ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ሓይሊ የሆዋ ኢና ተጸጊዕና

ኣብ ሓይሊ የሆዋ ኢና ተጸጊዕና

ታሪኽ ህይወት

ኣብ ሓይሊ የሆዋ ኢና ተጸጊዕና

ኢርዤበት ሃፍነር ዘዘንተወቶ

ኣነ ኻብ ቼኮስሎቫክያ ኽጥረዝ ውሳነ ኸም እተገብረ ቲቦር ሃፍነር ምስ ሰምዐ: “ክጥርዙኺ ስቕ ኢለ ኣይርእን እየ” በለኒ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ፍቓደኛ እንተ ዄንኪ: ክምርዓወኪ እየ: ምሳይ ድማ ንዘለኣለም ክትነብሪ ኢኺ” በለኒ።

ቲቦር ብሃንደበት ሰበይቱ ክዀኖ ምስ ሓተተኒ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት: ብ29 ጥሪ 1938 ተመርዓና። እዚ ሰብኣይ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ንስድራቤተይ ዝመስከረሎም ክርስትያን ሓው እዩ። ነዚ ስጕምቲ እዚ ምውሳድ ቀሊል ኣይነበረን። ዓሰርተው ሸሞንተ ዓመት ካብ ዝመልኣኒ ነዊሕ ኣይገበርኩን ነይረ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ናይ የሆዋ ምስክር ከም ምዃነይ መጠን ከኣ ንእስነተይ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከውዕሎ እደሊ ነበርኩ። በኸኹ: ጸለኹ። ምስ ሃዳእኩ: ቲቦር ዘቕረበለይ ነገር ካብ ሕያውነት ንላዕሊ ምንባሩ ኣስተውዓልኩ። ምስዚ ብሓቂ ዜፍቅረኒ ሰብኣይ ክነብር ድማ ደለኹ።

እንተዀነ ግን: ንምንታይ እዮም ኪጥርዙኒ ደልዮም ነይሮም፧ እቲ ዜገርም ነገር ከኣ ኣብታ ብዲሞክራስያዊ ስርዓታን ሃይማኖታዊ ሓርነታን እትሕበን ሃገር እየ ዝነብር ነይረ። ቅድሚ እዚ ግን ብዛዕባ ኣተዓባብያይ ክነግረኩም ዚግባእ ይመስለኒ።

ብ26 ታሕሳስ 1919 እየ ተወሊደ። ወለደይ ሰዓብቲ ናይ ግሪኽ ካቶሊክ ኰይኖም ኣብ ሃንጋሪ ኻብ ቡዳፐስት 160 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቍሸት ሻዮሰንትፒተር ይነብሩ ነበሩ። እቲ ዜሕዝን ግን ኣቦይ ኣነ ኸይተወለድኩ እዩ ሞይቱ። ኣደይ ነዊሕ ከይጸንሐት ሰበይቱ ንዝሞተቶ ኣርባዕተ ውሉዳት ዘለዉዎ ሰብኣይ ተመርዓወት: ናብታ ሽዑ ኣብ ቼኮስሎቫክያ እትርከብ ጽብቕቲ ኸተማ ሉቸንየትዝ ድማ ገዓዝና። ኣብቲ ግዜ እቲ ምስ ሰብኣይ ኣደይን ደቁን ምንባር ቀሊል ኣይነበረን። ካብቶም ኣብታ ቤት ዝነበርና ሓሙሽተ ውሉዳት ኣነ ዝነኣስኩ ብምንባረይ: ኣባል እታ ስድራቤት ዝዀንኩ ዀይኑ ኣይሰምዓንን ነበረ። መነባብሮ ኸቢድ እዩ ነይሩ። ስጋዊ ነገራት ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ንቡር ቈላሕታን ፍቕርን ወለዲ እውን ኣይረክብን እየ ነይረ።

ንሕቶይ ዚምልሰለይ ይርከብዶ ዀን ይኸውን፧

ጓል 16 ዓመት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን: ብኸቢድ ሕቶታት እጭነቕ ነበርኩ። ታሪኽ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተጠንቂቐ ምስ ኣንበብኩ: ኣብ መንጎ እተን ክርስትያናት ኢና ዚብላ ዝሰልጠና ሃገራት ዝነበረ ምቅትታል ደንጸወኒ። ብዘይካዚውን: ኣብ ሓያሎ ሃገራት ወተሃደራዊ ሓይሊ ይውስኽ ነበረ። እዚ ዅሉ ምስቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ንብጻየይ ከፍቅር እተመሃርክዎ ትምህርቲ ዚሰማማዕ ኣይነበረን።

ስለዚ: ንሓደ ናይ ሮማ ካቶሊክ ካህን “ከም ክርስትያናት መጠን በየነይቲ ትእዛዝ ኢና ኽንምራሕ ዘሎና—ናብ ውግእ ኬድና ንብጾትና ምቕታልዶ ወይስ ምፍቃር፧” ኢለ ሓተትክዎ። እቲ ኻህን በታ ሕቶይ ሓሪቑ: ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ዝበልዎ ጥራይ ከም ዚምህር ነገረኒ። ንሓደ ኣገልጋሊ ሰዓብቲ እምነት ጆን ካልቪን ኰነ ንሓደ መምህር ኣይሁድ ምስ ሓተትክዎም እውን መልሲ ኣብ ክንዲ ዚህቡኒ በታ ፍልይ ዝበለት ሕቶይ ተደኒቘም ጥራይ ተረፉ። ኣብ መወዳእታኡ ንሓደ ኣገልጋሊ ሉተራውያን እውን ሓተትክዎ። በታ ሕቶ እኳ እንተ ሓረቐ: ቀቅድሚ ምኻደይ ግን “ብዛዕባ እዚ ብሓቂ ኽትፈልጢ ትደልዪ እንተደኣ ዄንኪ: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕተትዮም” በለኒ።

ድሕርዚ: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እኳ እንተ ደለኹዎም: ክረኽቦም ኣይከኣልኩን። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ግን ካብ ስራሕ ናብ ቤት ክምለስ ከለኹ: ማዕጾ ናይ ቤትና ብኸፊል ተኸፊቱ: ሓደ ንምርኣዩ ባህ ዜብል ሰብኣይ ከኣ ነደይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብበላ ጸንሓኒ። ብኡንብኡ ‘እዚ ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ኣለዎ!’ ኢለ ሓሰብኩ። እዚ ሰብኣይ ቲቦር ሃፍነር ይበሃል። ኣብ ቤትና ኺኣቱ ድሕሪ ምዕዳም ከኣ ነታ ሕቶይ ሓተትክዎ። ብርእሱ ኣብ ክንዲ ዚምልስ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚልለዩሉ ምልክትን ብዛዕባ እዚ ዘለናሉ እዋንን እንታይ ከም ዚብል ኣርኣየኒ።—ዮሃንስ 13:34, 35፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

ድሕርዚ ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሐ ገና 17 ዓመተይ ከይመልኣኒ ተጠመቕኩ። ነዚ ብኽንደይ ሽግር ዝረኸብክዎ ኽቡር ሓቅታት ኵሉ ሰብ ኪፈልጦ ዘለዎ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ብምሉእ ግዜይ ክሰብኽ ጀመርኩ: ኣብ መወዳእታ 1930ታት ኣብ ቼኮስሎቫክያ ኸምዚ ምግባር ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ዕዮና ብወግዒ እተመዝገበ እኳ እንተ ነበረ: ኣቕሽሽቲ ዘለዓዓልዎ ኸቢድ ምጽራር የጋጥመና ነበረ።

መስጐጕቲ ንፈለማ ዘጋጠመኒ እዋን

ኣብ መወዳእታ 1937 ኣቢሉ ሓደ መዓልቲ ኣነን ሓንቲ ሓብትን ኣብ ጥቓ ሉቸንየትዝ ኣብ እትርከብ ቍሸት ንሰብኽ ነበርና። ነዊሕ ከይጸናሕና ተታሒዝና ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወሰድና። እቲ ሓላዊ “ኣብዚኣ ኽትሞታ ኢኽን” ድሕሪ ምባል ነቲ ማዕጾ ገም ኣቢሉ ዓጺዎ ኸደ።

ክሳዕ ምሸት ኣርባዕተ እሱራት ተወሰኻና። ከነጸናንዐንን ክንምስክረለንን ጀመርና። በዚ ድማ ሃድኣ: ምሉእ ለይቲ እውን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኽንነግረን ሓደርና።

ንግሆ ሰዓት ሽዱሽተ እቲ ሓላዊ ጸውዓኒ። ንብጸይተይ “ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክንራኸብ ኢና” በልክዋ። ብህይወት እንተ ጸኒሓ: እንታይ ከም ዘጋጠመኒ ንስድራቤተይ ክትነግሮም ተላበኽዋ። ብልበይ ድሕሪ ምጽላይ: ነቲ ሓላዊ ሰዓብክዎ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ናብ ዚርከብ ኣፓርታማኡ ድሕሪ ምውሳድ: “እተወሰነ ዝሓተኪ ሕቶታት ኣሎኒ። ትማሊ ምሸት ስም ኣምላኽ የሆዋ እዩ ኢልኪ ተዛሪብኪ ኔርኪ። ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተርእይኒ ትኽእሊዶ፧” በለኒ። በዚ ብዙሕ ተገረምኩ: እፎይ ድማ በልኩ! መጽሓፍ ቅዱስ ኣምጺኡ ሃበኒ: ኣነውን ንዕኡን ንብዓልቲ ቤቱን ስም የሆዋ ኣርኣኽዎም። ከምቲ ምስተን ኣርባዕተ ኣንስቲ ለይቲ ኽመያየጠሉ ዝሓደርና ዝኣመሰለ ሓያሎ ኻልእ ሕቶታት እውን ነበሮ። በቲ ዝሃብክዎ መልስታት ስለ ዝዓገበ: ንብዓልቲ ቤቱ ንዓይን ንብጸይተይን ቍርሲ ኸተዳልወልና ነገራ።

ድሕሪ ገለ መዓልትታት እኳ እንተ ተፈታሕና: ሓደ ዳኛ ግን ናይ ሃንጋሪ ዜግነት ስለ ዘሎኒ: ካብ ቼኮስሎቫክያ ኽጥረዝ ኣዘዘ። ድሕርዚ ኣጋጣሚ እዚ ኸኣ እዩ ቲቦር ሃፍነር ብዓልቲ ቤቱ ክዀኖ ዝሓተተኒ። ተመርዒና ድማ ናብ ቤት ወለዱ ኣተና።

መስጐጕቲ ተጋደደ

ቲቦር ናይ ማሕበር ዕዮ ይዓዪ እኳ እንተ ነበረ: ብሓባር ኴንና ኻብ ምስባኽ ግን ኣየቋረጽናን። ካብቲ ኣብ ሕዳር 1938 ሃንጋርያውያን ወተሃደራት ናብታ ኸተማና ዝመጹላ ዕለት ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ: ቲቦር ጁንየር ኢልና ዝሰመናዮ ወድና ተወልደ። ኣብ ኣውሮጳ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ይቀራረብ ነበረ። ዓብዪ ኽፋል ቼኮስሎቫክያ ብሃንጋሪ ተወስደ: እዚ ኸኣ ኣብቲ እተጐብጠ ቦታ ንዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተወሳኺ መስጐጕቲ ኣስዓበሎም።

ብ10 ጥቅምቲ 1942 ቲቦር ምስ ገለ ኣሕዋት ንምርኻብ ናብ ከተማ ደብረትሰን ከደ። እንተዀነ ግን: ከም ቀደሙ ኣይተመልሰን። ኣብ ካልእ እዋን እቲ ሽዑ ዘጋጠሞ ነገራት ነጊሩኒ እዩ። ኣብቲ ምስ ኣሕዋት ኪራኸቡ እተቛጸሩሉ ድልድል ክዳን ሰራሕተኛታት እተኸድኑ ኣባላት ፖሊስ ጸንሕዎ። ነቶም ድሒሮም ዝመጹ ብዓል ቤተይን ፓል ናጅፓልን እዮም ዚጽበይዎም ነይሮም። እቶም ኣባላት ፖሊስ ናብ መደበር ፖሊስ ወሰድዎም: ብሰንኪ ስቓይ ሃለዋቶም ክሳዕ ዜጥፍኡ ድማ ብበትሪ ገይሮም ኣእጋሮም ቀጥቀጥዎም።

ድሕሪኡ ሳእኖም ወድዮም ደው ኪብሉ ተኣዘዙ። ብዙሕ ይቕንዘዉ እኳ እንተ ነበሩ: ናብ መደበር ባቡር ኪኸዱ ተገደዱ። እቶም ኣባላት ፖሊስ ንሓደ ምርኣይ ክሳዕ ዜሸግሮ ኣብ ርእሱ ብዙሕ ፋሻ እተጠምጠመሉ ሰብኣይ እውን ኣምጽኡ። እዚውን ምስቶም ኣሕዋት ንምርኻብ ዝመጸ ኣንድራስሽ ፒሊንክ ዚበሃል ሓው እዩ ነይሩ። ብዓል ቤተይ ኣብ ጥቓ ቡዳፐስት ኣብ እትርከብ ቍሸት ኣላግ ተሓበሰ። ነቲ እተቐጥቀጠ ኣእጋሩ ዝረኣየ ሓደ ኻብቶም ሓለውቲ “ገሊኦም ሰባትሲ ኽንደይ ይሓስሙ! ኣጆኻ: ከነሕውየካ ኢና” ኢሉ ሓጨጨሉ። ክልተ ኻልኦት ሓለውቲ ንቲቦር ኣእጋሩ ኪቕጥቅጥዎ ጀመሩ: ደሙ እውን ዛሕዛሕ በለ። ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ውኖኡ ኣጥፍአ።

ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ወርሒ ቲቦርን 60 ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ቤት ፍርዲ ቐረቡ። ሓው ኣንድራሽ ባርታ: ሓው ዴነሽ ፋሉቬጊ: ከምኡውን ሓው ያኖሽ ኮንራድ ብማሕነቕቲ ኺሞቱ ተፈርዶም። ሓው ኣንድራስ ፒሊንክ ዕድመ ይፍታሕ ኪፍረዶ ኸሎ: ብዓል ቤተይ ከኣ ን12 ዓመት ማእሰርቲ ተፈርዶ። ዝገበርዎ ገበንከ እንታይ እዩ ነይሩ፧ እቲ ኸሳሲ ብዝኸፍአ ዓይነት ክድዓት: ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብምእባይ: ብስለላ: ከምኡውን ነታ ቕድስቲ ቤተ-ክርስትያን ብምጽላም ከሰሶም። እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ኸኣ ጸኒሑ ናብ ዕድመ ይፍታሕ ተቐየረ።

ኣሰር ብዓል ቤተይ ሰዓብኩ

ቲቦር ምስ ኣሕዋት ኪራኸብ ናብ ደብረትሰን ካብ ዚኸይድ ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ: ሰዓት ሽዱሽተ ቕድሚ ምዃኑ ብንግሆኡ ተንሲአ ኽዳውንቲ አስታርር ነበርኩ። ብሃንደበት እቲ ማዕጾ ገም ገም በለ። ‘ኣብዚ ኸኣ መጺኦም’ በልኩ። ሽዱሽተ ኣባላት ፖሊስ ናብ ውሽጢ ኣትዮም: ኪፍትሹ ፍቓድ ከም ዘለዎም ገለጹለይ። ኣብታ ቤት ዝጸናሕና ብምሉእና: እንተላይ እቲ ወዲ ሰለስተ ዓመት ወድና: ናብ መደበር ፖሊስ ተወሰድና። በታ መዓልቲ እቲኣ ናብቲ ኣብ ፒተርቫሻር: ሃንጋሪ: ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ተወሰድና።

ኣብኡ ምስ በጻሕና: ረስኒ ስለ ዝገበረለይ ካብቶም ካልኦት እሱራት ፈለዩኒ። ምስ ጠዓኹ: ክልተ ወተሃደራት ናብታ እተኣሰርኩላ መጺኦም ብኣይ ኪቋየቑ ጀመሩ። እቲ ሓደ “ክትርሸን ኣለዋ! ባዕለይ ክርሽና እየ!” በለ። እቲ ኻልኣይ ግን ቅድሚ ምርሻኖም ኵነታት ጥዕናይ ኪፈልጥ ደለየ። ኣነ ድማ ብህይወት ኪሓድጉኒ ለመንክዎም። ኣብ መወዳእታ ኻብታ ተኣሲረላ ዝነበርኩ ኽፍሊ ኸዱ: የሆዋ ስለ ዝሓገዘኒ ድማ ኣመስገንክዎ።

እቶም ሓለውቲ ዚምርምሩሉ ፍሉይ ሜላ ነበሮም። ገጸይ ንታሕቲ ገይረ ኣብ ባይታ በጥ ክብል ኣዘዙኒ: ካልሲ ኣብ ኣፈይ ወተፉለይ: ኣእዳወይን ኣእጋረይን ኣሰሩኒ: ደም ክሳዕ ዝወጽእ ድማ ቀጥቀጡኒ። ሓደ ወተሃደር ምስ ዚደክም ጥራይ እዮም ዜዕርፉ ዝነበሩ። ብዓል ቤተይ በታ እተኣስረላ ዕለት ምስ መን ኪራኸብ መዲቡ ኸም ዝነበረ ሓተቱኒ። ክነግሮም ፍቓደኛ ብዘይምንባረይ: እቲ መግረፍቲ ንሰለስተ መዓልቲ ቐጸለ። ኣብታ ራብዐይቲ መዓልቲ ንወደይ ናብ ኣደይ ክወስዶ ተፈቕደለይ። ብርቱዕ ቍሪ እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ንእሽቶ ዝነበረ ወደይ ኣብቲ ዝቘሰለ ዝባነይ ሓዚለ: ናብቲ መደበር ባቡር ንምብጻሕ 13 ኪሎ ሜተር ብእግረይ ተጓዓዝኩ። ካብኡ ድማ ብባቡር ናብ ዓድና ኸድኩ። እንተዀነ ግን: በታ መዓልቲ እቲኣ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ኽምለስ ነበረኒ።

ድሕርዚ ኣብቲ ኣብ ቡዳፐስት ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ንሽዱሽተ ዓመት ክእሰር ተፈርደኒ። ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተኹ: ቲቦር እውን ኣብኡ ተኣሲሩ ኸም ዘሎ ፈለጥኩ። ንኽንዘራረብ እተፈቕደልና ግዜ ኣዝዩ ሓጺር: ኣብ መንጎና እውን ሓጹር እኳ እንተ ነበረ: በዚ ግን ብዙሕ ኢና ተሓጒስና! ክልቴና ፍቕሪ የሆዋ ኣብ ውሽጥና ተሰምዓና: በዛ ኣኽቢርና እንርእያ ህሞት ድማ ተበራታዕና። እንደገና ቕድሚ ምርኻብና: ብዙሕ ዜስካሕክሕ ፈተና ኢና ኣሕሊፍና: ብተደጋጋሚ እውን ካብ ሞት ንዋራ ኢና ወጺእና።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ

ዳርጋ 80 እንኸውን ኣሓት ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ተዳጒንና ነበርና። መንፈሳዊ ምግቢ ኽንረክብ ሃረር ንብል እኳ እንተ ነበርና: ዝዀነ ይኹን ነገር ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ኸተእቱ ግን ዘይመስል እዩ ነይሩ። ካብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ገለ ኽንረክብ ንኽእልዶ፧ እንታይ ከም ዝገበርና ኸዘንትወልኩም። እተቐደ ካልሲ እቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዚሰርሑ ጸሓፍቲ ኽሰፍየሎም ፍቓደኛ ዀንኩ። መለለዪ ቝጽሪ እቲ ኣብ ቤተ-መጻሕፍቲ ዚርከብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንደይ ምዃኑ እትሓትት ወረቐት ብምጽሓፍ ኣብ ሓንቲ ኻልሲ ኣንበርክዋ። ጥርጣረ ምእንቲ ኸይሓድሮም ኢለ ኸኣ ኣርእስቲ ኽልተ መጻሕፍቲ እውን ጸሓፍኩ።

ንጽብሒቱ ኻብቶም ጸሓፍቲ ሓያሎ ካልስታት መጸኒ። ኣብ ሓንቲ ኻብአን ድማ መልሲ ነበረ። ድሕሪኡ ነቲ ሓላዊ ነተን ቍጽሪ ብምሃብ መጻሕፍቲ ኸምጽኣለይ ሓተትክዎ። ነተን መጻሕፍቲ: እንተላይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ መጸና ብዙሕ ኢና ተሓጒስና። እተን ዝተረፋ መጻሕፍቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ክንቅይረን ከለና: ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣይንቕይራን ነበርና። እቲ ሓላዊ ኣበይ ከም ዘላ ምስ ዚሓተና: “ዓባይ መጽሓፍ እያ: ኵላትና ኸኣ ከነንብባ ንደሊ ኢና” ኢልና ንምልሰሉ ነበርና። በዚ ኸምዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከኣልና።

ሓደ መዓልቲ: ሓደ ብዓል ስልጣን ናብ ቤት ጽሕፈቱ ወሰደኒ። ቅድሚኡ ርእየሉ ዘይፈልጥ ትሕትና ድማ ረኣኹሉ።

“ሚስስ ሃፍነር: ብስራት እየ ሒዘልኪ መጺአ። ናብ ቤትኪ ኽትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። ምናልባት ጽባሕ ትኸዲ ትዀኒ: ባቡር እንተላ: ሎሚውን ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ” በለኒ።

“ዜሐጕስ እዩ” ኢለ መለስኩሉ።

“እወ: ቈልዓ ኣሎኪ: ባዕልኺ ኸተዕብይዮ እትደልዪ ድማ ይመስለኒ” በለኒ። ኣስዕብ ኣቢሉ “ኣብዛ ደብዳበ ጥራይ ፈርሚ” በለኒ።

“እንታይ እዩ፧” ኢለ ሓተትክዎ።

“ብዛዕባኡ ኣይትጨነቒ። ጥራይ ፈርሚ እሞ ኺዲ። ቤትኪ ምስ በጻሕኪ: ደስ ዝበለኪ ግበሪ። ሕጂ ግን ካብ ሎሚ ንደሓር ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ምዃን ከም ዘቋረጽኪ ንምግላጽ ፈርሚ” በለኒ።

ንድሕሪት ርሕቕ በልኩ: ኣበኹ ድማ።

“እምበኣር ኣብዚኣ ኽትሞቲ ኢኺ!” ኢሉ ብሕርቃን ጨደረ: ናብታ እተኣሰርኩላ ኽፍሊ ድማ መለሰኒ።

ኣብ ግንቦት 1943 ናብ ካልእ ኣብ ቡዳፐስት ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ተቐየርኩ: ድሕሪኡ ኸኣ ናብቲ ምስ 70 ደናግል እንነብረላ ዝነበርና ማሪያኖስትራ ኣብ እትበሃል ቍሸት እትርከብ ገዳም ገዓዝና። ጥሜትን ካልእ ሽግርን እኳ እንተ ነበረና: ተስፋና ኽንነግረን ሃንቀውታ ነበረና። ሓንቲ ኻብተን ደናግል ኣብቲ መልእኽትና ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣርኣየት: “እዚ ጽቡቕ እዩ። ከምዚ ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ። በጃኻትክን ካልእ እውን ንገራኒ” ድማ በለትና። ብዛዕባ ሓዳስ ዓለምን ኣብኡ ብዛዕባ ዚህሉ ባህ ዜብል ህይወትን ነገርናያ። ከነዘራርባ ኸለና: እታ ሓለቓአን መጸት። ነታ ተገዳስነት ዝነበራ ድንግል ብኡንብኡ ወሲደን: ክዳና ኣውጺአን: ሕርሕራይ ገይረን ብሓለንጊ ገረፋኣ። እንደገና ምስ ረኸብናያ: “የሆዋ ምእንቲ ኼድሕነንን ካብዚ ምእንቲ ኼውጽኣንን በጃኻትክን ጸልያለይ። ሓንቲ ኻባታትክን እየ ክኸውን ዝደሊ” ኢላ ለመነትና።

ድሕሪኡ ድማ ካብ ቡዳፐስት ንምዕራብ 80 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ ጥቓ ፈለግ ዳንዩብ ኣብ እትርከብ ከተማ ኮማሮም ዝነበረ ናይ ጥንቲ ቤት ማእሰርቲ ወሰዱና። ኣብኡ ሕማቕ ኵነታት እዩ ነይሩ። ኣነን ብዙሓት ኣሓትን ሕማም ቲፎ ሓመምና። ኣብቲ ግዜ እቲ ደም አምልስ ስለ ዝነበርኩ: ኣመና ደኸምኩ። መድሃኒት ዚበሃል ኣይነበረናን: ዝመውት እውን መሰለኒ። እቶም ሰበ-ስልጣን ግን ኣብ ቤት ጽሕፈት እትሰርሓሎም ሰብ ይደልዩ ነበሩ። እተን ኣሓት ንዓይ ጠቐሳሎም። ስለዚ: እተወሰነ መድሃኒት ተዋህበኒ: ካብቲ ሕማም ድማ ሓወኹ።

ምስ ስድራቤተይ ምርኻብ

ሰራዊት ሶቭየት ብምብራቕ እናቐረበ ምስ መጸ: ናብ ምዕራብ ክንግዕዝ ተገደድና። ኵሉ እቲ ሽዑ ዘጋጠመና ዜስካሕክሕ ነገራት ንገዛእ ርእሱ ነዊሕ ታሪኽ እዩ። ብተደጋጋሚ ኣብ ኣፍ ሞት በጺሐ ነበርኩ: ሳላ እታ ዘጽለለትኒ ኢድ የሆዋ ግን ካብ ሞት ደሓንኩ። እቲ ውግእ ኪዛዘም ከሎ: ኣብታ ታቦር እትበሃል ካብ ፕራግ 80 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ ኣብ ቸክ እትርከብ ከተማ ነበርና። ኣነን ማግዳሌና እትበሃል ንዕልተይን ሰለስተ ሰሙን ተጓዒዝና 30 ግንቦት 1945 ናብታ እንነብረላ ዝነበርና ኸተማ ሉቸንየትዝ በጻሕና።

ካብ ርሑቕ ሓማተይን ቲቦር ወደይን ኣብ ገደናና ረኣኽዎም። ኣዒንተይ ቅጽርጽር በለ: “ቲቢከ!” ኢለ ድማ ተደሃኽዎ። እናጐየየ መጺኡ ዘሊሉ ሓቘፈኒ። “ኣደይ እንደገና ኣይትኸድን ኢኺ: ሓቀይዶ፧” በለኒ። መጀመርታ ዘውስአን ቃላት እዚኣተን እየን ነይረን: ኣነውን ፈጺመ ኣይርስዐንን እየ።

የሆዋ ንቲቦር ሰብኣየይ እውን ምሕረቱ ኣርእይዎ እዩ። ካብቲ ኣብ ቡዳፐስት ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ: ምስ 160 ዝዀኑ ኣሕዋት ኣብ ቦር ናብ ዚርከብ ናይ ሸቕሊ ደምበ ተላእከ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ኣፍ ሞት በጺሖም ነይሮም: ብሓፈሻ ግን ካብ ሞት ኣምሊጦም እዮም። ቲቦር ካባይ ወርሒ ዚኸውን ኣቐዲሙ ብ8 ሚያዝያ 1945 ናብ ቤት ተመልሰ።

ድሕሪ እቲ ውግእ እውን ኣብ ቼኮስሎቫክያ ኣብ ትሕቲ ዴሳዊ ስርዓት ን40 ዓመት ዘሕለፍናዮ ፈተናታት ንምጽዋር ሓይሊ የሆዋ የድልየና ነበረ። ቲቦር እንደገና ንነዊሕ ዓመት ማእሰርቲ ተፈርዶ: ንወድና ኸኣ በይነይ ከዕብዮ ነበረኒ። ምስ ተፈትሐ: ገያሺ ተዓዛቢ ዀይኑ ኣገልገለ። ዴሳዊ ስርዓት ኣብ ዝሰፈነሉ 40 ዓመት: እምነትና ንምንጋር ዝረኸብናዮ ዅሉ ኣጋጣሚ ንጥቀመሉ ነበርና። ንብዙሓት ሰባት ሓቂ ኺፈልጡ ሓጊዝናዮም ኢና። በዚ ኸምዚ መንፈሳውያን ውሉዳት ኰኑና።

ብ1989 ሃይማኖታዊ ሓርነት ምስ ረኸብና ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ተሓጒስና! ንዓመታኡ ድሕሪ ኣዝዩ ነዊሕ እዋን ኣብ ሃገርና ንመጀመርታ ግዜ ኣውራጃዊ ኣኼባ ገበርና። ንዓሰርተታት ዓመታት ንጽህናኦም ዝሓለዉ በሽሓት ዚቝጸሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምስ ረኣና: የሆዋ ንዅላቶም ምንጪ ብርታዐ ኸም ዝዀኖም ፈለጥና።

ቲቦር ሰብኣየይ ብ14 ጥቅምቲ 1993 ንኣምላኽ እሙን ኰይኑ ሞተ: ኣብዚ ግዜ እዚ ኣነ ኣብ ዚሊና: ስሎቫክያ: ጥቓ ወደይ እነብር ኣለኹ። ሕጂ ዝተረፈኒ ኣካላዊ ሓይሊ የብለይን: መንፈሰይ ግን ሳላ እቲ የሆዋ ዝህበኒ ሓይሊ ገና ብርቱዕ እዩ ዘሎ። ኣብዚ ኣረጊት ኣገባብ እዚ ዚወርደኒ ዝዀነ ይኹን ፈተና በቲ የሆዋ ዚህበኒ ሓይሊ ኸም ዝጻወሮ ብዘይ ገለ ጥርጥር እኣምን እየ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ሳላ እቲ ዘይበቕዖ ሕያውነት የሆዋ ነቲ ንዘለኣለም ዝነብረሉ እዋን ብሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ቲቦር ጁንየር ወደይ (ወዲ 4 ዓመት ከሎ) ሓዲገዮ ምስ ተኣሰርኩ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ቲቦር ሰብኣየይ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ኣብ ቦር

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ብ1947 ምስ ቲቦርን ማግዳሌና ንዕልተይን ኣብ በርኖ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ብተደጋጋሚ ኣብ ኣፍ ሞት በጺሐ ነበርኩ: ሳላ እታ ዘጽለለትኒ ኢድ የሆዋ ግን ካብ ሞት ደሓንኩ