ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንውህበት ህይወት ግቡእ ኣኽብሮት ይሃሉኻ

ንውህበት ህይወት ግቡእ ኣኽብሮት ይሃሉኻ

ንውህበት ህይወት ግቡእ ኣኽብሮት ይሃሉኻ

“ደም ክርስቶስ . . . ግዳ: ንስኻትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ፧”—እብራውያን 9:14

1. ንህይወት ኣኽቢርና ኸም እንርእያ ዜርኢ መርትዖታት እንታይ እዩ፧

 ዋጋ ህይወትካ ኽንደይ ምዃኑ እንተ ትሕተት: እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧ ንህይወትና ዀነ ንህይወት ካልኦት ኣኽቢርና ኢና እንርኢ። ስለዚ ድማ ኢና ኽንሓምም ከለና ናብ ሓኪም እንኸይድ ወይ ኵነታት ጥዕናና ንምፍላጥ ኣዘውቲርና ምርመራ እንገብር። ጥዕና ሃልዩና ብህይወት ክንቅጽል ንደሊ ኢና። ኣረጋውያን ወይ ስንኩላን እውን ከይተረፈ ኺሞቱ ኣይደልዩን እዮም: ብህይወት ኪነብሩ እዮም ዚደልዩ።

2, 3. (ሀ) ምሳሌ 23:22 እንታይ ግዴታ እያ እተጕልሕ፧ (ለ) እቲ ኣብ ምሳሌ 23:22 ተጠቒሱ ዘሎ ግዴታና ንኣምላኽ እውን ዚምልከት ብኸመይ እዩ፧

2 ንህይወት ዘሎካ ኣኽብሮት: ነቲ ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ ይጸልዎ እዩ። ንኣብነት: ቃል ኣምላኽ “ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ: ኣዴኻ ምስ አረገት ከኣ ኣይትንዐቃ” ይብል። (ምሳሌ 23:22) ኣብዚ ‘ምስማዕ’ ኪበሃል ከሎ: ንቓላት ብእዝንኻ ምስማዕ ጥራይ ዘይኰነስ: ሰሚዕካ እዙዝ ምዃን ማለት እዩ። (ዘጸኣት 15:26፣ ዘዳግም 7:12፣ 13:18፣ 15:5፣ እያሱ 22:2፣ መዝሙር 81:13) ቃል ኣምላኽ ነቦኻን ነዴኻን ክትሰምዖም ዘሎካ ስለምንታይ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ፧ ኣቦኻን ኣዴኻን ብዕድመ ስለ ዚዓብዩኻ ወይ ዝያዳ ተመክሮ ስለ ዘለዎም ኣይበለን። የግዳስ: ስለ ‘ዝወለዱኻ’ እዩ ዝበለ። ገሊኡ ትርጕማት ነዛ ጥቕሲ እዚኣ “ነቲ ህይወት ዝሃበካ ኣቦኻ ስምዓዮ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ንህይወትካ ኣኽቢርካ ትርእዮ እንተደኣ ዄንካ: ነቲ ምንጪ ህይወትካ ኸተኽብር ግዴታ ኸም ዚስምዓካ ርዱእ እዩ።

3 ልክዕ እዩ: ናይ ሓቂ ክርስትያን እንተደኣ ዄንካ: ቀንዲ ምንጪ ህይወትካ የሆዋ ምዃኑ ትፈልጦ ኢኻ። ብእኡ ኢኻ ‘እትነብርን እትወሳወስን:’ ብእኡ ስለ ‘ዘለኻ’ ድማ ብዛዕባ መጻእን ብዛዕባ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ትሓስብ ወይ መደብ ትገብር። (ግብሪ ሃዋርያት 17:28፣ መዝሙር 36:9፣ መክብብ 3:11) ምስ ምሳሌ 23:22 ብምስምማዕ ብዛዕባ ህይወት ናይ ገዛእ ርእስና ኣረኣእያ ኣብ ክንዲ ምሓዝ: ኣረኣእያ ኣምላኽ ምእንቲ ኺርድኣናን ብእኡ ምእንቲ ኽንምራሕን: ንእኡ ብተኣዛዝነት ‘ክንሰምዖ’ ይግባእ።

ንህይወት ኣኽብሮት ኣርኢ

4. ካብ መጀመርታ ታሪኽ ወድሰብ ኣትሒዙ ንህይወት ዘሎ ኣኽብሮት ኣገዳሲ ጕዳይ ኰይኑ እተላዕለ ብኸመይ እዩ፧

4 የሆዋ ኻብ መጀመርታ ታሪኽ ወድሰብ ኣትሒዙ: ሰባት ንህይወት ብግቡእ ይኹን ብዘይ ግቡእ ኣብ ምጥቃም ባዕሎም ኪውስኑ ኣይገደፎምን። ቃየል ብቕንኢ ተላዒሉ ህይወት እቲ ንጹህ ዝነበረ ሓዉ ኣቤል ኣጥፍአ። ቃየል ብዛዕባ ህይወት ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ ኺገብር መሰል ዝነበሮዶ ይመስለካ፧ ኣምላኽ ምስዚ ኣይተሰማምዐን። ንቃየል “እንታይ ጌርካ ኢኻ፧ ድምጺ ደም ሓውኻ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ አሎ” ብምባል ተሓታቲ ምዃኑ ገለጸሉ። (ዘፍጥረት 4:10) እቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ደም ኣቤል ነታ ብጭካነ ዝጠፍአት ህይወቱ ኸም ዜመልክትን ኣምላኽ ሕነ ምእንቲ ኺፈድየሉ ኸም ዝጠርዐን ኣይትረስዕ።—እብራውያን 12:24

5. (ሀ) ኣምላኽ ብግዜ ኖህ እንታይ እዩ ዝኸልከለ: እዚኸ ንመን ዚምልከት ነበረ፧ (ለ) እዚ ኣምላኽ ብኣዋጅ ዝኸልከሎ ነገር ኣገዳሲ ስጕምቲ ኺበሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

5 ድሕሪ ማይ ኣይሂ ደቅሰብ ከም ብሓድሽ ካብቶም ሸሞንተ ሰባት ኪፋረዩ ጀመሩ። ኣምላኽ ንዅሎም ደቅሰብ ኣብ ዚምልከት ኣዋጁ: ብዛዕባ ህይወትን ደምን ዘለዎ ኣኽብሮት ገለጸ። ደቅሰብ ስጋ እንስሳ ኺበልዑ ዚኽእሉ እኳ እንተዀኑ: “ዚዋሳወስ ዘበለ ዅሉ ህያው መብልዕኩም ይኹን: እዚ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ ብቝሊ ሂበኩም አሎኹ። ግናኸ ስጋ ምስ ነፍሱ: እቲ ደሙ: ኣይትብልዕዎ” ብምባል ቀይዲ ገበረሎም። (ዘፍጥረት 9:3, 4) ገለ ኣይሁድ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ: ደቅሰብ ስጋ ወይ ደም ህያው ዘሎ እንስሳ ኺበልዑ ኸም ዘይብሎም እተመልክት ገይሮም ወሰድዋ። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ደም ከይበልዑ ወይ ከይሰትዩ ይኽልክሎም ምንባሩ ምስ ግዜ እናነጸረ ኸደ። ኣብ ርእሲ እዚውን: እቲ ኣምላኽ ብኖህ ኣቢሉ ዝኣወጆ ኣዋጅ: ነቲ ብደም ኣቢሉ ንሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ዜኽእሎም ክብ ዝበለ ዕላማኡ ንምፍጻም ዓብዪ ስጕምቲ እዩ ነይሩ።

6. ኣምላኽ ብኖህ ኣቢሉ ንህይወት እንታይ ኣኽብሮት ከም ዘለዎ እዩ ዘጕልሐ፧

6 ኣስዕብ ኣቢሉ ኣምላኽ ከምዚ በለ:- “እቲ ነፍስኹም ዘለዎ ደምኩምሲ ኣነ ኽደልዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ ኣራዊት ክደልዮ እየ። ነፍሲ ሰብ ድማ ካብ ኢድ ሰብ: ካብ ኢድ ሓዉ: ክደልያ እየ። ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ: እቲ ደም ሰብ ዜፍስስ: ደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ።” (ዘፍጥረት 9:5, 6) ካብዚ ንዅሎም ደቅሰብ እተኣወጀ ኣዋጅ: ኣምላኽ ንደም ሰብ ከም ህይወት ገይሩ ኸም ዚርእዮ ኽንርዳእ ንኽእል። ፈጣሪ ንሰብ ህይወት ሃቦ: ነታ ብደም እተወከለት ህይወት ከኣ ዋላ ሓደ ኻልእ ኬጥፍኣ የብሉን። ሓደ ሰብ ከም ቃየል ንሰብ እንተ ቐቲሉ: ፈጣሪ ነታ ህይወት ካብ ኢድ እቲ ቐታሊ “ኺደልያ” መሰል ኣለዎ።

7. እቲ ኣምላኽ ንኖህ ብዛዕባ ደም ዝነገሮ ነገር ኬገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

7 ኣምላኽ በቲ ኣዋጅ እቲ ኣቢሉ ንደም ብዘይ ግቡእ ከይጥቀሙሉ እዩ መምርሒ ዚህቦም ነይሩ። ከምዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ኣምላኽ ንደም ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎ ስለምንታይ ምዃኑኸ ኣስተንቲንካሉዶ ትፈልጥ፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ምስ ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ ዚተኣሳሰር እዩ። ነዚ ሓያሎ ኣብያተ-ክርስትያን ዕሽሽ ዚብላኦ እኳ እንተዀና: መሰረታዊ ትምህርቲ ክርስትና እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ እንታይ እዩ: ህይወትካን ውሳነታትካን ተግባራትካን ምስዚ ዚተኣሳሰርከ ብኸመይ እዩ፧

ደም ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ይኽእል፧

8. የሆዋ ሕጊ ሙሴ ኺህብ ከሎ: ኣብ ኣጠቓቕማ ደም እንታይ ቀይድታት ገበረ፧

8 የሆዋ ንእስራኤላውያን ሕጊ ሙሴ ኺህቦም ከሎ ብዛዕባ ህይወትን ደምን ዝርዝር ነገራት ገለጸ። ነዚ ሕጊ እዚ ኺህቦም ከሎ: ኣብቲ ዕላማኡ ዚፍጸመሉ መገዲ ሓደ ተወሳኺ ስጕምቲ ወሰደ። እቲ ሕጊ ነቶም ህዝቢ እኽልን ዘይትን ወይንን ንኣምላኽ ኪስውኡ ኸም ዝኣዘዞም ትፈልጥ ትኸውን። (ዘሌዋውያን 2:1-4፣ 23:13፣ ዘሁልቍ 15:1-5) ኣብ ርእሲ እዚውን ናይ እንስሳታት መስዋእቲ ኺገብሩ ነበሮም። ብዛዕባ እዚ ኣምላኽ “ነፍሲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ: ነታ ነፍሲ ዜተዐርቓ እቲ ደም እዩ እሞ: ኣነ ድማ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ንነፍሳትኩም ኬተዐርቕ ኢለ ሀብኩኹም። ስለዚ ንደቂ እስራኤል፤ ካባኻትኩም ሓንቲ ነፍሲ እኳ ደም ኣይትብላዕ: በልኩ” በለ። የሆዋ ቐጺሉ ሓደ ሃዳኒ: ሓደ ሓረስታይ: ወይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንምግቢ ኢሉ እንስሳ እንተ ቐቲሉ: ነቲ ደም ኪኽዕዎን ብሓመድ ኪኸድኖን ከም ዘለዎ ገለጸ። ሓደ ሰብ ከምዚ ኺገብር ከሎ: ምድሪ መርገጽ እግሪ ኣምላኽ ስለ ዝዀነት: ነታ ህይወት ናብቲ ወሃቢኣ ኸም እተመልሰት እዩ ኣፍልጦ ዚህብ ዘሎ።—ዘሌዋውያን 17:11-13፣ ኢሳይያስ 66:1

9. ኣብቲ ሕጊ ንደም ክትጥቀመሉ ዚከኣል ሓደ መገዲ እንታይ እዩ ነይሩ: ንምንታይ ዕላማኸ እዩ ነይሩ፧

9 እቲ ሕጊ ንዓና ኣገዳስነት ዘይብሉ ሃይማኖታዊ ልምዲ ኣይነበረን። እስራኤላውያን ደም ዘይበልዑሉ ምኽንያት ኣስተውዒልካሉዶ፧ ኣምላኽ “ንደቂ እስራኤል፤ ካባኻትኩም ሓንቲ ነፍሲ እኳ ደም ኣይትብላዕ” በሎም። ስለምንታይ፧ “ኣነ ድማ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ንነፍሳትኩም ኬተዐርቕ ኢለ [ደም] ሀብኩኹም” ብምባል ገለጸሎም። እዚ መግለጺ እዚ: ኣምላኽ ንኖህ ደም ኪብላዕ ከም ዘይብሉ ዝነገሮ ስለምንታይ ምዃኑ ብዝያዳ ንኸተስተውዕሎ ኣኽኢሉካዶ፧ ፈጣሪ ንደም ህይወት ብዙሓት ኪድሕነሉ ኣብ ዚኽእል ፍሉይ ዕላማ ምእንቲ ኼገልግል ኢሉ ዝለዓለ ኣገዳስነት ኪህልዎ ወሰነ። ሓጢኣት ኣብ ምሽፋን (ኣብ ምትዕራቕ) ኣገዳሲ ግደ ኸም ዚህልዎ ተገብረ። ስለዚ: ብመሰረት እቲ ሕጊ: የሆዋ ነቶም ይቕረታኡ ዚደልዩ ዝነበሩ እስራኤላውያን: ደም ኣብ መሰውኢ ጥራይ ኪጥቀሙሉ ፈቐደሎም።

10. ብደም እንስሳታት ምሉእ ይቕረታ ኺርከብ ዘይከኣል ስለምንታይ እዩ: ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ዚግበር ዝነበረ መስዋእትታት ግን እንታይ እዩ ዜዘኻኽር፧

10 እዚ ኣረኣእያ እዚ ኻብ ክርስትና ዝረሓቐ ኣይኰነን። እቲ ክርስትያን ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ኣምላኽ ኣብቲ ሕጊ ዝገበሮ ምድላው ኣመልኪቱ: “ከምቲ ሕጊ ኣስታት ኵሉ ብደም እዩ ዚጸሪ: ብዘይ ምፍሳስ ደምውን ይቕሬታ ኣይከውንን እዩ” በለ። (እብራውያን 9:22) ኣብ ርእሲ እዚውን: “ኣብ ዐዓመት እዩ ብእኡ መዘከርታ ሓጢኣት ዚኸውን: . . . ማለት፤ ደም ኣብዑርን ድቤላታትን ሓጢኣት ኬርሕቕ ኣይከአሎን እዩ” ብምባል: እቲ ዚግበር ዝነበረ መስዋእትታት ንእስራኤላውያን ናብ ፍጹማት ሰባት ከም ዘይቀየሮም ኣነጸረ። (እብራውያን 10:1-4) ኰይኑ ግን: እዚ መስዋእትታት እዚ ጠቓሚ እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ሓጥኣን ምዃኖምን ምሉእ ይቕረታ ኺረኽቡ ኻብቲ ዜቕርብዎ መስዋእትታት ዚዓቢ ነገር ከም ዜድልዮምን የዘኻኽሮም ነበረ። እቲ ንህይወት እንስሳታት ዚውክል ደም ንሓጢኣት ሰባት ምሉእ ብምሉእ ኪሽፍኖ ዘይክእል እንተደኣ ዀይኑ ደኣሞ: ናይ መን ደም እዩ ነዚ ኺገብር ዚኽእል፧

እቲ ወሃብ ህይወት ዝገበሮ ፍታሕ

11. መስዋእቲ ደም እንስሳታት ናብ ካልእ ነገር ከም ዚሕብር ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧

11 እቲ ሕጊ ኣብ ምፍጻም ፍቓድ ኣምላኽ ብዝያዳ ውጽኢታዊ ናብ ዝዀነ ነገር እዩ ዚሕብር ነይሩ። ጳውሎስ “እቲ ሕጊኸ ደኣ ንምንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። “ንሱ ብሰሪ ኣበሳ ተወሰኸ: እቲ ተስፋ እተዋህቦ ዘርኢ ኽሳዕ ዚመጽእ: ብኢድ እቲ ማእከላይ [ሙሴ] ብመላእኽቲ ተሐገገ” ኢሉ ድማ መለሰ። (ገላትያ 3:19) ብተመሳሳሊውን “ሕጊ: ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ከለዎ: መልክዕ እቲ ቑም ነገሩ [ኣይኰነን]” ኢሉ ጸሓፈ።—እብራውያን 10:1

12. እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ዕላማ ብኸመይ እዩ ተገሊጹ፧

12 ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ: ኣምላኽ ብግዜ ኖህ ሰባት ስጋ እንስሳ ኺበልዑ ኸም ዚኽእሉ: ደሙ ግን ኪበልዑ ኸም ዘይብሎም ከም ዝኣወጀ ዘክር። ጸኒሑ: ኣምላኽ “ነፍሲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ” በለ። እወ: ደም ንህይወት ዚውክል ገይሩ ኺወስዶ ወሰነ: “ኣነ ድማ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ንነፍሳትኩም ኬተዐርቕ ኢለ [ደም] ሀብኩኹም” በለ። ይኹን እምበር: ዜደንቕ ዕላማ ኣምላኽ ብዝያዳ ዚግለጸሉ እዋን ይመጽእ ነበረ። እቲ ሕጊ ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ነበረ። እቲ ሰናይ ነገር እንታይ እዩ ነይሩ፧

13. ሞት የሱስ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

13 እቲ ቑም ነገር ኣብ ሞት የሱስ ክርስቶስ ዘተኰረ ነበረ። የሱስ ከም ዓማጺ ተቘጺሩ ኸም እተሰቀየን ከም እተሰቕለን ከም ዝሞተን ትፈልጥ ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ጳውሎስ “ገና ድኹማት ከሎና: ክርስቶስ ብጊዜኡ ምእንቲ ዓመጽቲ ሞተ። . . . ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና: ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ: ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ አሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 5:6, 8) ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ብሙማቱ ንሓጢኣትና ንምሽፋን በጃ ዀነ። እዚ በጃ እዚ ሓደ ኻብቲ መሰረታዊ ትምህርቲ ክርስትና እዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:16፣ 1 ቈረንቶስ 15:3፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:6) እዚ ግን ምስ ደምን ህይወትን እንታይ ምትሕሓዝ እዩ ዘለዎ: ህይወትካ በዚ ዚትንከፍከ ብኸመይ እዩ፧

14, 15. (ሀ) ገሊኡ ትርጕማት ንኤፌሶን 1:7 ኺትርጕም ከሎ ኣብ ሞት የሱስ ዘተኰረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ኤፌሶን 1:7 ዚርከብ እንታይ ሓሳብ እዩ ዕሽሽ ተባሂሉ ዚሕለፍ፧

14 ሰዓብቲ ገሊአን ኣብያተ-ክርስትያን “የሱስ ምእንታይ ሞይቱ” ወይ ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ስለ ዚዛረቡ ኣብ ሞት የሱስ እዮም ዜተኵሩ። ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ንኤፌሶን 1:7 ኸመይ ከም ዝተርጐማ እሞ ንርአ:- “ኣብኡን ብሞቱን ኢና ድሕነት: ማለት ሕድገት በደልና ረኺብና።” (ብ1902 ብፍራንክ ሻይል ባለንታይን እተተርጐመ ዘ ኣመሪካን ባይብል) “ብሞት ክርስቶስ ሓራ ዄንና: ሓጢኣትና ድማ ተሓዲጉልና።” (ብ1966 እተሓትመ ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን) “ኣብ ክርስቶስን ብክርስቶስን በቲ መስዋእቲ ህይወቱን ኢና ሓራ ዄንና: እዚ ሓርነት እዚ ኸኣ ሕድገት ሓጢኣት ማለት እዩ።” (ብ1969 ብዊልያም ባርክለይ እተተርጐመ ዘ ኒው ተስታመንት) “ሓጢኣትና ኺሕደገልናን ሓራ ኽንከውንን ዝኸኣልናን ብሞት ክርስቶስ እዩ።” (ብ1973 እተተርጐመ ዘ ትራንስሌተርስ ኒው ተስታመንት) እዚ ትርጕማት እዚ ኣብ ሞት የሱስ ከም ዘተኰረ ኽትዕዘብ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን: ገሊኦም ሰባት ‘ሞት የሱስ ብሓቂ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ: እዚ ትርጕማት እዚ እንታይ ጐዲልዎ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ።

15 እዚ ትርጕማት እዚ ጥራይ እንተ ዚህልወካ ነይሩ: ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ዕሽሽ ምበልካ: እዚ ኸኣ ነቲ ብዛዕባ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ምርዳእ ምደረቶ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትርጕማት: ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ኣብ ኤፌሶን 1:7 “ደም” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ከም ዘላ ኣይገልጽን እዩ። ሓያሎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ግን ናብ በዅሪ ጽሑፍ ብዝያዳ ዝቐረበ እዩ። ንኣብነት: ብ1956 እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ “ብእኡ ብደሙ ምድሓን: ማለት፤ ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ሕድገት ሓጢኣት አሎና” ኢሉ ኣሎ።

16. እቲ “ብደሙ” ዚብል ኣተራጕማ ነየናይ ምስኡ ዚተሓሓዝ ነገራት እዩ ኼዘኻኽረና ዘለዎ፧

16 እቲ “ብደሙ” ዚብል ሓሳብ ዓብዪ ትርጕም ኪህልዎ ኸሎ: ምስኡ ዚተሓሓዝ ብዙሕ ነገራት ድማ ኬዘኻኽረና ኣለዎ። ኣብቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ የሱስ እውን ከይተረፈ: ሞት ጥራይ ንበይኑ ኣኻሊ ኣይነበረን። የሱስ ነቲ እቲ ሕጊ ጽላሎት ኰይኑሉ ዝነበረ ነገር: ብፍላይ ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ዚግበር ዝነበረ ነገራት ኣብ ፍጻመ ኣብጽሖ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ: ኣብቲ ሕጊ እተጠቕሱ እንስሳታት ይስውኡ ነበሩ። ድሕሪኡ እቲ ሊቀ ኻህናት ገለ ኻብቲ ደም ሒዙ ናብቲ ቕዱስተ ቕዱሳን ዚበሃል ክፍሊ እቲ ማሕደር ወይ ቤተ መቕደስ ይኣቱ: ኣብኡ ኸኣ ልክዕ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዘሎ ዀይኑ የቕርበሉ።—ዘጸኣት 25:22፣ ዘሌዋውያን 16:2-19

17. የሱስ ነቲ ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ጽላሎት ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ዝፈጸሞ ብኸመይ እዩ፧

17 ከምቲ ጳውሎስ ዝገለጾ: የሱስ ነቲ ብመዓልቲ ዕርቂ ዚግበር ዝነበረ ጽላሎት ዝዀነ ነገራት ፈጸሞ። ፈለማ: እቲ ሊቀ ኻህናት እስራኤል “ምእንቲ ርእሱን ምእንቲ ስሕተት ህዝብን” ዜቕርቦ ደም ሒዙ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ናብታ ቕድስተ ቕዱሳን ከም ዚኣቱ ጳውሎስ ገለጸ። (እብራውያን 9:6, 7) የሱስ ብመንፈስ ምስ ተንስአ እውን ልክዕ ከምቲ ብመዓልቲ ዕርቂ ዚግበር ዝነበረ ነገራት ገይሩ ናብ ሰማይ ኣተወ። ስጋን ደምን ዘይብሉ መንፈስ ብምዃኑ: “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ” ኪቐርብ ከኣለ። ንኣምላኽ እንታይ እዩ ኣቕሪቡሉ፧ ሓደ ግዑዝ ነገር ዘይኰነስ: ዓብዪ ትርጕም ዘለዎ ነገር እዩ ኣቕሪቡሉ። ጳውሎስ ቀጺሉ ኸምዚ በለ:- “ክርስቶስ . . . ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ምስ መጸ: . . . ብደም ዲቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ: ብደም ርእሱ ናይ ዘለኣለም ምድሓን ረኺቡ ሓደ ጊዜ ናብቲ መቕደስ አተወ። ስለዚ ደም ድቤላታትን ኣረውሕን . . . ንምጽራይ ስጋ ዚቕድስ ካብ ኰነስ: ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ: ንስኻትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ፧” እወ: የሱስ ንኣምላኽ ዋጋ ደሙ እዩ ኣቕሪቡሉ።—እብራውያን 9:11-14, 24, 28፣ 10:11-14፣ 1 ጴጥሮስ 3:18

18. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ደም ዚብሎ ነገራት ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

18 እዚ ኻብ ኣምላኽ ዝመነጨ ሓቂ እዚ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ደም ዚብሎ ዜደንቕ ነገራት: ማለት ኣምላኽ ንደም ስለምንታይ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ: ንሕና ብዛዕባኡ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልወና ኸም ዘለዎ: ከምኡውን ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ደም ዝገበሮ ቐይድታት ስለምንታይ ከነኽብሮ ኸም ዚግባእ ክንርድኦ የኽእለና። ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ከተንብብ ከለኻ: ንደም ክርስቶስ ዚምልከት ሓያሎ ጥቕስታት ትረክብ ኢኻ። (ሳጹን ርአ።) እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን “ብደሙ:” ማለት ብደም የሱስ ኪኣምን ከም ዘለዎ ንጹር ይገብሮ። (ሮሜ 3:25) “ብደም” የሱስ ጥራይ ኢና ይቕረታ ኺግበረልናን ምስ ኣምላኽ ክንዕረቕን እንኽእል። (ቈሎሴ 1:20) እቶም የሱስ ምስኡ ኣብ ሰማይ ኪነግሱ ኺዳን ዝኣተወሎም በዚ ጥራይ እዮም ይቕረታ ኺግበረሎም ዚከኣል። (ሉቃስ 22:20, 28-30፣ 1 ቈረንቶስ 11:25፣ እብራውያን 13:20) እቶም ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዚድሕኑን ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ዚነብሩን “ብዙሓት ሰብ” እውን ብደም የሱስ እዮም ምስ ኣምላኽ ዚዕረቑ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ‘ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጸቡ።’—ራእይ 7:9, 14

19, 20. (ሀ) ኣምላኽ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ደም ቀይዲ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ: ብዛዕባ እዚኸ ኸመይ ኪስምዓና ኣለዎ፧ (ለ) ብዛዕባ እንታይ ክንፈልጥ ኢና ተገዳስነት ኪሓድረና ዘለዎ፧

19 ደም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍሉይ ትርጕም ከም ዘለዎ ንጹር እዩ። ኣባና እውን ፍሉይ ትርጕም ኪህልዎ ይግባእ። ፈጣሪ ብዛዕባ ህይወት ስለ ዚግደስ: ሰባት ንደም ብኸመይ ከም ዚጥቀሙሉ ኺውስን ይኽእል እዩ። ንህይወትና ኣጸቢቑ ስለ ዚሓሊ: ደም ዝለዓለ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎ ነገር ኪውዕል ወሰነ: እዚ ጥራይ እዩ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረኽበሉ እንኽእል መገዲ። እቲ ኽቡር ደም የሱስ ከኣ ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ እዩ ዚውዕል። የሆዋ ኣምላኽ ህይወትና ምእንቲ ኼድሕን ኢሉ ንደም—ብፍላይ ከኣ ንደም የሱስ—ንረብሓና ምጥቃሙስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ! የሱስ መስዋእቲ ኪዀነና ኢሉ ምእንታና ደሙ ብምፍሳሱኸ ኽሳዕ ክንደይ ኢና ኸነማስወሉ ዚግባእ! እወ: ሃዋርያ ዮሃንስ “ንእኡ: ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ: ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሐጸበና: ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና: ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን” ኪብል ከሎ ዚስምዖ ዝነበረ ስምዒት ኪርድኣና ይኽእል እዩ።—ራእይ 1:5, 6

20 እቲ ወሃብ ህይወትን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ጥበበኛን ዝዀነ ኣምላኽ: ህይወት ብዙሓት ንምድሓን ካብ ቀደም ሓሲብዎ ነበረ። ከምዚ ኻብ ኰነ: ‘እዚ ነገርዚ ኣብ ውሳነታትናን ተግባራትናን እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ኣለዎ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽትምልስ እያ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ካብቲ ብዛዕባ ኣቤልን ኖህን ዚገልጽ ጸብጻባት: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ንመሃር፧

• ኣምላኽ ኣብ ሕጊ ሙሴ ነጠቓቕማ ደም ብዚምልከት እንታይ ቀይዲ እዩ ገይሩ: ስለምንታይከ፧

• የሱስ ነቲ ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ጽላሎት ኰይኑ ዝነበረ ነገር ዝፈጸሞ ብኸመይ እዩ፧

• ደም የሱስ ንህይወትና ኼድሕን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ሳጹን]

ናይ መን ደም እዩ ህይወት ዜድሕን፧

“ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ [“ብደም ገዛእ ወዱ:” NW] ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ: መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሐልዉ።”—ግብሪ ሃዋርያት 20:28

“እምብኣርሲ ሕጂ ብደሙ ምስ ጸደቕና ደኣ: ክንደይ ካብቲ ቝጥዓ ብእኡ ኣዚና ዘይንድሕን።”—ሮሜ 5:9

“ትጽቢት ዜብሎም: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም: ዘክሩ። ሕጂ ግና: ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም: ንስኻትኩም ብክርስቶስ የሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም።”—ኤፌሶን 2:12, 13

“ብዘሎ ምልኣት ኣብኡ ኺሐድር: ኣቦ ሰሚርዎ አሎ እሞ: ብእኡ ብደም መስቀሉ ገይሩ . . . [ን]ዅሉ ንርእሱ ተዓሪቕዎ እዩ።”—ቈሎሴ 1:19, 20

“ስለዚ: ኣሕዋተየ: . . . ብደም የሱስ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት [ኣሎና]።”—እብራውያን 10:19

“ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም: ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል: ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር: ብጠፋኢ ነገር: . . . ከም ዘይደሐንኩም: ትፈልጡ ኢኹም።”—1 ጴጥሮስ 1:18, 19

“ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ: ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና: ንሓድሕድና ሕብረት አሎና: ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ።”—1 ዮሃንስ 1:7

“ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ . . . እሞ: ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ: ነቲ መሓትሙውን ክትፈትሖ ብቑዕ ኢኻ።”—ራእይ 5:9

“እቲ . . . ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ። . . . ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎ።”—ራእይ 12:10, 11

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ኣምላኽ ብሕጊ ሙሴ ኣቢሉ ደም ንሕድገት ሓጢኣት ከም ዜገልግል ንጹር ገበረ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ብደም የሱስ ብዙሕ ህይወት ኪድሕን ይኽእል