ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ዝበለጸ ውርሻ

እቲ ዝበለጸ ውርሻ

እቲ ዝበለጸ ውርሻ

እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ: “ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን” በለ።—3 ዮሃንስ 4

እዚ እሙን ሃዋርያ ብዛዕባ እቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ደቁ ዝዀኑ ይዛረብ እኳ እንተ ነበረ: ብዙሓት ወለዲ ንቓላት እዚ ሃዋርያ የቃልሕዎ እዮም። ንደቆም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ኬዕብይዎም ኣበርቲዖም ስለ ዝጸዓሩ: ደቆም ዓብዮም ‘ብሓቂ ኺመላሰሉ’ ኺርእይዎም ከለዉ ይሕጐሱ እዮም። (ኤፌሶን 6:4) ንውሉዳት ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ ትምህርቲ ምሃብ: እቲ ዝበለጸ ውርሻ እዩ። ከመይሲ: እቲ የሆዋ ንክርስትያናት ኪመላለሱሉ ዚደልዮ ናብራ ምንባር ዜጠቓልል ኣምልኾ: “ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን . . . ተስፋ አለዎ።”—1 ጢሞቴዎስ 4:8

እቲ ፍጹም ኣቦ ዝዀነ የሆዋ ነቶም ንደቆም መንፈሳዊ ትምህርቲ ዚምህሩ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም። እቶም ውሉዳት ነቲ ትምህርቲ ምስ ተቐበልዎ: ምስ ወለዶም ሓቢሮም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብምስዓቦም ዓብዪ ሓጐስ እዮም ዚረኽቡ። እናበሰሉ ምስ ከዱ ኸኣ: ባህ ዜብል ተዘክሮታት እዩ ዚህልዎም። ገሊኣቶም ነቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ እተሳተፉሉ ግዜ ይዝክርዎ። a ወይ ከኣ ነቲ ምስ ወለዶም ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ንመጀመርታ ግዜ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ዘንበቡሉ እዋን ይዝክርዎ ይዀኑ። ነቲ ወለዶም ካብታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ወይ ካብታ ሊስኒን ቱ ዘ ግሬት ቲቸር ዘርእስተን መጻሕፍቲ ዘንበቡሎም እዋን እውን ፈጺሞም ኣይርስዕዎን እዮም። b ጋብሪየል ኣጸቢቑ ንዚፈትዎ ዝነበረ ነገራት ኪገልጽ ከሎ: “ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን: ኣደይ መዓልታዊ ኽትክሽን ከላ መዝሙር ትዝምረለይ ነበረት። ሓንቲ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ክሰምዕ ከለኹ: ስምዒተይ እዩ ዚትንከፍ። ጸኒሑ ድማ: ንየሆዋ ምግልጋል ዘለዎ ኣገዳስነት ንኽግንዘብ ኣኽኢሉኒ” በለ። ጋብሪኤል ዚጠቕሳ ዘሎ መዝሙር ኣብታ ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ዘምሩ እትበሃል መጽሓፍ እትርከብ “ንየሆዋ ብንእስነትካ ኣምልኮ” ዘርእስታ መዝሙር እያ።

እታ መዝሙር ክትጅምር ከላ: “ወጸ ውዳሰ ካብ ሕጻናት፣/የሱስ ተወደሰ ብስርዓት” ትብል። እወ: ምስ የሱስ ግዜ ናይ ምሕላፍ ኣጋጣሚ ዝረኸቡ ቘልዑ ነይሮም: በቲ ቕንዕናኦም ከም ዜሐጕስዎ ድማ ኣየጠራጥርን እዩ። የሱስ ነቲ ቘልዑ ትምህርቲ ንምቕባል ዘለዎም ድሉውነት: ሰዓብቱ ኪቐድሕዎ ዘለዎም ኣብነት ገይሩ ተጠቒሙሉ እዩ። (ማቴዎስ 18:3, 4) ስለዚ: ውሉዳት ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ግቡእ ቦታ ኣለዎም። እታ መዝሙር እውን ቀጺላ: “ሕጻናትውን ኬዕብዩ ኣምላኾም” ትብል።

ብዙሓት ቈልዑ በቲ ኣብ ቤት: ኣብ ትምህርቲ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታታት ዜርእይዎ ሰናይ ኣብነት: ንኣምላኽን ንስድራቤቶም ክብሪ ኣምጺኦም እዮም። እዞም ውሉዳት እዚኣቶም “ንሓቂ ዚፈትዉ ወለዲ” ብምርካቦምሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ተባሪኾም! (ዘዳግም 6:7) ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ: በቲ ፈቃር ኣቦና ንፍጡራቱ ኺመላለሱሉ ዚምህሮም መገዲ እዮም ዚመላለሱ። ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዮም ዝረኸቡ! ንደቆም ኪምህሩ ኸለዉ: “እዙዛት ደቂ ሓጐስ የምጽኡ” ብምዃኖም ክሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ዚሕጐሱ! (ኢሳይያስ 48:17, 18) ሕጂ ኣብቲ ኣብ መክሲኮ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገልግል ዘላ ኣንሀሊካ: “ወለደይ ኵሉ ሳዕ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኼዕውሉ ይጽዕሩ ነበሩ። ስለዚ: ባህ ዜብል ግዜ ቝልዕነት እየ ኣሕሊፈ። ሕጕስቲ ድማ እየ ነይረ” በለት።

ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ክርስትያናት ንመንፈሳዊ ውርሻኻ ምሕላው ጠቓሚ ምዃኑ ይሰማምዑሉ እዮም። ምናልባት ኣብ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ስርዓታት ዘለዋ ስድራቤት ዝዓበኻ ትኸውን። ከምኡ እንተደኣ ዄንካ እታ መዝሙር “ኣታ መንእሰይ ሓሉ መገድኻ” ኢላ ትምዕደካ። ናይ ርእስኻ ውሳነ እትገብረሉ ግዜ ኺመጽእ ስለ ዝዀነ: “ናብ የሆዋ ቕረብ ብንእስነትካ/ኣይትጽዓር ክትከውን ብዓል ዝና።”

ዝና ኽትረክብ ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ኵሉ እቲ ዝረኸብካዮ ስልጠና ኸንቱ ኪኸውን እዩ: ንተስፋኻ ኸኣ ከተበላሽዎ ኢኻ። ውሩይ ናይ ምዃን ድሌት: ከም እትድህለል ኪገብረካ ይኽእል እዩ። ገለ መንእሰያት ምስቶም ዘይጓድኡን ባህ ዜብሉን ዚመስሉ ግን ከኣ ንክርስትያናዊ ስርዓታት ግዲ ዘይብሎም ሰባት ተቐራሪቦም እዮም። እዚ ድማ በቲ ኣብታ ያንግ ፒፕል ኣስክ—ሃው ካን ኣይ ሜክ ሪል ፍሬንድስ፧ ዘርእስታ ቪድዮ እተዋስአት ታራ እትበሃል ቀንዲ ገጸ-ባህሪ ተራእዩ እዩ። ምስቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘየኽብሩ ዚቀራረብ ዝዀነ ይኹን ክርስትያን መንእሰይ: ውዒሉ ሓዲሩ “ሕማቓት ኣዕሩኽ የጥፍኡ ጽቡቕና” ዚብል ኣብታ መዝሙር ዚርከብ ምኽሪ ሓቂ ዀይኑ እዩ ዚረኽቦ። ጽቡቕ ልማድ ንምጥራይ ንነዊሕ ዓመታት ክትጽዕር ዜድሊ እኳ እንተዀነ: ንኺጠፍእ ግን ነዊሕ ግዜ ኣየድልዮን እዩ።

ብፍርሃት ኣምላኽ ምምልላስ ቀሊል ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: እታ መዝሙር ቀጺላ “ብንእስነት ንየሆዋ ’ተ ዘኪርካ:/ብመንፈስን ሓቅን ’ተ ገልጊልካ:” ኣብ መጻኢ ናይ ሓቂ ዓወት ንምርካብ ድልዱል መሰረት ክትስርት ኢኻ። “ምስ ዓበኻ ዝያዳ ትሕጐስ።” ኣብ ትሕቲ ፍቕራዊ ሓልዮት የሆዋ: ኣብ ቅድሚኡ ቕኑዕ ዝዀነ ነገር ካብ ምግባር ዚዓግተካ ነገር ከም ዘየልቦ ትግንዘብ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ብሱልን ንኣምላኽ ዚፈርህን ኴንካ ትዓቢ። እዚ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብቲ ክርስትያናዊ ስልጠና ብዚግባእ ምስ እትጥቀም “ልቢ ኣምላኽውን ትመልኦ ሓጐስ።” ሓደ ሰብ ካብዚ ዚዓቢ እንታይ ክብሪ ኺረክብ ይኽእል፧—ምሳሌ 27:11

እምበኣር: ኣቱም መንእሰያት: እቲ ኻብ የሆዋን ካብ ክርስትያናት ወለድኹምን ዚዋሃበኩም ስልጠና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘክሩ። እቲ ንዓኻትኩም ዘለዎም ዓብዪ ፍቕሪ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቕኑዕ ዝዀነ ንኽትገብሩ ይደርኽኩም። ከም የሱስ ክርስቶስን ከምቲ ኻብ ንእስነቱ ኣትሒዙ እሙን ዝነበረ ጢሞቴዎስን ንሰማያዊ ኣቦኹምን ንምድራውያን ወለድኹምን ከተሐጕስዎም ኢኹም። ንስኻውን ብግዴኻ ወላዲ እንተ ዄንካ: ምስታ ኣቐዲማ ተጠቒሳ ዘላ ኣንሀሊካ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል እተዛረበቶ ትሰማማዕ ትኸውን:- “ውሉድ እንተ ወሊደ: ካብ ሕጻንነቱ ኣትሒዘ ፍቕሪ የሆዋ ኣብ ልቡ ኽሰርጸሉን ነዚ ድማ ቀንዲ ዚምርሓሉ ስርዓት ክገብሮን ዝከኣለኒ ዘበለ ኽጽዕር እየ።” እታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ ትኽ ዝበለት መገዲ: ብርግጽ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝበለጸት ውርሻ እያ!

[እግረ-ጽሑፋት]

a እዚ ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ንንኣሽቱን ዓበይትን ክፉት እዩ።

b እዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ እየን።