ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“‘እወ’ ኽንብሎ ንደሊ ኢና”

“‘እወ’ ኽንብሎ ንደሊ ኢና”

“‘እወ’ ኽንብሎ ንደሊ ኢና”

ኣብ ናይጂርያ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ዚስዕብ እትብል ደብዳበ ተቐበለ:-

“ኣንደርሰን ወድና ኣብ 14 ዓመቱ እዩ ሞይቱ። ቀቅድሚ ሙማቱ ግና ኽልተ ደርሁ የፋሪ ነይሩ። ንዐአን ሸይጡ ድማ ነቲ ገንዘብ ንድጋፍ እቲ ዓለምለኻዊ ስብከት ኪሰዶ ድሌት ነበሮ። ይኹን እምበር: ከይሸጠን እዩ ሞይቱ።

“ድሌቱ ንምምላእ: ንሕና ወለዱ ነተን ደርሁ ኣዕቢና ሸጥናየን። እንሆ ኸኣ ነተን ገንዘብ ንሰደን ኣለና። ኣብቲ የሆዋ ዝሃቦ ተስፋ ስለ እንውከል: ንኣንደርሰን ድሕሪ ቕሩብ እዋን ከም እንረኽቦ ምሉእ ተስፋ ኣሎና። ሓሳብ ልቡ ኣማሊእናሉ እንተደኣ ዄንና ምስ ሓተተና: ‘እወ’ ኽንብሎ ንደሊ ኢና። ንኣንደርሰን ጥራይ ዘይኰነስ: ነቶም ‘ደበና ምስክር’ እውን ኣብ ግዜ ትንሳኤ ኽንረኽቦም ብሃንቀውታ ንጽበ ኢና።”—እብራውያን 12:1፣ ዮሃንስ 5:28, 29

ኣብዛ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናያ ደብዳበ ኸም እተንጸባረቐ: ተስፋ ትንሳኤ ንክርስትያናት ዜተባብዕ እዩ። እተን ዜፍቅራኦም ኣባላተን ዚሞትወን ብሚልዮናት ዚቝጸራ ስድራቤታት ንምዉታተን ኪቕበላኦም ከለዋስ ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!—1 ቈረንቶስ 15:24-26

ትንሳኤ ሓደ ኻብቲ ኣብ ትሕቲ እታ ብመንግስቲ ኣምላኽ እትመሓደር ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ዚፍጸሙ ዜደንቕ ነገራት ከም ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ይነግረና። (2 ጴጥሮስ 3:13) ሽዑ ኣምላኽ ንደቅሰብ እንታይ ከም ዚገብረሎም መጽሓፍ ቅዱስ ኪገልጽ ከሎ: “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ይብል።—ራእይ 21:4