ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተመረቕቲ ጊልዓድ ከም ቀናኣት ዓየይቲ እኽሊ መጠን ንቕድሚት ሰጐሙ!

ተመረቕቲ ጊልዓድ ከም ቀናኣት ዓየይቲ እኽሊ መጠን ንቕድሚት ሰጐሙ!

ተመረቕቲ ጊልዓድ ከም ቀናኣት ዓየይቲ እኽሊ መጠን ንቕድሚት ሰጐሙ!

“እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ: ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ።” (ማቴዎስ 9:37, 38) እዘን ቃላት እዚኣተን እቶም ተመረቕቲ መበል 116 ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናብተን ሚስዮናውያን ኰይኖም እተመደቡለን ሃገራት ኪኸዱ ኺዳለዉ ኸለዉ ፍሉይ ትርጕም እዩ ዘለወን።

ቀዳም 13 መጋቢት 2004 ነቲ ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ንተመረቕቲ እተዋህበ ማዕዳን ምትብባዕን ንምስማዕ ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን: ኒው ዮርክ ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛን ብተለቪዥን ኣብ ዚመሓላለፈሉ ዝነበረ ቦታታትን ብጠቕላላ 6,684 ተኣኪቦም ነይሮም። ኵላትና ኣብቲ መንፈሳዊ ቐውዒ ብቕንኣት ስለ እንዓዪ: ካብቲ እተዋህቦም ማዕዳ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና።

እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካልን ካብ ሻውዓይ ክፍሊ ጊልዓድ እተመረቐን ቴዶር ጃራዝ: ነቲ “ኺዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዚብል ቃላት የሱስ ብምጕላሕ ነቲ ኣኼባ ጀመሮ። (ማቴዎስ 28:19,  20) እቶም ተመረቕቲ ናብ 20 ሃገራት ዚለኣኹ ስለ ዝዀኑ: እዚ ብሓቂ ነቲ ኣጋጣሚ ዚበቅዕ እዩ ነይሩ! ካብ ቃል ኣምላኽ ዝረኸብዎ መምርሒ ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ መንፈሳዊ ቐውዒ ቐናኣት ዓየይቲ ንኪዀኑ ምሉእ ብምሉእ ከም ዜዳልዎም ኣዘኻኸሮም።—ማቴዎስ 5:16

ኣፍረይቲ ዓየይቲ እኽሊ ኪዀንሉ ዚኽእሉ መገዲ

እቲ ቐዳማይ ተዛራባይ ንሓያሎ ዓመታት ምስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዚተሓሓዝ ዕዮ ዚዓየየ ሮበርት ዋለን እዩ ነይሩ። ኣርእስቲ ዝርርቡ “ድንጋጽ ብልጽቲ ባህሪ እያ” ዚብል ኰይኑ: ነቶም ተማሃሮ ኸኣ “ድንጋጽ ጽሙማን ኪሰምዕዋ: ዕዉራት እውን ኪርእይዋ ዚኽእሉ ቛንቋ እያ” በሎም። የሱስ ነቲ ንኻልኦት ዜጨንቖም ነገራት ኣጸቢቑ ይርድኦን ኬፋዅሰሎም ይጽዕርን ነበረ። (ማቴዎስ 9:36) እቶም ተማሃሮ ኣብ ስብከት: ኣብ ጉባኤ: ኣብ ቤት ሚስዮናውያን: ከምኡውን ኣብ ሓዳሮም ነዚ ንምግባር ዜኽእል ሓያሎ ኣጋጣሚታት ኬጋንፎም እዩ። እቲ ተዛራባይ ነቶም ተመረቕቲ “ንኻልኦት ኣብ እተገልግሉሉ እዋን ድንጋጽ ብልጽቲ ባህሪ ምዃና ኣርእዩ። ኣብቲ ቤት ሚስዮናውያን ነቲ ብሉጽ ባህርያትኩም ከተንጸባርቑ ኣለኩም። እምበኣር: ምሕረት ልቢ ወይ ድንጋጽ ንምልባስ ቈራጽነት ግበሩ” ኢሉ ተላበዎም።—ቈሎሴ 3:12

ቀጺሉ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካልን ካብ መበል 41 ክፍሊ ጊልዓድ እተመረቐን ገራት ሎሽ “ምድሓን ዜውርዩ” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣቕረበ። (ኢሳይያስ 52:7) ሰባት ካብ ጥፍኣት እዚ ኣገባብ እዚ ድሕነት ንምርካብ: ካብ ቃል ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ኬጥርዩ: ብዛዕባ እምነቶም ብኣፎም ኪእመኑ: ከምኡውን ኪጥመቑ ኣለዎም። (ሮሜ 10:10፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:15፣ 1 ጴጥሮስ 3:21) ይኹን እምበር: ምድሓን እነውርየሉ ቐንዲ ምኽንያት ንሰባት ንኸነድሕን ዘይኰነስ ንኣምላኽ ውዳሰ ንምምጻእ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ: ሓው ሎሽ ነቶም ሚስዮናውያን ኪዀኑ ትጽቢት ዚግበረሎም ምሩቓት “ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ወሰን ዓለም ኣብጽሕዎ: ቀናኣት ኣውረይቲ ምድሓን ድማ ኩኑ: እዚ ዅሉ ኸኣ ንየሆዋ ውዳሰ ኼምጽኣሉ እዩ” በሎም።—ሮሜ 10:18

ሎረንስ ቦወን ዚበሃል ናይ ጊልዓድ መምህር “ክሳዕ ክንደይ ኢኹም ብሩሃት፧” ዜርእስቱ ሕቶ ኣቕረበ። ነቲ ኣብ ማቴዎስ 6:22 ዚርከብ ቃላት የሱስ ድሕሪ ምጥቃስ: ነቶም ተመረቕቲ “ንየሆዋ ዜኽብርን ንሰባት ዚጠቕሞምን መንፈሳዊ ብርሃን ምእንቲ ኼንጸባርቑ” ዓይኖም “ጥዕይቲ” ኺገብሩ ኣተባብዖም። የሱስ ካብ መጀመርታ ኣገልግሎቱ ኣትሒዙ ወትሩ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር የተኵር ብምንባሩ ፍጹም ኣብነት እዩ ሓዲጉልና። ብዛዕባ እቲ ኣቦኡ ዝመሃሮ ዜደንቕ ነገራት ምስትንታኑ ነቲ ሰይጣን ኣብ በረኻ ዜምጽኣሉ ፈተና ኺዋጽኣሉ ሓገዞ። (ማቴዎስ 3:16፣ 4:1-11) የሱስ ነቲ ኣምላኽ ኪገብሮ ዝመደበሉ ኺፍጽም ከሎ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚውከል ኣርኣየ። ሚስዮናውያን እውን ብተመሳሳሊ ነቲ ዜጋጥሞም ጸገማት ኪዋጽኡሉ እንተ ዀይኖም: ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪህልዎም ኣለዎ: ምሉእ ብምሉእ ከኣ ኣብ የሆዋ ኺውከሉ ኣለዎም።

ናይ ጊልዓድ መምህርን ካብ መበል 77 ክፍሊ ጊልዓድ እተመረቐን ማርክ ኑማር ነቲ ተኸታታሊ ዝርርባት “እንሆ: ኣብ ኢድካ ኢና” ብዚብል ዝርርብ ዛዘሞ። (እያሱ 9:25) ነቶም ተማሃሮ ነቲ ጥንታዎት ጊብዖናውያን ዝነበሮም ኣረኣእያ ኪቐድሑ ኣተባብዖም። ጊብዖን “ዓባይ ከተማ” እኳ እንተ ነበረት: “ኵሎም ሰባውን ጀጋኑ” እኳ እንተ ነበሩ: ጊብዖናውያን ግን ዓብዪ ቦታ ኺወሃቦም ወይ ከምቲ ብብሕቶም ዚደልይዎ ኺግበረሎም ኣይተጸበዩን። (እያሱ 10:2) ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ የሆዋ ንምድጋፍ ኣብ ትሕቲ ሌዋውያን ብፍታው “ቈረጽቲ ዕጨይትን ወረዲ ማይን” ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም። (እያሱ 9:27) እቶም ተመረቕቲ እውን ነቲ ኻብ እያሱ ዚዓቢ የሱስ ክርስቶስ “እንሆ: ኣብ ኢድካ ኢና” ኢሎምዎ እዮም። ሕጂ ኣብቲ እተመደበሎም ወጻኢ ሃገራት: እቲ ዓብዪ እያሱ ዚህቦም ዝዀነ ይኹን ዕዮ ኪቕበሉ ኣለዎም።

ተመክሮታትን ቃለ-መጠይቓትን

እቲ ኻብ መበል 61 ክፍሊ ጊልዓድ እተመረቐን ሓደ ኻብቶም መምህራን ዝዀነን ዋላስ ሊቨራንስ ምስ እተወሰኑ ተማሃሮ “ንቕዱሳት ጽሑፋት ተርጕሙሎም” ዘርእስቱ ምይይጥ ኣቕረበ። ንሳቶምውን ኣብ ትምህርቲ ኸለዉ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዜጋጠሞም ተመክሮታት ኣዘንተዉ። እቲ ንሓሙሽተ ወርሒ ኣብ እተዋህቦም ስልጠና ዝገበርዎ ጽዑቕ መጽናዕቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ልቦም ከም ዝተንከፎምን ነቲ እተማህርዎ ንኻልኦት ኪነግሩ ኸም ዝደረኾምን ንጹር እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 24:32) ኣብቲ ሓሙሽተ ወርሒ ዝወሰደ ትምህርቲ ሓደ ተማሃራይ ንሓደ ብስጋ ሓዉ ነቲ ዝመሃሮ ዝነበረ ትምህርቲ ነገሮ። እዚ ንሓዉ ኣብ ከባቢኡ ናብ እትርከብ ጉባኤ ንኪኸይድን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኪጅምርን ደረኾ። ኣብዚ እዋን እዚ ዜድሊ ብቕዓታት ብምምላእ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዀይኑ ኣሎ።

ደድሕሪ እቲ ተመክሮታት ሪቻርድ ኣሽ ከምኡውን ጆን ጊበርድ ንነዊሕ ግዜ ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ንዘገልገሉ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዚርከብዎም ክርስትያናት ቃለ-መጠይቕ ገበሩሎም። እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ኣብቲ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ፍሉይ ስልጠና ዚወሃቦም ዝነበሩ ኪዀኑ ኸለዉ: ቀደም ካብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቑ እዮም። ሓደ ኻባታቶም ኣብ ጊልዓድ ኪመሃር ከሎ ሓው ኖር “ኣብ ጊልዓድ ብዙሕ ኢኹም እተጽንዑ። ኣብ መወዳእታኡ ዕቡያት እንተ ዄንኩም ግን ትሩፋት ኢኹም። የግዳስ: ኣብ መወዳእታኡ ፈቃራት ክትኰኑ ኢና እንደልየኩም” ከም ዝበሎም ጠቐሰ። እቶም ገየሽቲ ተዓዘብቲ ነቶም ተመረቕቲ ኣብቲ ሰባት ዜድልዮም ነገራት ኬተኵሩ: ምስ ካልኦት ኣብ ዘለዎም ርክብ ንክርስቶስ ኪመስልዎ: ከምኡውን ዚወሃቦም ዝዀነ ይኹን ዕዮ ብትሕትና ኪቕበሉ መዓድዎም። ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል ነቶም ሓደስቲ ሚስዮናውያን ኣብቲ እተመደቡሉ ቦታ ኣፍረይቲ ንኪዀኑ ኸም ዚሕግዞም ኣየጠራጥርን እዩ።

ከም ቀናኣት ዓየይቲ እኽሊ መጠን ንቕድሚት ሰጕሙ!

እቶም ተኣከብቲ ነቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ስቲቨን ለት ዘቕረቦ ዝርርብ ናይ ምስማዕ ኣጋጣሚ እውን ረኺቦም እዮም። ንሱውን “ከም ቀናኣት ዓየይቲ እኽሊ መጠን ንቕድሚት ሰጕሙ!” ዚብል ቀንዲ ዝርርብ ናይቲ ኣኼባ ኣቕረበ። (ማቴዎስ 9:38) ኣብ ቀውዒ እኽሊ ንምእካብ ዘሎ እዋን ውሱን ብምዃኑ: ዓየይቲ ኣበርቲዖም ኪዓዩ ኣለዎም። ኣብ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ እሞ ኸኣ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ብዝያዳ ዜገድስ ኰን እዩ! ኣብዚ ዓብዪ መንፈሳዊ ቐውዒ: ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ። (ማቴዎስ 13:39) ሓው ለት ነቶም ተመረቕቲ ኣብዚ ድሕሪ ሕጂ ዘይድገም ቀውዒ ‘ንምትጋህ ከይህከዩ: ብመንፈስ ኪቃጸሉ: ንእግዚኣብሄር ከኣ ኬገልግሉ’ ኣተባብዖም። (ሮሜ 12:11) ነተን “ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርአዩ” ዚብላ ቓላት የሱስ ድማ ጠቐሰን። (ዮሃንስ 4:35) ድሕርዚ: ነቶም ተመረቕቲ ንሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ግዜን ቦታን ንምብጻሕ ናይ ሓቂ ጻዕሪ ብምግባር: ከምኡውን ንእግረ-መገዲ ኺምስክርሉ ዚኽእሉ ኣጋጣሚ ብምሉኡ ብምጥቃም: ነቲ ዕዮ ቐውዒ ዘለዎም ቅንኣት ኬርእዩ ተማሕጸኖም። ኣጋጣሚታት ንምፍጣር ንቑሕ ምዃን: ውጽኢታዊ ምስክርነት ንምሃብ ቀሊል ከም ዚኸውን ይገብር። የሆዋ ቕንኣት ዝመልኦ ኣምላኽ እዩ: ኵላትና ኽንመስሎን ኣብዚ መንፈሳዊ ቐውዒ ብትግሃት ክንዓዪን ድማ ይጽበየና እዩ።—2 ነገስት 19:31፣ ዮሃንስ 5:17

ኣብ መደምደምታ እቲ ኣቦ መንበር ዝነበረ ሓው ጃራዝ ካብ ሓያሎ ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ዝመጸ ሰላምታታት ኣንበበ: ነቶም ተማሃሮ ድማ ዲፕሎማ ዓደሎም። ሓደ ኻብቶም ተመረቕቲ ነቶም ተማሃሮ ወኪሉ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብዎ ስልጠና ዘለዎም ዓሚቝ ሞሳ እትገልጽ ደብዳበ ኣንበበ። እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ መበል 116 ክፍሊ: ንዅሎም እቶም ተኣከብቲ ኸም ቀናኣት ዓየይቲ እኽሊ መጠን ንቕድሚት ኪስጕሙ ብዝያዳ ኸም ዜተባብዖም ንጹር እዩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን]

ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ

ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 6

ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 20

ቍጽሪ ተማሃሮ:- 46

ገምጋም ዕድመ:- 34.2

ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 17.2

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 13.9

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 116 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት: ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቝጽሪ ኻብ ቅድሚት ንድሕሪት ኪኸውን ከሎ: ኣስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን እዩ።

(1) ሬቸል ሲዮንሱ፣ ቴማራ ስፓርክስ፣ ክላውዲያ ፒኛ፣ ፕሮዲጂ ተርነር፣ ሊሳ ቼኒ (2) ማሪያ ስዋርዲ፣ ኦሳ ሾየክዊስት፣ ሊዲያ ኣማዶሪ፣ ናታሻ ስሚዝ፣ ኤሚ ጆርዳን፣ ሊን ብዋሶኖ (3) ጄሚ ማትሎክ፣ ካርመን ሩዊዝ፣ ሎሊ ዱላር፣ ሜሪ-ኣለን ቪንየሮን፣ ኪም ሄንሪ (4) ሃንስ ሾየክዊስት፣ ጀኒፈር ሎክስ፣ ጀሲካ ሩዞ፣ ካታሪና ጉስታፍሰን፣ ሮበርት ብዋሶኖ፣ ማርክ ጆርዳን (5) ዳረል ሄንሪ፣ ድዌን ተርነር፣ ስቴሲ ከርዊን፣ ኬቲ ፍሎሪት፣ ሳሻ ሲዮንሱ (6) ሰርዢ ኣማዶሪ፣ ጆን ቼኒ፣ ሬበካ ሮዝ፣ ጄኒፈር ኔልሰን፣ ህዋኪን ሩዊዝ፣ ሚካኤል ቪንየሮን (7) ህዋን ፍሎሪት፣ ዳረን ማትሎክ፣ ብሩስ ሮዝ፣ ክሊፍ ሎክስ፣ ቶማስ ሩዞ፣ ዳን ዱላር፣ ናት ከርዊን (8) ኣሮን ጉስታፍሰን፣ ዳቪድ ኔልሰን፣ ዋልተር ስዋርዲ፣ ማይክል ፒኛ፣ ከሬግ ስሚዝ፣ ቶም ስፓርክስ