ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓቂ ትርጕም ህይወት እንታይ እዩ፧

ናይ ሓቂ ትርጕም ህይወት እንታይ እዩ፧

ናይ ሓቂ ትርጕም ህይወት እንታይ እዩ፧

ጀሲ ዚበሃል ወዲ 17 ዓመት ተማሃራይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ: ትርጕም ህይወት እንታይ ምዃኑ ምስ ተሓትተ: “ብህይወት ክሳዕ ዘለኻ: ብእተኻእለካ መጠን ምሕጓስ” ኢሉ መለሰ። ሓንቲ ሱዚ እትበሃል መንእሰይ ግን እተፈልየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዋ። “ትርጕም ህይወት ከም ዝገበርካዮ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን” በለት።

ብዛዕባ ትርጕም ህይወት ሓሲብካ ትፈልጥዶ፧ ንዅሎም ደቅሰብ ዚሓቍፍ ሓደ ዕላማ ኣሎዶ: ወይስ ከምቲ ሱዚ ዝበለቶ ህይወትና ኸከም ዝገበርናዮ እዩ፧ እዚ ዘለናሉ ሕብረተሰብ ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለ ይማዕብል ብዘየገድስ: ትርጕም ህይወት ከም እንደሊ ውሽጥና ይነግረና እዩ። መብዛሕትና ኣብ ሓደ እዋን ‘ንምንታይ ኢና ተፈጢርና፧’ ኢልና ንሓትት ኢና።

ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ ጻዕሪ ገይሩ እዩ። እንታይ ፍረኸ ረኸበ፧ ናይ ሳይኮሎጅን ዙኦሎጅን ፕሮፌሰር ዴቪድ ፒ. ቤረሽ “ኣብ መስርሕ ፍልቀት ብህይወት ምንባር ዋላ ሓንቲ ትርጕም የብሉን” በለ። እቶም ህይወት ብፍልቀት ከም ዝመጸ ዚኣምኑ ዘበሉ: ህያዋን ብህይወት ካብ ምንባርን ካብ ምፍራይን ሓሊፉ ኻልእ ዕላማ የብሎምን እዮም ዚብሉ። ስለዚ ድማ ፕሮፌሰር ቤረሽ “ኣብዚ ዕላማ ዘይብሉን ብዛዕባ ሰባት ዘይሓልን ዩኒቨርስ: ደቅሰብ ባዕሎም ናጻ ዀይኖም ኰነ ኢሎም ብምስትውዓል ብዚገብርዎ ምርጫታት ኣቢሎም ንህይወቶም ትርጕም ናይ ምሃብ ሓላፍነት ኣለዎም” ብምባል ሓሳቡ ሃበ።

ምንጪ ትርጕምን ዕላማን

እሞ ደኣኸ ዕላማ ህይወት ካን ኣኺልዎ ነፍሲ ወከፍ ዘዝደለዮ ምግባር ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ዕላማ ወይ ትርጕም ህይወት ዘይገልጽ ዩኒቨርስ ባዕልና ሃለው ኢልና ኸነናዲ ኣይሓደገናን። የግዳስ: ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ እተፈጠርናሉ ዕላማ ኸም ዘሎ ይገልጸልና እዩ። ኣብ ቆዝሞስ ብሃንደበት ብዘጋጠመ ሓደጋ ኣይኰንናን ህይወት ዝረኸብና። ፈጣሪ ንምድሪ ደቅሰብ ምእንቲ ኺነብሩላ ኢሉ ንኼዳልዋ ሓያሎ ዓመታት እዩ ወሲዱሉ። በጋጣሚ ዝዀነ ነገር የልቦን። ኵሉ ነገር “ብዙሕ ጽቡቕ” ከም ዚኸውን እዩ ገይሩ። (ዘፍጥረት 1:31፣ ኢሳይያስ 45:18) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዕላማ ነይርዎ።

እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ጣልቃ ብምእታው ወይ ብገለ ስነ-ህይወታዊ መስርሕ ኣቢሉ መጻኢ ዅነታት ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ኣቐዲሙ ኣይወሰኖን። ብዝወረስናዮ ጂን ንጽሎ እኳ እንተ ዀንና: ንመብዛሕትኡ ተግባራትና ግን ንቈጻጸሮ ኢና። ዝደለናዮ ዓይነት ናብራ ህይወት ንምምራጽ ናጻ ኢና።

ነፍሲ ወከፍና ህይወትና ኣብ ምንታይ መዓላ ኸም እነውዕላ ኽንመርጽ ንኽእል እኳ እንተ ዀንና: ንፈጣሪ ኻብ መደባትና ምውጻእ ግን ጌጋ እዩ። ብዙሓት ሰባት ናይ ሓቂ ትርጕምን ዕላማን ህይወት ምስቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እተኣሳሰረ ዀይኑ እዮም ረኺቦምዎ። ኣብ መንጎ ኣምላኽን ዕላማ ህይወትን ዘሎ ቐንዲ ምትእስሳር: ኣብቲ የሆዋ ዚብል ቃል ብቓሉ “ዚኸውን” ዚብል ትርጕም ዘለዎ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ጐሊሑ ኣሎ። (ዘጸኣት 6:3 NW፣ መዝሙር 83:18 NW) እዚ ስሙ እዚ ንዝዀነ ይኹን እተመባጽዖ ነገር በብደረጃ ኸም ዚፍጽሞን ኪገብሮ ንዝሓለኖ ዅሉ ኸም ዚገብርን የመልክት። (ዘጸኣት 3:14 NW፣ ኢሳይያስ 55:10, 11) ሕስብ እሞ ኣብሎ። የሆዋ ቐንድን ነባርን ምንጪ ትርጕም ዘለዎ ዕላማ ምዃኑ: ስሙ ውሕስነት ይዀነና እዩ።

ፈጣሪ ኸም ዘሎ ኣፍልጦ ምሃብ ጥራይ ኣብቲ ሓደ ሰብ ንህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ ዓሚቝ ጽልዋ እዩ ዚገብረሉ። ሓንቲ ሊነት እትበሃል ጓል 19 ዓመት መንእሰይ “ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝፈጠሮ ዜደንቕ ነገራትን ዕላማኡን ምርኣየይ: ኣነውን ብምኽንያት ከም እተፈጠርኩ እዩ ዚሕብረኒ” በለት። ኣምበር እውን “ሰባት ብዛዕባ ‘ዘይፍለጥ’ ኪዘራረቡ ኸለዉ: ኣነ ግን ከም ዝፈልጥ እዝክር። የሆዋ ኸም ዘሎ ዚሕብር መርትዖ ኣብቲ ዝገበሮ ነገራት እዩ ዚርከብ” በለት። (ሮሜ 1:20) ፈጣሪ ኸም ዘሎ ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ: ምስኡ ትርጕም ዘለዎ ርክብ ምምዕባል ግን ካብዚ ንላዕሊ እዩ ዚሓትት።

ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ምምስራት

ኣብዚውን መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እተን ኣብ መጀመርታ ዚርከባ ምዕራፋት: የሆዋ ኣምላኽ ፈቃር ኣቦ ምዃኑ ንጹር መርትዖ እየን ዚህባ። ንኣብነት: ንኣዳምን ሄዋንን ድሕሪ ምፍጣር ብዛዕባ እንታይነቱ ኺግምቱ ኣይሓደጎምን። ኣብ ክንድኡስ: ኣዘውቲሩ መልእኽቲ የመሓላልፈሎም ነበረ። ካልእ ዋኒኑ ኺገብር ኢሉ: ኣብ ኤድን ብዘይ መምርሒ ኣይገደፎምን። የግዳስ: ብኸመይ ጽቡቕ ህይወት ከም ዜሕልፉ ንጹር መምርሒ ሃቦም። ዜዕግብ ስራሕ ሃቦም: ቀጻሊ ትምህርቲ ንምሃብ ድማ ምድላዋት ገበረሎም። (ዘፍጥረት 1:26-30፣ 2:7-9) ካብ ሓደ ኽኢላን ፈቃርን ወላዲ ኸምዚ ደይኰንካን እትጽበ፧ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብለሉ። ዲንየል “የሆዋ ንምድሪ ኸም ዝፈጠራን ንዓናውን ብፍጥረታቱ ኸም እንሕጐስ ገይሩ ኸም ዝፈጠረናን ምፍላጠይ: ሕጉሳት ክንከውን ከም ዝደልየና ይሕብረኒ” በለት።

ኣብ ርእሲ እዚውን: የሆዋ ልክዕ ከም ሓደ ፈቃር ኣቦ ምስ ኵሎም ደቁ ብብሕቲ ርክብ ኪምስርት ይደሊ እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ግብሪ ሃዋርያት 17:27 “ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ” ምዃኑ ተረጋግጸልና። እዚ እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧ ኣምበር “ንየሆዋ ምፍላጠይ ብዘይ ደጋፊ በይነይ ከም ዘይኰንኩ ምትእምማን ኣሕዲሩለይ እዩ። ዝመጸ እንተ መጸ: ዝጽግዖ ኣሎኒ” በለት። ብዘይካዚውን ንየሆዋ ብዝያዳ እናፈለጥካዮ ምስ ከድካ: ሕያዋይን ፍትሓውን ሰናይን ኰይኑ ኢኻ እትረኽቦ። ኣብኡውን ክትውከል ትኽእል ኢኻ። ጀፍ “የሆዋ ናይ ቀረባ ዓርኪ ምስ ኰነኒ: ካብ ናቱ ዚበልጽ ሓገዝ ኪህበኒ ዚኽእል ከም ዘየልቦ ፈለጥኩ” በለ።

እቲ ዜሕዝን ግን ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ኣሉታዊ ነገራት ተባሂሉ እዩ። ብመብዛሕትኡ እቲ ንደቅሰብ ዚወርዶም ስቓይን ሃይማኖታውያን ዚገብርዎ ሕማቕ ተግባራትን ተሓታቲ ጌርካ ተወሲዱ እዩ። ገለ ኻብቲ ኣብ ታሪኽ ደቅሰብ ዘጋጠመ ዝኸፍአ ግፍዒ: ንሱ ኸም ዝገበሮ ጌርካ ተራእዩ እዩ። ዘዳግም 32:4, 5 ግን “ኵሉ መገዱ ፍርዲ [ፍትሒ] እዩ . . . ንሳቶም ተባላሸውዎ: ደቁ ኣይኰኑን: ነውራማት እዮም: ሓረመኛን ቄናንን ወለዶ እዮም” ትብል። እምበኣር: እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ንምምርማር ግዴታ ኣሎና።—ዘዳግም 30:19, 20

ዕላማ ኣምላኽ ኪፍጸም እዩ

እንገብሮ ውሳነ ብዘየገድስ ነቲ ኣምላኽ ንምድርን ንደቅሰብን ዘለዎ ዕላማ ምሉእ ብምሉእ ካብ ምፍጻም ኪዓግቶ ዚኽእል የልቦን። ፈጣሪ ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። እቲ ዕላማኡ ደኣ እሞ እንታይ እዩ፧ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት “ዓቃላት: ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” ኪብል ከሎ ነዚ እዩ ዜመልክት ነይሩ። ጸኒሑ ነቲ ሃዋርያኡ ዝነበረ ዮሃንስ: ኣምላኽ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኼጥፍኦም’ ከም ዝመደበ ሓበሮ። (ማቴዎስ 5:5፣ ራእይ 11:18) ኣምላኽ ኪፈጥር ከሎ የሱስ ምስኡ ስለ ዝነበረ: ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ፍጹማት ደቅሰብ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ዕላማ ኣምላኽ ምንባሩ ይፈልጥ እዩ። (ዘፍጥረት 1:26, 27፣ ዮሃንስ 1:1-3) ኣምላኽ ድማ ኣይልወጥን እዩ። (ሚልክያስ 3:6) “ብሓቂ ኸምቲ ዝሐሰብክዎ ኪኸውን: ከምቲ ዝመደብክዎውን ኪቐውም እዩ” ኢሉውን ተመባጺዑ ኣሎ።—ኢሳይያስ 14:24

ኣብዚ ግዜና: ከምቲ ኣብ ዓለም እንርእዮ ኣብ ስስዐን ንዓይ ይጥዓመኒ ኣብ ምባልን እተመስረተ ዘይኰነስ: ንኣምላኽን ንብጻይካን ኣብ ምፍቃር እተመስረተ ሓድነት ዘለዎ ማሕበረሰብ ንምቛም: የሆዋ መሰረት ኬንብር ጀሚሩ ኣሎ። (ዮሃንስ 13:35፣ ኤፌሶን 4:15, 16፣ ፊልጲ 2:1-4) እዚ ኣረጊት ኣገባብ እዚ ቕድሚ ምውዳኡ ብስራት እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ተልእኾ ዝሓዙን እምነቶም ድራኸ ዘሕደረትሎምን ወለንተኛታት እዮም ነዚ ዜቝሙ ዘለዉ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ዚርከቡ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ክርስትያናት: ፍቕርን ሓድነትን ዘለዎም ዓለምለኻዊ ኣሕዋት ብምዃን ኣምልኾኦም የካይዱ ኣለዉ።

ንህይወትካ ትርጕም ዘለዋ ግበራ

ንህይወትካ ዝያዳ ትርጕም ትደልየላ እንተደኣ ኣለኻ ዄንካ: የሆዋ ኣምላኽ ምስቶም “ጻድቕ ህዝቢ” እተባህሉ ህዝቡ ሕጂ ኽትጽምበር ዕድመ የቕርበልካ ኸም ዘሎ ኽትፈልጥ ኣሎካ። (ኢሳይያስ 26:2) እንተዀነ ግን: ‘ኣብዚ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ እዚ ህይወት ከመይ ትመስል፧ ብሓቂዶ ምሳታቶም ክጽምበር እደሊ እየ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ገለ መንእሰያት እንታይ ሓሳብ ከም ዝሃቡ ርአ:-

ኲንቲን:- “ጉባኤ ኻብ ዓለም መዕቈብየይ እዩ። የሆዋ ኣብ ህይወተይ ግደ ኸም ዘለዎ ምፍላጠይ: ብሓቂ ኸም ዘሎን ሕጉስ ክኸውን ከም ዝደልየንን ክግንዘብ ይሕግዘኒ።”

ጀፍ:- “ካብ ጉባኤ ንላዕሊ ምትብባዕ ዝረኽበሉ ቦታ የብለይን። ደገፍን ናእዳን ዚህቡኒ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣብኡ እዮም ዚርከቡ። ብሓቂ ቤተሰበይ እዮም።”

ሊነት:- “ሓደ ሰብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ተቐቢሉ ንየሆዋ ንምግልጋል ውሳነ ኺገብር ምርኣይ ዘምጽኦ ሓጐስ: ምስ ዝዀነ ይኹን ካልእ ዚወዳደር ኣይኰነን። እዚ ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ዕግበት እዩ ዜምጽኣለይ።”

ኮዲ:- “ብዘይ የሆዋ ህይወተይ ዋጋ ዘይብላ ምዀነት። ሓጐስ ንምርካብ ፈቐዶኡ ዀለል ምበልኩ: ኣይምረኸብኩን ከኣ። ኣብ ክንድኡ ግን የሆዋ ምስኡ ርክብ ንምምስራት ዜኽእለኒ ኣዝዩ ኽቡርን ፍሉይን ኣጋጣሚ ኸፈተለይ: እዚ ኸኣ ናይ ሓቂ ትርጕም ህይወት ክረክብ ኣኽኢሉኒ።”

እሞ ደኣ ንምንታይ ንስኻውን ዘይትምርምር፧ ናብ ፈጣሪኻ የሆዋ ኣምላኽ ምስ እትቐርብ: ኣብ ህይወትካ ናይ ሓቂ ትርጕም ኪህልወካ እዩ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

NASA photo

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ኣምላኽ ርክብ ምስ እንምስርት: ህይወትና ትርጕም ይህልዋ