ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ሃይማኖታ ኸነኽብረላ መሃረትና’

‘ሃይማኖታ ኸነኽብረላ መሃረትና’

‘ሃይማኖታ ኸነኽብረላ መሃረትና’

ሓንቲ ኣብ ኣውራጃ ሮቪጎ: ኢጣልያ: እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር: ጥረ ኸም ዘለዋን ንህይወታ ዜስግእ ምዃኑን ፈለጠት። ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝጸንሓትሉ እዋን ብዘይ ደም ሕክምና ኺግበረላ ሓተተት: ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ድማ ናብ ቤታ ተመሊሳ በቶም ንሕሙማት መንሽሮ ዚረድኡ ኣለይቲ ሕሙማት ትእለ ነበረት።

እዛ 36 ዓመት ዝዕድሜኣ ጸገም ጥዕና ዝነበራ ሰበይቲ: እታ ዝነበረታ ድልድልቲ እምነትን ንምትሕብባር ዝነበራ ድሉውነትን ነቶም ዝሓከምዋ ሰብ ሞያ ሕክምና ብዙሕ እዩ መሲጥዎም። እታ ሕምምቲ በቲ መንሽሮ ቀቅድሚ ሙማታ: ሓደ ኻብቶም ዚረድእዋ ዝነበሩ ኣለይቲ ሕሙማት ነዛ ሕምምቲ እዚኣ ኣንጄላ ዚብል ስም ብምሃብ: ብዛዕባኣ ኣብ መጽሔት ኣለይቲ ሕሙማት ጸሓፈ።

“ኣንጄላ ሕጉስትን ብህይወት ክትነብር እትደልን እያ። ኵነታታን ክብደት ሕማማን ትፈልጦ እያ: ከም ኵላትና ኸኣ ፍታሕ: ፈውሲ: ወይ መድሃኒት እያ ትደሊ። . . . እቶም ኣለይቲ ሕሙማት ዘበልና በብቕሩብ ኢና ቐሪብናያ። ነቲ እንገብረላ ደገፍ ኣይተጻረረቶን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ግልጺ ብምዃና ቐሊሉና እዩ። ምስ ሓንቲ ቕንዕቲ ሰብ እንራኸበሉን ኵላትና እንጥቀመሉን እዋን ብምንባሩ ባህ ኢሉና ንኸዳ ነበርና። . . . ነዊሕ ከይጸናሕና እቲ እትስዕቦ ሃይማኖት ሓገዝ ንኸይንገብረላ ዕንቅፋት ከም ዚዀነና ኣስተውዓልና።” እዚ ኣላዪ ሕሙማት ከምዚ ዝበለ ኣንጄላ ደም ኪወሃባ ኣለዎ ኢሉ ይኣምን ብምንባሩ: ንሳውን ነዚ ብምእባያ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29

“ሰብ ሞያ ሕክምና ኸም ምዃንና መጠን: ምስ ውሳነኣ ኸም ዘይንሰማማዕ ገለጽናላ። እንተዀነ ግን: ንሳውን ንህይወት ክሳዕ ክንደይ ኣኽቢራ ኸም እትርኢ ኣረድአትና። ሃይማኖታ ንዓኣን ንስድራቤታን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ተረዳእና። ኣንጄላ ተስፋ ኣይቈረጸትን። ንሕማማ እውን ኣይተምበርክኸትን። ሓያል ሰበይቲ እያ። ብህይወት ክትነብርን ምስ ሕማማ ኽትቃለስን ትደሊ እያ። ቈራጽነታን እምነታን ገለጸትልና። መብዛሕትና ዘይብልና ቘራጽነት ኣለዋ: ካብ ናይ ኵላትና እትድልድል እምነት ከኣ ኣላታ። . . . ኣብ ሞያና እንምርሓሉ ስርዓታት እተፈልየ እኳ እንተዀነ: ንሃይማኖታ ኸነኽብረላ ኸም ዘሎና መሃረትና። . . . እተፈላለዩ ዓይነት ሰባት: እተፈላለየ ዅነታት: እተፈላለየ ሃይማኖታት ስለ ዘጋጥመና: ኣንጄላ ዝመሃረትና ነገር ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለዎ። ካብ ኵሉ እቲ ዚመጸና ሰብ ክንመሃርን ሓደ ነገር ክንምህሮን ንኽእል ኢና።”

እዛ ኣብ መጽሔት ዝወጸት ዓንቀጽ ቀጺላ “ኣላዪ ሕሙማት ንሃይማኖታውን ስነ-ምግባራውን ባህላውን ስርዓታት እቲ ውልቀ-ሰብ ከምኡውን ዓሌቱን ጾታኡን ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ዕዮኡ ኺፍጽም ዘለዎ” ዚብል ሓሳባት ካብቲ ብ1999 ዝጸደቐ ኣለይቲ ሕሙማት ጣልያን ዚምርሑሉ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ሰብ ሞያ ወሲዳ ጠቐሰት። ሓድሓደ ግዜ: ሓካይም ወይ ኣለይቲ ሕሙማት ንሃይማኖታዊ እምነት ሕሙማት ኬኽብሩ የጸግሞም ይኸውን። እቶም ንድሌት እቲ ሕሙም ዜኽብሩ ግን ኣኽቢርካ እዮም ኪረኣዩ ዚግባእ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ጥዕናኦምን ብዛዕባ ሕክምናን ዚገብርዎ ውሳነ ኣጸቢቖም እዮም ዚሓስቡሉ። ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ኣርዚኖም ይሓስቡሉ እዮም: ልክዕ ከም ኣንጄላ ኸኣ ንሳቶምውን ጥሩፋት ኣይኰኑን። (ፊልጲ 4:5) ኣብ መላእ ምድሪ ቝጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሰብ ሞያ ሕክምና: ንሕልና ሕሙማት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬኽብሩ ፍቓደኛታት እዮም።