ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በቲ ህያው ኣምላኽ ተመራሕ

በቲ ህያው ኣምላኽ ተመራሕ

በቲ ህያው ኣምላኽ ተመራሕ

“ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘለዉ ዅሎምን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ነበስረኩም አሎና።”—ግብሪ ሃዋርያት 14:15

1, 2. የሆዋ “ህያው ኣምላኽ” ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃብ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 ሃዋርያ ጳውሎስን በርናባስን ንሓደ ሰብኣይ ምስ ኣሕወይዎ: ጳውሎስ ነቶም ነዚ ዝረኣዩ ሰብ ልስጥራ: “ንሕና ድማ ከማኻትኩም ዝፍጥረትና ሰብ ኢና: ካብዚ ኸንቱ ነገር ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘለዉ ዅሎምን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ነበስረኩም አሎና” በሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 14:15

2 የሆዋ ህይወት ዘይብሉ ጣኦት ዘይኰነስ “ህያው ኣምላኽ” እዩ። (ኤርምያስ 10:10፣ 1 ተሰሎንቄ 1:9, 10) ህያው ጥራይ ዘይኰነስ: ምንጪ ህይወትና እውን እዩ። “ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ንዅሉ ዚህብ እዩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:25) ሕጅን ኣብ መጻእን ተሓጒስና ብህይወት ክንነብር እዩ ዚደልየና። ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ: “[ኣምላኽ] ጽቡቕ እናገበረ: ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሀበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ: ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሐደገን” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 14:17

3. ኣምላኽ ዚህበና መምርሒ ኽንኣምኖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

3 ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወትና ዘለዎ ተገዳስነት: ነቲ ዚህበና መምርሒ ንኽንኣምኖ ምኽንያት ይዀነና። (መዝሙር 147:8፣ ማቴዎስ 5:45) ገለ ሰባት ግን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተረድኦም ወይ ዚቕይዶም ዚመስሎም መምርሒ እንተ ረኺቦም: ኣይቅበልዎን እዮም። ኰይኑ ግን: መምርሒ የሆዋ ምስዓብ ጥበባዊ ምዃኑ እተረጋገጸ እዩ። ንኣብነት: ሓደ እስራኤላዊ ነቲ ገምቢ ኸይትንኪ እተዋህበ ሕጊ ዋላ እኳ እንተ ዘይተረድኦ: ነቲ ትእዛዝ ብምኽባሩ ግን ይጥቀም ነበረ። ቀዳማይ: እዙዝ ብምዃኑ ናብቲ ህያው ኣምላኽ ብዝያዳ ይቐርብ፣ ካልኣይ ከኣ ኣይሓምምን።—ዘሌዋውያን 5:2፣ 11:24

4, 5. (ሀ) ቅድሚ ክርስትና የሆዋ ብዛዕባ ደም እንታይ መምርሒ እዩ ዝሃበ፧ (ለ) ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዝሃቦ መምርሒ ንክርስትያናት እውን ከም ዚምልከት ብኸመይ ንፈልጥ፧

4 ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዝሃቦ መምርሒ እውን ተመሳሳሊ ጥቕሚ ኣለዎ። ደቅሰብ ደም ኪበልዑ ወይ ኪሰትዩ ኸም ዘይብሎም ንኖህ ነገሮ። ድሕሪኡውን ኣብ ሕጊ ሙሴ: ንደም ምእንቲ ሕድገት ሓጢኣት ኣብ መሰውኢ ጥራይ ክትጥቀመሉ ኸም ዚግባእ ገለጸ። በዚ መምርሒታት እዚ ኣቢሉ: ነቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ኣጠቓቕማ ደም: ማለት ነቲ ብበጅነት የሱስ ኣቢልካ ዚድሕን ህይወት ሰባት እዩ መሰረት ዜንብር ነይሩ። (እብራውያን 9:14) እወ: ኣምላኽ ንህይወትናን ንድሕነትናን ብምሕላይ እዩ መምርሒ ሂቡና። ኣብ መበል 19 ዘመን ዚነብር ዝነበረ ኣዳም ክላርክ ዚበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር: ብዛዕባ ዘፍጥረት 9:4 ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ምብራቓውያን ክርስትያናት [ምእመናን ኦርቶዶክስ] ነዛ [ንኖህ እተዋህበት] ትእዛዝ እዚኣ ተጠንቂቖም ይሕልዉዋ እዮም። . . . ደም ነቲ ንሓጢኣት ዓለም ኪፈስስ ዝነበሮ ደም ስለ ዜመልክት: ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ኣይብላዕን እዩ ነይሩ፣ ኣብ ትሕቲ ወንጌል እውን ነቲ ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈሰሰ ደም ከም ዜመልክት ጌርካ ኺውሰድ ስለ ዘለዎ ኺብላዕ የብሉን።”

5 እዚ ምሁር እዚ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሱስ ዜተኵር መሰረታዊ ወንጌል ወይ ብስራት እዩ ዚዛረብ ነይሩ ዚኸውን። እዚ ኸኣ ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ ወዱ ኸም ዚሞተልናን ደሙ ኣብ ክንዳና ኸም ዜፍስስን ዝገበሮ ተግባራት የጠቓልል። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 5:8, 9) እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ምሁር ዝሃቦ ሓሳብ: ነቲ ጸኒሑ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ካብ ደም ኪኽልከሉ እተዋህቦም ትእዛዝ እውን ዜጠቓልል እዩ።

6. ብዛዕባ ደም እንታይ መምርሒ እዩ ንክርስትያናት እተዋህቦም: ስለምንታይከ፧

6 ኣምላኽ ንእስራኤላውያን በማእታት ዚቝጸር ሕግታት ከም ዝሃቦም ትፈልጥ ኢኻ። የሱስ ምስ ሞተ ግን ደቀ መዛሙርቱ ኻብቲ ነዚ ዅሉ ሕግታት ኪሕልዉ ዝነበሮም ግዴታ ሓራ ዀኑ። (ሮሜ 7:4, 6፣ ቈሎሴ 2:13, 14, 17፣ እብራውያን 8:6, 13) ይኹን እምበር: ሓደ እዋን ብዛዕባ እቲ መሰረታዊ ግዴታ ዝነበረ ግዝረት ደቂ ተባዕትዮ ሕቶ ተላዕለ። እቶም ካብ ደም ክርስቶስ ኪጥቀሙ ዚደልዩ ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ብግዝረት ኣቢሎም: ገና ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ኸም ዘለዉ ኼርእዩ የድልዮምዶ እዩ፧ ብ49 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ጕዳይ ተመልከቶ። (ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 15) እቶም ሃዋርያትን ሽማግለታትን እቲ ሕጊ ኻብ ዜብቅዓሉ እዋን ኣትሒዙ ግዝረት ግዴታ ኸም ዘይኰነ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ደምደሙ። ኰይኑ ግን: ኣምላኽ ኪማላእ ዝሓቶ እተወሰነ ብቕዓታት ኣብ ክርስትያናት እውን ቀጸለ። እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብቲ ንጉባኤታት ዝለኣኾ ደብዳበ: “ብዘይ እቲ እተገብኤ: ማለት፤ ንጣኦታት ካብ እተሰውኤን ደምን: ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደኣ ኽትክልከሉ እምበር: ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም: ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ እሞ: ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሐሎኹም: ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29

7. ‘ካብ ደም ምኽልካል’ ንክርስትያናት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

7 እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ‘ካብ ደም ምኽልካል’ ማዕረ እቲ ኻብ ጾታዊ ርኽሰት ወይ ካብ ምምላኽ ጣኦት ምኽልካል ጌርካ ኸም ዚርአ ንጹር ገይርዎ እዩ። እዚ ኸኣ ካብ ደም ምኽልካል ኪበሃል ከሎ ኣርዚንካ ዚርአ ጕዳይ ምዃኑ ይሕብር። ጣኦት ዜምልኹ ወይ ጾታዊ ርኽሰት ዚፍጽሙ እሞ ዘይንስሑ ክርስትያናት “ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” ኸምኡውን “ግዲኦም ኣብቲ . . . ኻልኣይ ሞት” ከም ዚኸውን ተገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ ራእይ 21:8፣ 22:15) ነዚ ኽልተ ነጥቢ እሞ ኣስተብህለሉ:- ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ቕድስና ደም ዝሃቦ መምርሒ ዘይምሕላው: ዘለኣለማዊ ሞት የስዕብ። ንመስዋእቲ የሱስ ኣኽብሮት ምርኣይ ግን ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ይመርሕ።

8. ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዝሃቦ መምርሒ ኣርዚኖም ይርእይዎ ምንባሮም ዚሕብር እንታይ እዩ፧

8 ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዝሃቦም መምርሒ ብኸመይ እዮም እተረድእዎን ዝሰዓብዎን፧ ክላርክ “ኣብ ትሕቲ ወንጌል እውን ነቲ ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈሰሰ ደም ከም ዜመልክት ጌርካ ኺውሰድ ስለ ዘለዎ ኺብላዕ የብሉን” ብምባል ዝሃቦ ሓሳብ ዘክር። ቀዳሞት ክርስትያናት ነዚ ጕዳይ እዚ ኣርዚኖም ይርእይዎ ምንባሮም ታሪኽ ዚምስክሮ ሓቂ እዩ። ተርቱልያን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቶም ኣብቲ ምርኢት ዝካየደሉ ቦታ ነቲ ውዑይ ደም እቲ እኩይ ገበነኛ ብህርፋን ዚሰትይዎ . . . እሞ ካብ ሕማም ባርያ ዚድሕኑ እሞ ርኣይዎም።” ኣረማውያን ደም ይሰትዩ እኳ እንተ ነበሩ: ተርቱልያን ግን እቶም ክርስትያናት “ደም እንስሳ እውን እንተዀነ ኣብ ምግቦም ኣይሕውሱን እዮም” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ንክርስትያናት ንኽትፍትኑ ደም ዘለዎ ግዕዝም ኢኹም እትህብዎም። ስለዚ: ኪበልዕዎ ኸም ዘይተፈቕደሎም ኣሚንኩም ኢኹም” በለ። እወ: ኪቕተሉ ምዃኖም እኳ ምፍርራህ እንተ ኣጋጠሞም: ክርስትያናት ደም ኣይወሰዱን። ኣምላኽ ዝሃቦ መምርሒ ኽሳዕ ክንድዚ ኣገዳስነት ነበሮ።

9. ካብ ደም ምኽልካል ኪበሃል ከሎ ብቐጥታ ደም ዘይምብላዕ ጥራይ ዘይኰነስ እንታይ እውን እዩ ዜጠቓልል፧

9 ገለ ሰባት እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ደም ብቐጥታ ኸይትበልዕ ወይ ከይትሰቲ: ከምኡውን ደሙ ዘይፈሰሰ ስጋ ወይ ደም እተሓወሶ ምግቢ ኸይትበልዕ ማለቱ እዩ ይብሉ። ልክዕ እዩ: እቲ ኣምላኽ ንኖህ ዝሃቦ ትእዛዝ ቀንዲ መልእኽቱ ኸምኡ እዩ ነይሩ። እቶም ሃዋርያት ንክርስትያናት ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ እውን ካብ “ሕኑቕ:” ማለት ካብ ደሙ ዘይፈሰሰ ስጋ “ኪሐርሙ” ኣዚዞም እዮም። (ዘፍጥረት 9:3, 4፣ ግብሪ ሃዋርያት 21:25) ይኹን እምበር: እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እቲ መምርሒ ዝሰፍሐ ትርጕም ከም ዘለዎ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ሓድሓደ ግዜ ደም ንሕክምና ተባሂሉ ይውሰድ ነበረ። ተርቱልያን: ገሊኣቶም ኣረማውያን ካብ ሕማም ባርያ ምእንቲ ኺፍወሱ ኢሎም ውዑይ ደም ከም ዚሰትዩ ገሊጹ ኣሎ። ካብ ሕማም ንምፍዋስ ወይ ጥዕናኻ ንምሕላው ተባሂሉ እውን ደም ይውሰድ ነይሩ ይኸውን። ስለዚ: ክርስትያናት ካብ ደም ኪርሕቑ ኺበሃል ከሎ: ዋላ “ንሕክምና” ኢሎም እውን ኣይወስድዎን ነይሮም ማለት እዩ። ዋላ እኳ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዜእቱ እንተ ነበረ: ነቲ ኣቕዋም እቲ እዮም ሒዞም።

ደም ከም መድሃኒት ኰይኑ ኼገልግል ከሎ

10. ገለ ኻብቲ ኣብ ሕክምና ንደም ዚጥቀሙሉ መገድታት እንታይ ኣሎ: እዚኸ እንታይ ሕቶታት የበገስ፧

10 ኣብዚ ግዜና ደም ኣብ ሕክምና ይዝውተር እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ኻብ ለጋሲ እተወስደ ደም ከም ዘለዎ ተኸዚኑ ድሕሪ ምጽናሕ ንሓደ ሕሙም ወይ ኣብ ውግእ ንዝቘሰለ ሰብ ይወሃቦ ነይሩ። ጸኒሑ ግን ተመራመርቲ ነቲ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም ኪፈላልዩ ኸም ዚኽእሉ ፈለጡ። ሓካይም ተዋጽኦታት ደም ንሕሙማት ብምሃብ: ነቲ ደም ብዝያዳ ኺጥቀሙሉ ይኽእሉ። ንኣብነት: ፕላዝማ ንሓደ ዝቘሰለ ሰብ ኪህቡ ኸለዉ: ቀይሕ ዋህዮታት ደም ከኣ ንኻልእ ይህብዎ። ቀጻሊ መጽናዕቲ ምስ ተገብረ ኸኣ ካብ ከም እኒ ናይ ደም ፕላዝማ ዝኣመሰለ ተዋጽኦታት እውን ሓያሎ ኽፋላት ብምውጻእ ንሓያሎ ሕሙማት ኪወሃብ ከም ዚከኣል ተፈልጠ። በዚ መዳይ እዚ ዚግበር መጽናዕቲ ቐጻሊ ብምዃኑ: ነዚ ኽፋላት እዚ ኣብ ጥቕሚ ዚውዕለሉ ሓደስቲ መገድታት ከም እተረኽበ እውን ይስማዕ እዩ። ሓደ ክርስትያን ነዚ ብዚምልከት እንታይ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧ ደም ከይወስድ ቈራጽነት እኳ እንተ ገበረ: እቲ ሓኪሙ ግን ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም: ንኣብነት: ቀይሕ ዋህዮታት ኪወስድ ግዲ ይብሎ። ወይ ከኣ እቲ ዚወሃቦ ሕክምና ሓደ ኻብቲ ኻብ ተዋጽኦታት ዝወጸ ንኣሽቱ ኽፋላት ዝሓዘ ይኸውን። ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ደም ቅዱስ ምዃኑን ደም ክርስቶስ ከኣ ብዝዓበየ ህይወት ከም ዜድሕንን ኣብ ግምት ብምእታው ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ምስ ዜጋጥሞ ብኸመይ ኪውስን ኣለዎ፧

11. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም ብዛዕባ ደም እንታይ ቅኑዕ ኣቕዋም እዩ ነይርዎም፧

11 ሓያሎ ዓመታት ይገብር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣቕዋሞም ንጹር ገይሮም እዮም። ንኣብነት: ሓንቲ ዓንቀጽ ኣብታ ዘ ጆርናል ኦቭ ዘ ኣመሪካን ኣሶስየሽን ንኽትሕተም ልኢኾም ነይሮም። (27 ሕዳር 1981፣ ኣብታ ሃው ካን ብላድ ሴቭ ዮር ላይፍ፧ [እንግሊዝኛ] ገጽ 27-9 እንደገና ተሓቲማ ኣላ)። a እታ ዓንቀጽ እቲኣ ኻብ ዘፍጥረትን ዘሌዋውያንን ግብሪ ሃዋርያትን ድሕሪ ምጥቃስ ከምዚ በለት:- “እዚ ጥቕስታት እዚ ብናይ ሕክምና ቓላት እተጻሕፈ እኳ እንተ ዘይኰነ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ንብምሉኡ ደም: ንሓፊስ ቀይሕ ዋህዮታት ደም: ንፕላዝማ: ንጸዓዱ ዋህዮታት ደም: ከምኡውን ንፕላትለት ምውሳድ ከም ዚኽልክል ገይሮም እዮም ዚወስድዎ።” ኢመርጀንሲ ኬር ዚበሃል ናይ 2001 መምሃሪ መጽሓፍ: “ኣቃውማ ደም” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ “ደም ብእተፈላለየ ነገራት እዩ ቘይሙ። እዚ ኸኣ ፕላዝማ: ቀይሕን ጻዕዳን ዋህዮታት ደም: ከምኡውን ፕላትለት እዩ” ይብል። ስለዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስዚ ሕክምናዊ ሓቅታት እዚ ብምስምማዕ ምምሕልላፍ ምሉእ ደምን ዝዀነ ይኹን ካብቲ ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታቱን ኣይቅበሉን እዮም።

12. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ኻብ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ዚወጽእ ክፋላት እንታይ ኣቕዋም ከም ዘሎና እዩ ተገሊጹ፧ (ለ) ብዛዕባ እዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ኻበይ ክትረክብ ትኽእል፧

12 እታ ናይ ሕክምና ዓንቀጽ ቀጺላ ኸምዚ በለት:- “እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘለዎም ሃይማኖታዊ ምርዳእ ንኸም ኣልቡሚን: ኢምዩን ግሎቡሊን: ከምኡውን ንሄሞፊሊያ ኣብ ዚግበር ምድላው ዚጥቀሙሉ [ክፋላት] ደም ከይትጥቀም ምሉእ ብምሉእ ኣይክልክልን እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ናይ የሆዋ ምስክር ነዚ ይወስድ ድዩ ኣይወስድን: ብብሕቱ ኺውስን ኣለዎ።” ካብ 1981 ኣትሒዙ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ተባሂሉ ሓያሎ ኽፋላት ደም (ካብ ሓደ እቶም ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት ዚወጽእ ባእታታት) ተዳልዩ ኣሎ። ስለዚ ድማ እታ ናይ 15 ሰነ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብቲ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” እትብል ዓንቀጻ ሓጋዚ ሓበሬታ ሒዛ ኣላ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣንበብትና ንምጥቃም ተባሂላ ኣብ ገጽ 29-31 እዛ መጽሔት እዚኣ እንደገና ተሓቲማ ኣላ። ዝርዝር ነገራትን መረዳእታታትን ዝሓዘት ኰይና: ካብቲ ብ1981 ዝወጸ መሰረታዊ ሓሳባት ግን እተፈልየት ኣይኰነትን።

ሕልና ዘለዎ ግደ

13, 14. (ሀ) ሕልና እንታይ እዩ: ንደም ኣብ ዚምልከት ጕዳይ ዚዋሳእከ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ብዛዕባ ምብላዕ ስጋ እንታይ መምርሒ እዩ ሂብዎም: እንታይ ሕቶታትከ እዩ ኺለዓል ዚኽእል፧

13 ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ውሳነ ንምግባር ሕልናና ኽንጥቀመሉ ኣሎና። ስለምንታይ፧ ክርስትያናት መምርሒ ኣምላኽ ኪስዕቡ ኸም ዘለዎም ዚሰማምዑሉ እኳ እንተዀኑ: ኣብ ገሊኡ ዅነታት ግን ብሕታዊ ውሳነ ኺግበር ኣለዎ: ነዚ ንምግባር ከኣ ሕልናና ኽንጥቀመሉ ኣሎና። ሕልና ንነገራት: ብፍላይ ከኣ ንስነ-ምግባራዊ ጕዳያት ኣመዛዚንካ ውሳነ ኽትገብር ዜኽእለካ ኽትውለድ ከለኻ ኣትሒዝካ እትወርሶ ኽእለት እዩ። (ሮሜ 2:14, 15) ኰይኑ ግን: ሕልና ኻብ ሰብ ናብ ሰብ ከም ዚፈለላ ፍሉጥ እዩ። b መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ሰባት “ድኹም ሕልና” ኸም ዘለዎም ስለ ዚጠቅስ: ገለ ድማ ብርቱዕ ሕልና ኣለዎም ማለት እዩ። (1 ቈረንቶስ 8:12) ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዚብሎ ነገራት ኣብ ዘለዎም ፍልጠት: ብዛዕባ ኣተሓሳስባኡ ኣብ ዘለዎም ምርዳእ: ከምኡውን ከም ፍቓዱ ኣብ ምውሳን ብእተፈላለየ ደረጃ እዮም ዕቤት ዚገብሩ። ነዚ በቲ ንኣይሁድ ብዛዕባ ምብላዕ ስጋ እተዋህቦም ሕጊ ጌርና ኸነብርሆ ንኽእል ኢና።

14 ሓደ ንኣምላኽ ዚእዘዝ ሰብ ደሙ ዘይፈሰሰ እንስሳ ኺበልዕ ከም ዘይብሉ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር ገይርዎ ኣሎ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ: ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ህጹጽ ኵነታት ደሙ ብግቡእ ዘይፈሰሰ ስጋ ምብልዖም: ዓብዪ በደል ወይ ሓጢኣት እዮም ፈጺሞም። (ዘዳግም 12:15, 16፣ 1 ሳሙኤል 14:31-35) እንተዀነ ግን: ካልእ ሕቶታት ኪለዓል ይኽእል እዩ። ሓደ እስራኤላዊ በጊዕ ኪሓርድ ከሎ: ነቲ ደም ኪፈስስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኼጽንሖ ዘለዎ፧ እቲ ደም ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺፈስስ ኣብ ክሳዱ ድዩ ኺሓርዶ ዘለዎ፧ ነቲ በጊዕ ብናይ ድሕሪት እግሩ ኼንጠልጥሎ ኣለዎ ድዩ፧ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ፧ ዓባይ ላም ኪሓርድ ከሎኸ እንታይ እዩ ዚገብር፧ እቲ ደም ምስ ፈሰሰ እውን እንተዀነ: እተወሰነ ደም ኣብቲ ስጋ ኺተርፍ ስለ ዚኽእል: ነቲ ስጋ ኺበልዖ ይኽእል ድዩ፧ መን እዩ ነዚ ዚውስኖ፧

15. ገለ ኣይሁድ ብዛዕባ ምብላዕ ስጋ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዝነበሮም: ኣምላኽ ግን እንታይ መምርሒ እዩ ዝሃበ፧

15 ሓደ ውፉይ ኣይሁዳዊ በዚ ሕቶታት እዚ ኸም እተዋጠረ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ነቲ ንጣኦት እተሰውአ ኪኸውን ዚኽእል ስጋ ዚፍንፍኖ: እቲ ኣይሁዳዊ እውን ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ስጋ እንተ ዘይበልዐ ዚሓይሽ ኰይኑ ይስምዖ ይኸውን። ካልኦት ኣይሁድ ከኣ ነቲ ደም ንኼልግሱ እተወሰነ ልሙድ ነገራት ድሕሪ ምግባር ነቲ ስጋ ይበልዕዎ ነይሮም ይዀኑ። c (ማቴዎስ 23:23, 24) ብዛዕባ እዚ እተፈላለዩ ሰባት ዚገብርዎ ነገራት እንታይ ርእይቶ ኣሎካ፧ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ግበሩ ስለ ዘይበሎም: ኣይሁድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጕዳይ መልሲ ንምርካብ ነቶም ናይ ሃይማኖት መምህራኖም ሓያሎ ሕቶታት ምልኣኽ ግቡእዶ ምዀነ፧ ኣብ ኣይሁድነት ንመምህራኖም ዓሰርተ ሳዕ ናይ ምሕታት ልምዲ እኳ እንተ ተኣታተወ: የሆዋ ግን ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ብዛዕባ ደም ዚምልከት ውሳነታት በዚ ኸምዚ ኺፈትሕዎ መምርሒ ብዘይምሃቡ ሕጉሳት ኢና። ኣምላኽ ንንጹሃት እንስሳታት ብዛዕባ ምሕራድን ደሞም ብዛዕባ ምፍሳስን ዝመጸ መሰረታዊ መምርሒ ደኣ እዩ ሂቡ እምበር: ዝርዝር መምርሒ ኣይሃበን።—ዮሃንስ 8:32

16. ክርስትያናት ካብ ቀንዲ ተዋጽኦታት ደም ዝወጸ ኽፋል ብመርፍእ ብዛዕባ ምውሳድ ዝመጸ እተፈላለየ ኣረኣእያ ኺህልዎም ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

16 ኣብ ቍጽሪ 11ን 12ን ተገሊጹ ኸም ዘሎ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሉእ ደም ወይ ነቲ ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታቱ: ማለት ፕላዝማ: ቀያሕቲ ዋህዮታት: ጸዓዱ ዋህዮታት: ከምኡውን ፕላትለት ኣይወስዱን እዮም። እንተዀነ ግን: ኣካላትና ምስ ሕማም ንኺቃለስ ወይ መርዚ ተመን ንኺጻወር ተባሂሉ ኻብ ደም ብዚርከብ ፈሳሲ ዚስራሕ ጸረ-ኣካል ኰነ ኻልእ ካብ ቀንዲ ተዋጽኦታት ዝወጸ ንኣሽቱ ኽፋላት ብዚምልከት እንታይ ኣቕዋም እዩ ዘሎና፧ (ኣብ ገጽ 30: ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ።) ገሊኣቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ደቀቕቲ ኽፋላት ምስ ደም ስለ ዘይቍጸር: ‘ካብ ደም ተኸልከሉ’ ዚብል ስርዓት ኣብዚ ኣይውዕልን እዩ ኣብ ዚብል መደምደምታ በጺሖም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:29፣ 21:25፣ ገጽ 31: ሕጡብ ጽሑፍ 1) እዚ ናይ ርእሶም ሓላፍነት እዩ። ካልኦት ከኣ ንዝዀነ ይኹን ካብ ደም (እንስሳ ዀነ ሰብ) ዚስራሕ ነገር: ንእሽቶ ኽፋል ናይ ሓደ ቐንዲ ተዋጽኦ እኳ እንተዀነ: ከይቅበሉ ሕልናኦም ይድርኾም። d ገሊኦም ከኣ ሕማም ንኺቃለሱ ወይ መርዚ ተመን ንኺጻወሩ ኢሎም ፕላዝማ ፕሮቲን ብመርፍእ ኪውግኡ ፍቓደኛታት ኪዀኑ ኸለዉ: ካልእ ንኣሽቱ ኽፋላት ኪወሃቦም ግን ፍቓደኛታት ኣይኰኑን። ብዘይካዚውን: ገሊኡ ኻብ ሓደ እቲ ኣርባዕተ ቐንዲ ተዋጽኦታት ዚዳሎ ኽፋላት: ማዕረ እቲ ቐንዲ ተዋጽኦ ዚዓምምን ህይወት ኣብ ምድሓን ዓብዪ ግደ ዘለዎን ብምዃኑ ገለ ክርስትያናት ዜተሓታትት ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም።

17. (ሀ) ሕልናና ንኽፋላት ደም ኣብ ዚምልከት ሕቶታት ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ለ) ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዚግበር ውሳነ ኣርዚንካ ዚርአ ስለምንታይ እዩ፧

17 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሕልና ዚብሎ ነገር ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ ኣብ ምግባር ሓጋዚ እዩ። ቅድም ቀዳድም: ቃል ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል ክትመሃርን ንሕልናኻ ብእኡ ኽትቀርጾን ኣሎካ። እዚ ኸኣ ካልእ ሰብ ክውስነልካ ኣብ ክንዲ እትሓትት: ባዕልኻ ምስ መምርሒ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ኽትውስን የዕጥቐካ። (መዝሙር 25:4, 5) ክፋላት ደም ብዛዕባ ምውሳድ: ገሊኣቶም ‘እዚ ንሕልና እተገድፈ ጕዳይ ስለ ዝዀነ: ዝገበርካ እንተ ገበርካ ዜገድስ ኣይኰነን’ ኢሎም ይሓስቡ። እዚ ግን ግጉይ ኣረኣእያ እዩ። ሓደ ነገር ንሕልና እተገድፈ ጕዳይ ምዃኑ: ሳዕቤን የብሉን ማለት ኣይኰነን። የግዳስ: ኣርዚንካ ዚርአ እዩ። ከምዚ ዝዀነሉ ሓደ ምኽንያት: ነቲ ኻብ ናትና እተፈልየ ሕልና ዘለዎ ሰብ ስለ ዚጸልዎ እዩ። ጳውሎስ ካብቲ ንጣኦት እተሰውአ ኪኸውን ዚኽእል እሞ ጸኒሑ ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ስጋ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ማዕዳ: ነዚ ኽንርድኦ ንኽእል። ሓደ ክርስትያን ‘ነቲ ድኹም ሕልና ኸየቝስል’ ኪጥንቀቕ ኣለዎ። ንኻልኦት እንተ ዓንቂፉ: ነቲ ‘ክርስቶስ ዝሞተሉ ሓዉ ኼጥፍኦን’ በዚ ምኽንያት እዚ ንክርስቶስ ኪብድሎን ይኽእል እዩ። ስለዚ: ብዛዕባ ንኣሽቱ ኽፋላት ደም ዚለዓል ሕቶ ብብሕቲ ውሳነ ኺግበረሉ ዚግባእ እኳ እንተዀነ: እዚ ውሳነታት እዚ ኣርዚንካ ኺርአ ኣለዎ።—1 ቈረንቶስ 8:8, 11-13፣ 10:25-31

18. ክርስትያናት ንደም ዚምልከት ውሳነታት ኪገብሩ ኸለዉ ሕልናኦም ከይመውት ኪጥንቀቑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

18 ንደም ዚምልከት ውሳነ ኣርዚንካ ኸም እትርእዮ ዚገብረካ ኻልእ ነጥቢ እውን ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣባኻ ዜሕድሮ ጽልዋ እዩ። ንእሽቶ ኽፋል ደም ምውሳድካ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኻ ዚርብሾ እንተደኣ ዀይኑ: ዕሽሽ ክትብሎ የብልካን። ሓደ ሰብ “ነዚ ምውሳድ ጌጋ ኣይኰነን፣ ብዙሓት እኮ ይወስድዎ እዮም” ስለ ዝበለካ ጥራይ: ንሕልናኻ ኽትጸቕጦ የብልካን። ሎሚ ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ንሕልናኦም ዕሽሽ ስለ ዝበልዎ: ኸም ዝሞተን ከይዓጀቦም ኪሕስዉ ወይ ካልእ ጌጋ ኺፍጽሙ ኸም ዜፍቅደሎምን ኣይትረስዕ። ክርስትያናት ከምዚኣቶም ኪዀኑ ኣይደልዩን እዮም።—2 ሳሙኤል 24:10፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:1, 2

19. ንደም ዚምልከት ጕዳያት ሕክምና ኽንውስን ከለና: ልዕሊ ዅሉ ኽንዝክሮ ዘሎና እንታይ እዩ፧

19 ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ኣብ ገጽ 29-31 ተሓቲሙ ዘሎ መልሲ: “ኣረኣእያን ኣብ ሕልና ተመርኲስካ ዚግበር ውሳነታትን ኪፈላለ ምኽኣሉ ነዚ ሕቶ እዚ ኣገዳሲ ኸም ዘይከውን ይገብሮዶ እዩ፧ ኣይፋሉን። እዚ ኣርዚንካ ኺርአ ዘለዎ እዩ” ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ። እዚ ጕዳይ እዚ ነቲ ምስ “ህያው ኣምላኽ” ዘሎካ ርክብ ስለ ዚትንክፎ: ኣኽቢድካ ኺርአ ዘለዎ እዩ። እዚ ርክብ እዚ ጥራይ እዩ በቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ንምድሓን ዘለዎ ሓይሊ ኣቢሉ: ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪመርሕ ዚኽእል። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ህይወት ሰባት ንምድሓን ዚጥቀመሉ ኣገባብ ካብ ዘሎካ ፍልጠት ተበጊስካ: ንደም ዓሚቝ ኣኽብሮት ኣማዕብል። ጳውሎስ “ትጽቢት ዜብሎም: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም: ዘክሩ። ሕጂ ግና: ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም: ንስኻትኩም ብክርስቶስ የሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም” ኢሉ ኺጽሕፍ ሓቁ እዩ።—ኤፌሶን 2:12, 13

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

b ሓደ ግዜ ጳውሎስን ኣርባዕተ ክርስትያናትን ንኺነጽሁ ናብ ቤተ መቕደስ ከዱ። ነዚ ኺገብር ከሎ እቲ ሕጊ ድሮ ፈሪሱ እኳ እንተ ነበረ: ጳውሎስ ምኽሪ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሽማግለታት ሰምዐ። (ግብሪ ሃዋርያት 21:23-25) ኰይኑ ግን: ገሊኣቶም ክርስትያናት ናብ ቤተ መቕደስ ኪኸዱ ወይ ነቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ኺገብሩ ዘይግቡእ ኰይኑ ተሰሚዕዎም ይኸውን። ኣብቲ ግዜ እቲ ሰባት እተፈላለየ ሕልና እዩ ነይርዎም: ሕጂውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን።

c ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ ስጋ: ስርዓት ኣይሁድ ዜማልእ ንኪኸውን ዜድልዮ “እተሓላለኸን ደቀቕትን” ሕግታት ሒዙ ኣሎ። እዚ ሕግታት እዚ ስጋ ኣብ ማይ ክንደይ ደቒቕ ኪጸንሕ ከም ዘለዎ: ኣብ ጣውላ ብኸመይ ከም እተዝፍፎ: ክትንስንሰሉ ዘሎካ ዓይነት ጨው: ከምኡውን ክንደይ ሳዕ ብዝሑል ማይ ክትሓጽቦ ኸም ዚግባእ ይገልጽ።

d እቲ ቐንዲ ወይ ንጡፍ ክፋል ሓደ መድሃኒት: ካብ ደም ዘይተዳለወ ሰብ ዝሰርሖ ንጥረ-ነገር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ መዳይ ግን ከም ኣልቡሚን ዝኣመሰለ ንእሽቶ ኽፋል ደም የእትዉሉ እዮም።—ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1994 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) እትርከብ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” እትብል ዓንቀጽ ተወከስ።

ትዝክሮዶ፧

• ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ንኖህን ንእስራኤላውያንን ንክርስትያናትን እንታይ መምርሒ እዩ ዝሃቦም፧

• ንደም ብዚምልከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዮም ፈጺሞም ዘይቅበሉ፧

• ካብ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም ንኣሽቱ ኽፋላት ምውሳድ ንሕልና እተገድፈ ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ: እዚ ግን እንታይ ማለት ኣይኰነን፧

• ውሳነታት ክንገብር ከለና: ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ልዕሊ ዅሉ ቐዳምነት ክንህቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሰሌዳ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ንደም ዚምልከት መሰረታዊ ኣቕዋም

ምሉእ ደም

ኪውሰድ ዘይብሉ ቀያሕቲ ዋህዮታት ጸዓዱ ዋህዮታት ፕላትለት ፕላዝማ

ሓደ ክርስትያን

ኪውስኖ ዘለዎ ክፋላት ክፋላት ክፋላት ክፋላት

ቀያሕቲ ጸዓዱ

ዋህዮታት ዋህዮታት ፕላትለት ፕላዝማ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ክርስትያናት ‘ካብ ደም ኪኽልከሉ’ ኸም ዘለዎም ወሰነ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ ኽፋላት ደም ውሳነ ኽትገብር ከለኻ: ንሕልናኻ ዕሽሽ ኣይትበሎ