ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ምሃርዎም’

‘ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ምሃርዎም’

‘ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ምሃርዎም’

“ስለዚ ኺዱ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ . . . እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።”—ማቴዎስ 28:19, 20

1. ፊሊጶስ እቲ ወደ መዝሙርን እቲ ኢትዮጵያውን እንታይ ኢሎም እዮም እተዘራረቡ፧

 እቲ ኻብ ኢትዮጵያ ዝነቐለ ሰብኣይ ነዊሕ ጕዕዞ ተጓዒዙ ናብ የሩሳሌም በጽሐ። ኣብኡ ኸኣ ነቲ ዜፍቅሮ የሆዋ ዚበሃል ኣምላኽ ኣምልኸ። ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ እውን የፍቅሮ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ብሰረገላ ገይሩ ናብ ዓዱ ኺምለስ ከሎ: ቅዳሕ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ ዝጸሓፎ ጽሑፍ የንብብ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ሓደ ፊልጶስ ዚበሃል ወደ መዝሙር ክርስቶስ ተራኸበ። ፊልጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ “እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ አሎኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ሰብኣይ ከኣ “ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ: ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧” ኢሉ መለሰሉ። ፊልጶስ ነዚ ቕኑዕ ተማሃራይ ቅዱሳት ጽሑፋት: ወደ መዝሙር ክርስቶስ ኪኸውን ሓገዞ።—ግብሪ ሃዋርያት 8:26-39

2. (ሀ) እቲ ኢትዮጵያዊ ዝሃቦ መልሲ ዓብዪ ትርጕም ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ምስቲ ክርስቶስ ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ ምግባር ዝሃቦ መዝነት ዚተሓሓዝ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 እቲ ኢትዮጵያዊ ዝሃቦ መልሲ ዓብዪ ትርጕም ኣለዎ። ነቲ ዜንብቦ ዝነበረ ምእንቲ ኺርድኦ ዚምህሮ ሰብ የድልዮ ነበረ። እዚ ዘረባኡ ኸኣ እቲ የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ ምግባር ዝሃቦ ዝርዝር መምርሒ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ዜርእየና። ኣየናይ መምርሒ እዩ ኽሳዕ ክንድዚ ኣገዳስነት ዘለዎ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ: ነቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 28 ዚርከብ ቃላት የሱስ ዝጀመርናዮ ምርምር ንቐጽል። ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ስለምንታይን ኣበይን ኣብ ዚብላ ሕቶታት ኢና ኣተኲርና። ሕጂ ኸኣ ምስቲ ክርስቶስ ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ ምግባር ዝሃቦ ትእዛዝ ዚተሓሓዛ እንታይን መዓስን ዚብላ ኽልተ ሕቶታት ክንምርምር ኢና።

“ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም”

3. (ሀ) ሓደ ሰብ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ደቀ መዛሙርቲ ምግባር እንታይ እውን ዜጠቓልል እዩ፧

3 ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ንምሕጋዝ እንታይ ኢና ኽንምህሮም ዘሎና፧ የሱስ ንሰዓብቱ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ኣዘዞም። (ማቴዎስ 28:19, 20) እምበኣር: ነቲ ክርስቶስ ዝኣዘዞ ነገራት ክንምህሮም ኣሎና። a ሓደ ትእዛዛት የሱስ እተማህረ ውልቀ-ሰብ: ሓንሳእ ወደ መዝሙር ኪኸውን ጥራይ ዘይኰነስ ጸኒዑ ኸም ዚቕጽል ርግጸኛ ንምዃን እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ ኣብቲ የሱስ ተጠንቂቑ ዝመረጾ ቓላት ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ንረክብ ኢና። ‘ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ምሃርዎም’ ጥራይ ኣይኰነን ኢሉ። የግዳስ: ‘ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ምሃርዎም’ እዩ ዝበለ። (ማቴዎስ 19:17) እዚ እንታይ እዩ ዜመልክት፧

4. (ሀ) ትእዛዝ ምሕላው ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) ሓደ ሰብ ትእዛዛት ክርስቶስ ንኺሕሉ ብኸመይ ክንምህሮ ኸም እንኽእል ብመብርሂ ግለጽ።

4 ትእዛዝ ምሕላው ኪበሃል ከሎ: ተግባራትካ ምስቲ ትእዛዝ ምስምማዕ ማለት እዩ። ንሓደ ሰብ ነቲ ክርስቶስ ዝኣዘዞ ነገራት ኪሕሉ ወይ ኪእዘዝ ብኸመይ ክንምህሮ ንኽእል፧ ሓደ ምዝዋር ማኪና ዚምህር መምህር ንተማሃራዩ ሕግታት ትራፊክ ንኺሕሉ ብኸመይ ከም ዚምህሮ እሞ ሕስብ ኣብል። እቲ መምህር ንተማሃራዩ ኣብ ክፍሊ ኸሎ ኣብ መገዲ ሕግታት ኬኽብር ይምህሮ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ንተማሃራዩ ነዚ ሕግታት እዚ ብኸመይ ከም ዜኽብሮ ብግብሪ ንምምሃር: ብዙሓት ማካይን ኣብ ዚርከባሉ መገዲ ወጺኡ ኺዝውር ከሎ ኺመርሖን ነቲ ዝመሃሮ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ኸም ዜውዕሎ ኺገብሮን ኣለዎ። ብተመሳሳሊ: ንሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሓሎም ከለና: ትእዛዛት ክርስቶስ ኢና እንምህሮም። ይኹን እምበር: ንመምርሒታት ክርስቶስ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶምን ኣብ ኣገልግሎትን ኪዓዩሉ ኺጽዕሩ ኸለዉ እውን ክንመርሖም ኣሎና። (ዮሃንስ 14:15፣ 1 ዮሃንስ 2:3) ስለዚ: ነቲ የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ዝሃበና ትእዛዝ ምሉእ ብምሉእ ንምፍጻም: እንምህርን እንመርሕን ክንከውን ኣሎና። በዚ ኸምዚ ነቲ የሱስን የሆዋን ዝገደፉልና ኣብነት ንስዕብ።—መዝሙር 48:14፣ ራእይ 7:17

5. ሓደ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ ሰብ ነቲ ክርስቶስ ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ዝሃቦ ትእዛዝ ካብ ምሕላው ዜድሓርሕር ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

5 ንሰባት ትእዛዛት የሱስ ኪሕልዉ ኽንምህሮም ኪበሃል ከሎ: ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር እተዋህበ ትእዛዝ ኪፍጽሙ ምሕጋዞም እውን የጠቓልል። ገሊኣቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ሰባት: እዚ የፍርሆም ይኸውን። ኣቐዲሞም ንጡፋት ኣባላት ህዝበ-ክርስትያን እኳ እንተ ነበሩ: እቶም ቀደም ዚስዕብዎም ዝነበሩ ናይ ሃይማኖት መምህራኖም: ከይዶም ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ ኸም ዘይምህርዎም ፍሉጥ እዩ። ህዝበ-ክርስትያን ንሰዓብታ ወንጌላውያን ኪዀኑ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይትምህሮም: ገለ መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ብግህዶ ይእመኑ እዮም። ጆን ኣር. ዳብሊው. ስታት ዚበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር: ብዛዕባ እቲ የሱስ ኬድና ንዅሎም ዓይነት ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ዝሃቦ ትእዛዝ ኣመልኪቱ: “ወንጌላውያን ክርስትያናት ኣብዚ ግዜና ወንጌል ብምስባኽ ዝመጸ ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኺሕልዉ ዘይምኽኣሎም እቲ ዝዓበየ ድኽመቶም እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “መልእኽትና ኻብ ርሑቕ ክንሰብኽ ኢና እንደሊ። ሓድሓደ ግዜ ኸምቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዀይኖም ንዚጥሕሉ ዘለዉ ሰባት እናጨደሩ ዚምዕድዎም ኢና እንመስል። ከነድሕኖም ኢልና ኣብቲ ማይ ኣይንኣቱን ኢና። ከይንጥልቂ ንፈርህ ኢና” በለ።

6. (ሀ) ንሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ክንሕግዞ ኸለና: ኣብነት ፊልጶስ እንስዕብ ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ስብከት ኪሳተፍ ኪጅምር ከሎ ሓልዮትና ብኸመይ ነርእዮ፧

6 ሓደ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ ሰብ ኣቐዲሙ ኣባል እቶም ‘ከይጥልቅዩ ዚፈርሁ’ ሃይማኖት እንተደኣ ነይሩ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ማይ ንኺኣቱ ቐልጢፉ ኣይተብዕን ይኸውን: ማለት ነቲ ክርስቶስ ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ዝሃቦ ትእዛዝ ምሕላው ይኸብዶ ይኸውን። ስለዚ: ሓገዝ ኬድልዮ እዩ። እምበኣር: ከምቲ ፊልጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ ብምምሃር ምርዳኡ ዜስፍሓሉን ኪጥመቕ ዝደረኾን: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮ ሰብ ከኣ ምርዳኡ ዜስፍሕን ስጕምቲ ኺወስድ ዚድርኾን ትምህርቲ ዀነ መምርሒ ኽንህቦ ኸለና ትዕግስቲ ኺህልወና ኣለዎ። (ዮሃንስ 16:13፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:35-38) ኣብ ርእሲ እዚ: ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብግዴኦም ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ እተዋህቦም ትእዛዝ ንኺሕልዉ ዘሎና ባህጊ: ኣብ ዕዮ ስብከት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዚካፈሉሉ እዋን ኣብ ጐድኖም ኴንና ኽንመርሖም ይድርኸና።—መክብብ 4:9, 10፣ ሉቃስ 6:40

“ዝአዘዝኩኹም ኵሉ”

7. ንኻልኦት ሰባት “ዅሉ ኺሕልዉ” ምምሃር ኪበሃል ከሎ እንታይ ትእዛዛት የጠቓልል፧

7 ንሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ብግዴኦም ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ ብምምሃር ጥራይ ኣይንድረትን ኢና። የሱስ ንኻልኦት ሰባት እውን ዝኣዘዘና “ዅሉ ኺሕልዉ” ኽንምህሮም ከም ዘሎና መምርሒ ሂቡና እዩ። እዚ ኸኣ ነተን ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት: ማለት ንኣምላኽን ንብጻይናን ምፍቃር: ከም ዜጠቓልል ኣየጠራጥርን እዩ። (ማቴዎስ 22:37-39) ሓደ ሓድሽ ወደ መዝሙር ነዚ ትእዛዛት እዚ ምእንቲ ኺሕሉ ብኸመይ እዩ ኺመሃር ዚኽእል፧

8. ንሓደ ሓድሽ ወደ መዝሙር ፍቕሪ ኼርኢ እተዋህቦ ትእዛዝ ብኸመይ ክንምህሮ ኸም እንኽእል መብርሂ ሃብ።

8 ብዛዕባ እቲ ምዝዋር ማኪና ዚመሃር ተማሃራይ እተዋህበ መብርሂ እሞ እንደገና ሕስብ ኣብለሉ። እቲ ተማሃራይ ምስ መምህሩ ዀይኑ ኣብቲ ብዙሓት ማካይን ዚርከባኦ ጐደና ኺዝውር ከሎ: ነቲ መምህሩ ብምስማዕ ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልኦት መራሕቲ ማካይን ብምዕዛብ እውን ይምሃር እዩ። ንኣብነት: እቲ መምህር ንኻልኦት ኬቐድም ፍቓደኛ ንዝዀነ መራሕ ማኪና: ወይ ፊት ንፊቱ ንዚመጹ መራሕቲ ማካይን ከይደጕሕ ኢሉ መብራህቱ ንዝነከየ ዘዋሪ ማኪና: ወይ ከኣ ማኪናኡ ንእተበላሸወቶ ሰብ ንዚሕግዝ ብዓል ማኪና የርእዮ ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብነታት እቲ ተማሃራይ ማኪና ኺዝውር ከሎ ኣብ ግብሪ ኼውዕሎ ዚኽእል ኣገዳሲ ትምህርቲ ንኺረክብ የኽእሎ። ብተመሳሳሊውን: ሓደ ናብ ህይወት ኣብ እትወስድ መገዲ ዚመላለስ ሓድሽ ወደ መዝሙር: ካብ መምህሩ ጥራይ ዘይኰነስ ካብቶም ኣብ ጉባኤ ዚረኽቦም ካልኦት እውን ይመሃር እዩ።—ማቴዎስ 7:13, 14

9. ሓደ ሓድሽ ወደ መዝሙር ፍቕሪ ምርኣይ ኪበሃል ከሎ እንታይ ከም ዜጠቓልል ኪመሃር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

9 ንኣብነት: ሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ንጽል ወላዲት ንኣሽቱ ደቃ ሒዛ ናብ ኣኼባ ንምምጻእ ብዙሕ ጻዕሪ ኽትገብር ይዕዘብ ይኸውን። ጭንቀት እኳ እናሃለዋ ብተኣማንነት ናብ ጉባኤ እትመጽእ ሓብቲ: ንኣረጋውያን ናብ ናይ ጉባኤ ኣኼባ እተበጻጽሕ ብዕድመ ዝደፍአት መበለት ሓብቲ: ወይ ኣብ ምጽራይ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚሳተፍ መንእሰይ ይርኢ ይኸውን። ኣብ ርእሲ እዚውን ንሓደ ብዙሕ ሓላፍነታት ጉባኤ እናሃለዎ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብተኣማንነት ግንባር ቀደም ኰይኑ ዚሳተፍ ሽማግለ የስተብህለሉ ይኸውን። ምስ ሓደ ንበጻሕቱ ምንጪ መንፈሳዊ ምትብባዕ ዝዀነ ኻብ ቤቱ ኺወጽእ ዘይክእል ናይ የሆዋ ምስክር እውን ይራኸብ ይኸውን። ብዘይካዚ: ብዕድመ ንዚደፍኡ ወለዶም ኪኣልዩ ኢሎም ኣብ ህይወቶም ዓብዪ ለውጢ ንዚገብሩ ዘለዉ ሰብ ሓዳር ይዕዘብ ይኸውን። እቲ ሓድሽ ወደ መዝሙር ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሕያዎትን ሓገዝትን ትውክልቲ ዚግበሮምን ክርስትያናት ብምዕዛብ: ንኣምላኽን ንብጻይን: ብፍላይ ከኣ ንክርስትያናት ብጾት ምፍቃር እንታይ ማለት ምዃኑ ብግብሪ ይመሃር። (ምሳሌ 24:32፣ ዮሃንስ 13:35፣ ገላትያ 6:10፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:4, 8፣ 1 ጴጥሮስ 5:2, 3) በዚ ኸምዚ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚምህርን ዚመርሕን ኪኸውን ይኽእል ጥራይ ዘይኰነስ ኪኸውን እውን ኣለዎ።—ማቴዎስ 5:16

“ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም”

10. (ሀ) ክሳዕ መዓስ ኢና ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ክንቅጽል፧ (ለ) የሱስ እተዋህቦ ዕዮ ብዛዕባ ምፍጻም እንታይ ኣብነት እዩ ዝገደፈልና፧

10 ክሳዕ መዓስ ኢና ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ዘሎና፧ ኣብ ብምሉኡ እዚ መወዳእታ ዓለም ወይ መወዳእታ ኣረጊት ኣገባብ ተባሂሉ እተጸውዐ እዋን ነዚ ኻብ ምግባር ከነቋርጽ የብልናን። (ማቴዎስ 28:20) ነዚ የሱስ ዝሃበና መዝነት እዚ ኽንፍጽሞ ንኽእል ዲና፧ ከም ኣባላት ዓለምለኻዊት ማሕበር መጠን ነዚ ኽንፍጽም ቈሪጽና ኣሎና። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ነቶም ቅኑዕ ዚልቦም ሰባት ንምርካብ ግዜናን ጕልበትናን ጥሪትናን ወፊና ኢና። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሰለስተ ሚልዮን ዚኸውን ሰዓታት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን የሕልፉ ኣለዉ። ከምዚ እንገብረሉ ምኽንያት ከኣ የሱስ ዝገደፈልና ኣብነት ስለ እንስዕብ ኢና። ንሱ “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” በለ። (ዮሃንስ 4:34) ልብና ዚምነዮ ነገር እውን እዚ እዩ። (ዮሃንስ 20:21) ነቲ እተዋህበና ዕዮ ኽንጅምሮ ጥራይ ዘይኰነስ: ክንፍጽሞ እውን ንደሊ ኢና።—ማቴዎስ 24:13፣ ዮሃንስ 17:4

11. ንገሊኣቶም ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንታይ እዩ ኣጋጢምዎም: ንሕናኸ ንርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧

11 ገሊኣቶም ክርስትያናት ብጾትና ግን ብመንፈስ ብምድካሞም ነቲ ክርስቶስ ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ዝሃበና ትእዛዝ ኣብ ምፍጻም ደኺሞም ወይ ኣቋሪጾም ክንርኢ ኸለና የሕዝነና እዩ። ምስ ጉባኤ ዝነበሮም ርክብ ኬሐድሱን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር እንደገና እጃሞም ኬበርክቱን ምእንቲ ኪኽእሉ: ክንሕግዞም እንኽእልሉ መገዲ ኣሎዶ፧ (ሮሜ 15:1፣ እብራውያን 12:12) የሱስ እቶም ሃዋርያቱ ንእተወሰነ ግዜ ደኺሞም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ምስ እንርኢ: ሎሚውን እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ይሕብረና እዩ።

ተገዳስነት ኣርኢ

12. (ሀ) የሱስ ቅድሚ ሙማቱ: እቶም ሃዋርያት እንታይ እዮም ዝገበሩ፧ (ለ) እቶም ሃዋርያት ከቢድ ድኻም እኳ እንተ ነበሮም: የሱስ ግን ብኸመይ ይርእዮም ነበረ፧

12 የሱስ ዚሞተሉ እዋን ምስ ቀረበ: ሃዋርያቱ “ሐዲጎምዎ ሀደሙ።” ከምቲ የሱስ እተነበዮ: ‘ነንበይኖም ነናብ ስፍራኦም ተዘርዉ።’ (ማርቆስ 14:50፣ ዮሃንስ 16:32) የሱስ ነዞም ብመንፈስ ዝደኸሙ ብጾቱ ኸመይ ገይሩ ይርእዮም ነበረ፧ ድሕሪ ምትንሳኡ ነዊሕ ከይጸንሐ: ንገሊኣተን ሰዓብቱ “ኣይትፍርሃ: ኪዳ እሞ ነሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም: ኣብኡውን ኪርእዩኒ እዮም” በለን። (ማቴዎስ 28:10) እቶም ሃዋርያት እዚ ዘይብሃል ድኻም እኳ እንተ ኣርኣዩ: የሱስ ግን ከም ቀደሙ “ኣሕዋተይ” ኢሉ ደኣ ጸውዖም። (ማቴዎስ 12:49) ኣባታቶም ዝነበሮ እምነት ኣየጥፍአን። በዚ ኸምዚ ልክዕ ከም የሆዋ መሓርን ይቕረ በሃልን ምዃኑ ኣርኣየ። (2 ነገስት 13:23) ብኸመይ ኢና ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል፧

13. ነቶም ብመንፈስ ዝደኸሙ ብኸመይ ኢና ኽንርእዮም ዘሎና፧

13 ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ዝደኸሙ ወይ ዘቋረጹ ኣጸቢቕና ኽንግደሰሎም ኣሎና። እዞም ክርስትያናት ብጾት ኣብ ዝሓለፈ እዋን: ምናልባት ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝፈጸምዎ ንፍቕሮም ዜርኢ ተግባር ኣይንርስዖን ኢና። (እብራውያን 6:10) ካባና ብምፍላዮም ብሓቂ ንናፍቖም ኢና። (ሉቃስ 15:4-7፣ 1 ተሰሎንቄ 2:17) እንተዀነ ግን: ብኸመይ ኢና ተገዳስነትና ኽንገልጸሎም እንኽእል፧

14. ንየሱስ ብምምሳል ንሓደ ዝደኸመ ሰብ ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧

14 የሱስ ነቶም እተደቝሱ ሃዋርያቱ ናብ ገሊላ ኪኸዱ እሞ ኣብኡ ኸም ዚርእይዎ ነገሮም። ብኻልእ ኣዘራርባ: ኣብ ሓደ ፍሉይ ኣኼባ ኺርከቡ እዩ ዚዕድሞም ነይሩ። (ማቴዎስ 28:10) ኣብዚ ግዜናውን ብተመሳሳሊ ነቶም ብመንፈስ ድኹማት ዘበሉ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪእከቡ ንዕድሞም: ነዚ ምእንቲ ኺገብሩ እውን ብተደጋጋሚ ኸነተባብዖም የድልየና ይኸውን። እቲ ንሃዋርያት ዝቐረበሎም ዕድመ ፍረ ፈረየ: ከመይሲ “እቶም ዓሰርተው ሓደ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ: ናብቲ የሱስ ዝአዘዞም ከረን ገሊላ ኸዱ።” (ማቴዎስ 28:16) ሓደ ዝደኸመ ሰብ ነቲ ብኽብሪ ዜቕረብናሉ ዕድመ ተቐቢሉ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪመጽእ ከሎ ምርኣይሲ ኸመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን እዩ ዜምጽእ!—ሉቃስ 15:6

15. ነቶም ናብ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ዚመጹ ዝደኸሙ ክርስትያናት ሓንጐፋይ ኢልና ብምቕባል ዝመጸ ኣብነት የሱስ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 ሓደ ዝደኸመ ክርስትያን ናብ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ምስ ዚመጽእ ብኸመይ ኢና እንቕበሎ፧ የሱስ ነቶም ንሓጺር እዋን እምነቶም ደኺማ ዝነበረት ሃዋርያት ኣብቲ እተቛጸሩሉ ቦታ ምስ ተኣከቡ እንታይ ድዩ ኢልዎም፧ “የሱስ ቀሪቡ . . . ተዛረቦም።” (ማቴዎስ 28:18) ካብ ማዕዶ ስቕ ኢሉ ኣብ ክንዲ ምጥማት: ናብኦም እዩ ኸይዱ። የሱስ ነዚ ተበግሶ እዚ ኺወስድ ምስ ረኣይዎ: እቶም ሃዋርያት ክሳዕ ክንደይ እፎይ ከም ዚበሉ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ንሕናውን ተበግሶ ብምውሳድ ነቶም ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺምለሱ ጻዕሪ ዚገብሩ ብመንፈስ ዝደኸሙ ሰባት ብሓጐስ ሓንጐፋይ ኢልና ንቀበሎም።

16. (ሀ) ካብቲ የሱስ ምስቶም ሰዓብቱ ዝነበሮ ርክብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (ለ) ነቲ የሱስ ንዝደኸሙ ዝነበሮ ኣረኣእያ ብኸመይ ከነንጸባርቖ ንኽእል፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)

16 የሱስ እንታይ ካልእ ነገር እዩ ዝገበረ፧ ፈለማ: “ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ” ብምባል ተዛረቦም። ካልኣይ: “ስለዚ ኺዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ብምባል መዝነት ሃቦም። ሳልሳይ ከኣ “ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ተመባጽዓሎም። የሱስ ኣብዚ እንታይ ከም ዘይገበረ ግን ኣስተብሂልካሉዶ፧ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ብሰንኪ እቲ ድኽመቶምን ጥርጣረኦምን ኣይገንሖምን። (ማቴዎስ 28:17) እዚ ኣቀራርባኡ ፍረ ዘለዎ ድዩ ነይሩ፧ እወ: እቶም ሃዋርያት ነዊሕ ከይጸንሑ ኸም ብሓድሽ “ብስራት . . . ምምሃርን ምስባኽን” ጀመሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:42) ንዝደኸሙ ዘበሉ ብኸመይ ክንርእዮምን ብኸመይ ክንሕዞምን ከም ዘሎና ኣብነት የሱስ ብምስዓብ: ኣብ ገጉባኤና ተመሳሳሊ ዜሐጕስ ፍረ ክንረክብ ንኽእል ኢና። bግብሪ ሃዋርያት 20:35

“ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ”

17, 18. ኣብተን “ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ዚብላ ቓላት የሱስ እንታይ ዜበራትዕ ሓሳባት እዩ ዘሎ፧

17 እተን “ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ዚብላ ናይ መወዳእታ ቓላት እቲ የሱስ ዝሃቦ መዝነት: ነቶም ነቲ ክርስቶስ ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ ምግባር ዝሃቦ ትእዛዝ ኪፍጽሙ ዚጽዕሩ ዘበሉ ዜተባብዓ እየን። ጸላእቲ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ምጽራር እኳ እንተ ኣምጽኡ: ብእተፈላለየ መገድታት እውን እንተ ኣጸለሙና: ኣይንፈርህን ኢና። ስለምንታይ፧ እቲ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን” እተዋህቦ መራሒና የሱስ ምሳና ዀይኑ ይድግፈና እዩ!

18 እቲ የሱስ “ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ብምባል እተመባጽዖ መብጽዓ እውን ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ እዩ። ክርስቶስ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ዝሃበና ትእዛዝ ኣብ እንፍጽመሉ እዋን: መዓልትታት ሓጐስ ጥራይ ዘይኰነስ መዓልትታት ሓዘን እውን ነሕልፍ ኢና። (2 ዜና መዋእል 6:29) ገሌና እነፍቅሮ ሰብ ምስ ሞተና: ንሓዝን ኢና። (ዘፍጥረት 23:2፣ ዮሃንስ 11:33-36) ገሊኦም ድማ ብሰንኪ እርጋን ጥዕና ይስእኑ: ሓይሎም ድማ እናደኸመ ይኸይድ። (መክብብ 12:1-6) ገሊኦም እውን ሕልናኦም ኪዓርቦም ከሎ ይድቈሱ። (1 ተሰሎንቄ 5:14) ብዙሓት ካባታትና ኸኣ ብቝጠባዊ ጸገማት ንሽገር ኣለና። ይኹን እምበር: የሱስ “ኵሉ መዓልቲ:” እንተላይ ኣብቲ ጽንኩር መዓልትታት ህይወትና ምሳና ስለ ዝዀነ: እዚ ዅሉ ጸገማት እናኣጋጠመና ኣብ ኣገልግሎትና ዕዉታት ንኸውን።—ማቴዎስ 11:28-30

19. (ሀ) እቲ የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ዝሃበና መዝነት እንታይ መምርሒታት የጠቓልል፧ (ለ) ክርስቶስ ዝሃበና መዝነት ክንፍጽም ዜኽእለና እንታይ እዩ፧

19 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽን ከም ዝረኣናዮ: እቲ የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብር ዝሃበና መዝነት ኵሉ ነገራት ዝሓቘፈ እዩ። ስለምንታይን ኣበይን ትእዛዙ ኽንፍጽም ከም ዘሎና ነጊሩና እዩ። ብዘይካዚውን: እንታይ ክንምህር ከም ዘሎናን ክሳዕ መዓስ ክንምህር ከም ዘሎናን ነጊሩና እዩ። ልክዕ እዩ: ነዚ ዓብዪ መዝነት እዚ ምፍጻም ቀሊል ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ክርስቶስ ስልጣን ስለ እተዋህቦን ምሳና ስለ ዘሎን: ብርግጽ ክንፍጽሞ ንኽእል ኢና! ነዝስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

[እግረ-ጽሑፋት]

a ሓደ መወከሲ ጽሑፍ: እቲ ንምጥማቕን ንምምሃርን እተዋህበ ትእዛዝ “ክልተ ተኸታቲሉ ኺፍጸም ዘለዎ ተግባር ኣይኰነን” በለ። ኣብ ክንድኡስ: ‘ምምሃር ብእተወሰነ ደረጃ ቕድሚ ጥምቀት: ብእተወሰነ ደረጃ ኸኣ ድሕሪ ጥምቀት ዚግበር ቀጻሊ መስርሕ እዩ።’

b ንዝደኸሙ ብኸመይ ክትርእዮምን ክትሕግዞምን ከም ዚግባእ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብ ናይ 1 ለካቲት 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 15-18 ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንኻልኦት ሰባት ነቲ የሱስ ዝኣዘዘና ኺሕልዉ ብኸመይ ክንምህሮም ንኽእል፧

• ሓደ ሓድሽ ወደ መዝሙር ካብ ካልኦት ኣባላት ጉባኤ እንታይ ትምህርቲ ኺረክብ ይኽእል፧

• ነቶም ብመንፈስ ዝደኸሙ ንምሕጋዝ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

• ካብቲ “ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ዚብል መብጽዓ የሱስ እንታይ ብርታዐን ምጽንናዕን ንረክብ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

እንምህርን እንመርሕን ክንከውን ኣሎና

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ሓድሽ ወደ መዝሙር ካብ ኣብነት ካልኦት ብዙሕ ትምህርቲ ይረክብ