ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ሓቂ ድዩ ወይስ ፈጠራ፧

የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ሓቂ ድዩ ወይስ ፈጠራ፧

የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ሓቂ ድዩ ወይስ ፈጠራ፧

“ምሸት ምስ ኰነ: ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ናብኡ [ናብ የሱስ ክርስቶስ] ኣምጽኡ። . . . ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኤ: ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም።” (ማቴዎስ 8:16) “[የሱስ] ተንሲኡ ንንፋስ ገንሖ: ንባሕሪ ድማ፤ ስቕ በሊ: ህድኢ: በላ። እቲ ንፋስ ዝግ በለ: ዓብዪ ህድኣትውን ኰነ።” (ማርቆስ 4:39) ነዚ ዛንታታት እዚ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧ ብሓቂ እተፈጸመ ታሪኻዊ ፍጻመታት ከም ዝዀነ ዲኻ እትኣምን ወይስ ካብ ጽውጽዋይ ዘይሓይሽ ዛንታ ጌርካ ኢኻ እትርእዮ፧

ሎሚ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ታሪኻዊ ሓቅነት እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ኣጸቢቖም ይጠራጠሩ እዮም። ከም ተለስኮፕ: ማይክሮስኮፕ: ጕዕዞ ጠፈር: ከምኡውን ምህንድስና ጂን ዝኣመሰለ ኣብ ስነ-ፍልጠት እተገብረ ምዕባለ: ሰባት ንተኣምራትን ንዜደንቕ ግብርታት ኣምላኽን ከም ዘይቅበልዎ ገይርዎም ኣሎ።

ገሊኣቶም እቲ ብዛዕባ ተኣምራት ዚገልጽ ጸብጻባት ፈጠራ ወይ ምሳልያዊ ኸም ዝዀነ ይስምዖም። ነቲ “ናይ ሓቂ” የሱስ እትምርምር ብምባል መጽሓፍ ዘዳለወ ሓደ ጸሓፊ: እቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝገበሮ ተኣምራት ዚገልጽ ዛንታታት: ክርስትና ንምስፍሕፋሕ ተባሂሉ እተማህዘ “ረክላማት” ጥራይ ምዃኑ ገለጸ።

ገሊኣቶም ከኣ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ከም ምትላል ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ንየሱስ ከኣ ከም መታለሊ ገይሮም ይኸስዎ። ብመሰረት እቲ ኣብ ካልኣይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ጀስቲን ማርቲር: እቶም ንየሱስ ዚነቕፍዎ ሰባት “ሕሉፍ ሓሊፎም ብድፍረት ኣስማተኛን መታለልን ኢሎም ጸዊዖምዎ እዮም” በለ። ገሊኦም: የሱስ “ኣይሁዳዊ ነብዪ ስለ ዝዀነ ኣይኰነን ተኣምራት ፈጺሙ: የግዳስ ኣብ ኣብያተ-መቕደስ መምለኽቲ ጣኦት ዝሰልጠነ ኣስማተኛ ስለ ዝነበረ እዩ” ኢሎም ይዛረቡ።

ሓደ ነገር ዘይከውን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

ሰባት ምጥርጣራት ከም ዚሓድሮምን ንተኣምራት ከም ዘይኣምኑ ዚገብሮምን ሓደ መሰረታዊ ምኽንያት ኣሎ። ልዕለ-ባህርያዊ ሓይሊ ተኣምራት ኪገብር ይኽእል እዩ ዚብል ሓሳብ ምቕባሉ የጸግሞም ወይ ከቶ ዘይከውን ኰይኑ ይስምዖም። ኣምላኽ ይሃሉ ኣይሃሉ ኺፍለጥ ኣይከኣልን እዩ ዚብል እምነት ዘለዎ ሓደ መንእሰይ: “ተኣምራት ዚበሃል የልቦን” ኢሉ ተዛረበ። ኣስዕብ ኣቢሉውን ነቲ ኣብ መበል 18 ዘመን ዚነብር ዝነበረ ዴቪድ ህዩም ዚበሃል ስኮትላንዳዊ ፈላስፋ “ተኣምራት ንሕግታት ተፈጥሮ ምጥሓስ እዩ” ብምባል እተዛረቦ ሓሳብ ጠቐሰ።

ይኹን እምበር: ብዙሓት ሰባት ተቐዳዲሞም ንገሊኡ ተርእዮ ዘይከውን እዩ ኣይብሉን እዮም። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ንተኣምራት “በቲ ፍሉጥ ሕግታት ተፈጥሮ ኺግለጽ ዘይከኣል ፍጻመ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። ብመሰረት እዚ ኣተራጕማ እዚ: ጕዕዞ ጠፈር: ብዘይ ናይ ስልኪ ገመድ ድምጺ ምምሕልላፍ: ከምኡውን ብሳተላይት ጌርካ ኣበይ ከም ዘለኻ ብልክዕ ምፍላጥ ቅድሚ ሓደ ዘመን ንዝነበሩ ብዙሓት ሰባት “ተኣምራት” ምዀኖም ነይሩ። ንሓደ ነገር ኣብዚ ሕጂ ዘሎና ፍልጠት ተመርኲስና ኽንገልጾ ስለ ዘይከኣልና ጥራይ ዘይከውን እዩ ምባል ቅኑዕ ኣይኰነን።

ንገለ ኻብቲ የሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ተኣምራት ዚምልከት ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ እንተ ርኢና: እንታይ ኰን ኢና ኽንመሃር፧ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ሓቂ ድዩ ወይስ ፈጠራ፧