ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኣዋጅ የሆዋ’ ኣይፈሽልን እዩ

‘ኣዋጅ የሆዋ’ ኣይፈሽልን እዩ

‘ኣዋጅ የሆዋ’ ኣይፈሽልን እዩ

“እቲ እግዚኣብሔር ዝበለኒ ኽእውጅ እየ። እግዚኣብሔር ‘ንስኻ ወደይ ኢኻ . . . ለምነኒ፥ ኣነ ኸኣ ኣሕዛብ ንርስትኻ . . . ኽህበካ እየ።’”—መዝሙር 2:7, 8 ትርጕም 1990

1. ኣብ መንጎ ዕላማ ኣምላኽን ዕላማ ኣህዛብን እንታይ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧

 የሆዋ ኣምላኽ ንደቅሰብን ንምድርን ዕላማ ኣለዎ። ኣህዛብ እውን ናይ ርእሶም ዕላማ ኣለዎም። እዚ ዕላማታት እዚ ግን ብዙሕ ፍልልይ ኣለዎ። ኣምላኽ “ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል: መገድታተይ ካብ መገድታትኩም: ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ” ኢሉ ስለ እተዛረበ: ፍልልይ ኪህልዎ እንጽበዮ ነገር እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸየስተዮ: ከም ዜፍርን ከም ዜብቍልን ከኣ ከይገበሮ: ዘርኢ ንዘራኢ: ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ: ንድሕሪት ከም ዘይምለስ: እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ: ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ” ስለ ዝበለ: ዕላማ ኣምላኽ ብርግጽ ኪፍጸም እዩ።—ኢሳይያስ 55:9-11

2, 3. ኣብቲ ኻልኣይ መዝሙር እንታይ እዩ ንጹር ኰይኑ ዘሎ: እንታይ ሕቶታት ግን እዩ ኺለዓል ዚኽእል፧

2 ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ዘለዎ ዕላማ ፍጻሜኡ ኺረክብ እዩ: እዚ ድማ ኣብ ካልኣይ መዝሙር ንጹር ኰይኑ ኣሎ። እቲ ነዚ መዝሙር እዚ ዘቀናበረ ጥንቲ ዝነበረ ዳዊት ንጉስ እስራኤል: ኣህዛብ ጫውጫው ዚብሉሉ ፍሉይ እዋን ከም ዚመጽእ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ተነበየ። ሽዑ ገዛእቶም ንየሆዋ ኣምላኽን ነቲ ቕቡኡን ዚቃወሙሉ እዋን እዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እቲ እግዚኣብሔር ዝበለኒ ኽእውጅ እየ። እግዚኣብሔር ‘ንስኻ ወደይ ኢኻ . . . ለምነኒ፥ ኣነ ኸኣ ኣሕዛብ ንርስትኻ፥ ምድሪ ብምልእታ ድማ ንኣኻ ኽህበካ እየ’” ኢሉ እውን ዘሚሩ እዩ።—መዝሙር 2:7, 8

3 የሆዋ ነህዛብ ዚእውጆ ‘ኣዋጅ’ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ ንደቅሰብ ብሓፈሻ ብኸመይ እዩ ዚትንክፎም፧ እዚ ምዕባለታት እዚ ንዅሎም እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ኣንበብቲ ኻልኣይ መዝሙር ብኸመይ እዩ ዚጸልዎም፧

ኣህዛብ ጫውጫው በሉ

4. ቀንዲ ፍረ ነገር መዝሙር 2:1, 2 ብኸመይ ኣሕጽር ኣቢልካ ምገለጽካዮ፧

4 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ ኣብ መንጎ የሆዋን ኣህዛብን ዘሎ ግጭት ኣመልኪቱ: “ስለምንታይ እዮም ኣህዛብ ጫውጫው ዚብሉ: ህዝብታትሲ ከንቱ ዚሐስቡ፧ ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ: መሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮም . . . ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ” ብምባል ነታ መዝሙሩ ጀመረ።—መዝሙር 2:1, 2 a

5, 6. ህዝብታት እንታይ “ከንቱ” እዮም “ዚሓስቡ፧”

5 ሕጂ ዘለዉ ህዝብታት እንታይ “ከንቱ” እዮም “ዚሐስቡ፧” ነቲ ናይ ኣምላኽ መሲህ—ቅቡእ ወይ ክርስቶስ—ኣብ ክንዲ ዚቕበልዎ: ኣብ ስልጣን ዚጸንሑሉ ነገራት ጥራይ እዮም “ዚሓስቡ።” እዘን ኣብ ካልኣይ መዝሙር ዚርከባ ቓላት እዚኣተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ሰበ-ስልጣን ኣይሁድን ሮሜን ነቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምቕታል ምስ ሰመሩ እውን ፍጻሜአን ረኺበን እየን። እንተዀነ ግን: ብ1914 የሱስ ሰማያዊ ንጉስ ኰይኑ ምስ ተሸመ ዝዓበየ ፍጻሜአን ኪርአ ጀመረ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ዋላ ሓደ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ፖለቲካዊ ውድብ ነቲ ኣምላኽ ዘንገሶ ንጉስ ኣይተቐበሎን።

6 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ‘ስለምንታይ እዮም ህዝብታት ከንቱ ዚሓስቡ፧’ ኢሉ ኺሓትት ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ዕላማኦም ከንቱን ዚፈሽልን ምዃኑ እዩ ዚሕብር ነይሩ። ኣብ ዓለም ሰላምን ስኒትን ኬምጽኡ ኣይክእሉን እዮም። ኰይኑ ግን: ብኣምላኽ ንኸይግዝኡ ኻብ ምጽራር ኣየቋረጹን። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ነቲ ልዑልን ንመሲሁን ሓቢሮም ይቃወሙ እዮም። ኣቤት ዕሽነት!

እቲ የሆዋ ዝሸሞ ዕዉት ንጉስ

7. እቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ጸሎቶም ንመዝሙር 2:1, 2 ኣብ ምንታይ እዮም ኣውዒሎምዋ፧

7 ሰዓብቲ የሱስ ነተን ኣብ መዝሙር 2:1, 2 ዚርከባ ቓላት ኣብ የሱስ ኣውዒሎምወን እዮም። ብምኽንያት እምነቶም መስጐጕቲ ምስ ወረዶም: ከምዚ ዚስዕብ ኢሎም ጸለዩ:- “ዎ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታተን ዘሎ ዅሉን ዝገበርካ ጐይታ [የሆዋ]: ከምቲ ብመንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ባርያኻ፤ ስለምንታይ ኣህዛብ ሐረቑ: ህዝብስ ከንቱ ሐሰቡ፧ ነገስታት ምድሪ ተላዕሉ: እቶም መኳንንቲ ድማ ንእግዚኣብሔር ንመሲሁን ኪጻረሩ ብሓደ ተአከቡ: ዝበልካዮ: . . . ብሓቂ ሄሮድስ [ኣንቲጳስ]ን ጶንጥዮስ ጲላጦስን ምስ ኣህዛብን ምስ ዓሌታት እስራኤልን ኰይኖም: ነቲ ንስኻ ዝቐባእካዮ ቅዱስ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንምጽራር ተአከቡ።” (ግብሪ ሃዋርያት 4:24-27፣ ሉቃስ 23:1-12) b እወ: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ነቲ ብኣምላኽ እተቐብአ የሱስ ንምጽራር ውዲት ተገይሩ ነበረ። ኰይኑ ግን: እዚ መዝሙር እዚ ሓያሎ ዘመናት ጸኒሑ ኻልእ ፍጻመ ኺህልዎ ነበሮ።

8. መዝሙር 2:3 ኣብዞም ሕጂ ዘለዉ ኣህዛብ እትውዕል ብኸመይ እያ፧

8 ጥንታዎት እስራኤላውያን ከም ዳዊት ዝኣመሰለ ሰብኣዊ ንጉስ ኣብ ዝነበሮም እዋን: ኣረማውያን ኣህዛብን ገዛእትን ንኣምላኽ ኰነ ነቲ ንሱ ዘንገሶ ቕቡእ ንምጽራር ተኣኪቦም ነይሮም። ኣብዚ ግዜናኸ፧ ሕጂ ዘለዉ ኣህዛብ ነቲ የሆዋን መሲሁን ኬማልእዎ ዚደልይዎም ብቕዓታት ኣየማልኡን እዮም። ስለዚ: “ንመቓውሖም ንስበሮ: ንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ” ኸም ዚብሉ ዘለዉ ጌርካ ኺውሰድ ይከኣል እዩ። (መዝሙር 2:3) ኣምላኽን እቲ ቕቡኡን ዚገብርዎ ዝዀነ ይኹን ቀይዲ: በቶም ገዛእትን በህዛብን ምጽራር እዩ ዜጋጥሞ ዘሎ። ልክዕ እዩ: ንኸምዚ ዝኣመሰለ መቓውሕ ንምስባርን ንማእሰሪ ንምድርባይን ዚግበር ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ ኸንቱ እዩ ዚኸውን!

የሆዋ የላግጸሎም

9, 10. የሆዋ ነህዛብ ዜላግጸሎም ስለምንታይ እዩ፧

9 የሆዋ በቲ ገዛእቲ ህዝብታት ልዑላውነቶም ንምርግጋጽ ዚገብርዎ ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ ኣይትንከፍን እዩ። እቲ ኻልኣይ መዝሙር ኣስዕብ ኣቢሉ “እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ይስሕቆም: ጐይታ የላግጸሎም” ይብል። (መዝሙር 2:4) እዞም ገዛእቲ እዚኣቶም ትርጕም ዘይብሎም ስለ ዝዀኑ: ኣምላኽ ከይተገደሰሎም ዕላማኡ እዩ ዚፍጽም። በቲ ድርቅናኦም ይስሕቆምን የላግጸሎምን። ብዛዕባ እቲ ኺገብርዎ ዚሓስቡ ኽሳዕ ዚኣኽሎም ይነየቱ። ንየሆዋ ግን መስሓቒኡ እዮም። ንኸንቱ ኺጻረሩዎ ኺፍትኑ ኸለዉ ይስሕቆም።

10 ዳዊት ኣብ ካልእ መዝሙር ብዛዕባ እቶም ጸላእቱ ዝነበሩ ውልቀ-ሰባትን ኣህዛብን ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ጐይታይ: ኣምላኽ ሰራዊት: ኣምላኽ እስራኤል: ንቓሕ እሞ ንዅሎም ኣህዛብ መዓት ኣውርደሎም: ካብቶም ጠለምቲ ገበርቲ እከይ ንሓደ እኳ ኣይትምሐር። ምሸት እናተመልሱ ኸም ኣኽላባት ይነብሑ: ኣብ ከተማውን ይዞሩ። መንከ ዚሰምዕ አሎ፧ እናበሉ: እንሆ: ኣፎም ይግንፍል: ኣብ ከናፍሮም ኣስያፍ አሎ። ግናኸ ጐይታየ: ንስኻ ኽትስሕቆም: ንዅሎም ኣህዛብ ከተባጭዎም ኢኻ።” (መዝሙር 59:5-8) የሆዋ ነቲ ኣህዛብ ብዕሽነቶም ዚጀሃርዎ ጃህራን ንዕኡ ንምጽራር ዚገብርዎ ሕንፍሽፍሽን ይስሕቆ እዩ።

11. ኣህዛብ ንዕላማ ኣምላኽ ኪጻረሩ ኸለዉ እንታይ እዩ ዜጋጥም፧

11 ኣብ መዝሙር 2 ዚርከብ ቃላት: ኣምላኽ ንዝዀነ ይኹን ጸገም ኪፈትሖ ኸም ዚኽእል ዘሎና እምነት እዩ ዜደልድሎ። ኵሉ ሳዕ ፍቓዱ ኸም ዚፍጽምን ንእሙናት ኣገልገልቱ ኸቶ ኸም ዘይድርብዮምን ምትእምማን ኪህልወና ይኽእል እዩ። (መዝሙር 94:14) እሞ ደኣ ኣህዛብ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ንምጽራር ጻዕሪ ኺገብሩ ኸለዉ እንታይ እዩ ዜጋጥም፧ ብመሰረት እዚ መዝሙር እዚ: ኣምላኽ ከም ብነጕዲ ገይሩ “ብዅራኡ ይዛረቦም።” ከም ብበርቂ ገይሩ ድማ “ብነድሩ . . . የፈራርሆም።”—መዝሙር 2:5

ኣምላኽ ንጉስ ሸመ

12. መዝሙር 2:6 ብዛዕባ ኣየናይ ንግስና እያ እትገልጽ፧

12 እቲ የሆዋ ቐጺሉ በቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣቢሉ እተዛረቦ ቓላት ነህዛብ ከም ዚርብሾም ኣየጠራጥርን እዩ። ኣምላኽ “ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅዱስ ከረነይ ንጉሰይ ሸምኩ” በለ። (መዝሙር 2:6) ከረን ጽዮን: ዳዊት ኣብ ብዘሎ እስራኤል ዝነገሰላ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ጎቦ እያ። እቲ መሲሓዊ ንጉስ ግን ኣብ ዝፋን እታ ኸተማ እቲኣ ወይ ኣብ ካልእ ክፋል እዛ ምድሪ እዚኣ ኣይኰነን ዚቕመጥ። የሆዋ ንየሱስ ክርስቶስ መሲሓዊ ንጉስ ንኪኸውን ድሮ ኣብ ሰማያዊት ከረን ጽዮን ሸይምዎ እዩ።—ራእይ 14:1

13. የሆዋ ምስ ወዱ እንታይ ኪዳን እዩ ዝኣተወ፧

13 ድሕርዚ እቲ መሲሓዊ ንጉስ “እቲ እግዚኣብሔር [ምስ ወዱ ብዛዕባ መንግስቲ ኺዳን ዝኣተወ] ዝበለኒ ኽእውጅ እየ። እግዚኣብሔር ‘ንስኻ ወደይ ኢኻ፥ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ’ [በለኒ]” ኢሉ ተዛረበ። (መዝሙር 2:7 ትርጕም 1990) ክርስቶስ ንሃዋርያቱ “ንስኻትኩም ግና ብፈተናይ ምሳይ እተዐገስኩም ኢኹም። . . . ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ: ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም” ኪብሎም ከሎ ብዛዕባ እዚ ኺዳን መንግስቲ እዚ እዩ ዚዛረብ ነይሩ።—ሉቃስ 22:28, 29

14. እቲ የሱስ ንጉስ ኪኸውን ዘለዎ መሰል ኣብ ሕቶ ዚኣቱ ኣይኰነን ኪበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

14 ከምቲ ኣብ መዝሙር 2:7 ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ: የሆዋ ኣብቲ የሱስ እተጠምቀሉ እዋንን መንፈሳዊ ህይወት ሂቡ ኼተንስኦ ኸሎን ወዱ ምዃኑ ኣፍልጦ ሃበሉ። (ማርቆስ 1:9-11፣ ሮሜ 1:4፣ እብራውያን 1:5፣ 5:5) እወ: እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ እዩ ንጉስ ሰማያዊት መንግስቲ ዀይኑ ዘሎ። (ዮሃንስ 3:16) ካብ ዘርኢ ንጉስ ዳዊት ስለ ዝዀነ: እቲ ንጉስ ኪኸውን ዘለዎ መሰል ኣብ ሕቶ ዚኣቱ ኣይኰነን። (2 ሳሙኤል 7:4-17፣ ማቴዎስ 1:6, 16) ብመሰረት እዚ መዝሙር እዚ: ኣምላኽ ንወዱ “ኣህዛብ ንርስትኻ: ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስ: ለምነኒ” በሎ።—መዝሙር 2:8

15. የሱስ ኣህዛብ ንርስቱ ኺወሃቦ ዝሓተተ ስለምንታይ እዩ፧

15 እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ ንጉስ ካብ የሆዋ ቐጺሉ ዘሎ ዝለዓለ ስልጣን እዩ ዘለዎ። የሱስ ብፈተና ድሕሪ ምሕላፍ ንየሆዋ እሙን ኰይኑ እዩ ተረኺቡ። ኣብ ርእሲ እዚ: በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ብምዃኑ ውርሲ ኣለዎ። እወ: የሱስ ክርስቶስ “መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ: በዅሪ ዅሉ ፍጥረትውን እዩ።” (ቈሎሴ 1:15) ኪገብሮ ዜድልዮ ነገር እንተልዩ ምልማን ጥራይ እዩ: ድሕሪኡ ኣምላኽ ‘ኣህዛብ ንርስቱ: ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪቱ ይህቦ።’ የሱስ ‘ተድላኡ ብደቅሰብ’ ስለ ዝዀነ: ከምኡውን ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ንምድርን ንደቅሰብን ዘለዎ ዕላማ ኺፍጽም ስለ ዚደሊ: ነዚ ሕቶ እዚ ሓቲቱ እዩ።—ምሳሌ 8:30, 31

የሆዋ ዜውጽኦ ነህዛብ ዚጻረር ኣዋጅ

16, 17. ብመሰረት መዝሙር 2:9 ነህዛብ እንታይ እዩ ኼጋጥሞም፧

16 እቲ ኻልኣይ መዝሙር ኣብዚ ክርስቶስ ብዘይርአ መገዲ ብስልጣኑ ምሳና ዘለወሉ እዋን ፍጻሜኡ ይረክብ ስለ ዘሎ: ነህዛብ እንታይ እዩ ኼጋጥሞም፧ እቲ ንጉስ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነቲ ነህዛብ “ብበትሪ ሓጺን ክትቅጥቅጦም: ከም ኣቕሓ ሰራሕ መሬት ከኣ ክትሰባብሮም ኢኻ” ዚብል ኣምላኽ ዜውጽኦ ኣዋጅ ኪፍጽም እዩ።—መዝሙር 2:9

17 ብግዜ ጥንቲ ነገስታት ዚሕዝዎ በትሪ ንስልጣኖም ዜመልክት እዩ ነይሩ። ገሊኡ በትሪ ኸምቲ ኣብዚ መዝሙር ተገሊጹ ዘሎ: ካብ ሓጺን እዩ ዚስራሕ ነይሩ። እዚ ኣብዚ ዘሎ ምሳልያዊ ኣዘራርባ: እቲ ንጉስ ዝዀነ ክርስቶስ ነህዛብ ክሳዕ ክንደይ ብቐሊሉ ኸም ዜጥፍኦም ዚሕብር እዩ። ብበትሪ ሓጺን ጌርካ ነቕሓ ሰራሕ መሬት ሓንሳእ እንተ ዘቢጥካዮ: ከም ዘይጽገን ኰይኑ እዩ ዚሕምሸሽ።

18, 19. ነገስታት ምድሪ ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዜድሊ፧

18 ገዛእቲ ህዝብታት ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥፍኣት ኬምልጡሉ ዚኽእሉ ኣጋጣሚ ኸቶ የብሎምን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን: ከመይሲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እምበኣርሲ ኣቱም ነገስታት: ለብሙ: ኣቱም ፈራዶ ምድሪውን: ተአረሙ” ብምባል ተማሕጺንዎም እዩ። (መዝሙር 2:10) ነገስታት ኬቕልቡን ኪልብሙን ጻውዒት ቀሪብሎም ኣሎ። መደባቶም ምስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንጥቕሚ ደቅሰብ እትገብሮ ነገራት ኪወዳደር ከሎ ባዶ ምዃኑ ኺሓስቡሉ ኣለዎም።

19 ነገስታት ምድሪ ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ: ተግባራቶም ኪቕይሩ ኣለዎም። ንየሆዋ ‘ብፍርሃትን ብረዓድን ኬገልግልዎን ሕጉሳት ኪዀኑን’ ተማዒዶም ኣለዉ። (መዝሙር 2:11) ነዚ ስጕምቲ እዚ እንተ ዚወስዱ እንታይ ምዀነ፧ ጫውጫው ወይ ረብሻ ኣብ ክንዲ ዚኸውን: በቲ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ዚህቦም ተስፋ ምተሓጐሱ። ገዛእቲ ምድሪ ነቲ ኣብ ግዝኣቶም ዜርእይዎ ትዕቢትን ኵርዓትን ኪሓድግዎ ኣለዎም። ኣብ ርእሲ እዚውን ብዛዕባ እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ልዑላውነት የሆዋን ዓጋቲ ዘይብሉ ሓይሊ ኣምላኽን መሲሓዊ ንጉሱን ዘለዎም ኣረኣእያ ኸይተደናጐዩ ኪቕይሩን ኪልብሙን ይግባእ።

“ንወዱ ስዐምዎ”

20, 21. ነቲ ‘ወዲ ምስዓም’ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

20 ኣብ መዝሙር 2 ንገዛእቲ ኣህዛብ ምሕረት ንኺረኽቡ ጻውዒት ቀረበሎም። ሓቢሮም ኣብ ክንዲ ዚጻረሩ: “ኵራኡ [ኵራ የሆዋ ኣምላኽ] ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ: ከይዅሪ: ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ: ንወዱ ስዐምዎ” ዚብል ማዕዳ ተዋህቦም። (መዝሙር 2:12ሀ) እቲ ልዑላዊ ጐይታና የሆዋ ኣዋጅ ኬውጽእ ከሎ ኺስማዕ ኣለዎ። ኣምላኽ ንወዱ ምስ ኣንገሶ: ገዛእቲ ምድሪ ‘ኸንቱ ኺሓስቡ’ ኣይነበሮምን። ነቲ ንጉስ ብኡንብኡ ኪቕበልዎን ምሉእ ብምሉእ ኪእዘዝዎን ነበሮም።

21 ‘ነቲ ወዲ ኽስዕምዎ’ ዘሎዎም ስለምንታይ እዮም፧ እዚ መዝሙር እዚ ኺቀናበር ከሎ: ምስዓም መግለጺ ዕርክነት ከምኡውን ነጋይሽ ናብ ቤትካ መርሓባ ኢልካ ብምቕባል ከም እተአንግዶም ዜመልክት ነበረ። ምስዓም ከም መግለጺ ተኣማንነት ኰይኑ እውን የገልግል ነበረ። (1 ሳሙኤል 10:1) ኣብዛ ኣብ ካልኣይ መዝሙር እትርከብ ቍጽሪ እዚኣ: ኣምላኽ ነህዛብ ንወዱ ኸም ቅቡእ ንጉስ መጠን ኪስዕምዎ ወይ ኪቕበልዎ እዩ ዚእዝዞም ነይሩ።

22. ገዛእቲ ኣህዛብ ነየናይ መጠንቀቕታ እዮም ኬቕልቡሉ ዘለዎም፧

22 እቶም ንስልጣን እቲ ኣምላኽ ዝመረጾ ንጉስ ኣፍልጦ ዘይህቡ: ንየሆዋ እዮም ዚንዕቅዎ። የሆዋ ኣምላኽ ናይ ኵሉ ፍጥረት ልዑላዊ ምዃኑ: ንደቅሰብ ዝሓሸ ገዛኢ ንምምራጽ ስልጣንን ክእለትን ዘለዎ ምዃኑ እዮም ዚኽሕዱ። ገዛእቲ ኣህዛብ መደባቶም ኪገብሩ ኺጽዕሩ ኸለዉ: ቍጥዓ ኣምላኽ ብሃንደበት እዩ ዚወርዶም። “ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ።” እቶም ገዛእቲ ኣህዛብ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ብምስጋና ተቐቢሎም ምስኡ ብምስምማዕ ስጕምቲ ኺወስዱ ኣለዎም። ከምዚ እንተ ገይሮም: ህይወት እዮም ዚረኽቡ።

23. ሕጂውን እንተዀነ ውልቀ-ሰባት እንታይ ኪገብሩ እዩ ኣጋጣሚ ዘለዎም፧

23 እዚ ማራኺ መዝሙር እዚ “ኣብኡ [ኣብ የሆዋ] ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም” በለ። (መዝሙር 2:12ለ) ሕጂውን እንተዀነ ነቶም መደባት ኣህዛብ ዚስዕቡ ውልቀ-ሰባት: ተራ ይኹኑ መራሕቲ ብዘየገድስ ድሕነት ንኺረኽቡ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ሃዲሞም ናብ የሆዋ ብምኻድ ኣብ ትሕቲ መንግስቱ ኺዕቆቡ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ ግን: እታ መሲሓዊት መንግስቲ ነቶም ተጻረርታ ኣህዛብ ቅድሚ ምሕምሻሻ ስጕምቲ ኺወስዱ ኣለዎም።

24. ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም እውን ዝያዳ ዕግበት ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

24 ቅዱሳት ጽሑፋት ብትግሃት እንተደኣ ኣጽኒዕናን ኣብኡ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ህይወትና እንተ ዓዪናሉን: ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም እውን እንተዀነ ዕግበት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል: ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራቤት ሓጐስ የምጽእ: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኻብ ዘሎ ጭንቀትን ፍርህን ድማ ሓራ ይገብር። መምርሒታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እንስዕብ: ንፈጣሪ ነሐጕሶ ኸም ዘለና ዝያዳ ምትእምማን ኪህልወና የኽእለና። እቲ ናይ ኵሉ ፍጥረት ልዑላዊ እንተ ዘይኰይኑ: ብዛዕባ እታ “ሕጂ ዘላ ህይወት” ከምኡውን ብዛዕባ እታ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘይቅበሉ ዘበሉ ኻብ ምድሪ ምስ ጠፍኡ “እትመጽእ” ህይወት ውሕስነት ኪህብ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ካልእ ኣካል የልቦን።—1 ጢሞቴዎስ 4:8

25. ‘ኣዋጅ የሆዋ’ ስለ ዘይፈሽል: ኣብዚ ግዜና እንታይ ኪፍጸም ኢና እንጽበ፧

25 ‘ኣዋጅ የሆዋ’ ኣይፈሽልን እዩ። እቲ ፈጣሪና ኣምላኽ ንደቅሰብ ዚሓይሽ ይፈልጥ እዩ። ንደቅሰብ ከኣ ኣብ ትሕቲ እታ ወዱ ዚንጕሳ መንግስቲ ሰላምን ዕግበትን ደሓንን ከም ዚረኽቡ ብምግባር ኪባርኾም እዩ። ነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ እዚ ግዜና “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ . . . መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ” ኢሉ ጸሓፈ። (ዳንኤል 2:44) እምበኣር: ሕጂ ‘ነቲ ወዲ እንስዕመሉን’ ነቲ ልዑላዊ ጐይታና የሆዋ እነገልግለሉን እዋን እዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብ ፈለማ እቲ ‘መሲህ’ ወይ ቅቡእ ተባሂሉ ዘሎ ንጉስ ዳዊት ኪኸውን ከሎ: እቶም “ነገስታት ምድሪ” ተባሂሎም ዘለዉ ኸኣ ሰራዊቶም ኣኪቦም ኪዋግእዎ ዝመጹ ፍልስጥኤማውያን ገዛእቲ ነበሩ።

b ካልእ ኣብ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ጥቕስታት እውን የሱስ እቲ ኣብ ካልኣይ መዝሙር እተጠቕሰ መሲህ ኣምላኽ ምዃኑ ይሕብር እዩ። መዝሙር 2:7 ምስ ግብሪ ሃዋርያት 13:32, 33 ከምኡውን ምስ እብራውያን 1:5፣ 5:5 እንተ ኣረኣኢናዮ: እዚ ንጹር ይዀነልና። መዝሙር 2:9 ከምኡውን ራእይ 2:27 እውን ርአ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ህዝብታት እንታይ “ከንቱ” እዮም “ዚሓስቡ፧”

• የሆዋ ነህዛብ ዜላግጸሎም ስለምንታይ እዩ፧

• እቲ ኣምላኽ ዜውጽኦ ነህዛብ ዚጻረር ኣዋጅ እንታይ እዩ፧

• ‘ነቲ ወዲ ምስዓም’ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ብዛዕባ እቲ ዕዉት መሲሓዊ ንጉስ ዘመረ

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ገዛእትን ህዝቢ እስራኤልን ንየሱስ ክርስቶስ ውዲት ኣለሙሉ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊት ከረን ጽዮን ንጉስ ኰነ