ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትብጻሕ ናብ ኖህ

ትብጻሕ ናብ ኖህ

ትብጻሕ ናብ ኖህ

“እተፈቶኻ ኖህ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኻን ብዛዕባ እታ ንስኻን ስድራቤትካን ካብ ማይ ኣይሂ ዝደሓንኩምላ መርከብ ዚሰራሕካሉ መገድን ብተደጋጋሚ ኣንቢበ እየ።”

ሓንቲ 15 ዓመት ዝዕድሜኣ ሚናማሪያ ዝስማ ጓል: ካብ 14 ክሳዕ 21 ዓመት ዝዕድሚኦም ተማሃሮ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ጽሑፍ ውድድር ዘቕረበታ ደብዳበ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቓላት እያ እትጅምር። እቲ ውድድር በገልግሎት ጶስጣ ፊንላንድ: ብፈደረሽን መምህራን ቋንቋ ኣደ ፊንላንድ: ከምኡውን ብማሕበር ጽሑፋት ፊንላንድ እተዳለወ እዩ። እቲ ውድድር ኣብ ዝዀነ ይኹን መጽሓፍ ተመርኲስካ ደብዳበ ምጽሓፍ ዚሓትት ነበረ። ናብ ደራሲ እታ መጽሓፍ ወይ ኣብቲ ድርሰት ናብ ዚርከብ ገጸ-ባህሪ ኺጸሓፍ ይከኣል እዩ። እቶም መምህራን ካብቲ እቶም ተማሃሮ ዚጸሓፍዎ ጽሑፋት 1,400 ደብዳበታት መሪጾም ናብ ደያኑ እቲ ውድድር ለኣኽዎ። እቶም ደያኑ እታ ዝበለጸት ደብዳበ: ድሕሪኡ እተን ዝበለጻ ኻልኣይ ዝወጻ ዓሰርተ ደብዳበታት: ከምኡውን እተን ዝበለጻ ሳልሳይ ዝወጻ ዓሰርተ ደብዳበታት መረጹ። ሚናማሪያ እታ ደብዳበኣ ምስቶም ሳልሳይ ዝወጻ ጕጅለ ኽትስራዕ ብምኽኣላ ብዙሕ እያ ተሓጒሳ።

እዛ ኣብ ዕድመ ዀተቴ እትርከብ ተማሃሪት: ንሓደ 5,000 ዓመት ይገብር ዚነብር ዝነበረ ኖህ ዚበሃል ሰብኣይ ደብዳበ ዝጸሓፈትሉ ስለምንታይ እያ፧ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ርእይቶኣ ሃበት:- “ኣብ ኣእምሮይ ንመጀመርታ ዝመጸለይ ሓሳብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ገጸ-ባህርያት ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ። ብዛዕባ እቶም ገጸ-ባህርያት ብዙሕ ሳዕ ስለ ዘንበብኩ: ህያዋን ኰይኖም እዮም ዚስምዑኒ። ንኖህ ዝመረጽኩሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ዘሕለፎ ናብራ ስለ ዚምስጥን ካብ ናተይ እተፈልየ ስለ ዝዀነን እዩ።”

እታ ሚናማሪያ ንኖህ ዝጸሓፈታ ደብዳበ “ሕጂውን ኣብነት እምነትን ተኣዛዝነትን ኢኻ። ዘሕለፍካዮ ህይወት ንዅሎም እቶም ኣብ እምነቶም ለውጢ ኺገብሩ ኢሎም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዜንብብዎ ይጠቕሞም እዩ” ብዚብል ቃላት እያ እትዛዝም።

እዛ መጽሓፍ ቅዱስ እተንብብ መንእሰይ ዝጸሓፈታ ደብዳበ: መጽሓፍ ቅዱስ ንንኣሽቱ ዀነ ንዓበይቲ ብሓቂ “ህያውን መስለጥን” ምዃኑ እዩ ዜርኢ።—እብራውያን 4:12