ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኦሪት ዘሁልቍ ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ኦሪት ዘሁልቍ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ኦሪት ዘሁልቍ ዚጐልሕ ነጥብታት

እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ: ብደረጃ ህዝቢ ተወደቡ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሑ: ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ይኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ: ኣይኣተዉን። ኣብ ክንድኡስ: ዳርጋ ነርባዓ ዓመት ኣብ “ገፊሕን ዜፍርህን በረኻ” ዀለል በሉ። (ዘዳግም 8:15) ስለምንታይ፧ ኣብ ኦሪት ዘሁልቍ ዚርከብ ታሪኻዊ ጸብጻብ: እንታይ ከም ዘጋጠሞም ይነግረና። እዚ ዛንታ እዚ ንየሆዋ ኣምላኽ ምእዛዝን ንተወከልቱ ምኽባርን ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ጦብላሕታ ኼሕድረልና ኣለዎ።

ኦሪት ዘሁልቍ ኣብ በረኻን ኣብ ጐላጕል ሞኣብን ብሙሴ እተጻሕፈት ኰይና: 38 ዓመትን 9 ወርሕን: ማለት ካብ 1512 ቅ.ኣ.ዘ. ክሳዕ 1473 ቅ.ኣ.ዘ. ዘሎ እዋን እትሽፍን እያ። (ዘሁልቍ 1:1፣ ዘዳግም 1:3) ስም እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኻብቲ ኽልተ ሳዕ እተገብረ ቘጸራ ህዝቢ እስራኤላውያን እተወስደ እዩ። a ኣብ ክልቲኡ እዚ ቘጸራ ህዝቢ ናይ 38 ዓመት ፍልልይ ኣሎ። (ምዕራፍ 1-4, 26) እቲ ዛንታ ኣብ ሰለስተ ኽፍልታት እተኸፍለ እዩ። እቲ ቐዳማይ ክፍሊ ኣብ ከረን ሲና ብዛዕባ ዝዀነ ነገራት ይትርኽ። እቲ ኻልኣይ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዀለል ኪብሉ ኸለዉ ዘጋጠሞም ነገራት ይገልጽ። እቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል ከኣ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ብዛዕባ ዝዀነ ፍጻመታት ይሕብር። ነዚ ጸብጻብ እዚ ኸተንብብ ከለኻ: ንርእስኻ ‘እዚ ፍጻመታት እዚ እንታይ እዩ ዚምህረኒ፧ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ንዓይ ኪጠቕመኒ ዚኽእል መሰረታዊ ስርዓታት ኣሎዶ፧’ ኢልካ ሕተት።

ኣብ ከረን ሲና

(ዘሁልቍ 1:1–10:10)

ካብቲ ኣብ ዘሁልቍ እተመዝገበ ኽልተ ቘጸራ ህዝቢ እቲ ቐዳማይ: እስራኤላውያን ኣብ እግሪ ኸረን ሲና ኸለዉ እዩ ተገይሩ። ንሌዋውያን ሓዲግካ ደቂ 20 ዓመትን ካብኡ ንላዕልን ዝዀኑ እስራኤላውያን 603,550 ኰኑ። እቲ ቘጸራ ንወተሃደራዊ ዕላማ እዩ ተገይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ኣንስትን ቈልዑን ሌዋውያንን ኪድመሩ ኸለዉ ግን ብምሉኦም ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ኣቢሎም እዮም ነይሮም።

ድሕሪ እቲ ቘጸራ ህዝቢ: እስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ ዚጐዓዙሉ ኣገባብ ዚገልጽ መምርሒ: ብዛዕባ ሓላፍነት ሌዋውያንን ኣገልግሎት ማሕደርን ዚገልጽ ዝርዝር ስርዓታት: ንዝረኸሰ ብዛዕባ ምዕጻው ዚገልጽ ትእዛዛት: ምስ ቅንኢ ንእተተሓሓዘ ጕዳይ ዚምልከት ሕግታት: ከምኡውን ብዛዕባ መብጽዓ ናዝራውያን መምርሒ ተዋህቦም። ምዕራፍ 7 ብዛዕባ እቲ ሹማምቲ ነገዳት ኣብ ምረቓ እቲ መሰውኢ ዜቕረብዎ መስዋእቲ ትሕብር: ምዕራፍ 9 ኸኣ ብዛዕባ በዓል ፋስጋ ትገልጽ። እቲ ህዝቢ እውን ብኸመይ ንጕዕዞ ኸም ዚነቅልን ድሕሪ ጕዕዞ ብኸመይ ከም ዚሰፍርን መምርሒ ተዋሂብዎ ነበረ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

2:1, 2—ሰሰለስተ ነገድ እስራኤል ኣብቲ በረኻ ኣብ ዙርያ ሓደ “ምልክት” ይሰፍሩ ነበሩ: እዚ “ምልክት” እዚ እንታይ እዩ ነይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ምልክትታት እዚ እንታይ ምንባሩ መግለጺ ኣይህብን እዩ። እንተዀነ ግን: ከም ቅዱስ ምልክታት ወይ ከም ሃይማኖታዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገር ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም ነይሮም። እቲ ምልክታት: ሰባት ኣብቲ ሰፈር ኣበይ ከም ዚነብሩ ብቐሊሉ ምእንቲ ዚሕብሮም እዩ ነይሩ።

5:27—እታ ዘማዊት ሰበይቲ ‘ሰለፋ ይወድቕ’ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ እታ “ሰለፍ” እትብል ቃል: ንኣካላት ምፍራይ ከተመልክት ተባሂላ እያ ኣብዚ ኣትያ። “ይወድቕ” ኪበሃል ከሎ ኸኣ እቲ ኣካላት ምፍራይ ይምህምን እሞ እታ ሰበይቲ ኣይትጠንስን እያ ማለት እዩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

6:1-7 ናዝራውያን ካብ ፍርያት ወይንን ኵሉ ዜስክር መስተን ኪርሕቑ ኸምኡውን ነፍሶም ኬሕስሙ ነበሮም። ከምቲ ኣንስቲ ንሰብኡተን ወይ ነቦታተን ዚግዝኣ ዀይኖም ንየሆዋ ኸም ዚግዝኡዎ ንምምልካት ጸጕሮም ኬንውሑ ነበሮም። ካብ ዝዀነ ይኹን ሬሳ: እንተላይ ካብ ሬሳ ቤተሰቦም እውን ብምርሓቕ ንጹሃት ኪዀኑ ነበሮም። ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ንየሆዋን ምድላዋቱን ብዚምልከት ነፍሶም ብምሕሳምን ተገዛእቲ ብምዃንን ጥቕሚ ርእሶም ይስውኡ እዮም። ገሊኦም ናብ ርሑቕ ሃገር ስለ ዚምደቡ: ናይ ቀረባ ኣባል ስድራቤቶም ንምቕባር ናብ ቤቶም ኪምለሱ የጸግሞም ይኸውን ወይ ኣይክእሉን ይዀኑ።

8:25, 26 ሌዋውያን ኣብ ዚፍጽምዎ ኣገልግሎት ብቑዓት ሰብኡት ጥራይ ምእንቲ ኺሰርሑ: ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኡት ንዕድሜኦም ኣብ ግምት ብምእታው ካብቲ ግዴታዊ ኣገልግሎት የቋርጹ ነበሩ። ይኹን እምበር: ንኻልኦት ሌዋውያን ኪሕግዙ ይኽእሉ ነበሩ። ኣብዚ ግዜና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምስባኽ ዘይነቋርጽ እኳ እንተ ዀንና: ኣብዚ ሕጊ እዚ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ግን ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዚምህረና። ሓደ ክርስትያን ዕድመ ብምድፋኡ እተወሰነ ሓላፍነታቱ ኺፍጽም ምስ ዘይክእል: ኪፍጽሞ ኣብ ዚኽእል መዳይ ኣገልግሎት ኪጽመድ ይኽእል እዩ።

ኣብ በረኻ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ ዀለል ምባል

(ዘሁልቍ 10:11–21:35)

ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ዝነበረ ደበና ምስ ተላዕለ: እቶም እስራኤላውያን ነቐሉ: ድሕሪ 38 ዓመትን ሓደ ወይ ክልተ ወርሕን ከኣ ናብ ጐላጕል ሞኣብ በጽሑ። ነዚ ጕዕዞ እዚ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት “ሲ ዘ ጉድ ላንድ” ዘርእስታ ብሮሹር ኣብ ገጽ 9 እንተ ተኸታቲልካዮ: ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ።

ኣብ በረኻ ጳራን: ናብ ቃዴስ እናተጓዕዙ ኸለዉ: እንተ ወሓደ ሰለስተ ሳዕ ኣጕረምረሙ። እቲ ቐዳማይ የሆዋ ንገሊኣቶም ሰባት ብሓዊ ምስ ኣጥፍኦም ኣብቅዐ። ድሕሪኡ እስራኤላውያን ስጋ ደልዮም ኣጕረምረሙ: የሆዋ ኸኣ ብርኒጎታት ሃቦም። ሚርያምን ኣሮንን ኣብ ልዕሊ ሙሴ ተዛረቡ: ብሰንኪ እዚ ድማ ሚርያም ንግዜኡ ብለምጺ ተወቕዐት።

ኣብ ቃዴስ ሰፊሮም ከለዉ: ሙሴ ነታ ምድሪ ተስፋ ንኺስልይዋ 12 ሰለይቲ ለኣኸ። ድሕሪ 40 መዓልቲ ኸኣ ተመልስዎ። እቶም ህዝቢ ነቲ እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ዜምጽእዎ ሕማቕ ወረ ኣሚኖም: ንሙሴን ንኣሮንን ከምኡውን ነቶም እሙናት ሰለይቲ ዝነበሩ እያሱን ካሌብን ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎም ደለዩ። የሆዋ ነቶም ህዝቢ ብፌራ ኺውድኦም ደለየ: ሙሴ ግን ለመነሎም: ኣምላኽ ድማ እቶም እተቘጽሩ ኽሳዕ ዚሞቱ ን40 ዓመት ኣብ በረኻ ኰለል ኪብሉ ምዃኖም ገለጸ።

የሆዋ ተወሳኺ ስርዓታት ሃበ። ቆራሕን ካልኦት ዓለወኛታትን ንሙሴን ኣሮንን ተላዕልዎም። እንተዀነ ግን: ገለ ኻብቶም ዓለወኛታት ብሓዊ ኺጠፍኡ ኸለዉ: ንገሊኦም ከኣ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ወሓጠቶም። ንጽብሒቱ ብምሉኡ እቲ ኣኼባ ንሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙሎም። ብሰንኪ እዚ ኸኣ የሆዋ 14,700 ሰባት ቀዘፈ። ኣምላኽ ሊቀ ኻህናት ኪዀኖ ንመን ከም ዝመረጾ ንምግላጽ: ንበትሪ ኣሮን ከም እትዕምብብ ገበራ። ድሕርዚ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ሌዋውያን ዘለዎም ግዴታን ብዛዕባ ምንጻህ እቲ ህዝብን ብዚምልከት ተወሳኺ ሕግታት ሃበ። ሓመዅሽቲ ጣላ ላም ምጥቃም ድማ ነቲ ብመስዋእቲ የሱስ እተገብረ ምንጻህ የመልክት።—እብራውያን 9:13, 14

ደቂ እስራኤል ናብ ቃዴስ ተመልሱ: ኣብኡ ድማ ሚርያም ሞተት። እቶም ኣኼባ ማይ ስለ ዝሰኣኑ ንሙሴን ኣሮንን እንደገና ኣጕረምረሙሎም። ሙሴን ኣሮንን ብተኣምር ማይ ኬውጽኡ ኸለዉ ስም የሆዋ ስለ ዘይቀደሱ: ናብታ ምድሪ ተስፋ ናይ ምእታው ኣጋጣሚ ኣጥፍኡ። እስራኤላውያን ካብ ቃዴስ ነቐሉ: ኣሮን ድማ ኣብ ከረን ሆር ሞተ። ብዙርያ ኤዶም ኪጐዓዙ ኸለዉ: ስለ እተሓለሉ ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሙሴን ተዛረቡ ወይ ኣጕረምረሙ። የሆዋ ምእንቲ ኪቐጽዖም ከኣ ዚነዱ ወይ መርዛማት ኣትማን ሰደደሎም። እንደገና ሙሴ ለመነሎም: ኣምላኽ ከኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ኪገብር እሞ እቶም እተነኽሱ ናብኡ ብምጥማት ምእንቲ ኺድሕኑ ኣብ ባላ ኺሰቕሎ መምርሒ ሃቦ። እቲ ተመን: የሱስ ክርስቶስ ንዘለኣለማዊ ጥቕምና ኸም ዚስቀል ዜመልክት ጽላሎት ነበረ። (ዮሃንስ 3:14, 15) እስራኤል ንሲሆንን ዖግን ዚበሃሉ ነገስታት ኣሞራውያን ስዒሩ መሬቶም ወረሰ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

12:1—ሚርያምን ኣሮንን ንሙሴ ዘጕረምረሙሉ ስለምንታይ እዮም፧ ቀንዲ መጕረምረሚኦም ምኽንያት: ሚርያም ዝያዳ ተሰማዕነት ኪህልዋ ብምድላያ ኸይኰነ ኣይተርፍን። ሲፎራ (ጺጶራ) ሰበይቲ ሙሴ ናብኡ ኣብ በረኻ ምስ መጸት: ሚርያም ኣብቲ ሰፈር ከም ኣውራ ኣንስቲ ዄይና እትረኣየሉ ግዜ ኸየብቅዕ ፈሪሃ ኽትከውን ትኽእል እያ።—ዘጸኣት 18:1-5

12:9-11—ሚርያም ጥራይ ብለምጺ እተወቕዐት ስለምንታይ እዩ፧ ነቲ ምጕርምራም ዘበገሰቶን ንኣሮን ኪሓብራ ዘስድዓቶን ንሳ እያ ነይራ ኽትከውን ዘለዋ። ኣሮን ጌጋኡ ብምንዛዝ ቅኑዕ ተግባር ገይሩ እዩ።

21:14, 15—እቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ መጽሓፍ ኣየናይ እዩ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ምንጪ ጽሑፍ እተጠቕሙሉ መጻሕፍቲ ይጠቅስ እዩ። (እያሱ 10:12, 13፣ 1 ነገስት 11:41፣14:19, 29) “መጽሓፍ ውግእ እግዚኣብሄር” ከምዚ ዝኣመሰለ ጽሑፍ እዩ ነይሩ። ታሪኻዊ ጸብጻብ እቲ ህዝቢ የሆዋ ዝገበርዎ ውግኣት ዝሓዘ እዩ ነይሩ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

11:27-29 ካልኦት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ሓላፍነት ኪወሃቦም ከሎ ብኸመይ ምላሽ ክንህብ ከም ዘሎና ሙሴ ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። ብቕንኢ ተላዒሉ ንርእሱ ኽብሪ ኣብ ክንዲ ዚደሊ: ኤልዳድን ሜዳድን ብምንባዮም ሕጉስ ነበረ።

12:2, 9, 10 16:1-3, 12-14, 31-35, 41, 46-50 የሆዋ ንኣምለኽቱ ነቲ ብኣምላኽ እተዋህበ ስልጣን ኬኽብሩ እዩ ዚጽበዮም።

14:24 ዓለም ጌጋ ኽንገብር ንእትገብረልና ጸቕጢ ኽንጻወር ዜኽእለና ቐንዲ ሜላ “ካልእ መንፈስ” ወይ ኣተሓሳስባ ምምዕባል እዩ። እዚ ድማ ከምቲ ናይ ዓለም ኪኸውን የብሉን።

15:37-41 እስራኤላውያን ኣብ ወሰን ክዳኖም ዚገብርዎ ዝነበሩ ኣዝፋር ንኣምላኽ ንምምላኽን ትእዛዛቱ ንምሕላውን እተፈልዩ ህዝቢ ምዃኖም ኬዘክሮም ተባሂሉ እዩ። ንሕና እውን ብስርዓታት ኣምላኽ ብምምልላስ ካብ ዓለም እተፈለና ኽንከውንዶ ኣይግብኣናን፧

ኣብ ጐላጕል ሞኣብ

(ዘሁልቍ 22:1–36:13)

ደቂ እስራኤል ኣብቲ ምድረ-በዳ ዝዀነ ጐላጕል ሞኣብ ምስ ሰፈሩ: ሞኣባውያን ኣዝዮም ፈርሁ። በዚ ምኽንያት እዚ ባላቕ ንጉስ ሞኣብ ንበላዓም ዚበሃል ሰብኣይ ንእስራኤላውያን ኪረግመሉ ኢሉ ዓሰቦ። የሆዋ ግን ንበላዓም ንኺምርቖም ኣገደዶ። ድሕርዚ እስራኤላውያን ሰብኡት ኣብ ጾታዊ ርኽሰትን ኣምልኾ ጣኦትን ምእንቲ ኺወድቁ ንምስዳዕ ሞኣባውያንን ሚድያናውያንን ኣንስቲ ተጠቕሙ። ብሰንኪ እዚ ድማ የሆዋ ን24,000 ኣበስቲ ኣጥፍኦም። ፊንሃስ ንየሆዋ ዚነሓናሕ ዘበለ ኸም ዘይጻወሮ ምስ ኣርኣየ: እቲ መዓት ዛረየ።

ኣብቲ ኻልኣይ ቈጸራ ህዝቢ: ካብቶም ኣብቲ ቐዳማይ እተቘጽሩ ብዘይካ እያሱን ካሌብን ዋላ ሓደ ብህይወት ከም ዘየለ ነጸረ። እያሱ ንሙሴ ኺትክኦ ተመዘዘ። እስራኤላውያን ብዛዕባ እተፈላለየ መስዋእትታትን ብዛዕባ መብጽዓ ምእታውን መምርሒታት ተዋህቦም። ደቂ እስራኤል ንሚድያናውያን ሕነኦም ፈደዩ። ነገዳት ሮቤልን ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ብምብራቕ ዮርዳኖስ ተረስተዩ። እስራኤላውያን ንዮርዳኖስ ሰጊሮም ነታ ምድሪ ኺወርስዋ መምርሒ ተዋህቦም። ዶብ እታ ምድሪ ብዝርዝር ተገልጸ። ርስቲ ብዕጭ ተዋህበ። ንሌዋውያን 48 ከተማታት ኪወሃቦም ተመደበ: 6 ኻብዚኣተን ድማ መዕቈቢ ኸተማ ኪዀና ተመደባ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

22:20-22—ኵራ የሆዋ ኣብ በላዓም ዝነደደ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ንበላዓም: ንእስራኤላውያን ኪረግሞም ከም ዘይብሉ ነጊርዎ ነይሩ። (ዘሁልቍ 22:12) ይኹን እምበር: እዚ ነብዪ እዚ ንእስራኤላውያን ኪረግም ኢሉ ምስቶም ባላቕ ዝለኣኾም ሰብኡት ከደ። በላዓም ንንጉስ ሞኣብ ኣሐጒሱ ዓስቢ ኪቕበል ደለየ። (2 ጴጥሮስ 2:15, 16፣ ይሁዳ 11) ንእስራኤላውያን ኣብ ክንዲ ዚረግም ኪምርቕ ምስ ተገደደ እውን: ንበዓል ዜምልኻ ኣንስቲ ንእስራኤላውያን ሰብኡት ኬስድዓኦም ሓሳብ ብምሃብ ሞገስ እቲ ንጉስ ኪረክብ ጸዓረ። (ዘሁልቍ 31:15, 16) ስለዚ: እቲ ነብዪ እዚ ዘይበሃል ስስዐ ስለ ዝነበሮ እዩ ኵራ ኣምላኽ ኣብኡ ዝነደደ።

30:6-8—ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ነቲ ሰበይቱ ዝገበረቶ መብጽዓ ኼፍርሶ ይኽእልዶ፧ ንመብጽዓ ብዚምልከት ኣብዚ እዋን እዚ የሆዋ ምስ ኣምለኽቱ ዘለዎ ርክብ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ እዩ። ንኣብነት: ንየሆዋ እንገብሮ ወፈያ: ብብሕቲ እንኣትዎ መብጽዓ እዩ። (ገላትያ 6:5) ሰብኣይ ንኸምዚ ዝኣመሰለ መብጽዓ ሰበይቱ ኼፍርስ ወይ ኪስርዝ ስልጣን የብሉን። ሰበይቲ እውን እንተ ዀነት ምስ ቃል ኣምላኽ ወይ ምስቲ ንሰብኣያ ዘለዋ ግዴታ ዚጻረር መብጽዓ ኽትገብር የብላን።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

25:11 ንኣምልኾ የሆዋ ቐናእ ብምዃን ዝመጸ: ፊንሃስ ከመይ ዝበለ ብሉጽ ኣብነት ኰን እዩ ሓዲጉልና! ጉባኤና ንጽህቲ ኽትከውን ዘሎና ድሌት: ዝዀነ ይኹን ከቢድ ሓጢኣት ንክርስትያን ሽማግለታት ክንነግር ኪድርኸናዶ ኣይግባእን፧

35:9-29 ከይፈለጠ ሰብ ዝቐተለ ዘበለ ዓዱ ሓዲጉ ንእተወሰነ እዋን ናብ መዕቈቢት ከተማ ምህዳሙ: ህይወት ቅዱስ ምዃኑን ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኸም ዚግባእን ይሕብረና።

35:33 ብዝፈሰሰ ደም ሓደ ንጹህ ዝረኸሰት ምድሪ: ብደም እቲ ኸዓዊኡ እያ ኽትዕረቕ እትኽእል። ምድሪ ናብ ገነት ቅድሚ ምቕያራ የሆዋ ንእኩያት ኬጥፍኦም እምበኣር ግቡእ እዩ።—ምሳሌ 2:21, 22፣ ዳንኤል 2:44

ቃል ኣምላኽ መስለጢ እዩ

ንየሆዋን ሓላፍነት ንዝሃቦም ሰባትን ኣኽብሮት ከነርኢ ኣሎና። ኦሪት ዘሁልቍ ነዚ ሓቂ እዚ ብዝያዳ እያ እተነጽሮ። እዝስ ኣብዚ ግዜና ሰላምን ሓድነትን ንምዕቃብ ዚሕግዝ ከመይ ዝበለ ኣገዳሲ ትምህርቲ ዀን እዩ!

እቲ ኣብ ዘሁልቍ ዚርከብ ዛንታታት: እቶም ንመንፈሳውነቶም ዕሽሽ ዚብሉ ሰባት: ከመይ ገይሮም ብቐሊሉ ኣብ ከም ምጕርምራምን ጾታዊ ርኽሰትን ኣምልኾ ጣኦትን ዝኣመሰለ ኣበሳ ኺወድቁ ኸም ዚኽእሉ እዩ ዚሕብር። ገለ ኻብቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዚርከብ ኣብነታትን ትምህርትታትን ኣብቲ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብራኦ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ: ነታ ጉባኤ ዜድሊ ኣብ ዚብል ክፍሊ ኪቐርብ ይኽእል እዩ። እወ: “ቃል ኣምላኽ ህያውን [ኣብ ህይወትና ድማ] መስለጥን እዩ።”—እብራውያን 4:12

[እግረ-ጽሑፍ]

a “ዘሁልቍ” እትብል ቃል ካብ ግእዝ ዝመጸት እያ። ብመሰረት ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ እታ “ሁልቍ” እትብል ቃል “ብዝሒ፣ ኣሃዝ፣ ፍቕዲ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ በቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ዝነበረ ተኣምራዊ ደበና ገይሩ: እስራኤላውያን ንኺነቕሉን ንኺሰፍሩን መምርሒ ይህቦም ነበረ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ኽንእዘዞን ንተወከልቱ ኸነኽብሮምን ትጽቢት ይገብረልና እዩ