ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣናባብቲስት እንታዎት እዮም ነይሮም፧

ኣናባብቲስት እንታዎት እዮም ነይሮም፧

ኣናባብቲስት እንታዎት እዮም ነይሮም፧

ንፈለማ ግዜ ናብ ማእከል እታ ኣብ ኣውራጃ ዌስትፌልያ: ጀርመን: እትርከብ ከተማ ሙንስተር ዚኸይድ በጻሒ: ነቲ ኣብ ግምቢ ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን ዚርከብ ሰለስተ ብሓጺን ተረቢቡ እተሰርሐ ቆፎ ወይ ጋብያ ቐው ኢሉ ኸይረኣዮ ዚሓልፍ የለን። እቲ ቆፋፉ ንእተወሰነ እዋን እንተ ዘይኰይኑ: ን500 ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ካብቲ ቦታ ኣይተላዕለን። ፈለማ: ሬሳ እቶም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሳቕዮም እተቐትሉ ሰለስተ ሰብኡት ዝሓዘ ነበረ። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ኣናባብቲስት ኪዀኑ ኸለዉ: እቲ ቆፋፉ ድማ ቅርሲ መንግስቶም እዩ።

ኣናባብቲስት እንታዎት እዮም ነይሮም፧ እቲ ምንቅስቓስ ብኸመይ ተጀመረ፧ ቀንዲ ትምህርትታቶም እንታይ ነበረ፧ ንምንታይ እዮም ተቐቲሎም፧ እዚ ሰለስተ ቆፋፉ እዚ ምስ ሓንቲ መንግስቲ እንታይ ምትእስሳር እዩ ዘለዎ፧

እታ ቤተ-ክርስትያን ብኸመይ ክትሕደስ ኣለዋ፧

ኣብ መወዳእታ መበል 15ን መጀመርታ መበል 16ን ዘመን: ንሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኰነ ነቕሽሽቲ ዚወርዶም ነቐፋ እናበዝሐ እዩ ኪኸይድ ጀሚሩ። ብልሽውናን ርኽሰትን ነታ ቤተ-ክርስትያን ኣጋዕዝይዋ ስለ ዝነበረ: ብዙሓት ዓብዪ ለውጢ ኺግበር ከም ዘለዎ ይሰማምዑሉ ነይሮም። ብ1517 ማርቲን ሉተር ተሓድሶ ኺገብር ብዕሊ ጻውዒት ኣቕረበ: ካልኦት እውን ኣብቲ መጐተ ኣተዉ። ስለዚ: ናይ ፕሮተስታንት ተሓድሶ ተጀመረ።

እቶም ተሓድሶ ዘተኣታትዉ ዝነበሩ ግን እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎን ክሳዕ ክንደይ ለውጥታት ከም ዜድልን ሓደ ዓይነት መደብ ኣይነበሮምን። ብዙሓት ኣብቲ ንኣምልኾ ዚምልከት ጕዳይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቖም ኪስዕቡ ኸም ዘለዎም ተገንዘቡ። እንተዀነ ግን: እቶም ተሓድሶ ዘተኣታተዉ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚትርጕሙሉ መገዲ ኺሰማምዑ ኣይከኣሉን። ገሊኣቶም እቲ ተሓድሶ ኣመና ቐስ ኢሉ ይስጕም ዘሎ ዀይኑ ተሰምዖም። ካብ መንጎ እቶም ከምዚ ዓይነት ስምዒት ዝነበሮም ሰባት ከኣ እዮም ኣናባብቲስት እተመስረቱ።

ሃንስ-የርገን ጐርትስ ኣብታ ዲ ቶይፈ—ገሺኽተ ኡንድ ዶይቱንግ ዘርእስታ መጽሓፉ: “ከም ሓቂ እኳ: ናይ ባብቲስት ምንቅስቓስ ሓደ ጥራይ ዘይኰነስ ብዙሕ እዩ ነይሩ” በለ። ንኣብነት: ብ1521 ነብያት ዝዊካው ተባሂሎም ዚፍለጡ ኣርባዕተ ሰብኡት ኣብ ዊተንበርግ ትምህርትታት ኣናባብቲስት ብምስባኽ ሓደ ምንቅስቓስ ጀመሩ። ብ1525 ከኣ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ እትርከብ ከተማ ዙሪክ እተፈልየት ጕጅለ ኣናባብቲስት ተመስረተት። ኣብዛ ሕጂ ቸክ ሪፓብሊክ እትበሃል ሞራቭያን ኣብ ነዘርላንድስን እውን ጕጅለታት ኣናባብቲስት ቈማ።

ጥምቀት ንሕጻናት ድዩ ወይስ ንዓበይቲ፧

ጕጅለታት ኣናባብቲስት መብዛሕትኡ ግዜ ሒደት ኣባላት ዘለዉወን ኪዀና ኸለዋ: ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ እቶም ኣባላተን ሰላማውያን እዮም ነይሮም። ሰዓብቲ እቲ ሃይማኖት ንእምነቶም ምስጢር ገይሮም ኣይኰኑን ዚሕዝዎ ነይሮም። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ንኻልኦት ይሰብኩ ነበሩ። መሰረታዊ ሰረተ-እምነት ኣናባብቲስት ኣብቲ ብ1527 ዝጸደቐ “እምነት ሽላይትሃይም” ተባሂሉ ዚፍለጥ ሰነድ ተዘርዚሩ ኣሎ። እዞም ጕጅለ ሃይማኖት እዚኣቶም ኣጽዋር ምልዓል ኣበዩ: ካብ ዓለም እተፈልዩ ዀኑ: ንበደልቲ ወገዙ: ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት እውን ገበሩ። ኣጸቢቖም ዚፍለጥሉን ንእምነቶም ካብ ካልኦት ሃይማኖታት ፍልይ ዜብሎምን ግን: ጥምቀት ንሕጻናት ዘይኰነስ ንዓበይቲ እዩ ዚብል ነበረ። a

ጥምቀት ዓበይቲ ኣብ ሃይማኖታዊ እምነት ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ንምእታው ወይ ንዘይምእታው ብዚምልከት ኣገዳስነት ነበሮ። ሓደ ሰብ ክሳዕ ዚዓቢ እንተ ዘይተጠሚቑ: ኣብ እምነት ተመርኲሱ ውሳነ ንኺገብር ኣጋጣሚ ዚህቦ እኳ እንተዀነ: ንገሊኣቶም ግን ብጥራሽ ንኸይጥመቝ ይገብሮም ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ዘይተጠምቁ ውልቀ-ሰባት ከኣ እንተ ወሓደ ብእተወሰነ ደረጃ ኻብ ቍጽጽር ቤተ-ክርስትያን ወጻኢ እዮም ዚዀኑ። ስለዚ: ገሊኣተን ኣብያተ-ክርስትያን ምስ ዓበኻ ምጥማቕ ዚብል እምነት እንተ ስዒበን: ብዙሓት ሰባት ካብ ቍጽጽረን ይወጹ።

በዚ ምኽንያት እዚ: ካቶሊካውያንን ሉተራውያንን ነቲ ዓበይቲ ጥራይ ኪጥመቑ ይግባእ ዚብል እምነት ኪቕበልዎ ኣይደለዩን። ድሕሪ 1529 ኣብ ገሊኡ ቦታታት እቶም ንዓብዪ ሰብ ዜጥምቑ ወይ እቶም ምስ ዓበዩ እተጠምቁ ሰባት: ብሞት ኪቕጽዑ ተወሰነ። ቶማስ ሲፈርት ዚበሃል ጋዜጠኛ: ኣናባብቲስት “ኣብ ብምልእታ እታ ናይ ጀርመን ሃጸዊያት ግዝኣት ቅድስቲ ሮማ ኸቢድ መስጐጕቲ ይወርዶም” ምንባሩ ገለጸ። እቲ መስጐጕቲ ኣብ ሙንስተር ዝያዳ ዅሉ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ በጽሐ።

ኣብ ማእከላይ ዘመን ሙንስተር ለውጢ ደለየት

ኣብ ማእከላይ ዘመን ሙንስተር 10,000 ተቐማጦ ዚነበርዋ ዀይና: ብዙርያኣ 5 ኪሎ ሜተር ንውሓት ዘለዎ ብ90 ሜትሮ ዝምግፍሑ ጽኑዕ ዕርዲ እተኸበት ከተማ እያ ነይራ። እቲ ኣብ ውሽጢ እታ ኸተማ ዝነበረ ዅነታት ግን ከምቲ ዕርድታታ ጽኑዕ ኣይነበረን። ቤተ-መዘክር ከተማ ሙንስተር ዘሕተማ ዘ ኪንግደም ኦቭ ዘ ኣናባብቲስትስ ዘርእስታ መጽሓፍ: “ኣብ መንጎ እቶም ሓገግትን ማሕበራትን እታ ኸተማ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ግጭት ነበረ” ትብል። ኣብ ርእሲ እዚ: እቶም ተቐማጦ በቲ እቶም ኣቕሽሽቲ ዚገብርዎ ተግባራት ተቘጢዖም ነበሩ። ሙንስተር ነቲ ተሓድሶ ተቐበለት: ብ1533 ከኣ ካብ ካቶሊክ እምነት ብምቕያር ሰዓቢት ሉተር ኰነት።

ሓደ ኻብቶም ቀንዲ ነቲ ተሓድሶ ዘተኣታተዉ ኣብ ሙንስተር ዝነበሩ ሰበኽቲ: እቲ ስምዒታዊ ዝነበረ በርንሃርት ሮትማን ይርከቦም። ፍሪደሪኽ ኦይኒንገር ዚበሃል ጀርመናዊ ጸሓፍ ታሪኽ ብዛዕባ ሮትማን ኪገልጽ ከሎ “ብንጹር ናይ ኣናባብቲስት ኣረኣእያ ሓዘ፣ ንሱን ብጾቱን ንሕጻናት ምጥማቕ ኣበዩ” በለ። እቲ ኣመና እተፈልየ ኣረኣእያኡ ንገሊኣቶም እኳ እንተ ኸበዶም: ኣብ ሙንስተር ሰፊሕ ተቐባልነት ረኸበ። “ነቲ ናይ ቀደም ስርዓት ዚፈትዉ ብዙሓት ሰባት ስለ እተጨነቑን ስለ ዚፈርሁን ካብታ ኸተማ ወጹ። ኣናባብቲስት ድማ ሓሳብ ልቦም ዝሰምረሎም መሲልዎም ካብ ሓያሎ ቦታታት ናብ ሙንስተር ወሓዙ።” ኣናባብቲስት ኣብ ሙንስተር ምእካቦም ግን: ኣብ መወዳእታ ዜስካሕክሕ ነገር እዩ ኣስዒቡ።

ሓዳስ የሩሳሌም ተኸበት

ካብ ነዘርላንድስ ናብ ሙንስተር ዝመጸ ኣብ ሃርለም ዚነብር ዝነበረ ያን ማቲስ ዚበሃል ሰንካቲ ሕብስትን ያን ቦይከልሰን ወይ ጆን ብዓል ሊደን ተባሂሉ ዚፍለጥ ሰብኣይን: ኣብቲ ብድሕሪኡ ዘጋጠመ ነገራት ኣገዳሲ ግደ ነበሮም። ማቲስ ነብዪ እየ ይብል ነበረ: ሚያዝያ 1534 ከኣ ካልኣይ ምጽኣት ክርስቶስ ምዃኑ ኣወጀ። እታ ኸተማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ሓዳስ የሩሳሌም ተባህለት: ንመወዳእታ ዓለም ተዳልያ ንምጽናሕ ድማ ተሸባሸበት። ሮትማን ኵሉ ንብረት ናይ ሓፋሽ ኪኸውን ወሰነ። በጽሕታት ተቐማጦ እታ ኸተማ: ወይ ኪጥመቑ ወይ ከኣ ካብታ ኸተማ ኺወጹ ነበሮም። ብዙሓት ተጠምቁ: ገሊኣቶም ግን ቤቶምን ንብረቶምን ምእንቲ ኸይሓድጉ ኢሎም እዮም እተጠምቁ።

ሙንስተር: ኣናባብቲስት ዓብላሊ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ሓይሊ ዝሓዙላ ኸተማ ምስ ኰነት: ካልኦት ማሕበረሰብ ብጭንቀት ይርእይዋ ነበሩ። ብመሰረት እታ ዲ ቶይፈ ጹ ሙንስተር ዘርእስታ መጽሓፍ: በዚ ምኽንያት እዚ “ናይ ጀርመን ሃጸዊያት ግዝኣት ቅድስቲ ሮማ ብምልእታ ንሙንስተር ጸላኢታ ዀነት” በለት። እቲ መስፍንን ኣቡንን ዝነበረ ፍራንዝ ፎን ቫልደክ ዚበሃል ውሩይ ሰብኣይ: ንሙንስተር ንምኽባብ ሰራዊት ኣከበ። እቲ ሰራዊት ከኣ ካብ ሉተራውያንን ካቶሊካውያንን እተዋጽአ እዩ ነይሩ። እዞም ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ብሰንኪ ተሓድሶ ዚጻረሩ ዝነበሩን ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሑ ኣብቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ውግእ ንሓድሕዶም እተዋድኡን ጕጅለታት ሃይማኖት: ንኣናባብቲስት ምእንቲ ኼጥፍኡ ሰመሩ።

መንግስቲ ኣናባብቲስት ተደምሰሰት

እቲ ነታ ኸተማ ኸቢብዋ ዝነበረ ሰራዊት ዘለዎ ብርታዐ: ነቶም ኣብ ውሽጢ መካበብያ እታ ኸተማ ዝነበሩ ኣየሰምበዶምን። ኣብታ ክርስቶስ ንኻልኣይ ግዜ ኺመጽእ እተባህለላ ሚያዝያ 1534: ማቲስ ኣምላኽ ከም ዚከላኸለሉ ብምእማን ኣምበላይ ፈረስ ተወጢሑ ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወጸ። እቶም ደገፍቲ ማቲስ ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ዀይኖም እቶም ከቢቦምዎም ዝነበሩ ሰራዊት ንማቲስ ኪቘራርጽዎን ንርእሱ ኣብ ዕንጨይቲ ኪሰቕልዎን ምስ ረኣዩ እተሰምዖም ስምባድ እሞ ገምቶ።

ጆን ብዓል ሊደን ኣብ ክንዲ ማቲስ ነገሰ: ናይቶም ኣብ ሙንስተር ዝነበሩ ኣናባብቲስት ንጉስ ያን ተባሂሉ ድማ ተሰምየ። ኣብታ ኸተማ ኻብ ሰብኡት ኣንስቲ ይበዝሓ ስለ ዝነበራ: ነቲ ኣብ ኣንጻር ጾታ ዝነበረ ዘይምምጥጣን ንምፍታሕ ሰብኡት ክሳዕ ዝደለይዎ ኣንስቲ ኼእትዉ ኣተባብዖም። ኣብታ ኣብ ሙንስተር ዝነበረት መንግስቲ ኣናባብቲስት ዝሙትን ምንዝርን ብሞት ዜቕጽዕ ኪኸውን ከሎ: ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ሰበይቲ ምእታው ግን ዕሽሽ ተባህለ: ሕሉፍ ሓሊፍካውን ይተባባዕ ነበረ። ንጉስ ያን እኳ 16 ኣንስቲ ኣእተወ። ኤሊዛቤት ቫንትሼረር እትበሃል ሓንቲ ኻብተን ኣንስቱ: ካብታ ኸተማ ኽትወጽእ ፍቓድ ምስ ሓተተት: ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሰየፈት።

እቲ ኸበባ ኽሳዕ ሰነ 1535 ን14 ኣዋርሕ ጸንሐ: ድሕሪኡ እታ ኸተማ ተታሕዘት። ሙንስተር ድሕሪኡ ኽሳዕ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘይረኣየቶ ዓይነት ዕንወት ኣጋጠማ። ሮትማን ኣምለጠ: ንጉስ ያንን ክልተ መራሕቲ ኣናባብቲስትን ግን ተታሕዙ: ተሰቀዩ: ኣብ መወዳእታ ድማ ተቐትሉ። ነቲ ሬሳኦም ኣብ ቆፎ ኣእትዮም ኣብ ርሻን ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ላምበርት ሰቐልዎ። ከምዚ እተገብረ ኸኣ “ንዅሎም መሸገርቲ ዜስካሕክሕ መጠንቀቕታ ምእንቲ ኪኸውን ተባሂሉ” ምዃኑ ሲፈርት ገለጸ። እወ: ኣብ ፖለቲካ ኢድካ ምእታው ሕማቕ ሳዕቤን እዩ ዘለዎ።

ካልኦት ኣናባብቲስትኸ እንታይ ኰኑ፧ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ንሓያሎ ዓመታት መስጐጕቲ ወረዶም። መብዛሕትኦም ኣናባብቲስት ካብቲ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከይኣትዉ ዜውጽእዎ ስርዓት ፈልከት እኳ እንተ ዘይበሉ: ሒደት ኣብ ውግእ ዝኣተዉ ግን ነይሮም። ድሕሪ ግዜ እቲ ኻህን ዝነበረ ሜኖ ሲሞንስ መራሒ ኣናባብቲስት ኰነ: እዞም ጕጅለ ሃይማኖት ከኣ ሜኖኣውያን ብዚብል ወይ ብኻልእ ስም ኪጽውዑ ጀመሩ።

እተን ሰለስተ ቆፎ

ኣናባብቲስት ብመሰረቱ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕልዉ ዝጸዓሩ ሃይማኖታውያን ሰባት እዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን: ኣብ ሙንስተር ዝነበሩ ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ዝነበሮም ሰባት ንኣናባብቲስት ነዚ ዅሉ ሓዲጎም ኣብ ፖለቲካ ኸም ዚኣትዉ ገበርዎም። ድሕርዚ: እቲ ምንቅስቓስ ናብ ሰውራ ተቐየረ። እዚ ንኣናባብቲስትን ነታ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበረት ከተማ ሙንስተርን ጥፍኣት ኣምጸኣሎም።

ናብ ማእከል እታ ኸተማ ዝመጹ በጻሕቲ: ነዚ 500 ዓመት ይገብር እተፈጸመ ዜስካሕክሕ ፍጻመ ይዝክሩ እዮም። ብኸመይ፧ በተን ኣብቲ ግምቢ ቤተ-ክርስትያን እተንጠልጠላ ብሓጺን እተሰርሓ ሰለስተ ቖፎ ኣቢሎም እዮም ዚዝክርዎ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ጥምቀት ሕጻናት ትድግፎ ወይ ትጻረሮ ኣይኰነትን ዘላ። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዝርዝር መግለጺ እንተደኣ ደሊኻ: “ሕጻናት ኪጥመቑ ኣለዎም ድዩ፧” እትብል ኣብ ናይ 15 መጋቢት 1986 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸት ዓንቀጽ ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ንጉስ ያን ተሰቀየ: ተቐትለ: ኣብ ርሻን ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ላምበርት ድማ ተሰቕለ