ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓብዪ ብምዃን ዝመጸ ኣረኣእያ ክርስቶስ ምምዕባል

ዓብዪ ብምዃን ዝመጸ ኣረኣእያ ክርስቶስ ምምዕባል

ዓብዪ ብምዃን ዝመጸ ኣረኣእያ ክርስቶስ ምምዕባል

“እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ: ግዙእኩም ደኣ ይኹን።” —ማቴዎስ 20:26

1. ዓለም ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ ዘለዋ፧

 ኣብ ጥቓ እታ ኻብ ካይሮ ንደቡብ 500 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ እትርከብ ጥንታዊት ከተማ ቲብጽ (ሕጂ ካርናክ) 18 ሜትሮ ዝቘመቱ ሓወልቲ ፈርኦን ኣመንሆተብ ሳልሳይ ቈይሙ ይርከብ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ ዓብዪ ምስሊ ኺርእዮ ኸሎ: ገዛእ ርእሱ ዝደቐቐ ዀይኑ እዩ ዚስምዖ። እዚ መዘከርታ እዚ ነቲ ገዛኢ ኽብሪ ንምሃብ ተባሂሉ ኸም ዝቘመ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ዓለም ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ዘለዋ ኣረኣእያ: ንርእስኻ ዓብዪን ኣገዳስን ሰብ ኣምሲልካ ብምቕራብ: ንኻልኦት ዘይረብሑ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ምግባር እዩ።

2. የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉሎም: እንታይ ሕቶታትከ ኢና ንርእስና ኽንሓትት ዘሎና፧

2 እዚ ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ዘሎ ኣረኣእያ ምስቲ የሱስ ክርስቶስ ዝመሃሮ ትምህርቲ እሞ ኣነጻጽሮ። “መምህርን ጐይታን” እኳ እንተ ነበረ: ንሰዓብቱ ንኻልኦት ብምግልጋል ዓብዪ ኸም ዚኽወን መሃሮም። ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ምድራዊ ህይወቱ: ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ብምሕጻብ ትርጕም እቲ ዝመሃሮም ትምህርቲ ኣርኣዮም። እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ትሕትና ዝመልኦ ተግባር ኰን እዩ! (ዮሃንስ 13:4, 5, 14) ከተገልግል ዲኻ እትደሊ ወይስ ክትግልገል፧ እቲ ክርስቶስ ዝገደፎ ኣብነት ልክዕ ከምቲ ንሱ ዝነበሮ ትሑት ክትከውን ባህጊ የሕድረልካ ድዩ፧ እምበኣር: ነቲ ኻብ ናይ ዓለም እተፈልየ: የሱስ ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ዝነበሮ ኣረኣእያ ንመርምር።

ነቲ ዓለም ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ዘለዋ ኣረኣእያ ኣርሕቆ

3. እቶም ካብ ሰባት ክብሪ ዚብህጉ መወዳእታኦም ዜጕሂ ኸም ዚኸውን እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነታት እዩ ዚሕብር፧

3 ዓለም ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ዘለዋ ኣረኣእያ ናብ ጥፍኣት ከም ዚመርሕ ዚሕብር ሓያሎ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ብግዜ ኣስቴርን ማርዶካይን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ፋርስ ምርኡይ ዝነበረ ሃማን እሞ ሕስብ ኣብል። ክብሪ ንምርካብ ዝነበሮ ባህጊ: ናብ ውርደትን ሞትን እዩ መሪሕዎ። (ኣስቴር 3:5፣ 6:10-12፣ 7:9, 10) ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምስ በጽሐ እተጸለለ ዕቡይ ዝነበረ ነቡካድነጻርከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ እቲ ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ዝነበሮ ቔናን ኣተሓሳስባኡ “እዚኣ እታ ንኽብሪ ግርማይን ንቤተ መንግስትን ክትከውን ኢለ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሀነጽክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኰነትን፧” ብዚብል ቃላት ገሊጽዎ ኣሎ። (ዳንኤል 4:30) እቲ ኵሩዕ ዝነበረ ሄሮድስ ኣግሪጳ ቐዳማይ እውን ንኣምላኽ ክብሪ ኣብ ክንዲ ዚህብ: ዘይግብኦ ኽብሪ ተቐበለ። በዚ ምኽንያት እዚ ‘ሓሲኹ ሞተ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 12:21-23) እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ የሆዋ ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ዘለዎ ኣረኣእያ ብዘይምርዳኦም: ተዋሪዶም እዮም።

4. ጠንቂ እዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ትዕቢት መን እዩ፧

4 ብዜኽብረና መገዲ ኽንመላለስ ምድላይ ጌጋ የብሉን። እንተዀነ ግን: ድያብሎስ ንኽንዕበ ብምትብባዕ ነዚ ባህጊ እዚ ይምዝምዞ እዩ፣ እዚውን ንህርፋኑ ዜንጸባርቕ እዩ። (ማቴዎስ 4:8, 9) “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ብምዃኑ ኣተሓሳስባኡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኼስፋሕፍሕ ቈሪጹ ኸም እተላዕለ ኣይንረስዕ። (2 ቈረንቶስ 4:4፣ ኤፌሶን 2:2፣ ራእይ 12:9) ክርስትያናት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ኻበይ ከም ዝመነጨ ስለ ዚፈልጡ: ነቲ ዓለም ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ዘለዋ ኣረኣእያ የርሕቕዎ እዮም።

5. ኣሳልጦን ዝናን ሃብትን ነባሪ ሓጐስ የምጽእ ድዩ፧ ግለጽ።

5 ሓደ ኻብቲ ድያብሎስ ዜስፋሕፍሖ ኣረኣእያ: ኣብ ዓለም ስሙይ ምዃን: ካብ ሰባት ክብሪ ምርካብ: ከምኡውን ጁባኻ ብገንዘብ ምምላእ ብኡንብኡ ሓጐስ የምጽእ ዚብል እዩ። እዚ ሓቂ ድዩ፧ ኣሳልጦን ዝናን ሃብትን ኣብ ህይወትካ ዕግበት የምጽኣልካ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ኸይንታለል የጠንቅቐና። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ኵሉ ጻዕርን ኵሉ ምስላጥ ዕዮን ከኣ ንሰብ ኣብ ብጻዩ ቕንኢ ኸም ዜተንስእ ርኤኹ። እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን እዩ” በለ። (መክብብ 4:4) ብዙሓት ኣብዛ ዓለም ዝና ወይ ሃብቲ ኣብ ምርካብ ዘተኰሩ ውልቀ-ሰባት: ንሓቅነት እዚ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኺምስክሩ ይኽእሉ እዮም። ናብ ወርሒ እትጐዓዝ መንኰራዅር ኣብ ምንዳፍን ምህናጽን ምፍታንን እተሳተፈ ሓደ ሰብኣይ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። “ብትግሃት እዓዪ ነበርኩ: ኣብ ስርሐይ ድማ ክኢላ ዀንኩ። እዚ ግን ነባሪ ሓጐስን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ከቶ ኣየምጽኣለይን” በለ። a እቲ ዓለም ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ዘለዋ ኣረኣእያ: ኣብ ንግዲ ዀነ: ስፖርት ኰነ ወይ ምዝንጋዕ: ነባሪ ሓጐስ ኣየምጽእን እዩ።

ብፍቕሪ ተደሪኽካ ምግልጋል ዓብዪ ይገብር

6. ያእቆብን ዮሃንስን ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ግጉይ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮም ዚሕብረና እንታይ እዩ፧

6 ኣብ ህይወት የሱስ ዘጋጠመ ሓደ ፍጻመ: ብሓቂ ዓብዪ ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ከም ዜጠቓልል ይሕብረና። ብ33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ፋስጋ ንምብዓል ናብ የሩሳሌም ይጐዓዙ ነበሩ። እቶም ንየሱስ ደቂ ሓትኖኡ ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ ያእቆብን ዮሃንስን: ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ግጉይ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮም ኣርኣዩ። በዲኦም ኣቢሎም ‘ኣብታ መንግስትኻ ሓደ ብየማንካ: ሓደ ብጸጋምካ ኽንቅመጥ: በል’ ኢሎም ለመንዎ። (ማቴዎስ 20:21) ኣብ ኣይሁድ ብየማን ወይ ብጸጋም ምቕማጥ ዓብዪ ኽብሪ እዩ ዚቝጸር ነይሩ። (1 ነገስት 2:19) ያእቆብን ዮሃንስን ብህርፋን ነቲ ኻብ ዅሉ ኽብ ዝበለ ቦታ ንምርካብ እዮም ሕቶ ኣቕሪቦም። ስልጣን ኪወሃቦም እዮም ዚደልዩ ነይሮም። የሱስ ሓሳቦም ይፈልጥ ብምንባሩ: በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒሙ ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ዝነበሮም ግጉይ ኣረኣእያ ንምዕራይ ስጕምቲ ወሰደ።

7. ኣብ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዓብዪ ዚበሃል እንታይ ምዃኑ የሱስ ዝገለጾ ብኸመይ እዩ፧

7 ኣብዛ ትዕቢት ዝመልኣ ዓለም ንኻልኦት ዚቈጻጸርን ዚእዝዝን ብቕልጡፍ ድሌቱ ዜፈጽምን ሰብ ከም ዓብዪ ኸም ዚቝጸር የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ሰዓብቲ የሱስ ግን ዓብዪ ምዃን ብትሕትና ብምግልጋል እዩ ዚዕቀን። የሱስ “እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ: ግዙእኩም ደኣ ይኹን። እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ: ባርያኻትኩም ይኹን” በለ።—ማቴዎስ 20:26, 27

8. ግዙእ ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ: ንርእስናኸ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትት እንኽእል፧

8 እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ግዙእ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ንኻልኦት ንምግልጋል ከይተሓለለ ብትግሃት ንዚዓዪ ሰብ እያ እተመልክት። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዚምህሮም ነይሩ። ንሰባት ሓደ ነገር ኪገብሩ ዚእዝዝ ዘይኰነስ: ብፍቕሪ ተደሪኹ ዜገልግሎም እዩ ዓብዪ ዚኸውን። ንገዛእ ርእስኻ ‘ያእቆብ ወይ ዮሃንስ ነይረ እንተ ዝኸውን: እንታይ ምገበርኩ፧ ብፍቕሪ ብምግልጋል ዓብዪ ኸም ዚኽወን ብሓቂዶ ምተረዳእክዎ፧’ ኢልካ ሕተት።—1 ቈረንቶስ 13:3

9. የሱስ ኣብቲ ምስ ካልኦት ዝነበሮ ርክብ እንታይ ኣብነት እዩ ዝገደፈ፧

9 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እቲ ዓለም ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ዘለዋ መለክዒ: ምስቲ ንሱ ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ዘለዎ መለክዒ እተፈላለየ ምዃኑ እዩ ዜርእዮም ነይሩ። ክርስቶስ ነቶም ዜገልግሎም ዝነበረ ኻብኣቶም ከም ዚበልጽ ኰይኑ ኣይቀረቦምን ወይ ንሳቶም ዝተሓቱ ዀይኖም ከም ዚስምዖም ኣይገበረን። ሰብኡት: ኣንስቲ: ቘልዑ: ሃብታማት: ድኻታት: ሓያላት: ፍሉጣት ሓጥኣን: ኰታስ ኵሎም ዓይነት ሰባት ናብኡ ንምቕራብ ኣይከብዶምን ነበረ። (ማርቆስ 10:13-16፣ ሉቃስ 7:37-50) መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ምስቶም ድኹማት ዝዀኑ ኣብ ዘለዎም ርክብ ትዕግስቲ የብሎምን። የሱስ ግን እተፈልየ ነበረ። ሓድሓደ ግዜ ደቀ መዛሙርቱ ዘይሓለይትን ተኸራኸርትን እኳ እንተ ነበሩ: ብሓቂ ትሑትን ለዋህን ምዃኑ ብምርኣይ ብዓቕሊ መሃሮም።—ዘካርያስ 9:9፣ ማቴዎስ 11:29፣ ሉቃስ 22:24-27

10. የሱስ ኣብ መላእ ህይወቱ ብዘይ ስስዐ የገልግል ምንባሩ ኽንርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 እቲ ወዲ ኣምላኽ ንርእሱ ኸይነሓፈ ዘርኣዮ ኣብነት: ብሓቂ ዓብዪ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ እዩ ዚሕብር። የሱስ ኪግልገል ዘይኰነስ: “ብዙሕ ዝዓይነቱ ሕማም ዘለዎም” እናኣሕወየን ኣጋንንቲ ንዘለዉዎም እናኣውጽአን ኬገልግል እዩ መጺኡ። ይደክምን ዕረፍቲ ይደልን እኳ እንተ ነበረ: ኣብ ዘይጥዕሞ እዋን እውን እንተዀነ ወትሩ ንጥቕሚ ኻልኦት የቐድም ነበረ። (ማርቆስ 1:32-34፣ 6:30-34፣ ዮሃንስ 11:11, 17, 33) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ብዶራን መገዲ በማእታት ዚቝጸር ኪሎ ሜተራት ብምጕዓዝ ንሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ንኺሕግዞም ፍቕሩ ትድርኾ ነበረት። (ማርቆስ 1:38, 39) የሱስ ንኻልኦት ምግልጋል ኣርዚኑ ይርእዮ ምንባሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ንትሕትና ክርስቶስ ቅድሓያ

11. ካብቶም ኣብ ጉባኤ ተዓዘብቲ ዀይኖም ዜገልግሉ እንታይ ባህርያት እዩ ዚድለ፧

11 ኣብ መወዳእታ መበል 19 ዘመን: ገለ ሰብኡት ንህዝቢ ኣምላኽ ንምግልጋል ገየሽቲ ተወከልቲ ንኪዀኑ ኺምረጹ ምስ ጀመሩ: ክርስትያናት ተዓዘብቲ ኼማዕብልዎ ዘለዎም ግቡእ ኣረኣእያ ጐልሐ። እታ ናይ 1 መስከረም 1894 ሕታም ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ እቶም ሰብኡት ‘ምእንቲ ኸይንፍሑ: ትሕትና ዝለበሱ፣ ብዛዕባ ርእሶም ዘይኰነስ ብዛዕባ ክርስቶስ ዚሰብኩ: ናይ ገዛእ ርእሶም ፍልጠት ዘይኰነስ: ቃሉ ኸይሓላለኹ ብጽንዓት ዚሰብኩ ትሑታት ሰባት’ ኪዀኑ ኸም ዚድለ ትገልጽ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ህርፋኖም ንምዕጋብ ወይ ዝናን ስልጣንን ኪረኽቡ: ንኻልኦት ከኣ ኪቈጻጸሩ ኢሎም ሓላፍነት ኪወሃቦም ኪደልዩ ኸም ዘይብሎም ንጹር እዩ። ሓደ ትሑት ተዓዛቢ ሓላፍነት ኪወሃቦ ኸሎ ንርእሱ ኽብሪ ዜምጽኣሉ ኽብ ዝበለ ቦታ ዘይኰነስ: “ሰናይ ግብሪ” ምግባር ከም ዜጠቓልል ኣይርስዕን እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1, 2) ኵሎም ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ንኻልኦት ንምግልጋል ከምኡውን ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት ካልኦት ኪስዕብዎ ዚኽእሉ ጽቡቕ ኣብነት እናኣርኣዩ ግንባር ቀደም ንምዃን ዚከኣሎም ኵሉ ኺገብሩ ኣለዎም።—1 ቈረንቶስ 9:19፣ ገላትያ 5:13፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:5

12. እቶም ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ኪረኽቡ ዚመጣጠሩ ንርእሶም እንታይ ኢሎም ኪሓቱ ኣለዎም፧

12 ሓላፍነት ኪስከም ዚመጣጠር ዝዀነ ይኹን ሓው ንገዛእ ርእሱ ‘ንኻልኦት ዘገልግለሉ ኣጋጣሚታት አናዲ ድየ: ወይስ ክግልገል እየ ዝደሊ፧ ካልኦት ዘየተኵሩሉ ጠቓሚ ዕዮታት ንምፍጻም ፍቓደኛ ድየ፧’ ኢሉ ኺሓትት የድልዮ ይኸውን። ንኣብነት: ሓደ መንእሰይ ኣብ ክርስትያናዊ ጉባኤ ዝርርብ ኪህብ ፍቓደኛ እኳ እንተዀነ: ብዕድመ ንዝደፍኡ ኣብ ምሕጋዝ ግን ጥልዕ ምልዕ ይብል ይኸውን። ምስቶም ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎም ሰብኡት ምቅርራብ ዜሐጕሶ እኳ እንተዀነ: ኣብ ዕዮ ስብከት ካብ ምክፋል ግን የድሓርሕር ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ መንእሰይ ‘ብቐዳምነት ኣብቲ ተፈላጥነትን ውዳሰን ዜምጽኣለይ ኣገልግሎት ኣምላኽ ድየ ዘተኵር፧ ምርኡይ ድየ ክኸውን ዝጽዕር ዘለኹ፧’ ኢሉ ንነብሱ ኺሓትት ኣለዎ። ርእስኻ ኸተኽብር ምድላይ: ክርስቶስ ዝገደፎ ኣብነት ከም ዘይኰነ ኣየተሓታትትን እዩ።—ዮሃንስ 5:41

13. (ሀ) ሓደ ተዓዛቢ ዘርእዮ ትሕትና ብኸመይ እዩ ንኻልኦት ኪጸልዎም ዚኽእል፧ (ለ) ትሕትና ክርስትያናት እንተ ደልዮም ዜማዕብልዋ እንተ ዘይደልዮም ከኣ ዚገድፍዋ ኣይኰነትን ኪበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧

13 ንትሕትና ክርስቶስ ክንቀድሓ ኣበርቲዕና ምስ እንጽዕር: ንኻልኦት ከነገልግል ኢና እንድረኽ። ሓደ ነሰራርሓ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪምርምር ተላኢኹ ዝነበረ ናይ ዞን ተዓዛቢ ዝገበሮ እሞ ንርአ። ግዜኡ ብስራሕ እተዋጠረን ከቢድ ሓላፍነት ዘለዎን እኳ እንተ ነበረ: ንሓደ ጽሑፋት እትሰፊ ማሽን ንምዕራይ ዚቃለስ ዝነበረ መንእሰይ ሓገዞ። እቲ መንእሰይ ዝነበረ ሓው “ኣዝየ ተገረምኩ!” ብምባል እተሰምዖ ይገልጽ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “መንእሰይ ኰይኑ ኣብ ቤትኤል ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ከምኣ ዓይነት ማሽን ይዓዪ ምንባሩን ከምቲ እተደልየ ጌርካ ኸተዳልዋ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑን ነገረኒ። ኪገብሮ ዘለዎ ብዙሕ ኣገዳሲ ዕዮ እኳ እንተ ነበሮ: ንእተወሰነ እዋን ምሳይ ብሓባር ኰይኑ ዓየየ። እዚ ብሓቂ ልበይ እዩ ተንኪፍኒ” በለ። እዚ መንእሰይ ዝነበረ ሓው ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሓደ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተዓዛቢ ዀይኑ የገልግል ኣሎ: ነቲ ናይቲ ሓው ትሕትና ዝመልኦ ተግባር እውን ኣይረስዖን። ክብ ዝበልና ብምዃንና ትሑት ነገራት ክንሰርሕ ወይ ንኻልኦት ከነገልግል ዘይግባኣና ጌርና ኸቶ ኣይንሕሰብ። ኣብ ክንድኡስ “ትሕትና” ንተዓጠቕ። እዚ እንተ ደሊና እንገብሮ እንተ ዘይደሊና እንገድፎ ነገር ኣይኰነን። የግዳስ: ክፍሊ እቲ ሓደ ክርስትያን ኪለብሶ ዘለዎ “ሓድሽ ሰብ” እዩ።—ፊልጲ 2:3፣ ቈሎሴ 3:10, 12፣ ሮሜ 12:16

ዓብዪ ብምዃን ዝመጸ ኣረኣእያ ክርስቶስ እተማዕብለሉ መገዲ

14. ምስ ኣምላኽን ምስ ሰባትን ዘሎና ርክብ ምስ እነስተንትነሉ: ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ግቡእ ኣረኣእያ ኺህልወና ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

14 ዓብዪ ብምዃን ዝመጸ ግቡእ ኣረኣእያ ብኸመይ ከነጥሪ ንኽእል፧ ሓደ መገዲ ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ምስትንታን እዩ። ግርማኡን ሓይሉን ጥበቡን ካብ ድኹማት ሰባት ኣጸቢቑ እዩ ልዕል ዜብሎ። (ኢሳይያስ 40:22) ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ምስ እነስተንትነሉ እውን ትሕትና ኸነማዕብል ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት: ኣብ ገሊኡ ዓውድታት ንገሊኣቶም ንበልጾም እኳ እንተ ዀንና: ኣብ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ መዳያት ህይወት ከኣ ይበልጹና ይዀኑ: ወይ ክርስትያናት ኣሕዋትና ገሊኡ ንዓና ዚጐድለና ባህርያት ይህልዎም ይኸውን። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: ብዙሓት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡራት ዝዀኑ ሰባት ትሑታት ብምዃኖም: ምርኡያት ኰይኖም ኪርኣዩ ኪዀኑ ኣይደልዩን እዮም።—ምሳሌ 3:34፣ ያእቆብ 4:6

15. ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዎም ንጽህና: ዋላ ሓደ ሰብ ካብ ካልእ ዚበልጽ ኰይኑ ኺስምዖ ኸም ዘይብሉ ዘርእየና ብኸመይ እዩ፧

15 ተመክሮታት እቶም ብሰንኪ እምነቶም ፈተና ዜጋጠሞም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ነጥቢ እዚ ብዚግባእ እዩ ዜነጽሮ። መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ዓለም ተራ ገይራ እትሓስቦም ሰባት እዮም ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተናታት ንኣምላኽ ዘለዎም ንጽህና ዚሕልዉ። ነዚ ኣብነታት እዚ ምስ እነስተንትነሉ: ትሑታት ኴንና ንኽንቅጽል ኪሕግዘና ይኽእል: ‘ካብቲ ዚግብኣና ኣዕዚዝና ኸይንሓስብ’ ድማ ትምህርቲ ይዀነና።—ሮሜ 12:3 b

16. ኵሎም ኣባላት ጉባኤ ነቲ የሱስ ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ዝነበሮ ኣረኣእያ ኼማዕብሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

16 ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ ክርስትያናት ነቲ ክርስቶስ ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ዝነበሮ ኣረኣእያ ኼማዕብሉ ኺጽዕሩ ኣለዎም። ኣብ ጉባኤ ኺፍጸም ዘለዎ እተፈላለየ ዕዮ ኣሎ። ትሑት መሲሉ ዚርአ ነገራት ክትገብር እንተ ተሓተትካ: ቅር ኪብለካ የብሉን። (1 ሳሙኤል 25:41፣ 2 ነገስት 3:11) ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ ኣብ መአከቢ ዓበይቲ ኣኼባታት እተዋህቦም ዝዀነ ይኹን ዕዮ ብሓጐስ ኪዓዩ ተተባብዕዎም ዲኹም፧ ትሑት ዚበሃል ዕዮ ኽትዓዩ ይርእዩኹም ድዮም፧ ሕጂ ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜገልግል ዘሎ ሓደ ሓው: ነቲ ወለዱ ዝገደፉሉ ኣብነት ብንጹር እዩ ዚዝክሮ። ከምዚ ድማ በለ:- “ነቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ነቲ ዓብዪ ኣኼባ እንገብረሉ መአከቢ ንምጽራይ ዚወሃብ ዕዮ ብኸመይ ከም ዚፍጽምዎ ምርኣየይ: ኣገዳሲ ገይሮም ከም ዝረኣይዎ እዩ ሓቢሩኒ። እቲ ስራሕ ትሑት ጌርካ ይርአ ብዘየገድስ: መብዛሕትኡ ግዜ ንጉባኤ ወይ ነሕዋት ዚጠቅም ዕዮ ንምዕያይ ፍቓደኛታት ነበሩ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ኣብ ቤትኤል ዝዀነ ይኹን እተዋህበኒ ስራሕ ብፍታው ክቕበል ሓጊዙኒ እዩ።”

17. ትሑታት ኣንስቲ ንጉባኤአን በረኸት ኬምጽኣ ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧

17 ንጥቕሚ ኻልኦት ካብ ጥቕምና ኣብሊጽና ብዛዕባ ምርኣይ ዝመጸ: እታ ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ንግስቲ ሃጸያዊት ግዝኣት ፋርስ ዝነበረት ኣስቴር ብልጽቲ ኣብነት እያ እትዀነና። ኣብ ቤተ-መንግስቲ ትነብር እኳ እንተ ነበረት: ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብምስምማዕ ምእንቲ ህዝቡ ኢላ ህይወታ ኣብ ሓደጋ ኸተእቱ ፍቓደኛ ነበረት። (ኣስቴር 1:5, 6፣ 4:14-16) ሎሚ ዘለዋ ክርስትያን ኣንስቲ ቝጠባዊ ዅነታተን ብዘየገድስ ንእተጨነቑ ብምትብባዕ: ንሕሙማት ብምብጻሕ: ኣብ ስብከት ብምስታፍ: ከምኡውን ምስ ሽማግለታት ብምትሕብባር ከምቲ ኣስቴር ዘንጸባረቐቶ መንፈስ ኬርእያ ይኽእላ እየን። ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ትሑታት ኣሓትሲ ንጉባኤአን ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እየን ዜምጽኣ!

ዓብዪ ብምዃን ዝመጸ ኣረኣእያ ክርስቶስ ምምዕባል ዘምጽኦ በረኸት

18. ዓብዪ ብምዃን ዝመጸ ኣረኣእያ ክርስቶስ ምምዕባል እንታይ በረኸት የምጽእ፧

18 ዓብዪ ብምዃን ዝመጸ ኣረኣእያ ክርስቶስ ምምዕባል ብዙሕ በረኸት እዩ ዜምጽእ። ንኻልኦት ካብ ልቢ ምግልጋል: ንዓታቶምን ንዓኻን ሓጐስ የምጽእ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ምእንቲ ኣሕዋትካ ብፍታውን ብሃንቀውታን ኣበርቲዕካ ኽትዓዪ ኸለኻ: ንሳቶም እውን ይፈትዉኻ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:37) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ የሆዋ ነቲ ንክርስትያናት ብጾትካ ንምጥቃም እትገብሮ ነገራት ከም ባህ ዜብል መስዋእቲ ምስጋና ገይሩ ይርእዮ።—ፊልጲ 2:17

19. ነቲ ክርስቶስ ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ዝነበሮ ኣረኣእያ ብዚምልከት እንታይ ቈራጽነት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

19 ነፍሲ ወከፍና ልብና ኽንምርምር ከምኡውን ንርእስና ‘ዓብዪ ብምዃን ዝመጸ ኣረኣእያ ክርስቶስ ንምምዕባል ብኣፈይ ጥራይ ተዛሪበሉ ድየ ዚሓልፍ: ወይስ ኣብ ግብሪ ንኸውዕሎ ብትግሃት እጽዕር እየ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። የሆዋ ንዕቡያት ብኸመይ ከም ዚርእዮም ንጹር እዩ። (ምሳሌ 16:5፣ 1 ጴጥሮስ 5:5) ኣብ ክርስትያናዊ ጉባኤ: ኣብ ናብራ ስድራቤት: ወይ ምስ ሰባት ኣብ ዘሎና መዓልታዊ ርክብ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ብምግባር: ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ዝመጸ ነቲ ክርስቶስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ብምንጽብራቕ ከም እንሕጐስ ብግብሪ ነርኢ።—1 ቈረንቶስ 10:31

[እግረ-ጽሑፋት]

a ነታ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 1982 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 3-6 እትርከብ “ዓወት ንምርካብ ዝገበርክዎ ጻዕሪ” ዘርእስታ እትብል ዓንቀጽ ተወከስ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ነቲ ዓለም ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን ዘለዋ ኣረኣእያ ኸነርሕቖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• የሱስ ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን እንታይ መለክዒ ነበሮ፧

• ተዓዘብቲ ንትሕትና ክርስቶስ ኪቐድሕዋ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

• ዓብዪ ብምዃን ዝመጸ ኣረኣእያ ክርስቶስ ከነማዕብል ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ሳጹን]

ዓብዪ ብምዃን ዝመጸ ኣረኣእያ ክርስቶስ ዘለዎ መን እዩ፧

ኪግልገል ዚደሊ ድዩ: ወይስ ኬገልግል ፍቓደኛ ዝዀነ፧

እቲ ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ድዩ: ወይስ እቲ ትሑት ዕዮ ዚቕበል፧

እቲ ንርእሱ ኽብ ዜብል ድዩ: ወይስ እቲ ንኻልኦት ክብ ዜብል፧

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን]

እቲ ዓብዪ ምስሊ ፈርኦን ኣመንሆተብ ሳልሳይ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን]

ንሃማን ናብ ውድቀት ዝመርሖ እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ሳጹን]

ንኻልኦት እተገልግለሉ ኣጋጣሚታት ተናዲዶ፧