ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣእምሮኛ ሰብ ብምስትውዓል ይዐዪ”

“ኣእምሮኛ ሰብ ብምስትውዓል ይዐዪ”

“ኣእምሮኛ ሰብ ብምስትውዓል ይዐዪ”

እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መምርሒ “ካብ ወርቂ: ኤረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ዚሕረ እዩ።” (መዝሙር 19:7-10) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: “ካብ ወጽመድ ሞት ምእንቲ ኸተምልጥሲ: ሕጊ ጠቢብ [የሆዋ] ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ።” (ምሳሌ 13:14) ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ: ንናብራና የመሓይሾ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ሓደጋ ኻብ ዜእትወና መፈንጠራታት ክንርሕቕውን የኽእለና። እምበኣር: ንቕዱሳት ጽሑፋት ክንፈልጦን ነቲ ኻብኡ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ኣሎና።

ኣብ ምሳሌ 13:15-25 ተመዝጊቡ ኸም ዚርከብ: እቲ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ንጉስ ዝነበረ ሰሎሞን ዝሓሸን ነዊሕን ህይወት ምእንቲ ኺህልወና ብምስትውዓል ክንመላለስ ምኽሪ ሃበ። a ብሓጺርን ብሩህን ምስላታት ገይሩ: ሞገስ ካልኦት ክንረክብ: ኣብ ኣገልግሎት እሙናት ክንከውን: ንተግሳጽ ቅኑዕ ኣረኣእያ ኽንሕዝ: ከምኡውን ነዕሩኽትና ብጥበብ ክንመርጽ ዜኽእለና ሓገዝ ካብ ቃል ኣምላኽ ብኸመይ ከም እንረክብ ኣርኣየ። ንውሉዳትና ውርሻ ምግዳፍን ብፍቕሪ ምግሳጾምን እውን ጥበብ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

ጽቡቕ ምስትውዓል ሞገስ የምጽእ

ሰሎሞን “ጽቡቕ ምስትውዓል ሞገስ ይህብ: መገዲ ጠለምቲ ግና ተራር እያ” በለ። (ምሳሌ 13:15) ሓደ መወከሲ ጽሑፍ እታ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ “ጽቡቕ ምስትውዓል” ወይ ጽቡቕ ምርዳእ ተባሂላ ዘላ መግለጺት: “ምስትውዓልን ምምዝዛንን ጥበባዊ ኣረኣእያን ምህላው ተመልክት” ብምባል ገለጸ። ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ዘለዎ ሰብ ሞገስ ካልኦት ንምርካብ ኣየጸግሞን እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ባርያ ዝነበረ እሞ ኻብ ጐይታኡ ዝሃደመ ጸኒሑ ድማ ክርስትያን ዝዀነ ኦኔሲሞስ መሊሱ ናብ ፊልሞን ኪሰዶ ኸሎ እተጠቕመሉ ምስትውዓል እሞ ርአ። ጳውሎስ ንፊልሞን ከምቲ ንዕኡ ዚቕበሎ ገይሩ ንኦኔሲሞስ ብሕያውነት ኪቕበሎ ተማሕጸኖ። ኦኔሲሞስ ካብ ፊልሞን እተዓድዮ እንተ ነይሩ እውን: ጳውሎስ ባዕሉ ኪኸፍሎ ኸም ዚኽእል ገለጸሉ። እወ: ጳውሎስ ስልጣኑ ተጠቒሙ ንፊልሞን ቅኑዕ ነገር ኪገብር ኪእዝዞ ምኸኣለ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እቲ ሃዋርያ ነቲ ጕዳይ እቲ ብሜላን ብፍቕርን ኪሕዞ ደለየ። ከምዚ ኺገብር ከሎ ፊልሞን ከም ዚተሓባበሮን ካብቲ ዝሓተቶ ንላዕሊ ኺገብር ከም ዚድረኽን ይተኣማመን ነበረ። ንሕናኸ ንኣመንቲ ብጾትና ብኸምዚ ዝኣመሰለ መገዲ ደይኰንናን ክንቀርቦም ዘሎና፧—ፊልሞን 8-21

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን መገዲ ጠለምቲ “ተራር” እያ። ብኸመይ፧ ሓደ ምሁር ከም ዝበሎ: እታ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ቓል “ነቲ ኣብ እኩያት ዚርአ ናይ ዘይስማዕ ባህሪ እተመልክት ኰይና ተሪር ወይ ነቓጽ” ማለት ከም ዝዀነት ገለጸ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ብመገዲ እኩያት ዚመላለስ እሞ ኻልኦት ዚህብዎ ጥበባዊ መምርሒ ዘይሰምዕን ዘይግድሶን ሰብ ናብ ጥፍኣት እዩ ዚጐዓዝ ዘሎ” በለ።

ሰሎሞን ኣስዕብ ኣቢሉ “ኣእምሮኛ ሰብ ብምስትውዓል ይዐዪ: ዓሻ ግና ዕሽነት ይዝርግሕ” በለ። (ምሳሌ 13:16) ኣእምሮኛ ሰብ ምስ ምስትውዓል ተተሓሒዙ ስለ ዘሎ: ሓደ ነገር ቅድሚ ምግባሩ ንዚሓስብ ብልሂ ሰብ እዩ ዜመልክት። ኣእምሮኛ ሰብ ዘይግባእ ነቐፌታ ወይ ጸርፊ እውን እንተ ኣጋጠሞ: ከናፍሩ ይገትእ። ሕርቃኑ ምቍጽጻር ምእንቲ ኸይስእን ፍረ መንፈስ ንምፍራይ ናብ ኣምላኽ ይጽሊ። (ገላትያ 5:22, 23) ብልሂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ ዜጋጥሞ ዅነታት ወይ ካልእ ሰብ ኪኸውን ኣይፈቅድን እዩ። ኣብ ክንድኡስ ገዛእ ርእሱ ይቈጻጸር: ብቐሊሉ ስለ ዘይቝጣዕ ድማ ዓሰርተ ሳዕ ኣብ ባእሲ ኣይኣቱን።

ኣእምሮኛ ሰብ ውሳነ ኺገብር ከሎ እውን ብምስትውዓል እዩ ዚዓዪ። ጥበባዊ ውሳነ ብግምት: ብስምዒት: ወይ ንሓፋሽ ብምስዓብ ዚመጽእ ዘይምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ: ግዜ ወሲዱ ነቲ ጕዳይ ይምርምሮ። ንዅሉ እቲ ጭቡጥ ነገራት የመዛዝን: እንታይ ኣማራጺታት ከም ዘለዎ ድማ ይግምግም። ድሕሪኡ: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ነዚ ዚምልከት ሕግታት ወይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ የናዲ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ መገዱ ቕንዕቲ እያ እትኸውን።—ምሳሌ 3:5, 6

‘እሙን መልእኽተኛ ጥዕና እዩ’

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን: ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና መልእኽቲ ናይ ምእዋጅ ሓላፍነት ተዋሂቡና ኣሎ። እተን ኣብዛ እትቕጽል ምስላ ዚርከባ ቓላት ኣብቲ እተዋህበና መዝነት እሙናት ኴንና ንኽንቅጽል ይሕግዛና። እታ ምስላ “ረሲእ ልኡኽ ኣብ እከይ ይወድቕ: እሙን መልእኽተኛ ግና ጥዕና እዩ” ትብል።—ምሳሌ 13:17

ኣብዚ ባህርያት እቲ ልኡኽ እዩ ጐሊሑ ዘሎ። እቲ ልኡኽ ብኽፍኣት ነቲ መልእኽቲ እንተ ቐየሮ ወይ እንተ ጠወዮ እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ከቢድ ፍርዲ ደይኰነን ዚቕበል፧ ብዛዕባ እቲ ጊልያ ነብዪ ኤልሳእ ዝነበረ ገሓዚ እሞ ሕስብ ኣብል። እዚ ሰብ እዚ ብስስዐ ተደሪኹ ነቲ ሶርያዊ ሓለቓ ሰራዊት ዝነበረ ንእማን ናይ ሓሶት መልእኽቲ ኣብጽሓሉ። እቲ ናይ ንእማን ለምጺ ድማ ኣብ ገሓዚ ለገበ። (2 ነገስት 5:20-27) ሓደ ልኡኽ ዘይእሙን እንተ ዀይኑን ነቲ መልእኽቲ ጠሪሱ እንተ ዘየብጺሑንከ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ነቲ ረሲእ: ካብ መገዱ ኺምለስ ኢልካ ኺጥንቀቕ: እንተ ዘይተዛረብካዮ: እዚ ረሲእ ብሰሪ ረሲእነቱ ኺመውት እዩ: ደሙ ግና [ኣነ የሆዋ] ካብ ኢድካ እየ ዝደልዮ” ይብል።—ህዝቅኤል 33:8

በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ እቲ እሙን መልእኽተኛ ንርእሱን ነቶም ዚሰምዕዎን ጥዕና እዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ: በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ: ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ” ኢሉ ተማሕጸኖ። (1 ጢሞቴዎስ 4:16) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ምንጋር ዜምጽኦ ጥዕና እሞ ሕስብ ኣብለሉ። ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ብምንቕቓሕ ናብታ ሓራ እተውጽእ ሓቂ እዩ ዚመርሖም። (ዮሃንስ 8:32) ሰባት ነቲ መልእኽቲ ዋላ እንተ ዘይሰምዕዎ: እቲ እሙን መልእኽተኛ ‘ንነፍሱ የድሕና እዩ።’ (ህዝቅኤል 33:9) እምበኣር: ክንሰብኽ እተዋህበና መዝነት ከቶ ዕሽሽ ኣይንበሎ። (1 ቈረንቶስ 9:16) ንሰባት መታን ከይነጕህዮም ኢልና ወይ ምእንቲ ኽፈትዉዎ ኢልና ነቲ መልእኽቲ ርዝነቱ ኸየፍኰስና: ወትሩ ‘ነቲ ቓል ንስበኽ።’—2 ጢሞቴዎስ 4:2

‘መግናሕቲ ዚቕበል ይኸብር’

ብልሂ ሰብ ዚጠቕሞ ማዕዳ ኺወሃቦ ኸሎ ቕር ኪብሎስ ግቡእ ድዩ፧ ምሳሌ 13:18 “ነቲ ተግሳጽ ዘይቕበል ሰብ ድኽነትን ነውርን ይጸንሖ: መግናሕቲ ዚቕበል ግና ይኸብር” ትብል። ዋላውን ዘይሓተትናዮ ሰብ ንዝህበና መግናሕቲ እንተ ተቐቢልና: ጥበበኛታት ኢና እንኸውን። ጥዑይ ማዕዳ ምናልባት የድልየና እዩ ኢልና ኣብ ዘይሓሰብናሉ እዋን እውን እንተዀነ: ብዙሕ ኪጠቕመና ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምኽሪ ምስማዕ ካብ ጓሂ ልቢ ይሰትረና: ካብ ሕማቕ ነገር ክንርሕቕ ድማ ይሕግዘና። ነዚ ዕሽሽ ምባል ነውራም ይገብር ወይ ውርደት የምጽእ።

ግቡእ ናእዳ ንመንፈስና የለዓዕሎን የተባብዓናን እዩ። እንተዀነ ግን: መግናሕቲ ኺወሃበና ትጽቢት ክንገብረሉ: ምስ ተዋህበናውን ክንቅበሎ ኣሎና። ነተን ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ዝጸሓፈን ክልተ መልእኽትታት እሞ ርአ። ንጢሞቴዎስ ብተኣማንነቱ እኳ እንተ ነኣዶ: ኣብተን መልእኽትታት ግን ብዙሕ ምኽሪ ሂብዎ እዩ። ጳውሎስ ነቲ ኻብኡ ዚንእስ ዝነበረ ሰብኣይ እምነቱ ኣጽኒዑ ብዛዕባ ምሓዝ: ቅኑዕ ሕልና ብዛዕባ ምህላው: ኣብ ጉባኤ ምስ ካልኦት ብዛዕባ ኺህልዎ ዘለዎ ርክብ: ኣምልኾ ምስ ይኣኽለኒ ምባል ብዛዕባ ምምዕባል: ንኻልኦት ብዛዕባ ምምሃር: ንኽሕደት ብዛዕባ ምጽራር: ከምኡውን ኣገልግሎቱ ብዛዕባ ምምላእ መዓዶ። ብዕድመ ዝነኣሱ ኣባላት ጉባኤ ኻብ ተመክሮ ዘለዎም ሰባት ምኽሪ ኼናድዩን ኪቕበሉን ኣለዎም።

‘ምስ ጠቢባን ተመላለስ’

እቲ ጥበበኛ ንጉስ “እተፈጸመ ድሌት ንነፍሲ ጥዑም እዩ: ዓያሱ ግና ካብ እከይ ምርሓቕ ጽያፎም እዩ” በለ። (ምሳሌ 13:19) ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ ትርጕም እዛ ምስላ እዚኣ ኸምዚ በለ:- “ሓደ ሰብ ሸቶኡ ኺበጽሕ ወይ ትምኒቱ ኺረክብ ከሎ: ዕግበት እዩ ዚስምዖ። . . . ዕላማኻ ምፍጻም ልዕሊ ዅሉ ዜሐጕስ ስለ ዝዀነ: ዓያሱ እከይ ተግባሮም ኪሓድጉ ኣይደልዩን እዮም። ብኽፍኣት ገይሮም ጥራይ እዮም ትምኒቶም ኬማልኡ ዚኽእሉ: እከይ እንተ ገዲፎም ከኣ ድሌቶም ብምፍጻም ዚርከብ ሓጐስ ይስእኑ።” እምበኣር: ግቡእ ትምኒት ምምዕባል ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!

እንቀራረቦም ሰባት ኰነ ብዙሕ ግዜ እነሕልፈሉ ነገራት ኣብ ሓሳባትና ኸምኡውን ኣብ እንፈትዎን ኣብ እንጸልኦን ነገራት ክሳዕ ክንደይ ሓያል ጽልዋ ዀን እዩ ዘለዎም! ሰሎሞን “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ብምባል ምስ ግዜ ዘይሃስስ ሓቂ እዩ ተዛሪቡ። (ምሳሌ 13:20) እወ: እንቐርቦም ሰባት ከምኡውን እንርእዮ መዘናግዒታትን መርበብ ሓበሬታን እነንብቦ ጽሑፋትን ንሕጂ ዀነ ንመጻኢ ኣብ እንታይነትና ጽልዋ ኣለዎ። እምበኣር: እንቐርቦም ወይ ግዜ እነሕልፈሉ ነገራት ብምሉኡ ብጥበብ ክንመርጽ ኣሎና።

“የውርሶም”

እቲ ንጉስ እስራኤል “ንሓጥኣን ሕሰም የባርሮም: ጻድቃን ግና ብሰናይ ይፍደዩ” በለ። (ምሳሌ 13:21) የሆዋ ንጻድቃን ስለ ዚሓልየሎም: ጽድቂ ኽትገብር ምጽዓር ዓስቢ ኣለዎ። (መዝሙር 37:25) ይኹን እምበር: ንዅላትና “ጊዜን ኣጋጣምን” ከም ዚመጸና ኣፍልጦ ኽንህበሉ ኣሎና። (መክብብ 9:11) ብሃንደበት ንዚመጽእ ነገር ድሉው ንምዃን ክንገብሮ እንኽእል ነገር ኣሎዶ፧

ሰሎሞን “ደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም” በለ። (ምሳሌ 13:22ሀ) ወለዲ ንውሉዳቶም ብዛዕባ የሆዋ ኺፈልጡን ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ኬማዕብሉን ምስ ዚሕግዝዎም ኣየ ኸመይ ዝበለ ኽቡር ውርሻ ዀን እዮም ዜውርስዎም! ሓደ ወላዲ ብሃንደበት እንተ ሞትኩ ኢሉ ብምሕሳብ እውን ዚከኣል እንተ ዀይኑ ብስጋ ንዜድሊ ነገራት ምድላዋት ምግባር ምስትውዓል ደይኰነን፧ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ርእስታት ስድራቤት ውሕስነት ኪዕድጉ: ሕጋዊ ኑዛዜ ኺገብሩ: ከምኡውን እተወሰነ ገንዘብ ኬቐምጡ ይኽእሉ እዮም።

ብዛዕባ ውርሲ እቲ ሓጥእ ግን እንታይ እዩ ኺበሃል ዚከኣል፧ ሰሎሞን ኣስዕብ ኣቢሉ “ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ” በለ። (ምሳሌ 13:22ለ) ኣብ ርእሲ እቲ ሕጂ ዚርከብ ረብሓ: የሆዋ “ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ኪፈጥር ምዃኑ ዝኣተዎ መብጽዓ ኺፍጽም ከሎ እውን ናይዚ ሓቅነት ኪርአ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:13) ድሕሪኡ እቶም ረሲኣን ኪጠፍኡ እዮም: “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም።”—መዝሙር 37:11

ብልሂ ሰብ ዋላ እውን ድኻ እንተዀነ: ብምስትውዓል እዩ ዚዓዪ። ምሳሌ 13:23 “ድኻታት ዝሐረስዎ በዱ ብዙሕ ሲሳይ ይርከቦ: ሰኣን ቅንዕና ዚጠፍኡ ግና አለዉ” ትብል። ድኻታት ብትግሃትን ብበረኸት የሆዋን ሲሳይ ይረኽቡ እዮም። ፍትሒ ምስ ዚጐድል ግን: ሰኣን ቅኑዕ ፍርዲ ብዙሕ ሃብቲ እዩ ዚጠፍእ።

“ኣንጊሁ ይቐጽዖ”

ዘይፍጹማት ሰባት ካብ ቍልዕነቶም ኣትሒዞም ተግሳጽ የድልዮም እዩ። እቲ ንጉስ እስራኤል “ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ: ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ” በለ።—ምሳሌ 13:24

ሸቦጥ ወይ በትሪ ምልክት ስልጣን እዩ። ኣብ ምሳሌ 13:24 ከኣ ወለዲ ንዘለዎም ስልጣን እዩ ዜመልክት። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ: ብሸቦጥ ምቕጻዕ ኪበሃል ከሎ: ምግራፍ ጥራይ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: ዓይነት እቲ መቕጻዕቲ ብዘየገድስ መአረሚ መገዲ ምዃኑ እዩ ዜመልክት። ኣብ ገሊኡ መዳይ ንሓደ ውሉድ ብሕያውነት ዚወሃቦ መግናሕቲ ነቲ ዘይግቡእ ጠባዩ ንምእራም እኹል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካልእ ቈልዓ ኸኣ ዝተረረ ተግሳጽ የድልዮ ይኸውን። ምሳሌ 17:10 “ካብ ሚእቲ ግርፋት ንዓሻስ: ተግሳጽ ንለባም ኣዕሚቑ ይአትዎ” ትብል።

ወለዲ ዚህብዎ ተግሳጽ ንውሉዳት ምእንቲ ኺጠቕሞም ወትሩ ብፍቕርን ብጥበብን እተሰነየ ኪኸውን ኣለዎ። ፈቃር ወላዲ ንጌጋታት ውሉዱ ዕሽሽ ኢሉ ኣይሓልፎን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: እቲ ጌጋታት ሱር ቅድሚ ምስዳዱ ምእንቲ ኺምሕዎ ነቲ ሽግር ኪረክብ እዩ ዚጽዕር። ልክዕ እዩ: ሓደ ፈቃር ወላዲ ነቲ ጳውሎስ “ኣቱም ኣቦታትውን: ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ይስዕቦ እዩ።—ኤፌሶን 6:4

ሓደ ወላዲ ዕሽሽ ዚብልን ዘይእርምን እንተ ዀይኑኸ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ወላዲ ልምሉም ብምዃኑ ጸኒሑ ምስጋና ኺረክብ ድዩ፧ ኣይፋልን! (ምሳሌ 29:21) መጽሓፍ ቅዱስ “ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍራ” ይብል። (ምሳሌ 29:15) ወለዲ እተዋህቦም ስልጣን ብግቡእ ዘይጥቀሙሉ እንተ ዀይኖም: ዘይግደሱ ወይ ፍቕሪ ዝጐደሎም ምዃኑ እዩ ዜርኢ። ንስልጣኖም ብሕያውነትን ወለም ዘለም ከይበሉን ምጥቃም ግን ፍቕራዊ ሓልዮት ከም ዘለዎም እዩ ዜንጸባርቕ።

ሓደ ብምስትውዓል ዚዓዪ ብልህን ቅኑዕን ሰብ በረኸት እዩ ዚረክብ። ሰሎሞን “ጻድቕ ክሳዕ ዚጸግብ ይበልዕ: ከብዲ ሓጥኣን ግና ይጠሚ” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ምሳሌ 13:25) የሆዋ ኣብ ጕዳያት ስድራቤት: ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ: ኣብ ኣገልግሎትና: ተግሳጽ ኣብ ዚወሃበና እዋን: ኰታስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ናብራ ህይወትና ንዓና ዚሕሸና ይፈልጥ እዩ። ነቲ ኣብ ቃሉ ዚርከብ ምኽሪ ብጥበብ ኣብ ግብሪ ብምውዓል: ብዘይ ጥርጥር እቲ ዝበለጸ ዓይነት ህይወት ኢና እንረክብ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ምሳሌ 13:1-14 መብርሂ እንተደኣ ደሊኻ: ናይ 15 መስከረም 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 21-5 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ኣእምሮኛ ሰብ ዘይግባእ ነቐፌታ እውን እንተ ኣጋጠሞ: ከናፍሩ ይገትእ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

እሙን ሰባኺ መንግስቲ ኣምላኽ ብዙሕ ጽቡቕ ይገብር

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ናእዳ ዜተባብዓና እኳ እንተዀነ: መአረምታ እውን ክንቅበል ኣሎና

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ፈቃር ወላዲ ንጌጋታት ውሉዱ ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ