ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዜጕሂ ነገራት እኳ እንተ ኣጋጠመኒ: ዜሐጕስ ህይወት ኣሕለፍኩ

ዜጕሂ ነገራት እኳ እንተ ኣጋጠመኒ: ዜሐጕስ ህይወት ኣሕለፍኩ

ታሪኽ ህይወት

ዜጕሂ ነገራት እኳ እንተ ኣጋጠመኒ: ዜሐጕስ ህይወት ኣሕለፍኩ

ኦድሪ ሃይድ ዘዘንተወቶ

ነቲ 59 ዓመት ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብጠቕላላ ኸኣ ልዕሊ 63 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘሕለፍክዎ እዋን ምልስ ኢለ ኽርእዮ ኸለኹ: ዜሐጕስ ህይወት እየ ኣሕሊፈ ኽብል እኽእል እየ። ልክዕ እዩ: እቲ ቐዳማይ ሰብኣየይ ብሕማም መንሽሮ እናተሳቐየ ሙማቱ: እቲ ኻልኣይ ሰብኣየይ ከኣ ብሰንኪ ሕማም ኣልዛይመርስ ኪሳቐ ምርኣየይ ብዙሕ እዩ ኣጕሂዩኒ። እንተዀነ ግን: ዜጕሂ ነገራት እኳ እንተ ኣጋጠመኒ: ብኸመይ ሓጐሰይ ከም ዘየጥፋእኩ ኸዘንትወልኩም።

እዋን ቍልዕነተይ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኮሎራዶ: ጥቓ ነብራስካ: ካብታ ሃክስተን እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ሕርሻ እየ ኣሕሊፈዮ። ካብቶም ኦረል ሞክን ኒና ሞክን ዚበሃሉ ወለደይ ዝወለድዎም ሽዱሽተ ቘልዑ: እታ ሓምሸይቲ እየ። ራስል: ወይን: ክላራ: ኣርደስ ካብ 1913 ክሳዕ 1920 ኣብ ዘሎ ዓመታት ኪውለዱ ኸለዉ: ኣነ ድማ ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ተወለድኩ። ከርተስ ከኣ ብ1925 ተወልደ።

ብ1913 ኣደይ ኣባል እቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰነት። በብቕሩብ ከኣ ኵልና ኣባላት ስድራቤታ ሰዓብናያ።

ኣብ ጐላጕል ዘሕለፍናዮ ጽቡቕ ህይወት

ኣቦይ ሓድሽ ነገራት ዚፈቱ ሰብ እዩ ነይሩ። ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ሕርሻና ዚርከብ ህንጻታት ናይ ኤለክትሪክ መብራህቲ ነበረና: እዚ ድማ በቲ ግዜ እቲ ብዙሓት ዘይገብርዎ እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ካብቲ ልሙድ ውጽኢት ሕርሻና: ማለት ደርሁና ዝወለድኦ እንቋቝሖ ኸምኡውን ካብ ላማትና እንረኽቦ ጸባን ክሬምን ጠስምን ንጥቀም ነበርና። ንማሕረስ ኣፍራስ ንጥቀም: ፍራውላ: ድንሽ: ስርናይ: ዕፉን ከኣ ነእቱ ነበርና።

ኣቦይ ኵላትና ደቁ ስራሕ ክንመሃር ከም ዘለና ይኣምን ነበረ። ኣነ ትምህርቲ ቕድሚ ምእታወይ እውን ከይተረፈ: ኣብ ግራት ኬድካ ምዕያይ ለሚደ ነበርኩ። ኣብ እዋን ክረምቲ መራር ጸሓይ ከላ: ጻህያይ ንምጥፋእ ብጭዃሮ ገይረ ክዅዕት ትዝ ይብለኒ። ‘ኣታ እዚ ዅሉስ መዓስ እየ ዝውድኦ፧’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ። ኣካላተይ ብረሃጽ ይሕጸብ: ኣናህብ እውን ይነኽሱኒ ነበሩ። ሓድሓደ ግዜ ኻልኦት ቈልዑ ኸማና ብዙሕ ስለ ዘይዓዩ: ብዅነታተይ እበሳጮ ነበርኩ። ሕጂ ንድሕሪት ምልስ ኢለ ንቝልዕነተይ ክርእዮ ኸለኹ ግን: ስራሕ ከም እንለምድ ስለ እተገበርና አማስወሉ እየ።

ኵላትና ሰስራሕና ነበረና። ኣርደስ ካባይ ብዝሓሸ መገዲ ጸባ ኽትሓልብ ስለ እትኽእል: ንዓይ ነቲ ደምበ ኣፍራስ ምጽራይን ፋንድያኦም ምጽራግን እዩ ተዋሂቡኒ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እተፈላለየ ጸወታ ንጻወት ብምንባርና ንዘናጋዕ እውን ነበርና። ኣነን ኣርደስን ነቲ ኣብ ከባቢና ዚርከብ ጋንታ: ጸወታ ዅዕሶ ንጻወት ነበርና።

ኣብቲ ብሳዕሪ እተሸፈነ ጐላጕል: ለይቲ እቲ ሰማይ ኣዝዩ ውቁብ ይኸውን ነበረ። እቲ በሽሓት ዚቝጸር ከዋኽብቲ ንፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ እዩ ዜዘክረኒ ነይሩ። ቈልዓ ኸለኹ እውን እንተዀነ: ብዛዕባ እታ “[የሆዋ] ቍጽሪ ኸዋኽብቲ ይቘጽር: ንዅላቶም በብስሞም ይሰምዮም” እትብል መዝሙር 147:4 እሓስብ ነበርኩ። እዚ ኸዋኽብቲ ጫሕ ኢሉ ኣብ ዝረኣየሉ ለይቲ ኣብ ደገ ኾፍ ክብል ከለኹ: ጃጅ ዚበሃል ከልብና ምሳይ ኮፍ ኢሉ ርእሱ ኣብ ሕቝፈይ የጸግዖ ነበረ። ድሕሪ ቐትሪ ኸኣ ኣብ ገበላና ኾፍ ኢለ: ነቲ ሓምላይ ስርናይ ሰሰው ኪብል ከሎ እሞ ብብርሃን ጸሓይ ኬንጸባርቕ ከሎ ብኣድንቖት እዕዘብ ነበርኩ።

ኣደይ ዝገደፈትልና ሰናይ ኣብነት

ኣደይ ፈቃር ሰበይቲ እያ ነይራ። ኣብ ቤትና ኣቦይ እዩ ርእሲ እታ ስድራቤት ነይሩ: ኣደይ ከኣ ከነኽብሮ ትምህረና ነበረት። ብ1939 ንሱውን ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ። ብርቱዕ ዕዮ ዘዕይየናን ቀበጥበጥ ዘየብለናን እኳ እንተ ነበረ: ከም ዜፍቅረና ንፈልጥ ነበርና። ኣብ ቈራሪ ወርሓት ኣብ ኣፍራስ ጽዒኑ ብበረድ ሸተት እናበለት ብእትኸይድ ሰረገላ ገይሩ ይወስደና ነበረ። እቲ በረድ ኬብለጭልጭ ከሎ ባህ እዩ ዚብለና ነይሩ!

ይኹን እምበር: ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮን ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም እነኽብሮን ገይራ ዘዕበየትና ኣዴና እያ። ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ: ምንጪ ህይወት ድማ ከም ዝዀነ ተመሃርና። (መዝሙር 36:9፣ 83:18 NW) ሓጐስና ኼጥፍኣልና ኢሉ ዘይኰነስ: ኪጠቕመና ኢሉ መምርሒታት ከም ዚሃበና እውን ተመሃርና። (ኢሳይያስ 48:17) ኣደይ ክንዓዮ ዚግባእ ፍሉይ ዕዮ ኸም ዘሎና ተዘኻኽረና ነበረት። የሱስ ንሰዓብቱ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ኢሉ ኸም እተዛረቦም ተመሃርና።—ማቴዎስ 24:14

ንእሽቶ ኸለኹ ኻብ ትምህርቲ ናብ ቤት እመጽእ እሞ: ኣደይ ኣብ ገዛ ምስ ዘይትጸንሓኒ: ከናድያ እኸይድ ነበርኩ። ጓል ሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ ዓመት ኣቢለ ኸለኹ: ሓደ እዋን ከናድያ ኸድኩ እሞ ኣብ ሪቕ ረኸብክዋ። ኣብኡ ኸለና ብርቱዕ ዝናም ኪዘንም ጀመረ። ኣብቲ እዋን እቲ ሓሰር ተኸዚኑሉ ኣብ ዝነበረ ቦታ ነበርና: ኣምላኽ እንደገና ማይ ኣይሂ የምጽእ እንተልዩ ድማ ሓተትክዋ። ንሳ ድማ ኣምላኽ ንምድሪ ደጊም ብማይ ከም ዘየጥፍኣ መብጽዓ ኸም ዝኣተወ ብምግላጽ ኣረጋገጸትለይ። ብዙሕ ግዜ ህቦብላ ይመጽእ ብምንባሩ እውን ናብቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዚርከብ መዕቀሊ ኽሃድም ትዝ ይብለኒ።

ኣደይ ንዓይ ቅድሚ ምውላዳ እውን ከይተረፈ: ኣብ ስብከት ትሳተፍ ነበረት። ኣብ ቤትና ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ናይ ምግዛእ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ይእከቡ ነበሩ። ካብ ቤት ናብ ቤት ምስባኽ ነደይ ይኸብዳ እኳ እንተ ነበረ: ፍቕሪ ኣምላኽ ነቲ ፍርሃ ንኸተሰንፎ ሓገዛ። ክሳዕ እታ ብ24 ሕዳር 1969 ኣብ 84 ዓመት ዕድሜኣ ዝሞተትላ ዕለት እምንቲ ነበረት። ኣብቲ ግዜ እቲ ናብ እዝና ቐሪበ: “ኣደይ ናብ ሰማይ ኬድኪ ምስቶም እትፈልጥዮም ክትራኸቢ ኢኺ” ኢለ ሕሹዅ በልክዋ። ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ኣደይ ክኸውንን ኣብኣ ዝነበረኒ ምትእምማን ክነግራን ምኽኣለይ ብዙሕ እየ ተሓጒሰ። ንሳውን ብልኡም ቃላት “ብዙሕ ኢኺ ጠቒምክኒ” በለትኒ።

ክንሰብኽ ጀመርና

ብ1939 ራስል ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጸዋውዓ ፓይነር: ማለት ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊ ዀነ። ብ1944 ናብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ዚርከብ ቤትኤል ዚበሃል ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪኣቱ ጻውዒት ክሳዕ ዚቐረበሉ እዋን ኣብ ኦክልሃማን ነብራስካን ፓይነር ኰይኑ የገልግል ነበረ። ኣነ ኸኣ ብ20 መስከረም 1941 ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ: ኣብ ኮሎራዶን ካንሳስን ነብራስካን ዚርከብ እተፈላለየ ቦታታት ድማ ኣገልገልኩ። እተን ፓይነር ኰይነ ዘሕለፍክወን ዓመታት: ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኺመሃሩ ብምሕጋዘይ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣነ ንባዕለይ እውን ኣብኡ ኽውከል ስለ እተመሃርኩ ሓጐስ ዝመልአን ዓመታት እየን ነይረን።

ራስል ፓይነር ኰይኑ ኼገልግል ኣብ ዝጀመረሉ እዋን: ወይን ንእተወሰነ እዋን ዓለማዊ ስራሕ ድሕሪ ምስራሕ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣመሪካ ኣብ ዚርከብ ኮለጅ ኣተወ። ጸኒሑ ንሱውን ናብ ቤትኤል ኪኣቱ ጻውዒት ቀረበሉ። ንእተወሰነ እዋን ኣብቲ ኣብ ኢተካ: ኒው ዮርክ: ዚርከብ ሕርሻ መንግስቲ ኣምላኽ ኣገልገለ። ኣብቲ ሕርሻ እቲ ነቶም ኣብኡ ዜገልግሉን ነቶም ኣብ ብሩክሊን ቤትኤል ዜገልግሉ 200 ኣቢሎም ዝዀኑ ሰራሕተኛታትን ዚኸውን ምግቢ የፍርዩ ነበሩ። ወይን ብ1988 ክሳዕ ዚመውት ክእለቱን ተመክሮኡን ነገልግሎት የሆዋ ኣውዓሎ።

ኣርደስ ሓብተይ ጄምስ ከርን ዚበሃል ሰብኣይ ተመርዓወት: ሓሙሽተ ውሉዳት ከኣ ወለዱ። ንሳውን ብ1997 ሞተት። እታ ክላራ እትበሃል ካልእ ሓብተይ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚ ንየሆዋ እምንቲ ዀይና ኣላ: ዕረፍቲ ኽረክብ ከለኹ ኸኣ ኣብ ኮሎራዶ ኣብ ዚርከብ ቤታ ኸይደ እበጽሓ እየ። እቲ ከርተስ ዚበሃል ሕሳስ-ልደ ሓውና: ኣብ መፋርቕ 40ታት ናብቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቤትኤል ኣተወ። እተፈላለየ ኣቝሑን ፍርያትን ዝጸዓነት ማኪና ሒዙ ናብ ሕርሻ መንግስቲ ኣምላኽ ይመላለስ ነበረ። ብ1971 ክሳዕ ዚመውት ከኣ ኣይተመርዓወን።

ኣብ ቤትኤል ንኸገልግል ዝነበረኒ ባህጊ

እቶም ዓበይቲ ኣሕዋተይ ቅድመይ እዮም ቤትኤል ኣትዮም: ኣነውን ኣብኡ ንምግልጋል ባህጊ ሓደረኒ። ናብ ቤትኤል ክኣቱ መገዲ ዝኸፈተለይ እቲ ጽቡቕ ኣብነቶም ምዃኑ ርግጸኛ እየ። ኣደይ ብዛዕባ ማሕበር የሆዋ ኽትዛረብ እሰምዓ ምንባረይን ብዛዕባ እተን ዳሕሮት መዓልትታት ዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትንቢት ኪፍጸም ብምርኣየይን ኣብ ቤትኤል ከገልግል ባህጊ ሓደረኒ። የሆዋ ኣብ ቤትኤል ክኣቱ እንተደኣ ፈቒዱለይ: ክርስትያናዊ ሓላፍነት ከኣ እንተ ዘየገዲዱኒ ኸቶ ኸም ዘይወጽእ ተመባጻዕኩሉ።

ብ20 ሰነ 1945 ናብ ቤትኤል ኣተኹ: ቤት ከጸራሪ ድማ ተመደብኩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ 13 ኽፍልታት ከጽሪ: 26 ዓራውቲ ኸንጽፍ: ኮሪደርን መደያይቦን መሳዅትን ድማ ከጸራሪ ነበረኒ። እቲ ዕዮ ኸቢድ እዩ ነይሩ። መዓልታዊ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን ንርእሰይ ‘ደኺምኪ እኳ እንተሎኺ: ኣብ ቤት ኣምላኽ: ኣብ ቤትኤል ኢኺ ዘሎኺ’ እብላ ነበርኩ።

ኣብ ቤትኤል ኣብ ዝኣተኹሉ እዋን: ሓደ ዜሕፍር ነገር ኣጋጢሙኒ እዩ። ኣብ ገጠር ስለ ዝዓበኹ: ዳምብወይተር ኪበሃል ከሎ ኻብ ሓደ ደርቢ ናብ ካልእ ደርቢ ኣቕሑ ሒዛ እተመላለስ መሳርሒት ምዃና ኣይፈለጥኩን ነይረ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብ ደዊሉ “ዳምብወይተር ግዳ ስደድለይ” ኢሉ ድሕሪ ምሕታት: ብኡንብኡ ነታ ተሌፎን ስለ ዝዓጸዋ: ዝገብሮ ጠፍኣኒ። ድሕሪኡ ግን ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ኣነ ዘጸራርየሉ ኽፍልታት ዚነብር ሓው ወይተር (ኣሳሳዪ) ኰይኑ ኸም ዚዓዪ ትዝ በለኒ። ስለዚ: ናብ ክፍሉ ኸይደ ብምዅሕኳሕ: “ኣብ ክሽነ ይደልዩኻ ኣለዉ” በልክዎ።

ንናታን ኖር ምምርዓው

ካብ 1920ታት ኣትሒዙ ቤትኤላውያን ኪምርዓዉ ምስ ዚደልዩ: ካብ ቤትኤል ወጺኦም ኣብ ካልእ መዳይ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ኬገልግሉ ነበሮም። ኣብ መጀመርታ 1950ታት ግን እተወሰኑ ኣብ ቤትኤል ዜገልገሉ ሰባት ተመርዕዮም ኣብ ቤትኤል ኪቕጽሉ ተፈቕደሎም። ስለዚ: እቲ ሽዑ ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምእላይ ሓላፍነት ዝነበሮ ናታን ኤች. ኖር ንሓዳር ኪጥምተኒ ምስ ጀመረ: ‘ኣብ ቤትኤል ኪጸንሕ ዚፍቀደሉ ሰብ እባ ተረኽበ!’ ኢለ ሓሰብኩ።

ናታን ነቲ ዓለምለኻዊ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ምእላይ ከቢድ ሓላፍነት ነበሮ። ስለዚ: ክምርዓዎ ንዘቕረበለይ ሕቶ ቕድሚ ምቕባለይ ተጠንቂቐ ኽሓስበሉ ዘሎኒ ብዙሕ ነገራት ከይሓባብአ ነገረኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከብ ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪበጽሕ ብዙሕ ሳዕ ይገይሽ ስለ ዝነበረ: መብዛሕትኡ ግዜ ንሰሙናት ኣብ ካልእ ዓዲ እናኸደ የሕልፎ ነበረ። ስለዚ: ንነዊሕ እዋን ዘይንራኸበሉ እዋን ኪህሉ ምዃኑ ገለጸለይ።

ንእሽቶ ኸለኹ: ኣብ ጽድያ ድሕሪ ምምርዓው ኣብተን ኣብ ፓስፊክ ዚርከባ ደሴታት ሃዋይ ሕጽኖተይ ከሕልፍ እየ ዝምነ ነይረ። እንተዀነ ግን: ኣብ ሓጋይ ብ31 ጥሪ 1953 ምስ ተመርዓና: ሽዓ ቐዳም ድሕሪ ቐትርን ሰንበትን ኣብ ኒው ጀርሲ ተሓጸንና። ሰኑይ ከኣ ስራሕና ኣተና። ኰይኑ ግን: ሰሙን ጸኒሕና ንሓደ ሰሙን ዚኸውን ክንሕጸን ከድና።

ህርኩት ብጻይ

ናታን ብ1923 ናብ ቤትኤል ኪኣቱ ኸሎ ወዲ 18 ዓመት እዩ ነይሩ። ካብቶም ቀዳሞት ኣሕዋት እውን ጽቡቕ ስልጠና ወሲዱ እዩ። ገለ ኻባታቶም እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዚፍጽምዎ ዕዮ ዚኣሊ ዝነበረ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ከምኡውን ኣካያዲ ሕትመት ዝነበረ ሮበርት ጀይ. ማርቲን ኪጥቀሱ ይከኣሉ። ኣብ መስከረም 1932 ሓው ማርቲን ምስ ሞተ: ናታን ኣካያዲ ሕትመት ኰነ። ንዓመታኡ ሓው ራዘርፎርድ ንናታን ተማሊኡ ኣብ ኣውሮጳ ዚርከባ ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር በጽሐ። ኣብ ጥሪ 1942 ሓው ራዘርፎርድ ምስ ሞተ: ናታን ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ምእላይ ሓላፍነት ተዋህቦ።

ናታን ኣርሒቑ ዚርእን ብዛዕባ መጻኢ ዕቤት መደብ ዜውጽእን ሰብ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ኣዝዩ ቐሪቡ እዩ ዚብል ኣረኣእያ ስለ ዝነበረ: ገለ ክርስትያናት ነዚ ኸም ዘይግቡእ ገይሮም ወሰድዎ። አረ ሓደ ንመደባት ናታን ዝረኣየ እሞ ኸኣ “ሓው ኖር እዚ እንታይ እዩ፧ እምነትዶ የብልካን እዩ፧” ኢሉ ተዛሪብዎ እዩ። ንሱ ድማ “እምነትስ ኣሎኒ: መወዳእታ ኸምቲ እተጸበናዮ ቐልጢፉ እንተ ዘይመጺኡ ግን ተዳሊና ንጸንሕ” ኢሉ መለሰሉ።

ሓደ ኻብቲ ናታን ብፍላይ ዚኣምነሉ ዝነበረ ነገር ንሚስዮናውያን ዚኸውን ቤት ትምህርቲ ምምስራት እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ 1 ለካቲት 1943 ኣብቲ ወይን ሓወይ ዜገልግለሉ ዝነበረ ዓብዪ ሕርሻ ንሚስዮናውያን ዚኸውን ቤት ትምህርቲ ተጀመረ። እቲ ትምህርቲ ንሓሙሽተ ወርሒ ዚኸውን ጽዑቕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበረሉ እኳ እንተ ነበረ: ናታን ግን እቶም ተማሃሮ ብእተወሰነ መጠን ኪዘናግዑ እውን ደለየ። ኣብ መጀመርታ ዓመታት ምሳታቶም ኵዕሶ ይጻወት ነበረ። ጸኒሑ ግን ኣብ ጸወታ ብዚወርዶ ጕድኣት ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ምእንቲ ኸይሽገር ኢሉ ምጽዋት ገደፎ። ኣብ ክንድኡ ኸኣ ዳኛ ዀነ። ነቶም ወጻእተኛታት ተማሃሮ ኺጠቅም ኢሉ ነቶም ደቂ እቲ ዓዲ ኪቕሽሾም ከሎ: ብምሉኦም እቶም ዚጻወቱ ተማሃሮ ይሕጐሱ ነበሩ።

ምስ ናታን ዝገበርክዎ መገሻታት

ጸኒሐ ምስ ናታን ናብ ወጻኢ ኽገይሽ ጀመርኩ። ምስቶም ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዜገልግሉ ወለንተኛታትን ምስቶም ሚስዮናውያንን ተመክሮ ኽንነጋገር ከለና ባህ እዩ ዚብለኒ ነይሩ። ፍቕሮምን ተወፋይነቶምን ብዓይነይ ርእየን ብዛዕባ እቲ ኣብቲ እተመደቡሉ ሃገራት ዜሕልፍዎ ልሙድ ናብራኦም ፈሊጠን እየ። ንሓያሎ ዓመታት እውን ካብቲ ዝበጻሕኩሉ ቦታታት ሞሳኦም ዚግልጽ ደብዳበታት ክመጸኒ ጸኒሑ እዩ።

ነቲ መገሻታትና ምልስ ኢለ ኽርእዮ ኸለኹ: ብዙሕ ተዘክሮታት እዩ ዘሎኒ። ንኣብነት: ናብ ፖላንድ ኣብ ዝኸድናሉ እዋን ኣብ ጥቓይ ዝነበራ ኽልተ ኣሓት ሕሹዅሹዅ ይብላ ነበራ። ኣነ ድማ “ንምንታይ ኢኽን ሕሹዅሹዅ ትብላ ዘለኽን፧” ኢለ ሓተትክወን። ኣብ ፖላንድ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ኣባይተን እውን ብምስጢር ኪሰምዑሉ ዚኽእሉ መሳርሒ ይተኽሉ ብምንባሮም ሽዑ ምሕሹዅሻዅ ኸም ዝለመዳ ብምግላጽ ይቕረታ ሓተታኒ።

ሓብትና ኣዳህ ሓንቲ ኻብቶም ኣብ ፖላንድ እገዳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዜገልግሉ ዝነበሩ ብዙሓት ክርስትያናት እያ። ጸጕራ እተጠቓለለ ዀይኑ ንግንባራ ኸም ዚሽፍኖ ገይራ እያ እትምሸጦ። ሓደ ግዜ ጸጕራ ገሊሃ በሰላኣ ኣርኣየትኒ። ሓደ ኻብቶም ሰጐጕቲ ዝወቕዓ መውቃዕቲ እዩ ነዚ በሰላ እዚ ሓዲጉላ። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘሕለፍዎ ጭካነ ብዓይነይ ብምርኣየይ ሰንበድኩ።

ካብ ቤትኤል ቀጺለ ዚፈትዎ ዝነበርኩ ቦታ ሃዋይ እዩ ነይሩ። ነቲ ብ1957 ኣብ ከተማ ሂሎ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ እዝክሮ እየ። ዘይርሳዕ ኣኼባ እዩ ነይሩ: እቶም ተኣከብቲ ድማ ካብቶም ኣብታ ደሴት ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚበዝሑ ነበሩ። እቲ ኸንቲባ ኸኣ ከምቲ ብልምዲ ሓደ ውሩይ ሰብ ኪበጽሖም ከሎ እንቋዕ ደሓን መጻእካ ንምባል ዚገብርዎ: ንናታን መፍትሕ እታ ኸተማ ሃቦ። ብዙሓት ኣብ ክሳድ ዚኣቱ ትንጎ ዕምባባታት ሒዞም ኪቕበሉና መጹ።

ብ1955 ኣብ ኑምበርግ: ጀርመን: ኣብቲ ሂትለር ምርኢት ሰልፊ ዚገብረሉ ዝነበረ ቦታ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ኻልእ ኣዝዩ ዝመሰጠኒ ኣኼባ እዩ ነይሩ። ሂትለር ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬጽንቶም ምዃኑ ኸም እተመባጽዐ ዅሉ ዚፈልጦ እዩ ነይሩ: ኰይኑ ግን ሽዑ እቲ ስታድዩም ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅጽጽ ደኣ በለ! ሽዑ ንብዓተይ ክዓግቶ ኣይከኣልኩን። እቲ መድረኽ ኣዝዩ ሰፊሕ ኪኸውን ከሎ ብድሕሪኡ ድማ 144 ዚምስጥ ኣዕኑድ ኣለዎ። ኣብቲ መድረኽ ስለ ዝነበርኩ: ነቶም ካብ 107,000 ዚበዝሑ ተኣከብቲ ኽርእዮም እኽእል ነይረ። እቶም ተኣከብቲ እተቐመጡሉ ቦታ ኣዝዩ ርሑቕ ብምንባሩ ግን: እቲ ናይ መወዳእታ ኮፍ መበሊ ኣይረኣየንን እዩ ነይሩ።

እቶም ጀርመናውያን ኣሕዋትና ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ናዚ መስጐጕቲ ኺወርዶም ከሎ ዝነበሮም ንጽህናን ካብ የሆዋ ዝረኸብዎ ብርታዐን ኪርድኣና ኽኢሉ እዩ። እዚ ድማ ንየሆዋ እሙናት ክንከውንን ንጽህናና ኽንሕሉን ዝነበረና ኣቕዋም ኣደልደሎ። ናታን መዕጸዊ ዝርርብ ሃበ: ኪዛዝም ከሎ ነቶም ተኣከብቲ ኢዱ ብምውዝዋዝ ደሓን ኩኑ በሎም። ብኡንብኡ ኸኣ ንሳቶም መናዲሎም ኣምበልቢሎም ምላሾም ሃብዎ። እቲ ምንብልባል መናዲሎም ከኣ ኣብ ጐልጐል ዘሎ ዕምባባታት እዩ ዚመስል ነይሩ።

እቲ ኣብ ታሕሳስ 1974 ናብ ፖርቱጋል ዝገበርናዮ ምብጻሕ እውን ዘይርሳዕ እዩ ነይሩ። ሽዑ ዕዮ ምስክርነትና ሕጋዊ ምስ ኰነ ኣብ ሊዝበን እተገብረ ናይ መጀመርታ ኣኼባ እዩ ነይሩ። ን50 ዓመት ኣብ ትሕቲ እገዳ እዮም ነይሮም። ኣብታ ሃገር 14,000 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እኳ እንተ ነበሩ: ኣብቲ ሽዑ እተገብረ ኽልተ ኣኼባታት ልዕሊ 46,000 ተኣከቡ። እቶም ኣሕዋት “ድሕሪ ደጊም ክንሕባእ ኣይከድልየናን እዩ። ናጻ ኢና” ኺብሉ ኸለዉ ምስ ሰማዕኩ ንብዓት እዩ ስዒሩኒ።

ካብቲ ምስ ናታን ዝገብሮ ዝነበርኩ መገሻ ኣትሒዙ ኽሳዕ ሎሚ: ኣብ ነፈርትን ኣብ ኣብያተ-ምግብን ንእግረ-መገዲ ምምስካር ከምኡውን ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ምስታፍ ባህ እዩ ዚብለኒ። ድልውቲ ዀይነ ምእንቲ ኽጸንሕ ጽሑፋት ካባይ ኣይፈልን እየ። ሓደ ግዜ ነፋሪት ደንጕያትና ኽንጽበ ኸለና: ሓንቲ ሰበይቲ ኣበይ ከም ዝዓዪ ሓተትኒ። እዚ ድማ ምስኣን ምስቶም ኣብ ጥቓና ዝነበሩ ኻልኦት ሰባትን ንኸዕልል መገዲ ኸፈተለይ። ዕዮ ስብከትን ኣብ ቤትኤል ዝፍጽሞ ኣገልግሎትን ወትሩ ትሕዝትን ሕጉስትን ክኸውን ኣኽኣለኒ።

ሕማምን ኪፍለየኒ ኸሎ ዝሃበኒ ምትብባዕን

ብ1976 ናታን ሕማም መንሽሮ ሓመመ: ኣነን ኣባላት ስድራቤት ቤትኤልን ድማ ንኣልዮ ነበርና። ሕማሙ እናገደደ ይኸይድ እኳ እንተ ነበረ: ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ስልጠና ኺወስዱ ናብ ብሩክሊን ዝመጹ እተፈላለዩ ኣባላት ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ንዕድሞም ነበርና። ዶን ስቲልን ኤርሊን ስቲልን: ሎይድ ባሪን መልባ ባሪን: ዶግላስ ገስትን ሜሪ ገስትን: ማርቲን ፖይትሲንገርን ገርትሩት ፖይትሲንገርን: ፒርስ ሂዩዝ: ከምኡውን ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ኪበጽሑና ኺመጹ ትዝ ይብለኒ። መብዛሕትኡ ግዜ ኻብቲ ዝመጹሉ ሃገር ዝረኸብዎ ተመክሮታት የዘንትዉልና ነበሩ። ብፍላይ እቲ ኣሕዋትና ኣብ ትሕቲ እገዳ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝጸንዑ ዚገልጽ ተመክሮታት ይምስጠኒ ነበረ።

ናታን ሞቱ ኸም ዝቐረበ ምስ ፈለጠ: ናብራ ምብልውና ምእንቲ ክኽእሎ ጽቡቕ ማዕዳ ሃበኒ። “ጽቡቕ ሓዳር እዩ ነይሩና። ብዙሓት ሰባት ነዚ ኣይረኽብዎን እዮም” በለኒ። ሓደ ኻብቲ ንሓዳርና ጽቡቕ ዝገበሮ: ናታን ሓላዪ ብምንባሩ እዩ። ንኣብነት: ኣብ መገሻና ምስ ብዙሓት ሰባት ክንራኸብ ከለና: “ኦድሪ: ሓድሓደ ግዜ ምስ ሰባት እንተ ዘየፋሊጠኪ: ስሞም ክዝክሮ ስለ ዘይከኣልኩ እየ” ይብለኒ ነበረ። ኣቐዲሙ የዳልወኒ ብምባሩ ኸኣ እሕጐስ ነበርኩ።

ናታን “ድሕሪ ሞት እተረጋገጸ ተስፋ ስለ ዘሎና ድሕሪኡ ፈጺምና ኣይንሳቐን ኢና” ብምባል ኣዘኻኸረኒ። “ኣርሒቕኪ ጠምቲ: ከመይሲ ዓስብኺ ኣብኡ እዩ ዘሎ። ተዘክሮታትኪ ዘይጠፍእ እኳ እንተዀነ: ብዛዕባ ሕሉፍ ክትሓስቢ ኣይትንበሪ። ምስ ግዜ ኽትክእልዮ ኢኺ። ኣይትመረርን ኣይትሕዘንን። ሓጐስን በረኸትን ብምርካብኪ ባህ ይበልኪ። ጸኒሕኪ እቲ ተዘክሮታትኪ ሓጐስ ከም ዜምጽኣልኪ ኽትርእዪ ኢኺ። ተዘክሮታት ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት እዩ” በለኒ። ኣብ ርእሲ እዚውን “ብስራሕ ትሕዝቲ ኹኒ: ህይወትኪ ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ኣውዕልዮ። እዚ ድማ ኣብ ህይወትኪ ሓጐስ ክትረኽቢ ኪሕግዘኪ እዩ” በለኒ። ኣብ መወዳእታ ናታን ብ8 ሰነ 1977 ምድራዊ ህይወቱ ወድአ።

ንግለን ሃይድ ምምርዓው

ናታን ሓደው ብዛዕባ ተዘክሮታተይ እናኣስተንተንኩ ኽነብር: ሓደው ሓድሽ ህይወት ክጅምር ከም ዝኽእል ነጊሩኒ ነይሩ። ስለዚ: ብ1978 ናብቲ ኣብ ዎልኪል: ኒው ዮርክ ዚርከብ ሕርሻ ምስ ተቐየርኩ: ንሓደ ግለን ሃይድ ዚበሃል ምልኩዕን ህዱእን ጥዑምን ሰብኣይ ተመርዓኽዎ። ናይ የሆዋ ምስክር ቅድሚ ምዃኑ: ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምስ ጃፓን ኣብ እትዋግኣሉ ዝነበረት እዋን ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

ግለን ኣብ ሓንቲ ኻብተን ፒ.ቲ. (ፓትሮል ቶርፔዶ) ዚበሃላ መራኽብ እዩ ነይሩ: ኣብቲ ሞተር ዚርከቦ ኽፍሊ ድማ ተመዲቡ ነበረ። ብሰንኪ እቲ ሞተር ዜውጽኦ ብርቱዕ ድምጺ: እዝኑ ኺጻንዖ ጀመረ። ድሕሪ እቲ ውግእ ኣባል ብርጌድ መጥፋእቲ ሓዊ ዀነ። ንሓያሎ ዓመታት ብሰንኪ እቲ ኣብ ውግእ ዘሕለፎ ነገራት ለይቲ ለይቲ ይብህርር ነበረ። ካብ ሓንቲ ንእግረ-መገዳ ዝመስከረትሉ ጸሓፊቱ እዩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ፈሊጡ።

ጸኒሑ ብ1968 ግለን ኣብ ብሩክሊን ኣባል መጥፋእቲ ሓዊ ዀይኑ ምእንቲ ኼገልግል ናብ ቤትኤል ተጸውዐ። ድሕሪኡ ነቲ ዎችታወር ፋርም ዚበሃል ሕርሻ መጥፍኢ ሓዊ ማኪና ምስ ተዓደገ: ብ1975 ናብኡ ተቐየረ። ጸኒሑ ንሱውን ኣልዛይመርስ ዚበሃል ከም እትርስዕ ዚገብር ሕማም ሓመመ። ተመርዒና ንዓሰርተ ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ: ግለን ሞተ።

ከመይ ገይረ እየ ነዚ ኽኢለዮ፧ ናታን ሞቱ ኸም ዝቐረበ ምስ ፈለጠ ዝሃበኒ ማዕዳ ብዙሕ እዩ ኣጸናኒዑኒ። ምብልውናይ ምእንቲ ክኽእሎ ኢሉ ዝጸሓፈለይ ነገራት ደጋጊመ ኣንበብክዎ። ክሳዕ ሕጂውን ገሊኡ ሓሳባት ንኻልኦት መበለታት እነግረን እየ: ንሳተን እውን በቲ ናታን ዝሃቦ ማዕዳ ተጸናኒዐን እየን። እወ: ከምቲ ዜተባብዓኒ ንመጻኢ ምርኣይ ጽቡቕ እዩ።

ክቡር ሕውነት

ሓደ ኻብቲ ነቲ ሓጐስን ዕግበትን ዝመልኦ ህይወት ከሕልፍ ዘኽኣለኒ ነገር: እቶም ኣብ ቤትኤል ዚርከቡ ፍቑራት ፈተውተይ እዮም። ሓንቲ ኻብዚኣቶም ኤስተር ሎፐዝ እትበሃል ብ1944 ካብ ሳልሳይ ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቐት እያ። ኣብ ለካቲት 1950 ናብ ብሩክሊን ተመልሰት እሞ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና ናብ ስጳንኛ ክትትርጕም ጀመረት። ናታን ኣብ ዚገሸሉ እዋን: መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ኤስተር አሕልፎ ነበርኩ። ሕጂ ንሳውን ኣብቲ ናይ ማሕበርና ሕርሻ እያ ዘላ። ኣብ መፋርቕ 90ታት ዕድሜኣ ስለ እትርከብን ጥዕና ስለ ዘይብላን ኣብቲ ኣረጋውያን ዚእለየሉ ቦታ ትእለ ኣላ።

ካብቶም ቤተሰበይ ራስልን ክላራን ጥራይ እዮም ብህይወት ዘለዉ። ራስል ሕጂ ልዕሊ 90 ዓመት ዝዕድሜኡ ዀይኑ: ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዚርከብ ቤትኤል የገልግል ኣሎ። ሓደ ኻብቶም ምስ ተመርዓዉ ኣብ ቤትኤል ኪቕጽሉ እተፈቕደሎም ናይ መጀመርታ ሰባት እዩ። ብ1952 ንሓንቲ ጂን ላርሰን እትበሃል ቤትኤላዊት ተመርዓወ። ማክስ ዚበሃል ሓዋ ብ1939 ናብ ቤትኤል ኣተወ: ብ1942 ከኣ ንናታን ተኪኡ ናይ ሕትመት ተዓዛቢ ዀነ። ማክስ ኣብ ቤትኤል ከቢድ ጾር ተሰኪሙ ይነብር ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ነታ ማልቲፕል ሰክሎሮሲስ ብዚበሃል ከቢድ ሕማም እትሳቐ ዘላ ሄለን እትበሃል ፍቕርቲ ብዓልቲ ቤቱ ይኣልያ ኣሎ።

ነቲ ንየሆዋ ብምሉእ ግዜይ ኣብ ምግልጋል ዘሕለፍክዎ ልዕሊ 63 ዓመት ምልስ ኢለ ኽርእዮ ኸለኹ: ብሓቂ ዜሐጕስ ህይወት እየ ኣሕሊፈ ኽብል እኽእል እየ። ቤትኤል ብሓቂ ገዛይ እዩ ዀይኑኒ: ብሕጉስ ልቢ ድማ ኣብዚ ኻብ ምግልጋል ኣየቋረጽኩን። ወለደይ ንኣገዳስነት እዚ ዕዮን ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ባህግን ስለ ዝሰረጹልና ኺነኣዱ ይግብኦም። ንህይወት ብሓቂ ሓጐስ ዝመልኣ ዚገብራ ግን ባህ ዜብል ሕውነት ከምኡውን ነቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ እቲ ዓብዪ ፈጣሪና የሆዋ ንዘለኣለም እናኣገልገልና ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ምንባር ተስፋ ምርካብና እዩ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሰነ 1912 ወለደይ ኣብ እተመርዓዉሉ እዋን

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ብ1927 እተሰኣልናዮ: ካብ ጸጋም ናብ የማን:- ራስል: ወይን: ክላራ: ኣርደስ: ኣነ: ከምኡውን ከርተስ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብ1944 ፓይነር ኰይነ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበርኩ እዋን ኣብ መንጎ ፍራንሰስ ማክኖትን ባርባራ ማክኖትን ደው ኢለ ኸለኹ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብ1951 ኣብ ቤትኤል። ካብ ጸጋም ናብ የማን:- ኣነ: ኤስተር ሎፐዝ: ጂን ሰይቲ ሓወይ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ናታንን ወለዱን

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብ1955 ምስ ናታን

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ናታን ኣብ ሃዋይ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ምስቲ ግለን ዚበሃል ካልኣይ ሰብኣየይ