ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸሎት ኪጠቕመካ ይኽእልዶ፧

ጸሎት ኪጠቕመካ ይኽእልዶ፧

ጸሎት ኪጠቕመካ ይኽእልዶ፧

መን ካባና እዩ እሞ ልዕሊ ዓቕሙ ዝዀነ ኸቢድ ጸገም ዘየጋጠሞ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ: ጸሎት ኣብ ጸገሙ ጽልዋ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ ምንባሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና።

ጳውሎስ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ኣብ ሮሜ ምስ ተኣስረ: ንክርስትያናት ብጾቱ ኺጽልዩሉ ድሕሪ ምሕታት: “ኣነ ቐልጢፈ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽውሀበኩም: እዚ ኽትገብሩ ኣብዚሔ እምዕደኩም አሎኹ” በሎም። (እብራውያን 13:18, 19) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ: ነቲ ቐልጢፉ ኻብ ማእሰርቲ ምእንቲ ኺፍታሕ ዚግበር ጸሎት: ኣምላኽ ምላሽ ከም ዚህበሉ ዘለዎ ምትእምማን ገለጸ። (ፊልሞን 22) ጳውሎስ ነዊሕ ከይጸንሐ ተፈትሐ: ከም ብሓድሽ ድማ ሚስዮናዊ ኣገልግሎቱ ጀመረ።

እንተዀነ ግን: ብሓቂዶ ጸሎት ንጸገማትካ ኺፈትሕ ይኽእል እዩ፧ ምናልባት ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር: ጸሎት ንማለቱ ዚግበር ሃይማኖታዊ ልምዲ ዘይኰነስ: ምስቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ፈቃርን ሓያልን ፈጣሪና ዚግበር ናይ ሓቂ ርክብ ምዃኑ ኣይትረስዕ። ኣብ ጸሎት ሓሳባትና ብንጹር ካብ ምጥቃስ ድሕር ክንብል የብልናን: ድሕሪኡ ግን የሆዋ ብኸመይ ምላሽ ከም ዚህብ ብትዕግስቲ ንጸበ።

ኣምላኽ ንዅሉ ጸሎት ብቐጥታ ኣይምልሶን ይኸውን: በቲ ኺምለሰልና እንጽበየሉ መገዲ ወይ ኣብቲ እንደልዮ እዋን እውን ኣይምልስን ይኸውን። ንኣብነት: ጳውሎስ ብዛዕባ ‘ኣብ ስጋኡ ዝነበረ ግራጭ’ ደጋጊሙ ጸልዩ እዩ። ኣምላኽ ነቲ ጳውሎስ ዝነበሮ ጸገም ኣየልገሰሉን: የግዳስ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ: ጸጋይ ይአኽለካ” ብዚብል ዜበራትዕ ቃላት ገይሩ ኣጸናንዖ።—2 ቈረንቶስ 12:7-9

ኣምላኽ ንሓደ ዜጋጥመና ጸገም እኳ እንተ ዘይፈትሓልና: ‘ምጽዋሩ ምእንቲ ኽንክእል: መውጽኢ ኸም ዚገብረልና’ ግን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። (1 ቈረንቶስ 10:13) ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅሉ ስቓይ ደቅሰብ ኬወግዶ እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን ናብቲ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ምቕራብካ: ኪጠቕመካ እዩ።—መዝሙር 65:2