ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኪዱ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ’

‘ኪዱ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ’

‘ኪዱ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ’

“ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኺዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።”—ማቴዎስ 28:18, 19

1, 2. (ሀ) የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ መዝነት እዩ ሂብዎም፧ (ለ) ነቲ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ብዚምልከት ነየናይ ሕቶታት ኢና ኽንመያየጠሉ፧

 ኣብ ጽድያ 33 ከ.ኣ.ዘ. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብቲ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዚርከብ ከረን ገሊላ ተኣከቡ። እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ ጐይታኦም ናብ ሰማይ ዚዓርገሉ እዋን ቀሪቡ ነበረ። ቀቅድሚ ምዕራጉ ግን ሓደ ኣገዳሲ መዝነት ሃቦም። እዚ መዝነት እዚ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ብኸመይ ተቐበልዎ፧ እዚኸ ንዓና ብኸመይ ይምልከተና፧

2 እቲ የሱስ ዝበሎም ነገር ኣብ ማቴዎስ 28:18-20 ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ተመዝጊቡ ንረኽቦ:- “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።” የሱስ ብዛዕባ “ኵሉ ስልጣን:” “ኵሎም ኣህዛብ:” ‘ዝኣዘዞም ኵሉ:’ ከምኡውን ብዛዕባ “ኵሉ መዓልቲ” እዩ ተዛሪቡ። እዚ ነዘን ኣርባዕተ መግለጺ ዝሓዘ ትእዛዙ: ስለምንታይ: ኣበይ: እንታይ: ከምኡውን መዓስ ብዚብላ ቓላት ኪጠቓለል ዚኽእል ሕቶታት የበግስ። ነዚ ሕቶታት እዚ በብሓደ እስከ ንርኣዮ። a

“ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ”

3. ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር እተዋህበና ትእዛዝ ክንሕሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

3 ፈለማ: ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር እተዋህበና ትእዛዝ ክንሕሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ የሱስ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኺዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” በለ። እታ “ስለዚ” እትብል ቃል: ነቲ ትእዛዛቱ እንሕልወሉ ዓብዪ ምኽንያት እያ እትሕብረና። እምበኣር: እቲ ትእዛዝ ዝሃበና የሱስ “ኵሉ ስልጣን” ስለ እተዋህቦ ኢና ትእዛዙ እንሕሉ። ዕቤት ስልጣኑ ኽሳዕ ክንደይ እዩ፧

4. (ሀ) ዕቤት ስልጣን የሱስ ክሳዕ ክንደይ እዩ፧ (ለ) ስልጣን የሱስ ብዚግባእ ምስ ዚርድኣና: ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር እተዋህበና ትእዛዝ ዘሎና ኣረኣእያ ብኸመይ ይጸልዎ፧

4 የሱስ ኣብ ልዕሊ ማሕበሩ ስልጣን ኣለዎ: ካብ 1914 ኣትሒዙ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እታ ሓዳስ ዝቘመት መንግስቲ ኣምላኽ ስልጣን ተዋሂብዎ ኣሎ። (ቈሎሴ 1:13፣ ራእይ 11:15) ሊቀ መላእኽቲ ስለ ዝዀነ በማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣባላት ንዘለዉዎ ሰማያዊ ሰራዊት ይእዝዝ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:16፣ 1 ጴጥሮስ 3:22፣ ራእይ 19:14-16) ንጽድቃዊ ስርዓታት ዚጻረር “ኵሉ ሽመትን ኵሉ ስልጣንን ሓይልን” ምእንቲ ኺስዕር: ኣቦኡ መዚዝዎ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:24-26፣ ኤፌሶን 1:20-23) ንየሱስ እተዋህቦ ስልጣን ኣብ ህያዋን ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። “ንህያዋንን ምዉታትን ፈራዲ” ኪኸውን ተመዲቡ እዩ: ነቶም ዝሞቱ ምእንቲ ኼተንስእ ድማ ኣምላኽ ሓይሊ ሂብዎ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:42፣ ዮሃንስ 5:26-28) ከምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኣካል ዚህበና ትእዛዝ: ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ስለዚ: ነቲ ክርስቶስ ‘ኪዱ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ’ ብምባል ዝሃበና ትእዛዝ በኽብሮትን ብፍታውን ኢና እንእዘዞ።

5. (ሀ) ጴጥሮስ ነቲ የሱስ ዝበሎ እተኣዘዘ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ጴጥሮስ ነቲ የሱስ ዝሃቦ መምርሒ ብምእዛዙ እንታይ በረኸት ረኸበ፧

5 የሱስ ኣብ መጀመርታ ምድራዊ ኣገልግሎቱ: ንስልጣኑ ኣፍልጦ ምሃብን ትእዛዛቱ ምኽባርን በረኸት ከም ዜምጽእ ንደቀ መዛሙርቱ ብዜደንቕ መገዲ መሃሮም። ሓደ እዋን ነቲ ገፋፍ ዓሳ ዝነበረ ጴጥሮስ “ናብቲ ዓሚቝ ቅርብ በል እሞ መርበብኩም ንምግፋፍ ደርብዩ” በሎ። ጴጥሮስ ዋላ ሓደ ዓሳ ኸም ዘይረኽቡ ርግጸኛ ስለ ዝነበረ: “መምህር: ለይቲ ብምልእታ ጽዒርና: ዝሐዝና የብልናን” ድሕሪ ምባል ብትሕትና “ብቓልካ ግና ነዚ መርበብ እድርብዮ” በለ። ነቲ ክርስቶስ ዝሃቦ ትእዛዝ ምስ ኣኽበረ ግን “ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ” ሓዘ። በዚ ኣዝዩ ስለ ዝሰምበደ: “ጐይታይ: ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ: ካባይ ርሐቕ: እናበለ ኣብ ብርኪ የሱስ ተደፍኤ።” የሱስ ግን “ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ: ኣይትፍራህ” በሎ። (ሉቃስ 5:1-10፣ ማቴዎስ 4:18) ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧

6. (ሀ) እቲ ብዛዕባ ተኣምራዊ ምግፋፍ ዓሳ ዚገልጽ ዛንታ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዚደልዮ ዓይነት ተኣዛዝነት እንታይ እዩ ዚገልጸልና፧ (ለ) ንየሱስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

6 የሱስ ንጴጥሮስን ንእንድርያስን ንኻልኦት ሃዋርያትን “ገፈፍቲ ሰብ” ዝገበሮም: ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ቕድሚ ምሓዞም ዘይኰነስ ድሕሪኡ እዩ። (ማርቆስ 1:16, 17) እምበኣር: ከየመዛዘኑ ኺእዘዝዎ ኣይኰነን ዚደልዮም ነይሩ። ንዕኡ ዚእዘዙሉ ዜእምን ምኽንያት እዩ ሂብዎም። ከምቲ የሱስ መርበቦም ንኺድርብዩ ዝሃቦም ትእዛዝ ስለ ዘኽበሩ ኣዝዩ ብዙሕ ፍረ ኺረኽቡ ዚኽእሉ: ‘ሰባት ኪገፉ’ ዝሃቦም ትእዛዝ ምኽባር እውን ብዙሕ በረኸት እዩ ኼምጽኣሎም። እቶም ሃዋርያት ብምሉእ እምነት ምላሽ ሃቡ። እቲ ጸብጻብ ከኣ “ጃላቡኦም ናብ ምድሪ ኣውጺኦም: ንዅሉ ሐዲጎም ሰዐብዎ” ብምባል ይዛዝም። (ሉቃስ 5:11) ኣብዚ ግዜና ንኻልኦት ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኺሳተፉ ኸነተባብዖም ከለና: ንየሱስ ክንመስሎ ኣሎና። ሰባት ብሃውሪ ዝበልናዮም ኪገብሩ ኣብ ክንዲ ምጽባይ: ትእዛዝ ክርስቶስ ኬኽብሩ ዚድርኾም ዜእምን ምኽንያት ንህቦም ኢና።

ዜእምን ምኽንያትን ቅኑዕ ድራኸን

7, 8. (ሀ) ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብርን ዚድርኸና እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ኣሎና፧ (ለ) ስብከትካ ኸይተቋርጽ ብፍላይ ዝደረኸትካ ጥቕሲ ኣየነይቲ እያ፧ (እግረ-ጽሑፍ እውን ርአ።)

7 ንስልጣን ክርስቶስ ኣፍልጦ ስለ እንህበሉ: ኣብቲ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ንሳተፍ ኢና። ነቶም ሰናይ ግብሪ ኺገብሩ እንደልዮም ሰባት: ነዚ ዕዮ እዚ እንፍጽመሉ እንታይ ካልእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ኢና ኽንነገሮም እንኽእል፧ ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ዚነብሩ እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሃብዎ ርእይቶ ርአ: ነቲ ንሓሳባቶም ዚድግፍ ኣብኡ ዘሎ ጥቕስታት እውን ኣንብቦ።

8 ብ1951 እተጠምቀ ሮይ ዚበሃል ሰብኣይ: “ህይወተይ ንየሆዋ ኽውፊ ኸለኹ: ኵሉ ሳዕ ከገልግሎ እየ ተመባጺዐ። ቃለይ ክሕሉ እደሊ እየ” በለ። (መዝሙር 50:14፣ ማቴዎስ 5:37) ብ1962 እተጠምቀት ሄዘር: “ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረለይ ክሓስበሉ ኸለኹ: ብተኣማንነት ብምግልጋል ሞሳይ ከርእዮ እደሊ እየ” በለት። (መዝሙር 9:1, 9-11፣ ቈሎሴ 3:15) ብ1954 እተጠምቀት ሃነሎሪ: “ኵሉ ሳዕ ናብ ኣገልግሎት ክንከይድ ከለና: መላእኽቲ ይድግፉና እዮም: እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ኽብሪ ዀን እዩ!” በለት። (ግብሪ ሃዋርያት 10:30-33፣ ራእይ 14:6, 7) ብ1969 እተጠምቀት ኣነር: “የሆዋ ዚፈርደላ ግዜ ምስ በጽሐት: ዋላ ሓደ ኻብ ጐረባብተይ ‘ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣይሰማዕኩን’ ብምባል ንየሆዋን ንመሰኻኽሩን ብሸለልትነት ኪኸሶም ኣይደልን እየ” በለት። (ህዝቅኤል 2:5፣ 3:17-19፣ ሮሜ 10:16, 18) ብ1974 እተጠምቀ ክላውድዮ ድማ “ክንሰብኽ ከለና: ኣብ ‘ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ’ ኴንና ኢና እንዛረብ። ሕስብ እሞ ነብሎ! ከነገልግል ከለና: ምስቶም ዝበለጹ ፈተውትና ኢና ዘሎና” በለ።—2 ቈረንቶስ 2:17 b

9. (ሀ) እቲ ጴጥሮስን ካልኦት ሃዋርያትን ዓሳ ኣብ ምግፋፍ ዜጋጠሞም ተመክሮ ዚገልጽ ጸብጻብ: ንክርስቶስ ክትእዘዞ ቕኑዕ ድራኸ ምሓዝ ከም ዜድሊ ዚገልጽ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብዚ ግዜና ንኣምላኽን ንክርስቶስን ክትእዘዞም ዚድርኸካ ቕኑዕ ድራኸ እንታይ ኪኸውን ኣለዎ: ስለምንታይከ፧

9 እቲ ብዛዕባ ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ እተገፈሉ ፍጻመ ዚገልጽ ጸብጻብ: ንክርስቶስ ካብ ቅኑዕ ድራኸ ተበጊስና ኽንእዘዞ ኸም ዚግባእ እውን ይሕብረና እዩ። ብፍቕሪ ኢና ኽንድረኽ ዘሎና። ጴጥሮስ “ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ: ካባይ ርሐቕ” ምስ በለ: የሱስ ካብኡ ኣይረሓቐን: ብዝዀነ ይኹን ሓጢኣት እውን ኣይኰነኖን። (ሉቃስ 5:8) ካብኡ ምእንቲ ኺርሕቕ ብምልማኑ እውን ኣይነቐፎን። የግዳስ: ብሕያውነት “ኣይትፍራህ” በሎ። ካብ ዘይጥዑይ ፍርሂ ተደሪኹ ንክርስቶስ እንተ ዚእዘዞ: ግጉይ ድራኸ ምዀነ። ኣብ ክንድኡስ: የሱስ ንጴጥሮስ ንሱን ብጾቱን ሰባት ኣብ ምግፋፍ ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዚህልዎም ገለጸ። ንሕናውን ንኻልኦት ሰባት ንክርስቶስ ምእንቲ ኺእዘዝዎ ኢልና ኣይነፈራርሆምን ኢና: ወይ ከኣ ዝበደሉን ዝዓገቡን ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ብምግባር ኣይነገድዶምን ኢና። ንኣምላኽን ንክርስቶስን ብዘለዎም ፍቕሪ ተደሪኾም ብምሉእ ነፍሶም ዚገብርዎ ተኣዛዝነት ጥራይ እዩ ንልቢ የሆዋ ዜሐጕሶ።—ማቴዎስ 22:37

‘ንዅሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም’

10. (ሀ) እቲ የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ ምግባር ዝሃቦ ትእዛዝ: ንደቀ መዛሙርቱ ኸቢድ ዕዮ ዝፈጠረሎም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ የሱስ ዝሃቦም ትእዛዝ ብኸመይ ተቐበልዎ፧

10 ምስቲ ክርስቶስ ዝሃቦ ትእዛዝ ብምትሕሓዝ እትለዓል ካልአይቲ ሕቶ: ‘እዚ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኣበይ እዩ ኺፍጸም ዘለዎ፧’ እትብል እያ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” በሎም። ቅድሚ እቲ የሱስ ኣገልግሎቱ ኣብ ምድሪ ዝፍጽመሉ ዝነበረ ግዜ: ካብ ኣህዛብ ንየሆዋ ኼገልግሉ ኢሎም ናብ እስራኤል እንተ መጺኦም ተቐባልነት ነበሮም። (1 ነገስት 8:41-43) የሱስ መብዛሕትኡ እዋን ነቶም ብስጋ ኣይሁድ እዩ ዚሰብከሎም ነይሩ: ድሕርዚ ግን ንሰዓብቱ ንዅሎም ኣህዛብ ኪሰብኩ ለኣኾም። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ደቀ መዛሙርቱ ዚገፉሉ ቦታ ወይ ዚስበኸሉ ዞባ ኸም ንእሽቶ “ራህያ” እኳ እንተ ነበረ: ማለት ኣብቶም ብስጋ ኣይሁድ ጥራይ እተሓጽረ እኳ እንተ ነበረ: ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን እቲ ዞባኦም ንብምሉኦም እቶም ከም “ባሕሪ” ዝዀኑ ደቅሰብ ዜጠቓልል ኰነ። እዚ ለውጢ እዚ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸቢድ ዕዮ እኳ እንተ ነበረ: ነቲ የሱስ ዝሃቦም መምርሒ ብፍታው ግን ተኣዘዝዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ የሱስ ድሕሪ ሙማቱ 30 ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ: ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ብስራት ንኣይሁድ ጥራይ ዘይኰነስ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ከም እተሰብከ ኺጽሕፍ ከኣለ።—ቈሎሴ 1:23

11. ካብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ኣትሒዙ ‘እንገፈሉ ቦታ’ ብኸመይ ሰፍሐ፧

11 ኣብዚ ቐረባ እዋን እውን ብተመሳሳሊ እንሰብከሉ ዞባ እናሰፍሐ ኸይዱ እዩ። ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን እቲ ‘ዚግፈፈሉ ቦታ’ ኣብ ሒደት ሃገራት እተደረተ ነበረ። ኰይኑ ግን: ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰዓብቲ ክርስቶስ ነቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝገደፍዎ ኣብነት ሰዓቡ: ነቲ ዚሰብኩሉ ዞባ ድማ ብትግሃት ኣስፍሕዎ። (ሮሜ 15:20) ኣብ መጀመርታ 1930ታት ኣብ ሚእቲ ኣቢለን ዝዀና ሃገራት ደቀ መዛሙርቲ ይገብሩ ነበሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ኣብ 235 ሃገራት ‘ንገፍፍ’ ኣሎና።—ማርቆስ 13:10

“ካብ ኵሉ ቛንቋታት”

12. እቲ ኣብ ዘካርያስ 8:23 ዚርከብ ትንቢት እንታይ ከቢድ ዕዮ እዩ ዜጕልሕ፧

12 ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ከቢድ ዚገብሮ ነገራት: ስፍሓት እቲ ዞባ ጥራይ ዘይኰነስ ብዙሕ ቋንቋታት ስለ ዘሎ እውን እዩ። የሆዋ ብነብዪ ዘካርያስ ኣቢሉ “በተን መዓልትታት እቲኣተን ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ ዝዀኑ ዓሰርተ ሰብ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዘፈር ክዳኑ ሒዞም: እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና: ኪብሉ እዮም” ኢሉ ተነበየ። (ዘካርያስ 8:23) እዚ ብዓብዪኡ ኣብ ዚፍጸመሉ ዘሎ እዋን: እቲ “ኣይሁዳዊ” ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት የመልክት: እቶም “ዓሰርተ ሰብ” ከኣ ነቶም “ብዙሓት ሰብ” የመልክቱ። c (ራእይ 7:9, 10፣ ገላትያ 6:16) እዞም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዝዀኑ ብዙሓት ሰብ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ይርከቡ: ከምቲ ዘካርያስ ዝጠቐሶ ድማ ብዙሕ ቋንቋታት እዮም ዚዛረቡ። ዘመናዊ ታሪኽ ህዝቢ ኣምላኽ ነዚ መዳይ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ እዚ ዜንጸባርቕ ድዩ፧ እወ: የንጸባርቕ እዩ።

13. (ሀ) ንቛንቋታት ብዚምልከት ኣብዞም ዘመናውያን ህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ለውጢ እዩ ተራእዩ፧ (ለ) እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ብእተፈላለየ ቛንቋታት መንፈሳዊ ምግቢ ምድላው ብዝያዳ ኣድላዪ እናዀነ ብምኻዱ እንታይ ገበረ፧ (ካብታ “ንዓይነ-ስዉራን ዚኸውን ጽሑፋት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ጥቐስ።)

13 ብ1950 ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 3 ካብ 5 ዚዀኑ እንግሊዝኛ ዝቛንቋኦም ነበሩ። ብ1980 እቲ መጠነ-ዝምድና ናብ 2 ካብ 5 ኣቢሉ ወረደ: ሎሚ ኸኣ 1 ካብ 5 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዩ እንግሊዝኛ ዝቛንቋኡ። እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ነዚ ኣብ ቋንቋ እተራእየ ለውጢ ኣብ ግምት ብምእታው እንታይ ስጕምቲ ወሰደ፧ ነቲ መንፈሳዊ ምግቢ ብተወሳኺ ቛንቋታት ኬዳሉ ጀመረ። (ማቴዎስ 24:45) ንኣብነት: ብ1950 ጽሑፋትና ብ90 ቛንቋታት ይሕተም ነበረ: ኣብዚ ግዜና ግን ብ400 ዚኸውን ቋንቋታት ይዳሎ ኣሎ። እዚ እተፈላለየ ቛንቋታት ንዚዛረቡ ጕጅለታት እተገብረ ተወሳኺ ቘላሕታ ፍረ ኣፍርዩዶ፧ እወ! ብገምጋም ኣብ ሰሰሙን “ካብ ብዘሎ ቛንቋታት” እተኣከቡ 5,000 ዝዀኑ ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ይዀኑ ኣለዉ! (ራእይ 7:9) እዚ ወሰኽ ከኣ ቀጻሊ እዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት እቲ “መርበብ” ብዙሕ ይገፍፍ ኣሎ!—ሉቃስ 5:6፣ ዮሃንስ 21:6

ኣብቲ ዕግበት ዜምጽእ ኣገልግሎት ክትሳተፍ ትኽእልዶ፧

14. ነቶም ኣብ ዞባና ዚርከቡ ናይ ወጻኢ ቛንቋ ዚዛረቡ ሰባት ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ (ካብታ “ብናይ ምልክት ቋንቋ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር” ዘርእስታ ሳጹን እውን ጥቐስ።)

14 ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ሓያሎ ምዕራባውያን ሃገራት ተሰዲዶም ብምኻዶም: ክርስትያናት ገና ኣብ ውሽጢ ዓዶም ከለዉ ኻብ ‘ኵሎም ቋንቋታት’ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ብርቱዕ ዕዮ ፈጢሩሎም ኣሎ። (ራእይ 14:6) ነቶም ኣብ ዞባና ዚርከቡ ኻልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንዖኦም ዚኸውን መግፈፊ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ብቛንቋኦም ጽሑፋት ኣበርክተሎም። ዚከኣል እንተደኣ ዀይኑ: ቋንቋኦም ዚዛረብ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዚበጽሖም ግበር። (ግብሪ ሃዋርያት 22:2) ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንወጻእተኛታት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ምእንቲ ኺሕግዝዎም ኢሎም ናይ ወጻኢ ቛንቋ ስለ እተማህሩ: ነዚ ምድላዋት እዚ ምግባር ካብ ቀደም ሕጂ ይቐልል። በዚ ኸምዚ ሓገዝ ምሃብ ዕግበት ዜምጽእ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብር።

15, 16. (ሀ) ነቶም ናይ ወጻኢ ቛንቋ ዚዛረቡ ምሕጋዝ ዕግበት ዜምጽእ ምዃኑ ዜርኢ እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧ (ለ) ኣብ ናይ ወጻኢ ቛንቋ ዚዝረበሉ ዞባ ብዛዕባ ምግልጋል ነየናይ ሕቶታት ክንሓስበሉ ንኽእል፧

15 ካብ ነዘርላንድስ እተረኽበ ኽልተ ተመክሮታት እስከ ንርአ። ኣብታ ሃገር እቲኣ ብ34 ቋንቋታት ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብእተወደበ መልክዕ ይካየድ ኣሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ብወለንታ ናብቶም ቋንቋ ፖላንድ ዚዛረቡ ስደተኛታት ከይዶም ደቀ መዛሙርቲ ኪገብሩ ወሰኑ። እቲ ፍረ ኣዝዩ ብዙሕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: እቲ ሰብኣይ ነቲ ዓለማዊ ስርሑ ብምንካይ: ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሓሎም ዘኽእሎ ተወሳኺ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሰሙን ናጻ ገበረ። ነዊሕ ከይጸንሑ እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ኣብ ሰሰሙን ልዕሊ 20 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑ ጀመሩ። “ኣገልግሎትና ብዙሕ እዩ ዜሐጕሰና” ድማ በሉ። እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ብቛንቋኦም ዚሰምዑ ሰባት ሞሳኦም ኪገልጹ ኸለዉ እሞ ኸኣ: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዚገብሩ ይሕጐሱ እዮም። ንኣብነት: ብቛንቋ ቬትናም ኣብ እተገብረ ኣኼባ: ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ተንሲኡ: ኪዛረብ ኪፍቀደሉ ሓተተ። ኣዒንቱ ንብዓት ቅጽርጽር እናበሎ: ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ነዚ ኣጸጋሚ ቛንቋይ ክትፈልጡ ጻዕሪ ትገብሩ ብምህላውኩም ከመስግነኩም እፈቱ። ኣብ እርጋነይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ዜደንቕ ነገራት ክመሃር ብምኽኣለይ ኣዝየ እየ ዘማስወሉ” በሎም።

16 እቶም ናይ ወጻኢ ቛንቋ ኣብ ዚጥቀማ ጉባኤታት ዜገልግሉ: ብዕዮኦም ብዙሕ ዕግበት እንተ ተሰምዖም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ኣብ ብሪጣንያ ዚነብሩ ሰብ ሓዳር: “ብናይ ወጻኢ ቛንቋ ምግልጋል ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዚምስጥ ክፋል እቲ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ዘሕለፍናዮ 40 ዓመት እዩ” በሉ። እሞኸ ኣብዚ ዜነቓቕሕ ኣገልግሎት እዚ ንምስታፍ ኵነታትካ ኸተተዓራሪ ትኽእልዶ፧ ገና ትምህርቲ ዘይወዳእካ እንተደኣ ዄንካ: ነዚ ዓይነት ኣገልግሎት እዚ ምእንቲ ኽትዳሎ ናይ ወጻኢ ቛንቋ ኽትመሃር ትኽእልዶ፧ ከምዚ ምግባርካ ናብ ብዙሕ በረኸት ዘለዎን ዕግበት ዜምጽእን ናብራ ኺመርሓካ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 10:22) ነዚ ንምንታይ ምስ ወለድኻ ዘይትመያየጠሉ፧

ሜላታትና ምቅይያር

17. ኣብ ናይ ጉባኤና ዞባ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብዙሓት ሰባት ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 መብዛሕትና “መርበብና” ኣብ ናይ ወጻኢ ቛንቋ ዞባ ንኽንድርቢ ዅነታትና ኸም ዘየፍቅደልና ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ናይ ጉባኤና ዞባ እውን ካብዚ ሕጂ እንረኽቦም ዘሎና ሰባት ዝያዳ ኽንረክብ ንኽእል ንኸውን። ብኸመይ፧ ነቲ መልእኽቲ ኸይቀየርና: ሜላታትና እናቐየያርና ብምስባኽ ኢና ነዚ እንገብሮ። ኣብ መብዛሕትኡ ኸባቢ ኣብ ብርቱዕ ሓለዋ ዚግበረሉ ህንጻታት ዚነብሩ ሰባት እናበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ። ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከለና እውን ንሓያሎ ሰባት ኣይንረኽቦምን ኢና። ስለዚ: ኣብ ካልእ እዋንን ቦታን “መርበብና” ኽንድርቢ የድልየና ይኸውን። በዚ ኸምዚ ንየሱስ ንመስሎ። ከመይሲ: ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ንሰባት ኪዛረቦም ዜኽእሎ መገድታት የናዲ ነበረ።—ማቴዎስ 9:9፣ ሉቃስ 19:1-10፣ ዮሃንስ 4:6-15

18. ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ምምስካር ፍረ ዘለዎ ዀይኑ እተረኽበ ብኸመይ እዩ፧ (ካብታ “ኣብ ስራሕ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር” ዘርእስታ ሳጹን እውን ጥቐስ።)

18 ኣብ ገሊኡ ኽፍልታት ዓለም: ኣብቲ ሰባት ዚርከቡሉ ቦታ ምስባኽ ሓደ ኻብቲ ደቀ መዛሙርቲ እትገብረሉ ኣገዳሲ መገድታት እዩ። ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ተመክሮ ዘለዎም ሰበኽቲ: ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ምምስካር ብዝያዳ የተኵሩሉ ኣለዉ። ኣስፋሕቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚገብርዎ ኣገልግሎት: ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ: ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት: ኣብ ድኳናት: ኣብ ደው መበሊ መኻይን: ኣብ ደው መበሊ ኣውቶቡስ: ኣብ መገዲ: ኣብ መናፈሻ: ኣብ ገማግም ባሕሪ: ከምኡውን ኣብ ካልእ ቦታታት ይሰብኩ እዮም። ካብቶም ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሃዋይ እተጠምቁ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብዙሓት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታታት እዮም ንመጀመርታ ግዜ ሓቂ ሰሚዖም። ሜላታትና ምቅይያር ነቲ የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ዝሃበና ትእዛዝ ምሉእ ብምሉእ ንኽንፍጽሞ የኽእለና።—1 ቈረንቶስ 9:22, 23

19. ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሃበና መዝነት ብዚምልከት እንታይ ነጥብታት ኢና ኽንመያየጠሉ፧

19 የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ዝሃበና ትእዛዝ ነዚ ዕዮ እዚ ስለምንታይን ኣበይን ከም እንፍጽሞ ጥራይ ዘይኰነስ: እንታይ ከም እንሰብኽን ክሳዕ መዓስ ክንሰብኽ ከም ዘሎናን እውን ይገልጽ እዩ። እዘን ኣብቲ የሱስ ዝሃበና ትእዛዝ ዚርከባ ኽልተ ነጥብታት ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንርእየን ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነተን ናይ መጀመርታ ኽልተ ሕቶታት ኢና ኽንመያየጠለን። ነተን ዝተረፋ ኽልተ ሕቶታት ከኣ ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንመያየጠለን ኢና።

b ክንሰብኽ ዚድርኸና ተወሳኺ ምኽንያታት ኣብ ምሳሌ 10:5፣ ኣሞጽ 3:8፣ ማቴዎስ 24:42፣ ማርቆስ 12:17፣ ሮሜ 1:14, 15 ይርከብ።

c ብዛዕባ ፍጻመ እዚ ትንቢት እዚ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተደኣ ደሊኻ: ነተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ ናይ 15 ግንቦት 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 12 ከምኡውን ኣይዛያስ ፕሮፌሲ—ላይት ፎር ኦል ማንካይንድ 2ይ ጥራዝ: ገጽ 408 (እንግሊዝኛ) ተወከስ።

ትዝክሮዶ፧

• ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ እንሳተፍ ስለምንታይን ብምንታይ ተደሪኽናን ኢና፧

• ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ የሱስ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ ዝሃቦም መዝነት ክሳዕ ክንደይ እዮም ዚፍጽምዎ ዘለዉ፧

• ‘እንገፈሉ ሜላ’ ክንቀያይር እንኽእል ብኸመይ ኢና: ከምኡ ኽንገብር ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ንዓይነ-ስዉራን ዚኸውን ጽሑፋት

ኣልበርት ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ዓይነ-ስዉር ኰይኑ ክርስትያን ሽማግለን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋልን እዩ። ብብረይል እተዳለወ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ኣብ ኣገልግሎቱን ከም ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ መጠን ኣብ ዚፍጽሞ ንጥፈታትን ውጽኢታዊ ንኪኸውን ብዙሕ እዩ ዚጠቕሞ። ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘለዎ ሓላፍነት ብኸመይ እዩ ዚፍጽሞ፧

እቲ ኣብታ ጉባኤ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ዀይኑ ዜገልግል ጄምስ: “ኣብ ጉባኤና ኻብ ኣልበርት ዚነፍዕ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ኣይረኸብናን” በለ። ኣልበርት ሓደ ኻብቶም ንሓያሎ ዓመታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረት ጽሑፋት ብናይ እንግሊዝኛን ስጳንኛን ብረይል ዚበጽሖም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከቡ 5,000 ኣቢሎም ዝዀኑ ዓይነ-ስዉራን እዩ። ካብ 1912 ንነጀው እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ እተፈላለየ ዓይነት ጽሑፋት ብብረይል ኣዳልዩ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዘሎ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም: ብልዕሊ ዓሰርተ ቛንቋ እተፈላለየ ጽሑፋት ብብረይል የዳልዉ: ካብ 70 ናብ ዚበዝሓ ሃገራት ድማ ይልእኽዎ ኣለዉ። ካብቲ ንዓይነ-ስዉራን እተዳለወ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፍ ኪጥቀም ዚኽእል ሰብ ትፈልጥዶ፧

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ብናይ ምልክት ቋንቋ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዉ ሓያሎ ቐናኣት መንእሰያት ዚርከብዎም በሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንጽሙማን ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ንምሕጋዝ ምልክት ቋንቋ ተማሂሮም ኣለዉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ኣብ ብራዚል ጥራይ ኣብዚ ቐረባ እዋን 63 ጽሙማን ተጠሚቖም: 35 ጽሙማን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 1,200 ናይ ምልክት ቋንቋ ጉባኤታትን ጕጅለታትን ኣለዋ። እቲ ኣብ ሩስያ ዚርከብ ሓደ ናይ ምልክት ቋንቋ ወረዳ: ንብምልእታ ሩስያ ስለ ዚሽፍን ብስፍሓቱ ኻብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ወረዳ እዩ።

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሳጹን]

ኣብ ስራሕ ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

ሓንቲ ኣብ ሃዋይ እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት እናኸደት ንሰራሕተኛታት ክትበጽሖም ከላ: ንሓደ ኣብ ትካል መጐዓዝያ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብኣይ ረኸበቶ። እቲ ሰብኣይ ብስራሕ እተዋጠረ እኳ እንተዀነ: ኣብ ቤት ጽሕፈቱ 30 ደቒቕ ኣብ ሰሙን መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ተሰማምዐ። ረቡዕ ረቡዕ ንግሆ: እተደወለሉ ተሌፎን ንሰራሕተኛታቱ ኪቕበሉሉ ነጊሩ ምሉእ ኣቓልቦኡ ኣብቲ መጽናዕቲ እዩ ዚገብር። ካልእ ኣብ ሃዋይ እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ምስ ሓንቲ ወናኒት ሳእኒ ዚዕረየሉ ትካል መጽናዕቲ ትገብር። ነቲ መጽናዕቲ ኣብቲ ባንኮ ዀይነን እየን ዚገብራኦ። ሰብ ኪመጽእ ከሎ: እታ ናይ የሆዋ ምስክር እልይ ትብል። እቲ ሰብ ምስ ከደ ኸኣ መጽናዕተን ይቕጽላ።

እቲ ሓላፊን እታ ወናኒት እንዳ ሳእንን ኪርከቡ እተኻእሉ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እተፈላለየ ቦታታት “መርበቦም” ኪድርብዩ ተበግሶ ብምዉሳዶም እዩ። ኣብ ናይ ጉባኤኻ ዞባ ኣብ ቤቶም ብቐሊሉ ንዘይርከቡ ሰባት ኣብ ካልእ ቦታ ኽትረኽበሉ እትኽእል መገዲ ኽትሓስብ ትኽእልዶ፧

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ናይ ወጻኢ ቛንቋ ዞባ ኸተገልግል ትኽእልዶ፧