ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዚ ግዜና ንውሉድ ምስልጣን ዘለዎ ሃልኪ

ኣብዚ ግዜና ንውሉድ ምስልጣን ዘለዎ ሃልኪ

ኣብዚ ግዜና ንውሉድ ምስልጣን ዘለዎ ሃልኪ

ሓደ እዋን ኣጸቢቑ ምስ መሰየ: ሓደ ወናን ቤት ምግቢ ስራሕ ዓጽዩ ናብ ቤቱ ኪኸይድ ኪዳሎ ኸሎ: ክልተ ኣንስትን ሓደ ቘልዓን ኣትዮም ምግቢ ኣዘዙ። እቲ ወናኒ ኣመና ደኺሙ ብምንባሩ ኸም ዝዓጸወ ኺነግረን ደልዩ እኳ እንተ ነበረ: ምግቢ ኼዳልወለን ወሰነ። እተን ክልተ ኣንስቲ እናዕለላ ኺበልዓ ኸለዋ: እቲ ቘልዓ ኣብቲ ቤት ምግቢ ናብዝን ናብትን ይጐዪ ነበረ። ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ ብሽኮቲ ኣብ ባይታ የውድቖ: ብእግሩ እውን ይረግጾ ነበረ። ኣደ እቲ ቘልዓ ኣብ ክንዲ እትገንሖ: ፍሽኽ ኢላ ጥራይ ትርእዮ ነበረት። ኣብ መወዳእታኡ እተን ኣንስቲ በሊዐን ምስ ከዳ: እቲ ድኽም ዝወዓለ ወናኒ ነቲ እቲ ቘልዓ ዘበላሸዎ ቦታ ኼጽርዮ ነበሮ።

እዚ ዘጋጠመ ናይ ሓቂ ተመክሮ: ሓያሎ ወለዲ ንውሉዳቶም ብዚግባእ የሰልጥንዎም ከም ዘየለዉ እዩ ዚሕብር። ከምዚ ዝዀነሉ እተፈላለየ ምኽንያታት ኣሎ። ገሊኣቶም ወለዲ: ውሉዳት ናጻ ዀይኖም ኪዓብዩ ኣለዎም ዚብል እምነት ስለ ዘለዎም: ንደቆም ደስ ዝበሎም ኪገብሩ ይፈቕዱሎም። ወይ ከኣ ብስራሕ ኣዝዮም ትሑዛት ብምዃኖም: ንደቆም ግቡእ ቈላሕታ ኣይገብሩሎምን ወይ ዜድሊ ስልጠና ኣይህብዎምን። ገለ ወለዲ ውሉዶም ኣብ ቤት ትምህርቱ ዜምጽኦ ውጽኢት ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ዜገድስ ኰይኑ ስለ ዚስምዖም: ኣብ ትምህርቱ ጽቡቕ ነጥቢ ኽሳዕ ዘምጽአን ናብ ውሩይ ኮለጅ ክሳዕ ዝኣተወን ደረት ዘይብሉ ናጽነት ይህብዎ።

ገሊኣቶም ግን እቲ ወለድን እቲ ሕብረተሰብን ዚምርሓሉ ስርዓታት ኪዕረ ኣለዎ ይብሉ። ነዚ ድማ ውሉዳት ኣብ ኵሉ ዓይነት ገበን ይሳተፉ ኸም ዘለዉን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓመጻ ይውስኽ ከም ዘሎን መርትዖ የቕርቡ። ስለዚ ድማ ሓደ ኣብ ሶል: ሪፓብሊክ ኮሪያ: ናይ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ርእሰ-መምህራን: ባህሪ ንምምሕያሽ ዚወሃብ ስልጠና ብቐዳምነት ኪስራዕ ከም ዚግባእ ኣጕልሐ። “ጽቡቕ ባህሪ ድሕሪ ምህናጽካ እዩ ፍልጠት ምስራጽ ዚመጽእ” በለ።

ውሉዶም ናብ ኮለጅ ኪኣቱን ኣብ ህይወቱ ዕዉት ኪኸውንን ዚደልዩ ሓያሎ ወለዲ: ንዚወሃብ መጠንቀቕታታት ጸማም እዝኒ እዮም ዚህብዎ። ወላዲ እንተደኣ ዄንካ: ውሉድካ እንታይ ዓይነት ሰብ ኪኸውን ኢኻ እትደልዮ፧ ስነ-ስርዓት ዘለዎን ሓላፍነት ዚስምዖን ኰይኑ ኺዓቢ ዲኻ እትደልዮ፧ ንኻልኦት ዚሓሊ: ምስ ኵነታት ተወሃሂዱ ዚነብር: ከምኡውን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ኪኸውን ዲኻ እትደልዮ፧ ከምኡ ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: በጃኻ ነዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ኣንብባ።