ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ብሕጊ የሆዋ’ ትፍሳህ ዲኻ፧

‘ብሕጊ የሆዋ’ ትፍሳህ ዲኻ፧

‘ብሕጊ የሆዋ’ ትፍሳህ ዲኻ፧

“ብሕጊ እግዚኣብሄር . . . ዚፍሳህ . . . ሰብሲ ብጹእ እዩ።”—መዝሙር 1:1, 2

1. ኣገልገልቲ የሆዋ ብምዃንና ሕጉሳት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

 የሆዋ ኸም እሙናት ኣገልገልቱ መጠን ይድግፈናን ይባርኸናን እዩ። ብዙሕ ፈተናታት ዜጋጥመና እኳ እንተዀነ: ናይ ሓቂ ሓጐስ ግን ንረክብ ኢና። ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ስለ እነገልግልን መንፈስ ቅዱሱ ኣብ ኣልባብና ሓጐስ ስለ ዜፍርን እዚ ዜገርም ኣይኰነን። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW፣ ገላትያ 5:22) ሓጐስ ሓደ ጽቡቕ ነገር ካብ ምጽባይ ወይ ካብ ምርካብ ዚመጽእ ስምዒት እዩ። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኸኣ ብርግጽ ጽቡቕ ውህበት ይህበና እዩ። (ያእቆብ 1:17) ሕጉሳት ምዃንና እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን!

2. ነየናይ መዝሙራት ኢና ኽንመያየጠሉ፧

2 ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ሓጐስ ብተደጋጋሚ ተጠቒሳ ኣላ። ንኣብነት: ኣብ 1ይን 2ይን መዝሙር እዚኣ ጐሊሓ ንረኽባ። እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ነቲ ኻልኣይ መዝሙር: ዳዊት ንጉስ እስራኤል ከም ዘቀናበሮ ገሊጾም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:25, 26) እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ነቲ ቐዳማይ መዝሙር ዘቀናበረ ሰብ: ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መዝሙሩ “ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ . . . ሰብሲ ብጹእ እዩ” ብዚብላ ቓላት እዩ ዝጀመሮ። (መዝሙር 1:1) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን: እዚ 1ይን 2ይን መዝሙር ንኽንሕጐስ እንታይ ምኽንያት ከም ዚህበና ንርአ።

መፍትሕ ሓጐስ

3. ብመሰረት መዝሙር 1:1 ሕግታት ኣምላኽ ዚሕሉ ሰብ ሕጉስ ዚዀነሉ ገለ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

3 መዝሙር 1 ሕግታት ኣምላኽ ዚሕሉ ሰብ ንምንታይ ሕጉስ ከም ዚኸውን ይገልጽ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ሓጐስ ብኸመይ ኪርከብ ከም ዚከኣል ኪገልጽ ከሎ: “ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ: ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም: ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ . . . ሰብሲ ብጹእ እዩ” በለ።—መዝሙር 1:1

4. ዘካርያስን ኤልሳቤጥን እንታይ ኣብነት ኪዀነና ዚኽእል መገዲ እዮም ስዒቦም፧

4 ናይ ብሓቂ ሕጉሳት ንምዃን: ምስቲ የሆዋ ኸነማልኦ ዚደልየና ጽድቃዊ ስርዓታት ክንሰማማዕ ኣሎና። እቶም ንዮሃንስ መጥምቕ ወለዱ ናይ ምዃን ክብሪ ዝረኸቡ ዘካርያስን ኤልሳቤጥን: “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቃን ነበሩ። ብዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄርን ሕጋጋቱን ብዘይ ጕድለት ዚኸዱ ነበሩ።” (ሉቃስ 1:5, 6) ንሕናውን ተመሳሳሊ መገዲ እንተ ስዒብናን ‘ብምኽሪ ረሲኣን ንኸይንመላለስ’ ቈራጽነት እንተ ጌርናን: ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና።

5. ኣብ “መገዲ ሓጥኣን” ከይንቐውም ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

5 ነተሓሳስባ እኩያት እንተ ነጺግናዮ: ‘ኣብ መገዲ ሓጥኣን ኣይክንቀውምን ኢና።’ ኣብቲ ንሳቶም ዜዘውትርዎ ጽዩፍ መዘናግዒታት ወይ ሕማቕ ቦታታት እውን ቃል ብቓሉ ኣይክንርከብን ኢና። ንሓጢኣተኛታት ኣብቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚነቕፎ ተግባራቶም ንኽንሓብሮም እንተደኣ ተፈቲንናኸ፧ ከምዚ እንተ ኣጋጢሙና: ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ምስቶም ዘይአምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፤ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት አልይዎ፧” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ተሰማሚዕና ምእንቲ ኽንመላለስ: ኣምላኽ ንኺሕግዘና ንጸሊ። (2 ቈረንቶስ 6:14) ኣብ ኣምላኽ እንተ ተወኪልናን “ጽሩያት ልቢ” እንተ ዄንናን: ካብ መንፈስን ናብራን እቶም ሓጥኣን ክንርሕቕ: ኣብ ርእሲ እታ “ልግሚ ዜብላ እምነት” ከኣ ንጹህ ድራኸን ባህግን ኪህልወና እዩ።—ማቴዎስ 5:8፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:5

6. ካብቶም መላገጽቲ ኽንርሕቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 ንየሆዋ ምእንቲ ኸነሐጕሶ: ‘ኣብ መንበር መላገጽቲ ኽንቅመጥ የብልናን።’ ገሊኣቶም ሕግታት ኣምላኽ ንዚሕሉ ሰብ የላግጹሉ እዮም: ብፍላይ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” እቶም ቀደም ክርስትያናት ዝነበሩ ኸሓድቲ ብዙሕ እዮም ዜባጭዉ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት ብጾቱ “ኣቱም ፍቁራተይ: . . . ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ: ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ንሳቶም ከኣ: ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ: ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ዅሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ: ኪብሉ እዮም” ብምባል ኣጠንቀቖም። (2 ጴጥሮስ 3:1-4) ‘ኣብ መንበር መላገጽቲ ዘይንቕመጥ’ እንተደኣ ዄንና: ካብቲ ዘይተርፎም ጥፍኣት ከነምልጥ ኢና።—ምሳሌ 1:22-27

7. ነቲ ኣብ መዝሙር 1:1 ዚርከብ ቃላት ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

7 ነተን ኣብ መጀመርታ እቲ 1ይ መዝሙር ዚርከባ ቓላት ኣብ ልብና እንተ ዘየሕዲርናየን: ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብምጽናዕ ዝረኸብናዮ መንፈሳውነት ከነጥፍኦ ንኽእል ኢና። ካብዚ ሓሊፉውን ህይወትና እናተበላሸወ ኪኸይድ ይኽእል እዩ። ብምኽሪ ረሲኣን እንተ ተመላሊስና: ንቝልቍል ኢና ኽንጐዓዝ እንጅምር። ድሕሪኡ ኣዘውቲርና ምሳታቶም ንቀራረብ። ጸኒሕና ኸኣ እምነት ዘይብሎም ዜላግጹ ኸሓድቲ ኽንከውን ንኽእል ኢና። ምስ ረሲኣን ምትዕርራኽ ሕጊ ኣምላኽ ከም እንጥሕስ ኪገብረናን ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኬበላሽዎን ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:33፣ ያእቆብ 4:4) እምበኣር: ከምዚ ኼጋጥመና ፈጺምና ኣይነፍቅድ።

8. ኣእምሮና ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜተኵር ንምግባር ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

8 ጸሎት ኣእምሮና ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ንኸተኵርን ምስ ረሲኣን ንኸይንተዓራረኽን ይሕግዘና። ጳውሎስ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ሓቂ ዘበለ: ርዝነት ዘለዎ ዘበለ: ቅኑዕ ዘበለ: ንጹህ ዘበለ: ተፈታዊ ዘበለ: ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ: ደግነት: ከምኡውን ንእዶ ኽንሓስብ ኣተባብዓና። (ፊልጲ 4:6-8) እምበኣር: ምስዚ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ተሰማሚዕና ንመላለስ እምበር ከምቶም ረሲኣን ኣይንኹን።

9. ካብ እከይ ንርሕቕ እኳ እንተዀንና: ንዅሎም ዓይነት ሰባት ክንሕግዞም እንጽዕር ብኸመይ ኢና፧

9 ካብ እከይ ንርሕቕ እኳ እንተዀንና: ንሰባት ግን ብሜላ ንምስክረሎም ኢና። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ፌሊክስ “ብናይ ጽድቅን ንጽህናን ብናይቲ ዚመጽእ ፍርድን” ዚመስከረሉ: ንሕናውን ከምኡ ጌርና ኻብ ምምስካር ድሕር ኣይንብልን ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 24:24, 25፣ ቈሎሴ 4:6) ንዅሎም ዓይነት ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብከሎም: ሕያውነት እውን ነርእዮም ኢና። እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ኣመንቲ ኸም ዚዀኑን ብሕጊ ኣምላኽ ከም ዚሕጐሱን ንተኣማመን ኢና።adj.

ብሕጊ የሆዋ ይፍሳህ

10. ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኽንገብር ከለና ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ነባሪ ጦብላሕታ ንምሕዳር ኪሕግዝ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

10 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እቲ ብጹእ ወይ ሕጉስ ሰብ ኣስዕብ ኣቢሉ “ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ: ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን: ዚመራምሮ” በለ። (መዝሙር 1:2) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀንና: ‘ብሕጊ የሆዋ ንፍሳህ ኢና።’ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኽንገብርን ከነስተንትንን ከለና: ዚከኣል እንተ ዀይኑ ነቲ ቓላት ‘ንምርምሮ’ ወይ ብመሰረት በዅሪ ጽሑፍ ‘ብትሑት ድምጺ ነንብቦ’ ንኸውን። ዝዀነ ይኹን ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ከነንብብ ከለና ኸምዚ ምስ እንገብር: ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ነባሪ ጦብላሕታ ንምሕዳር ኪሕግዝ ይኽእል እዩ።

11. መጽሓፍ ቅዱስ “ለይትን መዓልትን” ከነንብብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

11 እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ የተባብዓና። (ማቴዎስ 24:45) ነቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ኣጸቢቕና ንኽንፈልጦ ብርቱዕ ባህጊ ስለ ዘሎና: ንመጽሓፍ ቅዱስ “ለይትን መዓልትን:” ድቃስ ክኣብየና ኸሎውን ከይተረፈ ኸነንብቦ ይግባእ። ጴጥሮስ “ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩ: ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ” ኢሉ ተማሕጺኑና ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 2:1, 2) መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ብምንባብን ብዛዕባ ቓልን ዕላማን ኣምላኽ ኣብ እዋን ለይቲ ብምስትንታንን ትፍሳህ ዲኻ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምኡ እዩ ዚገብር ነይሩ።—መዝሙር 63:6

12. ብሕጊ የሆዋ ንፍሳህ እንተደኣ ዄንና እንታይ ኢና እንገብር፧

12 ዘለኣለማዊ ሓጐስና ኣብቲ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ዘሎና ፍስሃ እዩ ዚምርኰስ። ሕጊ ኣምላኽ ፍጹምን ጻድቕን እዩ: ዚሕልዉዎ ኸኣ ዓብዪ ኻሕሳ ወይ ዓስቢ ይረኽቡ። (መዝሙር 19:7-11) ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር “እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ: ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት: ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን: ግብሪ ዚገብር እምበር: ዘይርስዕ ሰማዒ ግና: እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 1:25) ብሕጊ የሆዋ ብሓቂ ንፍሳህ እንተደኣ ዄንና: ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት ከይሓሰብና እትሓልፍ መዓልቲ ኣይክትህሉን እያ። እወ: ‘መዓሙቝ ኣምላኽ ንምምርማርን’ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ንምሃብን ድራኸ ኺሓድረና ኣለዎ።—1 ቈረንቶስ 2:10-13፣ ማቴዎስ 6:33

ከም ኦም ይኸውን

13-15. ከም ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም እንኸውን ብኸመይ ኢና፧

13 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣስዕብ ኣቢሉ ንቕኑዕ ሰብ ኪገልጾ ኸሎ: “ንሱ ኸምታ ፍሬኣ በብጊዜኣ እትህብ: ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ: ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ” በለ። (መዝሙር 1:3) እቶም ንየሆዋ እነገልግል ዘበልና: ልክዕ ከም ካልኦት ዘይፍጹማት ሰባት ጸገማት የጋጥመና እዩ። (እዮብ 14:1) ምስ እምነትና እተተሓሓዘ መስጐጕትን እተፈላለየ ፈተናታትን ይወርደና ይኸውን። (ማቴዎስ 5:10-12) እንተዀነ ግን: ከምቲ ሓደ ድልዱል ኦም ብርቱዕ ንፋስ ዚጻወር: ንሕናውን ብሓገዝ ኣምላኽ ነዚ ፈተናታት እዚ ብዓወት ክንሰግሮ ንኽእል ኢና።

14 ኣብ ወሰን ወሓዚ እተተኽለት ኦም: ኣብ ዋዒ ዚበዝሓሉ ወርሓት ኰነ ኣብ እዋን ድርቂ ኣይትሓርርን እያ። ንኣምላኽ እንፈርህ እንተደኣ ዄንና: ካብቲ ዘይነጽፍ ምንጪ ብርታዐ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኢና ሓይሊ እንረክብ። ጳውሎስ ካብ ኣምላኽ እዩ ሓገዝ ዚደሊ ነይሩ: ስለዚ ድማ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኺብል ከኣለ። (ፊልጲ 4:13) ብናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ እንምራሕን እንመላለስን እንተደኣ ዄንና: ዘይንፈሪ ወይ ብመንፈስ ምዉታት ኣይንኸውንን። ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ፍረ ንረክብ: ፍረ መንፈስ እውን ንፈሪ።—ኤርምያስ 17:7, 8፣ ገላትያ 5:22, 23

15 እቲ ጸሓፍ መዝሙር በታ “ኸም” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ገይሩ: የመሳስል እዩ ዘሎ። ሓደ ሓባራዊ ባህሪ ዘለዎ ኽልተ እተፈላለየ ነገራት እዩ ዜወዳድር ዘሎ። ሰባትን ኣእዋምን እተፈላለዩ እዮም: እንተዀነ ግን: ኣብ ወሰን ብዙሕ ማይ እተተኽለት ልምዕቲ ኦም ነቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እቲ ‘ብሕጊ የሆዋ ዚፍሳህ’ ሰብ ዚረኽቦ መንፈሳዊ ብልጽግና እያ ኣዘኻኺራቶ። ብሕጊ ኣምላኽ ንፍሳህ እንተደኣ ዄንና: ከምታ ኦም ንነዊሕ እዋን ክንጸንሕ ኢና። አረ ንዘለኣለም እውን ክንነብር ንኽእል ኢና።—ዮሃንስ 17:3

16. ‘እንገብሮ ዅሉ ዚሰልጠና’ ስለምንታይን ብኸመይን እዩ፧

16 ብቕንዕና ምስ እንመላለስ: የሆዋ ነቲ ዜጋጥመና ፈተናታትን ጸገማትን ንኽንጾሮ የኽእለና። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሕጉሳትን ፈረይትን ንኸውን። (ማቴዎስ 13:23፣ ሉቃስ 8:15) ቀንዲ ዕላማና ፍቓድ የሆዋ ምግባር ስለ ዝዀነ: ‘እንገብሮ ዅሉ ይሰልጠና።’ ዕላማ ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ኣሳልጦ ስለ ዚረክብን ብትእዛዛቱ ስለ እንፍሳህን: ብመንፈስ ንብልጽግ። (ዘፍጥረት 39:23፣ እያሱ 1:7, 8፣ ኢሳይያስ 55:11) ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ እውን ከይተረፈ ብመንፈስ ንብልጽግ።—መዝሙር 112:1-3፣ 3 ዮሃንስ 2

ረሲኣን ዚብልጽጉ ይመስሉ

17, 18. (ሀ) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንረሲኣን ምስ ምንታይ እዩ ኣመሳሲልዎም፧ (ለ) ረሲኣን ብስጋ እኳ እንተ በልጸጉ: ነባሪ ውሕስነት ዘይብሎም ስለምንታይ እዩ፧

17 ንረሲኣን ዜጋጥሞም ነገራት ካብቲ ንጻድቃን ዜጋጥሞም ነገራት ክሳዕ ክንደይ ኰን እተፈልየ እዩ! ረሲኣን ንግዜኡ ብስጋ ዚብልጽጉ ዚመስሉ እኳ እንተዀኑ: ብመንፈስ ግን ኣይብልጽጉን እዮም። እዚ ኻብቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣስዕብ ኣቢሉ “እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቝቡቝ እዮም እምበር: ከምዚ ኣይኰኑን። . . . ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲ: ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ኪርአ ይከኣል እዩ። (መዝሙር 1:4, 5) እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እቶም ረሲኣን . . . ከምዚ ኣይኰኑን” ከም ዝበለ ኣስተብህል። ከምቶም ምስተን ፈረይትን ንነዊሕ እዋን ከይሓረራ ዚጸንሓን ኣእዋም እተመሳሰሉ ንሕግታት ኣምላኽ ዚሕልዉ ሰባት ኣይኰኑን ማለቱ እዩ ነይሩ።

18 ረሲኣን ብስጋ እኳ እንተ በልጸጉ: ነባሪ ውሕስነት ግን የብሎምን። (መዝሙር 37:16፣ 73:3, 12) ከምቲ የሱስ ብዛዕባ ውርሲ ኺዳንዮም ምስ ሓተትዎ ኣብ ዝመሰሎ ምስላ ዝጠቐሶ ዓሻ ዝዀነ ሃብታም ሰብኣይ እዮም። የሱስ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ዝነበሩ ሰባት “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ: ተጠንቀቑ: ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ” በሎም። ነዛ ነጥቢ እዚኣ ንምብራህ ብዛዕባ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ምስላ ነገረ። እዚ ሃብታም ሰብኣይ እዚ ግርሁኡ ስለ ዝቐደወሉ: ንዅሉ ጥሪቱ ምእንቲ ኺሕዘሉ ነቲ ማዕከኑ ኣፍሪሱ ኣግፊሑ ኺሰርሕ መደበ። ድሕሪኡ: ኪበልዕን ኪሰትን ኪሕጐስን ሓሰበ። ኣምላኽ ግን “ኣታ ዓሻ: ንነፍስኻ ኻባኻ ኺወስድዋ: በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ አለዉ: እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ኪኸውን እዩ፧” በሎ። የሱስ ነቲ ኼመሓላልፎ ዝደለየ ነጥቢ እንደገና ብምጕላሕ “እቲ ንርእሱ መዝገብ ዚእክብ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ኸምኡ እዩ” በለ።—ሉቃስ 12:13-21

19, 20. (ሀ) ብግዜ ጥንቲ ዓውዲ ብኸመይ የኺዱን የዝርዉን ከም ዝነበሩ ግለጽ። (ለ) ረሲኣን ምስ ብቝቡቝ እተመሳሰሉ ስለምንታይ እዮም፧

19 ረሲኣን “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታ[ማት]” ኣይኰኑን። ስለዚ: ከም ብቝቡቝ ወይ ሓሰር ንፋይ ዚጠፍኡ ብምዃኖም ውሕስነትን ርግኣትን የብሎምን። ብግዜ ጥንቲ እኽሊ ምስ ተዓጽደ: ናብ ዓውዲ ይውሰድ። ኣብኡ ኸኣ ነቲ ቓንጫ ንምቍርራጽን ነቲ ጕርዲ ንምፍላይን በሊሕ እምኒ ወይ ሓጺን ዘለዎ ነገር ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ዓጺድ ዝመጸ እኽሊ ብእንስሳ ይሰሓብ። ድሕሪኡ: ብመስአ ገይሮም የዝርዉዎ። (ኢሳይያስ 30:24) ኬዝርዉዎ ኸለዉ እቲ እኽሊ ተመሊሱ ናብቲ ዓውዲ ኺወድቕ ከሎ: እቲ ጕርድን እቲ ብቝቡቝን ግን ብንፋስ ይውሰድ። (ሩት 3:2) ጸጸርን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራትን ንምልጋስ እቲ እኽሊ ምስ ተሓሓየ: ንኪኽዘን ወይ ንኺጠሓን ድሉው ይኸውን። (ሉቃስ 22:31) ነቲ ብቝቡቝ ግን ንፋስ እዩ ዚወስዶ።

20 ከምቲ እቲ ብቝቡቝ ብንፋስ ኪውሰድ ከሎ እቲ እኽሊ ናብቲ ዝነበሮ ባይታ ዚምለስ: እቶም ረሲኣን ኪጠፍኡ ኸለዉ ኸኣ እቶም ጻድቃን ኪተርፉ እዮም። እወ: ድሕሪ ሓጺር እዋን እኩያት ንሓዋሩ ኺጠፍኡ ምዃኖም ብዙሕ እዩ ዜሐጕሰና። ንሳቶም ምስ ጠፍኡ: እቶም ብሕጊ የሆዋ ዚፍስሁ ሰባት ብዙሕ በረኸት ኪረኽቡ እዮም። እወ: እዙዛት ደቅሰብ ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ ውህበት ዘለኣለማዊ ህይወት ኪረኽቡ እዮም።—ማቴዎስ 25:34-46፣ ሮሜ 6:23

እታ እተባረኸት “መገዲ ጻድቃን”

21. የሆዋ ‘ንጻድቃን ዚፈልጦም’ ብኸመይ እዩ፧

21 እቲ ናይ መጀመርታ መዝሙር ኣብ ኣጋ መወዳእታ “ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ: መገዲ ረሲኣን ግና ኽትጠፍእ እያ” ይብል። (መዝሙር 1:6) የሆዋ ‘ንጻድቃን ዚፈልጦም’ ብኸመይ እዩ፧ ብቕንዕና ንመላለስ እንተለና: ሰማያዊ ኣቦና ንሕግታቱ ኸነኽብር ከለና ኸም ዜስተብህልን በገልግሎትና ተሓጒሱ ኸም ዚርእየናን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንሕናውን ብግዴና ንሱ ኸም ዚሓልየልና ብምትእምማን: ንዅሉ ጭንቀትና ኣብኡ ኽንድርብዮ ንኽእል ኢና: ኽንድርብዮ እውን ኣሎና።—ህዝቅኤል 34:11፣ 1 ጴጥሮስ 5:6, 7

22, 23. ንረሲኣንን ንጻድቃንን እንታይ እዩ ኼጋጥሞም፧

22 “መገዲ ጻድቃን” ንዘለኣለም ትጸንዕ: እቶም መገዶም ዘየዐርዩ ረሲኣን ግን ብፍርዲ የሆዋ ኺጠፍኡ እዮም። ‘መገዶም’ ወይ ናብራ ህይወቶም ከኣ ምሳታቶም ሓቢሩ ኺጠፍእ እዩ። እቲ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ቃላት ዳዊት ከም ዚፍጸም ክንተኣማመን ንኽእል ኢና:- “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ: ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ። ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:10, 11, 29

23 ረሲኣን ኣብ ዘይህልዉሉ እዋን ኣብ ምድሪ ናይ ምንባር ኣጋጣሚ እንተደኣ ረኺብና: ኣየ ኸመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን እዩ ኺህልወና! እቶም ትሑታትን ጻድቃንን ኵሉ ሳዕ ‘ብሕጊ የሆዋ’ ስለ ዚፍስሁ: ናይ ሓቂ ሰላም ኪረኽቡ እዮም። ቅድሚኡ ግን ‘ኣዋጅ የሆዋ’ ኺፍጸም ኣለዎ። (መዝሙር 2:7ሀ ትርጕም 1990) እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ: እቲ ኣዋጅ የሆዋ እንታይ ምዃኑን ንዓናን ንዅሎም ደቅሰብን እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎን ንኽንርዳእ ክትሕግዘና እያ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ሕግታት ኣምላኽ ዚሕሉ ሰብ ሕጉስ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

• ብሕጊ የሆዋ ኸም እንፍሳህ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

• ሓደ ውልቀ-ሰብ ከም እኹል ማይ እትረክብ ኦም ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

• መገዲ ጻድቃን ካብ መገዲ ረሲኣን እትፍለ ብኸመይ እያ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ጸሎት ምስ ረሲኣን ከይንተዓራረኽ ይሕግዘና

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ጻድቕ ሰብ ከም ኦም ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧