ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ ብሓቂ ኣላ

መንግስቲ ኣምላኽ ብሓቂ ኣላ

መንግስቲ ኣምላኽ ብሓቂ ኣላ

“እተፈላለየ ባህሊ ዘለወንን ኣብ እተፈላለየ ደረጃ ምዕባለ ዚርከባን ኣዝየን ብዙሓት ሃገራት ከመይ ገይረን እየን ኪሰማምዓ ዚኽእላ፧ ካብ ካልእ ዓለም ዚመጽእ መጥቃዕቲ ጥራይ እዩ ንደቅሰብ ሓድነት ዜምጽኣሎም ዚብል ዘረባ ኣሎ።”—ኣብ ኣውስትራልያ እትሕተም ጋዜጣ ዘ ኤጅ

ካብ ካልእ ዓለም ዚፍኖ መጥቃዕትስ ሓድነት ኬምጽእ፧ እዚ ንዅለን ኣብ ምድሪ ዚርከባ ሃገራት የሕብረን ኣየሕብረን ብዘየገድስ: ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ንሃገራት ዓለም ኣብ ሓደ ዜሕብረን ዜንጸላሉ ዘሎ ቕልውላው ይገልጽ እዩ። እዚ ቕልውላው እዚ ኸኣ ካብዛ ዓለም ወጻኢ ኻብ ዘለዉ ሓይልታት እዩ ዚመጽእ።

እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ብዛዕባ እዚ ዅነታት ዓለም እዚ ብትንቢት ተዛሪቡ ነይሩ። ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ: “ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ: መሳፍንቲ ኸኣ ሐቢሮም: ንመቓውሖም ንስበሮ: ንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ: ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 2:2, 3፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:25, 26) ገዛእቲ ዓለም ነቲ ፈጣሪ ዅሉ ነገራት ዝዀነ የሆዋን ነቲ መሲሁ ወይ ነቲ ንሱ ዝሸሞ ንጉስ የሱስ ክርስቶስን ንምጽራር ከም ዚሓብሩ ኣስተብህል። እዚ ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧

ብመሰረት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ መስርዕ ፍጻመታትን እተፈጸመ ትንቢታትን ኣብ 1914 እታ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ቈይማ እያ። a ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ዓለም ዝነበራ ሃገራት ሓደ ዓይነት ሓሳብ እዩ ነይሩወን። ንልዑላውነት እታ ሓዳስ ዝቘመት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዚግዝኣ: ዝሓየላ ንምዃን ይቃለሳ እየን ነይረን። እወ: ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም እየን ጥሒለን ነይረን።

የሆዋ ኣምላኽ ነዚ ሰብኣውያን ገዛእቲ ዝገበርዎ ኸመይ ገይሩ እዩ ዚርእዮ፧ “እቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ይስሕቆም: ጐይታ የላግጸሎም። ሽዑ ብዅራኡ ይዛረቦም: ብነድሩ ኸኣ የፈራርሆም።” ድሕሪኡ: የሆዋ ነቲ ንጉስ እታ መንግስቲ ኪኸውን ዝቐብኦ ወዱ: “ኣህዛብ ንርስትኻ: ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስ: ለምነኒ። ብበትሪ ሓጺን ክትቅጥቅጦም: ከም ኣቕሓ ሰራሕ መሬት ከኣ ክትሰባብሮም ኢኻ” ኢሉ ተዛረቦ።—መዝሙር 2:4, 5, 8, 9

ዚጻረሩ ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ንሓዋሩ ዚሕምሸሹሉ እዋን: ኣብ ኣርማጌዶን እዩ ዚፍጸም። እታ ኣብ መወዳእታ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ራእይ ነዚ ናይ መጨረሻ ፍጻመ “ንነገስታት ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ” ዚእከቡሉ እዋን ገይራ እያ እትገልጾ። (ራእይ 16:14, 16) ኣህዛብ ምድሪ በቲ ኣጋንንቲ ዚገብሩሎም ጽልዋ: ሓደ ዕላማ ብምሓዝ ኪሓብሩ እዮም። እዚ ኸኣ ምስቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንምውጋእ እዩ።

ደቅሰብ ምስ ልዑላውነት ኣምላኽ ንምቅላስ ዚሓብሩሉ እዋን ብቕልጡፍ ይቐርብ እዩ ዘሎ። “ሓድነቶም” ግን ዋላ ሓንቲ ረብሓ ኣይኬምጽኣሎምን እዩ። የግዳስ: እቲ ተግባራቶም ነቲ ደቅሰብ ንነዊሕ ግዜ ብሃረርታ ዚጽበይዎ ዝነበሩ ሰላም እዩ ዜምጽእ። ብኸመይ፧ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ውግእ: መንግስቲ ኣምላኽ “ንዅለን እዘን መንግስትታት [ዓለም] እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” (ዳንኤል 2:44) እምበኣር: ደቅሰብ ዓለምለኻዊ ሰላም ንምርካብ ዘለዎም ድሌት እትፍጽሞ መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ እምበር: ብሰባት ዝቘመ ውድብ ኣይኰነን።

እቲ ቐንዲ ኣመሓዳሪ መንግስቲ ኣምላኽ

እታ ብዙሓት ቅኑዓት ሰባት “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ዚጽልዩላ መንግስቲ እዚኣ እያ። (ማቴዎስ 6:10) መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ሰብ እትርከብ ዘይትጭበጥ ነገር ዘይኰነትስ: ካብቲ ብ1914 ኣብ ሰማይ ዝቘመትሉ እዋን ኣትሒዛ ብዙሕ ዜደንቕ ነገራት ዝፈጸመት ናይ ሓቂ መንግስቲ እያ። ሕጂ ብሓቂ ብንጥፈት ትዋሳእ ከም ዘላ ዜርኢ ገለ ኣገዳሲ ረቛሒታት እስከ ንርአ።

ቅድም ቀዳድም በቲ ንጉሳ ኪኸውን እተመዘዘ የሱስ ክርስቶስ ዚምራሕ ሓያልን ስሉጥን ፈጻሚ ኣካል ኣለዋ። ብ33 ከ.ኣ.ዘ. የሆዋ ንየሱስ ርእሲ ክርስትያናዊት ማሕበር ገበሮ። (ኤፌሶን 1:22) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ የሱስ ንርእስነቱ ኺጥቀመሉ ብምጽናሑ: ክእለቱ ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ይሁዳ ብርቱዕ ጥሜት ምስ ኰነ: እታ ክርስትያናዊት ማሕበር ንኣባላታ ንምርዳእ ቅልጡፍ ስጕምቲ ወሰደት። ረዲኤት ዚዕደለሉ መገዲ ተወደበ: በርናባስን ሳውልን ከኣ ረዲኤት ሒዞም ካብ ኣንጾክያ ተበገሱ።—ግብሪ ሃዋርያት 11:27-30

ኣብዚ ግዜና እሞ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ቈይማ ስለ ዘላ: የሱስ ክርስቶስ ካብዚ ንታሕቲ ኺገብር ኣይንጽበዮን ኢና። ከም ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ጥሜት: ምጥልቕላቕ ማይ: ህቦብላ: ወይ ምንታጕ እሳተ-ጎመራ ዝኣመሰለ ሓደጋታት ኬጋጥም ከሎ: እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ኣብቲ ጕድኣት ዝወረደሉ ኸባቢ ዚነብሩ ብጾቶምን ካልኦት ሰባትን ንዜድልዮም ነገራት ንምምላእ ቅልጡፍ ስጕምቲ እያ እትወስድ። ንኣብነት: ኣብ ጥርን ለካቲትን 2001 ኣብ ኤል ሳልቫዶር ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ኣጋጠመ: ኣብ ኵሉ ኽፍልታት እታ ሃገር ረድኤት ንምሃብ ምድላው ተገብረ: ካብ ካናዳን ጓቲማላን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ሓገዝ ሃቡ። ሰለስተ ኣምልኾ ዜካይዱሉ ኣደራሻትን ልዕሊ 500 ኣባይትን ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ዳግም ተሃንጸ።

ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ

መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ካብ እትቐውም ኣትሒዛ: ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዚርከቡ ህዝብታት ተገዛእታ ዚዀንዋ ሰባት ትእክብን ትውድብን እያ ዘላ። እዚ ኸኣ ፍጻመ እቲ ኢሳይያስ ዝጸሓፎ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን [እቲ ኽብ ዝበለ ናይ ሓቂ ኣምልኾ] ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም . . . ኵሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም” ዚብል ዜደንቕ ትንቢት እዩ። ኣብቲ ትንቢት “ብዙሓት ህዝብታት” ናብቲ ኸረን ከም ዚኸዱ: ትምህርትታትን ሕግታትን የሆዋ ኸኣ ከም ዚመሃሩ ተገሊጹ ኣሎ።—ኢሳይያስ 2:2, 3

እዚ ድማ ኣብዚ ግዜና እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ምንቅስቓስ እዩ ኣምጺኡ። ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ዚርከቡ ልዕሊ 6,000,000 ዝዀኑ ክርስትያናት ዘቘምዎ ዓለምለኻዊ ሕውነት ተፈጢሩ ኣሎ። ናብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ዚመጹ ተዓዘብቲ: በቲ ብዜግነትን ባህልን ቋንቋን ዘይሕጸር ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓት ሰባት ዚርእይዎ ፍቕርን ሰላምን ሓድነትነን ይድነቑ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ሓንቲ መንግስቲ በማእታት ንዚቝጸሩ ዓሌታት ብሰላምን ስኒትን ከተንብሮም ምኽኣላስ: ውጽኢታዊትን ጽንዕትን ምዃና: ብሓቂ ድማ ከም ዘላ ዚሕብርዶ ኸይኰነ፧

መንግስቲ ኣምላኽን ትምህርትን

ዝዀነት ትኹን መንግስቲ ዜጋታታ ኼማልእዎ ዚግባእ ብቕዓታት ኣለዋ: ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ ኺነብር ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ድማ ነቲ ብቕዓታት እቲ ኼማልኦ ኣለዎ። ብተመሳሳሊውን መንግስቲ ኣምላኽ እቶም ተገዛእታ ኪዀኑ ዘለዎም ሰባት ብምሉኦም ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት ኣለዋ። ይኹን እምበር: እተፈላለየ መበቈል ዘለዎም ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ንሓደ ዓይነት ስርዓታት ተቐቢሎም ከም ዚምርሑሉ ምግባር ዓብዪ ዕዮ እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ መንግስቲ ምዃና ዜረጋግጸልና ኻልእ ረቛሒ እምበኣር እዚ እዩ። ነእምሮ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ነልባቦም እውን ተንኪፉ ኪቕይሮም ዚኽእል መደብ ትምህርቲ ኣለዋ።

መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ ኸቢድ ዕዮ እዚ ብኸመይ እያ እትፍጽሞ፧ ልክዕ ከምቲ ሃዋርያት ዚገብርዎ ዝነበሩ “ኣብ በቤት” ወይ ካብ ቤት ናብ ቤት ብምስባኽን ቃል ኣምላኽ ንሰባት በብውልቂ ብምምሃርን እያ እትፍጽሞ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:42፣ 20:20) እዚ ሜላ ኣመሃህራ እዚ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ውጽኢታዊ፧ ዣክ ጆንሰን ዚበሃል ካህን ካቶሊክ ኣብ ካናዳ ሰሙናዊ ኣብ እትሕተም ጋዜጣ ብዛዕባ እቲ ንሓንቲ ሰበይቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኸይተጽንዕ ኬጐናድባ ዝገበሮ ጻዕሪ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣብ ዘይዕወተሉ ቓልሲ ኸም ዝኣተኹ ምፍላጠይ ብዙሕ እዩ ረቢሹኒ። እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንስቲ ንሓያሎ ኣዋርሕ ምስዛ ኻብ ቤታ ኽትወጽእ ዘይትኽእል ኣደ ኣገዳሲ ርክብ ከም ዝመስረታ ኸስተውዕል ጀሚረ። ዜድልያ ሓገዝ ብምሃብን መሓዙታ ብምዃንን ኣብ ልባ ፍቕሪ ብምሕዳርን እየን ቀሪበናኣ። ነዊሕ ከይጸንሐት ንጥፍቲ ኣባል ሃይማኖተን ኰነት: ነዚ ኻብ ምግባር ክዓግታ ድማ ኣይከኣልኩን።” ከምቲ ልቢ እዛ ኣቐዲማ ካቶሊክ ዝነበረት ሰበይቲ በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝመሃርኣ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስን ክርስትያናዊ ኣካይዳአንን እተተንከፈ: ኣልባብ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እውን ይትንከፍ እዩ ዘሎ።

እዚ መንግስቲ ኣምላኽ እትጥቀመሉ ሜላ ኣመሃህራ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘተኰረ ስለ ዝዀነ: ነቲ ኣብኡ ዚርከብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት እዩ ዜጕልሕ። እዚ ድማ ሰባት መበቈሎም ብዘየገድስ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩን ኪከባበሩን እዩ ዚምህር። (ዮሃንስ 13:34, 35) ኣብ ርእሲ እዚውን “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ” ንዚብል ምኽሪ ምላሽ ኪህቡሉ ይሕግዞም። (ሮሜ 12:2) ብሚልዮናት ዚቚጸሩ ሰባት ነቲ ቐደም ዚመላለሱሉ ዝነበሩ ናብራ ህይወቶም ሓዲጎም ንሕግታትን ስርዓታትን መንግስቲ ኣምላኽ ብሓጐስ ኪሕልዉ ብምጅማሮም: ኣብዚ ግዜና ሰላምን ሓጐስን: ንመጻኢ ኸኣ ብሩህ ተስፋ ረኺቦም ኣለዉ።—ቈሎሴ 3:9-11

መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምዚ ዚኣመሰለ ዓለምለኻዊ ሓድነት ንኺርከብ ብዜደንቕ መገዲ ሓጊዛ እያ። ብእተወደበ ሜላታት ኣተራጕማን ብሓያሎ ቛንቋታት ብዚሓትም መሳርሒን ኣቢሉ: እቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዚርከብ ቀንዲ ዓንቀጻት ኣብ ሓደ እዋን ብ135 ቋንቋታት ይሕተም ኣሎ: ልዕሊ 95 ሚእታዊት ዚዀኑ ኣንበብታ ኸኣ ነቲ ዓንቀጻት በብቛንቋኦም ኣብ ሓደ እዋን ኬጽንዕዎ ይኽእሉ እዮም።

ሓደ ሰዓቢ እምነት ሞርሞን ካብ ቤተ-ክርስትያኑ ወጻኢ ዚርከቡ ኣብ ዕዮ ሚስዮናውነት ኣሳልጦ ብምርካብ ብሉጻት ዝበሎም ዘርዚሩ ኣሎ። ነተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚሕተማ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ካብ ኵሉ ዝበለጻ መጽሔታት ከም ዝዀና ገይሩ ድሕሪ ምግላጽ: “ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንቕሑ! ሸለልተኛ ኸም እትኸውን ዚገብራ እየን ኪብል ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ኣብ ካልእ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ዳርጋ ርእየዮ ዘይፈልጥ ዓይነት ንቕሓት ኪህልወካ እየን ዜለዓዕላ። ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! በቲ ኣብ ሓቂ እተመርኰሰ: ብዚግባእ ምርምር እተገብረሉ: ከምኡውን ናይ ብሓቂ ኣብ ዓለም ዜጋጥም ትሕዝቶአን ኣቢለን መንፈስካ እየን ዜሐድሳ” በለ።

መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ እትዓዪ ናይ ሓቂ መንግስቲ ምዃና ዚሕብር ብዙሕ መርትዖ እዩ ዘሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ “ወንጌል መንግስቲ” እዚ ብሓጐስን ብትግሃትን ንሰባት ይነግሩን ተገዛእቲ እታ መንግስቲ ኪዀኑ ጻውዒት የቕርቡሎምን ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:14) እዝስ ይስሕበካ ድዩ፧ ምስቶም ስርዓታት መንግስቲ ኣምላኽ ዚመሃሩን ብእኡ ንምምልላስ ዚጽዕሩን ዘለዉ ብምሕባር በረኸት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ እውን እታ መንግስቲ ኣብ እትገዝኣሉ እዋን ኣብታ ‘ጽድቂ ዚነብረላ’ ሓዳስ ዓለም ናይ ምንባር ተስፋ ኺህልወካ እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:13

[እግረ-ጽሑፍ]

a ዝርዝር መግለጺ እንተደኣ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 10: ገጽ 90-7 ዚርከብ “መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ብ1914 ሃገራት ኣብ ውግእ ዓለም ጥሒለን ነበራ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ብወለንታ ዚግበር ዕደላ ረድኤት ክርስትያናዊት ፍቕሪ ብግብሪ ዜርኢ እዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕደ ትምህርቲ እዮም ዚመሃሩ