ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ” ኪብሎም ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

የሱስ ነቶም 70 ደቀ መዛሙርቱ ድሕሪ ምምራጽ: “በብኽልተ ገይሩ ኸኣ: ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለአኾም።” እቶም 70 ምስ ተመልሱ: በቲ ኣብ ተልእኾኦም ዝረኸብዎ ኣሳልጦ ተሓጒሶም “ጐይታይ: ኣጋንንቲ ድማ በስምካ ይግዝኡና አለዉ” በልዎ። ሽዑ የሱስ “ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ” በሎም።—ሉቃስ 10:1, 17, 18

ፈለማ ነዛ ጥቕሲ ምስ ኣንበብናያ: የሱስ ብዛዕባ ድሮ እተፈጸመ ነገር ይዛረብ ከም ዘሎ ኺመስለና ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: ካብቲ የሱስ ነዘን ቃላት እዚኣተን እተዛረበሉ እዋን ድሕሪ 60 ዓመት: እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ “እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል: እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ: ናብ ምድሪ ተደርበየ: መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ” ብምባል ተመሳሳሊ ነገር ተዛረበ።—ራእይ 12:9

ዮሃንስ ነዘን ቃላት እዚኣተን ኪጽሕፍ ከሎ: ሰይጣን ገና ኣብ ሰማይ እዩ ነይሩ። ነዚ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ምኽንያቱ: ራእይ ዮሃንስ ናይ ትንቢት ደኣ እምበር ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ኣይኰነትን። (ራእይ 1:1) ስለዚ: ዮሃንስ ንመጽሓፍ ራእይ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን ሰይጣን ገና ናብ ምድሪ ኣይተደርበየን ነይሩ። ብ1914 የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኽሳዕ እተሸመሉ እዋን እዚ ኸም ዘይተፈጸመ: መርትዖታት ይሕብረና እዩ። aራእይ 12:1-10

የሱስ ብዛዕባ ሰይጣን ካብ ሰማይ ድሮ ኸም እተሰጐ ገይሩ እተዛረበ ደኣሞ ስለምንታይ እዩ፧ ገሊኦም ምሁራት: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ግጉይ ሓበን ስለ ዘንጸባረቑ ይገንሖም ከም ዝነበረ ሓሳባት ይህቡ እዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ ‘ነጋንንቲ ስዒርና ኢልኩም ኣይትጀሃሩ። ሰይጣን ዕቡይ ብምዃኑ: ቅልጡፍ ውድቀት ኣስዒቡሉ እዩ’ ኸም ዝበሎም ገይሮም እዮም ዚወስድዎ።

ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና: የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብሓባር ይሕጐስን ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዜጋጥም ውድቀት ሰይጣን ይዛረብን ዝነበረ እዩ ዚመስል። ድያብሎስ ክሳዕ ክንደይ ሕሱም ጸላኢ ምዃኑ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ንላዕሊ ይፈልጥ ነበረ። እቶም ሓያላት ኣጋንንቲ ነቶም ዘይፍጹማት ደቀ መዛሙርቱ ኸም እተገዝኡሎም ምስማዑ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዘሐጐሶ እሞ ሕስብ ኣብሎ! እዚ ነጋንንቲ ዘጋጠሞም ስዕረት እዚ ነቲ የሱስ ኣብ መጻኢ ኸም ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ መጠን ምስ ሰይጣን ተዋጊኡ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዚድርብየሉ እዋን መርኣያ እዩ ነይሩ።

የሱስ ንሰይጣን “ኪወድቕ ርኤኽዎ” ኺብል ከሎ: ሰይጣን ብርግጽ ከም ዚወድቕ የጕልሕ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ ምስቲ ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ንዚፍጸም ፍጻመታት ብሕሉፍ እዋን ገይሩ ዚዛረብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትንቢታት ዚመሳሰል እዩ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 52:13-53:12 ሕሉፍን መጻእን እዋን ብምትሕሓዝ እተጻሕፈ ብዛዕባ እቲ መሲህ ዚገልጽ ትንቢት እሞ ኣስተብህለሉ። እምበኣር: የሱስ ከምቲ ኣቦኡ ዝዓለሞ: ሰይጣን ካብ ሰማይ ከም ዚስጐጕ ዘለዎ ምትእምማን እዩ ዚገልጽ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። ብዘይካዚውን ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብ መዓሙቝ ከም ዚእሰሩን ጸኒሖም ከኣ ሓንሳእን ንሓዋሩን ከም ዚጠፍኡን ርግጸኛ ነበረ።—ሮሜ 16:20፣ እብራውያን 2:14፣ ራእይ 20:1-3, 7-10

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ምዕራፍ 10 ከምኡውን ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ምዕራፍ 27 ተወከስ።