ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ንውሉዳትካ ኣብ ምስልጣን ኪሕግዘካ ይኽእልዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንውሉዳትካ ኣብ ምስልጣን ኪሕግዘካ ይኽእልዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንውሉዳትካ ኣብ ምስልጣን ኪሕግዘካ ይኽእልዶ፧

ዕምባባ ኽትርእያ ባህ እተብል እኳ እንተዀነት: ብቐሊሉ ግን ኣይኰነትን እትዓቢ። ዚሰማምዓ ሙቐትን ብርሃንን ከምኡውን ንዓኣ ዚኣክል ሓመድ ዘለዎ ኣቕሓ የድሊ። ዕምባባ በቲ ዓይነት ሓመድን ድዅዕን ብዙሕ ትጽሎ እያ: ብሕማምን ብሓሸራታትን ድማ ብቐሊሉ ኽትጕዳእ ትኽእል እያ። ስለዚ ኸኣ እዮም ብዙሓት ሰባት ንመጀመርታ ግዜኦም ዕምባባ ኼዕብዩ ድሕሪ ምፍታን ከይዓምበበሎም ዚተርፍ።

ብተመሳሳሊ: ቈልዓ ምዕባይ እውን ዝያዳ ኣጸጋምን እተሓላለኸን እዩ። ብዙሕ ቈላሕታ እውን ይደሊ። ስለዚ: ወለዲ ንውሉዶም ኬዕብዩ ኸለዉ: ብቕዓት ዘይብሎም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ከምቲ ሓደ ዕምባባ ዜዕቢ ሰብ ካብ ክኢላ ማዕዳ ዚደሊ: መብዛሕትኦም ወለዲውን ሓገዝ ይደልዩ እዮም። ኵሉ ወላዲ እቲ ዝበለጸ መምርሒ ኸም ዚደሊ ኣየጠራጥርን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ ኻበይ ኪርከብ ይከኣል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ውሉዳት መምርሒ ኺህብ ተባሂሉ እተዳለወ እኳ እንተ ዘይኰነ: ፈጣሪ ግን ነቶም ጸሓፍቲ ብመንፈሱ ብምድራኽ ኣብዚ መዳይ እዚ ብዙሕ ጥቕሚ ዘለዎ ማዕዳ ኣስፊሩ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዕሽሽ ዚብሃል ተበሃጊ ባህርያት ከነማዕብል ከም ዘሎና እዩ ዜጕልሕ። (ኤፌሶን 4:22-24) ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ምኽሪ ሚዛናዊ ትምህርቲ ንምሃብ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። እዚ ምኽርታት እዚ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ወይ ባህላዊ መበቈል ይንበሩ ብዘየገድስ: ነቶም ኣብ ግብሪ ዘውዓልዎ ኣሽሓት ሰባት ጠቒሙ እዩ። ስለዚ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ምስዓብ ንውሉዳትካ ኣብ ምስልጣን ዕዉት ንኽትከውን ኪሕግዘካ እዩ።

ወለዲ ዘርእይዎ ኣብነት—እቲ ዝበለጸ ትምህርቲ

“እምብኣርሲ ኣታ ንኻልእ እትምህር: ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧ ኣታ: ኣይትስረቑ: ኢልካ እትሰብኽ: ባዕልኻዶ ትሰርቕ፧ ንስኻ፤ ኣይትዘምዉ: እትብል: ባዕልኻዶ ትዝሙ፧”—ሮሜ 2:21, 22

ሓደ ኣቦ መንበር ኣካያዲ ኣካል ትምህርቲ ሶል “ብቓልን ብግብርን እተርእዮ ኣብነት: ንውሉድ እቲ ዝበለጸ ትምህርቲ እዩ” በለ። ወለዲ ብዘረባኦምን ጠባዮምን ሰናይ ኣብነት እንተ ዘይኰይኖም: ንውሉዶም እውን ንጹር መምርሒ ዘይህብዎ እንተ ዀይኖም: እቲ ውሉድ ቀልጢፉ ግቡዛት ከም ዝዀኑ ገይሩ እዩ ዚወስዶም። እቲ ወለዲ ዚዛረብዎ ቓላት ድማ ጽልዋ ኣይህልዎን። ንኣብነት: ወለዲ ንውላዶም ሓቀኛ ኪኸውን ኪምህርዎ እንተ ደልዮም: ንሳቶም እውን ሓቀኛታት ኪዀኑ ኣለዎም። ገሊኣቶም ወለዲ ተሌፎን ተደዊሉሎም ከም ዘየለዉ ኼምስሉ እንተደኣ ደልዮም: ንውሉዶም “ኣቦይ የለን” ወይ “ኣደይ የላን” በል ይብልዎ። እቲ ኸምዚ ዓይነት መምርሒ እተዋህቦ ውሉድ ኣብ መጀመርታ ኸምኡ ኢልካ ምዝራብ ይኸብዶን ይጨንቆን እዩ። ድሕሪ ግዜ ግን ኣጸጋሚ ዅነታት እንተ ኣጋጢምዎ: ከይሓፈረ ኺሕሱ ይጅምር። እምበኣር ወለዲ: ውሉዶም ሓቀኛ ኪኸውን እንተ ደልዮምዎ: ንሳቶም እውን ሓቂ ኺዛረቡን ብሓቅነት ኪመላለሱን ኣለዎም።

ንውሉድካ እዱብ ኣዘራርባ ኼዘውትር ከተሰልጥኖ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ጽቡቕ ኣብነት ኩኖ። ውሉድካ ነዊሕ ከይጸንሐ ባህርያትካ ኪቐድሕ እዩ። ኣቦ ኣርባዕተ ውሉዳት ዝዀነ ሶንግ-ሲክ: “ኣነን ብዓልቲ ቤተይን ዘይእዱብ ዘረባ ኸይንጥቀም ወሰንና። ንሓድሕድና ንከባበር ኢና: ምስ ሓረቕና ወይ ምስ ተቘጣዕና እውን እንተዀነ ዓውዓው ኣይንብልን ኢና። ካብ ብኣፍ ዚዝረብ ነገራት ንላዕሊ ጽቡቕ ኣብነት ምዃን እዩ ፍረ ዘለዎ። ደቅና ምስ ሰባት ኪዘራረቡ ኸለዉ ኣኽብሮት ዜርእዩን ትሑታትን ብምዃኖም ሕጉሳት ኢና” በለ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ገላትያ 6:7 “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ” ይብል። እቶም ንውሉዳቶም ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኪስዕቡ ዚደልይዎም ወለዲ: ፈለማ ንሳቶም በቲ ስርዓታት ዚምርሑ ምዃኖም ኬርእዩ ኣለዎም።

ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ልማድ ይሃልኹም

“ንደቅኻ [ትእዛዛት ኣምላኽ] ምሀሮም: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።”—ዘዳግም 6:7

ካብ ሰዓታት ስራሕ ወጻኢ ናይ ምስራሕ ልማድ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ሰብኣይን ሰበይትን ዚሰርሑ ምስ ዚዀኑ: ኣብቶም ውሉዳት ሓያል ጽልዋ እዩ ዚህልዎ። ብዙሓት ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ዜሕልፍዎ ግዜ እናነከየ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ወለዲ ቤት ኬመሓድሩን ካልእ ዋኒኖም ኪገብሩን ስለ ዘለዎም: ኪደኽሙ ወይ ሓይሎም ኪጽንቀቖም ይኽእል እዩ። ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምስ ውሉዳትካ ብኸመይ እዩ ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ልማድ ኪህልወካ ዚኽእል፧ ንስኻን ደቅኻን ነቲ ኣብ ቤት ዝዕየ ዕዮ ብሓንሳእ እንተ ዓዪኽምዎ: ንምዝርራብ ኣጋጣሚ ኪኽፈተልኩም ይኽእል እዩ። ሓደ ኣቦ እሞ ኸኣ ምስ ደቁ ንምዝርራብ ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ: ነታ ተለቪዥኖም ኣወጊድዋ እዩ። ድሕሪኡ: “ፈለማ እቶም ደቀይ ሰልከዮም: ግድል ንምፍታሕ ዚግበር ጸወታታት ምሳታቶም ክጻወትን ብዛዕባ ዚምስጥ መጻሕፍቲ ኽመያየጥን ምስ ጀመርኩ ግን: ነቲ ለውጢ ተቐበልዎ” በለ።

ውሉዳት ገና ኻብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ምስ ወለዶም ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ልማድ ኪህልዎም ኣለዎ። እንተ ዘይኰይኑ ግን: እቶም ቈልዑ ዓብዮም በጽሕታት ምስ ኰኑ እሞ ጸገማት ምስ ኣጋጠሞም: ንወለዶም ኬማኽርዎም ከም ዚኽእሉ ኣዕሩኽቶም ገይሮም ኣይርእይዎምን እዮም። ከመይ ጌርካ ግን ኢኻ ልቦም ንኪኸፍቱልካ ኽትሕግዞም እትኽእል፧ ምሳሌ 20:5 “ምኽሪ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ጥልቂ ማይ እዩ: ብዓል ኣእምሮ ግና ይቐድሖ” ትብል። ወለዲ “እንታይ ይመስለካ፧” ብዚብል ሕቶ ወይ ካልእ ኣረኣእያኦም ንኺገልጹ ብዚዕድም ሕቶታት ገይሮም: ንደቆም ሓሳባቶምን ስምዒታቶም ኪገልጹ ኼተባብዕዎም ይኽእሉ እዮም።

ውሉድካ ኸቢድ ጌጋ እንተ ፈጺሙ: እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ኣብቲ ግዜ እቲ እዩ ብሕያውነት ክትሓልየሉ ዜድሊ። ንውሉድካ ኽትሰምዖ ኸለኻ ስምዒትካ ተቘጻጸር። ሓደ ኣቦ ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቱ: “ውሉዳተይ ጌጋ ኺገብሩ ኸለዉ: ነቲ ነገር እምብዛ ኣኽቢደ ንኸይርእዮ እጽዕር። ኮፍ ኢለ ነቲ ዚብልዎ እሰምዖም። ነቲ ዅነታት ክርድኦ እጽዕር። ሕርቃነይ ምቍጽጻር እንተ ጸጊሙኒ: ንእተወሰነ እዋን ስቕ እብል እሞ እዝሕል” በለ። ስምዒታትካ ትቈጻጸር እንተደኣ ዄንካ: እቲ እትህቦ እርማት ብቐሊሉ ተቐባልነት ኪረክብ እዩ።

ብፍቕሪ ተደሪኽካ ዚዋህብ ተግሳጽ ኣድላዪ እዩ

“ኣቱም ኣቦታትውን: ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም።”—ኤፌሶን 6:4

ጽቡቕ ፍረ ንምርካብ: ብፍቕሪ ተደሪኽካ ተግሳጽ ክትህብ ኣሎካ። ወለዲ ኸመይ ገይሮም እዮም ‘ንውሉዳቶም ኬዀርይዎም’ ዚኽእሉ፧ እቲ ዚህብዎም ተግሳጽ ምስቲ ዝፈጸምዎ ጌጋ ዘይመጣጠን እንተ ዀይኑ ወይ ብዙሕ ዚነቕፍዎም እንተ ዀይኖም: እቶም ውሉዳት ነቲ ተግሳጽ ኣይቅበልዎን እዮም። ኵሉ ሳዕ ተግሳጽ ብፍቕሪ ኺወሃብ ኣለዎ። (ምሳሌ 13:24) ንውሉዳትካ ኣረዲእካ ተእምኖም እንተደኣ ዄንካ: ካብ ፍቕሪ ተደሪኽካ ኸም እትግስጾም ኪርድኦም እዩ።—ምሳሌ 22:15፣ 29:19

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ውሉዳት እንተ በዲሎም: ሳዕቤኑ ኺዓጽዱ ኣለዎም። ንኣብነት: ሓደ ቘልዓ ንኻልእ ሰብ ምስ ዚብድል: ይቕሬታ ኸም ዚሓትት ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ናይ ስድራቤት ስርዓት ምስ ዚጥሕስ: ስርዓት ምሕላው ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምጕላሕ: እተወሰነ ዚፍቀደሉ ዝነበረ ሓለፋታት ክትክልክሎ ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ ኣድላዪ ዝዀነሉ ግዜ ተግሳጽ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ። መክብብ 8:11 “እኩይ ግብሪ ብቕልጡፍ ኣይፍረድን እዩ እሞ: ስለዚ ልቢ ደቂ ሰብ እኩይ ንምግባር ብሃቐና መልኤ” ትብል። ብተመሳሳሊውን: ብዙሓት ቘልዑ ሓደ በደል ድሕሪ ምፍጻሞም ከይተቐጽዑ ዕሽሽ ዚበሃሉ ወይ ዘይብሃሉ እንተ ዀይኖም ይፍትኑኻ እዮም። ስለዚ: ሓደ በደል እንተ በዲሎም መቕጻዕቲ ኸም ዚስዕብ እንተደኣ ኣጠንቂቕካዮም: ነቲ መቕጻዕቲ ኻብ ምፍጻም ድሕር ኣይትበል።

ጥዑይ መዘናግዒ ጥቕሚ ኣለዎ

“ንሰሓቕ . . . ጊዜ አለዎ። . . . ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ።”—መክብብ 3:1, 4

ግዜ ዕረፍቲ ዀነ ጥዑይን ሚዛናውን መዘናግዒ: ኣእምሮን ኣካላትን ቈልዓ ንኺዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ኪዘናግዑ ኸለዉ: ምሳታቶም ዘለዎም ማእሰር ይድልድል: እቶም ውሉዳት ድማ ዕቝባ ይስምዖም። ኣባላት ስድራቤት ብምንታይ ኪዘናግዑ ይኽእሉ፧ ሕስብ እንተደኣ ኣቢልካሉ: ብዙሕ ባህ ዜብል ነገራት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ከም እኒ ብሽክለታ ምዝዋርን እተፈላለየ ዓይነት ጸዋታታት ኵዕሶ ምጽዋትን ዝኣመሰለ ኣብ ግዳም ዚዝውተር ስፖርት ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። እቶም ኣባላት ስድራቤት ብሓባር ሙዚቃ ኺጻወቱ ኸለዉ ዜሕልፍዎ ዜሐጕስ ግዜ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ተፈጥሮ ንምርኣይ ኣብ ከባቢኹም ናብ ዚርከብ ቦታታት ምኻድ እውን ጽቡቕ ተዘክሮታት ኪሓድገልኩም ይኽእል እዩ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ወለዲ ንውሉዳቶም ብዛዕባ መዘናግዒ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺሰርጹሎም ይኽእሉ እዮም። ሰለስተ ኣወዳት ዘለዉዎ ሓደ ክርስትያን “ብተኻእለኒ መጠን ምስ ደቀይ እዘናጋዕ እየ። ንኣብነት: ጸወታታት ኮምፕዩተር ኪጻወቱ ኸለዉ: ብዛዕባኡ እሓቶም። ተሓጒሶም ኪገልጹለይ ከለዉ: በቲ ኣጋጣሚ ተጠቒመ ዘይጥዑይ መዘናግዒ ዘለዎ ሓደጋ እነግሮም። ስለዚ ድማ ካብ ዘይግቡእ መዘናግዒ ኺርሕቑ ርእየ እየ” በለ። እወ: ምስ ወለዶም ብምዝንጋዕ ሓጐስ ዚረኽቡ ውሉዳት: መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ዓመጻን ርኽሰትን ምውሳድ ሓሽሽን ዜርኢ መደባት ተለቪዥን: ቪድዮታት: ፊልምታት: ከምኡውን በቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዚርከብ ጸወታታት ኣይሰሓቡን እዮም።

ወሉዳትካ ጥዑያት ኣዕሩኽ ኬጥርዩ ሓግዞም

“ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን።”—ምሳሌ 13:20

ኣርባዕተ ውሉዳት ጽቡቕ ገይሩ ዘዕበየ ክርስትያን ኣቦ: “ናይ ኣዕሩኾም ምርጫ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ሕማቕ ዓርኪ ንዅሉ እቲ ዝዓየኻዮ ነገራት ኬፍርሰልካ ይኽእል እዩ” በለ። ደቁ ጥዑያት ኣዕሩኽ ኬጥርዩ ምእንቲ ኺሕግዞም: ‘ካብ ኵሉ ንላዕሊ እትቐርቦ ዓርክኻ መን እዩ፧ ንምንታይ ፈቲኻዮ፧ ካብ ባህርያቱ ነየናይ ኢኻ ኽትቀድሖ እትደሊ፧’ ኢሉ ብጥበብ ይሓቶም። ካልእ ወላዲ ኸኣ ደቁ ነዕሩኽቶም ናብ ገዛ ኺዕድምዎም ምድላው ገበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነዕሩኽ ደቁ ተዓዚቡ: ንውሉዳቱ ግቡእ መምርሒ ይህቦም።

ንውሉዳት ምስ መሳቱኦም ጥራይ ዘይኰነስ ምስቶም ብዕድመ ዚዓብዩዎም እውን ኪተዓራረኹ ኸም ዚኽእሉ ምምሃሮም ኣገዳሲ እዩ። ኣቦ ሰለስተ ዝዀነ ቡም-ሱን: “ከምቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዳዊትን ዮናታንን ኣዕሩኽ ዝነበሩ: ንደቀይ ኣዕሩኽ ኪመርጹ ኸለዉ ናይ ግድን መሳቱኦም ኪዀኑ ኸም ዘይብሎም አረድኦም። ኣብ እተፈላለዩ ዕድመ ዚርከቡ ሰባት ምስ ደቀይ ግዜ ንኼሕልፉ እዕድሞም። በዚ ኸምዚ ድማ ደቀይ ምስ መዛኑኦም ዘይኰኑ ብዙሓት ሰባት ይቀራረቡ ኣለዉ” በለ። ቈልዑ ምስ ኣብነታውያን ዝዀኑ ዓበይቲ ሰባት ምስ ዚቀራረቡ: ብዙሕ ነገራት ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም።

ንውሉዳት ኣብ ምስልጣን ክትዕወት ትኽእል ኢኻ፧

ብመሰረት ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተገብረ መጽናዕቲ: ከም ርእስኻ ምግታእ: ርእስኻ ምግሳጽ: ከምኡውን ሓቀኛ ምዃን ዝኣመሰለ ባህርያት ኣብ ውሉዳቶም ኪሰርጹ ዚጸዓሩ ሓያሎ ወለዲ: ብዙሕ ኣሳልጦ ኣይረኸቡን። ውሉዳት ምስልጣን ክሳዕ ክንድዚ ኣጸጋሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ሓንቲ ኣብቲ መጽናዕቲ እተሳተፈት ኣደ ‘እቲ ዜሕዝን ንደቅኻ ኸተዕቍቦም እትኽእለሉ እንኮ መገዲ: ኣብ ሓደ ኽፍሊ ዓጺኻ ናብዛ ዓለም ከም ዘይወጹ ምግባር እዩ’ ኢላ ምላሽ ሃበት። እቲ ውሉዳት ዚዓብዪሉ ዘለዉ ኸባቢ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ኣመና ኸም እተበላሸወ እያ እትሕብር ነይራ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ንውሉዳት ጽቡቕ ጌርካ ኸተዕብዮም ዚከኣል ድዩ፧

ዕምባባ ኸተዕቢ እናደለኻ: ከይትሓረካ ምስ እትፈርህ: ዕምባባ ንኸይተዕቢ ተስፋ የቝርጸካ ይኸውን። ሓደ ዕምባባታት ብምዕባይ ክኢላ ዝዀነ ሰብ: መጺኡ ጽቡቕ ሓሳባት እንተ ሂቡካን ብምትእምማን “ከምዚ እንተ ጌርካ: ኪሰልጠካ እዩ” እንተደኣ ኢሉካን: ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ቕሳነት ዚስምዓካ! ኣብ ተፈጥሮ ደቅሰብ ልዕሊ ዅሉ ኽኢላ ዝዀነ የሆዋ: ውሉድ ከተዕብየሉ እትኽእል ዝበለጸ መገዲ ገሊጹ ኣሎ። “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ” ድማ በለ። (ምሳሌ 22:6) ንውሉዳትካ ብመሰረት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ማዕዳ ኸተሰልጥኖም ከለኻ: ምስ ዓበዩ ሓላፍነት ዚስከሙ: ንኻልኦት ዚሓልዩ: ከምኡውን ስርዓት ዘለዎም ሰባት ኪዀኑ እዮም። ድሕሪኡ: ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ እውን ኪፈትዎም እዩ።