዶም።—ማቴዎስ 7:12

ኣምላኽ ፈለማ ዅሎም ደቅሰብ ከምቲ ኺግበረሎም ዚደልይዎ ንኻልኦት ኪገብሩ እዩ ዕላማኡ ነይሩ። ንኻልኦት ብምሕላይ ዝመጸ በቲ ንደቅሰብ ዝፈጠረሉ መገዲ ኣቢሉ ዝበለጸ ኣብነት ሃቦም። ብዛዕባ እዚ “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም” ዚብል ነንብብ። (ዘፍጥረት 1:27) ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ኣምላኽ ብፍቕሩ ተደሪኹ ንደቅሰብ ሕልና ሂብዎም ማለት እዩ። እዚ ሕልና እዚ ብዚግባእ ምስ ዚስልጥን ከኣ: ከምቲ ኺግበረሎም ዚደልይዎ ንኻልኦት ኪገብሩ ይመርሖም።

ኣብዚ ግዜና ብሰንኪ እቲ ዘይሓስቡን ስሱዓትን ሰባት ዚገብርዎ ተግባራት: ብዙሓት ራህዋ ንምርካብ ተስፋ ዚዀኖም ወይ ዚሕግዞም የብሎምን። እምበኣር: ንሰባት ሕማቕ ዘይምግባር ወይ ዘይምጕዳእ ጥራይ ዘይኰነስ: ጽቡቕን ዚሕግዞምን ነገር ክንገብር ከም ዘሎና ንጹር እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ዜደንቕ ተስፋ ምእንቲ ኼፍልጡ ኢሎም ስጕምቲ ይወስዱ እዮም። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብስራት ኪነግሩ ኢሎም ናብ ጐረባብቶም ኪኸዱ ዚድርኾም ፍቕሪ እዩ። ከምቲ ሰብ ኪገብሩሎም ዚደልይዎ: ንሳቶም እውን ንኻልኦት ይገብሩሎም።