ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ኽብሩ ንትሑታት ይገልጸሎም

የሆዋ ኽብሩ ንትሑታት ይገልጸሎም

የሆዋ ኽብሩ ንትሑታት ይገልጸሎም

“ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ።” —ምሳሌ 22:4

1, 2. (ሀ) መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት: እስጢፋኖስ “እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብኣይ” ምንባሩ እትሕብር ብኸመይ እያ፧ (ለ) እስጢፋኖስ ትሑት ምንባሩ ዚሕብረና እንታይ እዩ፧

 እስጢፋኖስ “እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብኣይ” ነበረ። ብዘይካዚውን “ጸጋን ሓይልን መሊእዎ ነበረ።” ሓደ ኻብቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብምንባሩ: ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ። ሓደ እዋን ገለ ሰብኡት ተንስእዎን ተኸራኸርዎን። “ነቲ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኪማጐትዎ ኣይተኻእሎምን።” (ግብሪ ሃዋርያት 6:5, 8-10) እስጢፋኖስ ንፉዕ ተማሃራይ ቃል ኣምላኽ ምንባሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን: ንቓል ኣምላኽ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ጽቡቕ ገይሩ ተጣበቐሉ። እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 7 ዚርከብ ምስክርነቱ: ብዛዕባ እቲ ምግሃድ ዕላማ ኣምላኽ ሓያል ተገዳስነት ከም ዝነበሮ እዩ ዚሕብር።

2 እስጢፋኖስ ከምቶም መዓርጎምን ፍልጠቶምን ካብቲ ተራ ህዝቢ ዝበለጹ ዀይኑ ዚስምዖም ዝነበረ መራሕቲ ሃይማኖት ዘይኰነስ: ትሑት እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 23:2-7፣ ዮሃንስ 7:49) ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ዚፈልጥ እኳ እንተ ነበረ: እቶም ሃዋርያት ከየብኰሩ ‘ንጸሎትን ኣገልግሎት እቲ ቓልን’ ምእንቲ ኺሕዙ: ተሓጒሱ ‘ኣብ መኣዲ የገልግል’ ነበረ። ኣብቶም ኣሕዋት ጽቡቕ ስም ስለ ዝነበሮ: ሓደ ኻብቶም ምምቃል ምግቢ ዕለት ኪኣልዩ ዚኽእሉ ብጽቡቕ እተመስከረሎም ሸውዓተ ሰብኣይ ኰይኑ ተሓርየ። ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ኸኣ ብትሕትና ተቐበለ።—ግብሪ ሃዋርያት 6:1-6

3. እስጢፋኖስ እንታይ ዜደንቕ መርኣያ እቲ ዘይበቕዖ ሕያውነት የሆዋ እዩ ዝረኣየ፧

3 የሆዋ ነቲ እስጢፋኖስ ዘርኣዮ ትሕትና ኸምኡውን መንፈሳውነቱን ንጽህናኡን ይዕዘቦ ነይሩ እዩ። እስጢፋኖስ ኣብ ሳንሄድሪን ነቶም ዚጻብእዎ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ኪምስክረሎም ከሎ: እቶም ተጻረርቱ “ገጹ ኸም ገጽ መልኣኽ ኰይኑ ተራእዮም።” (ግብሪ ሃዋርያት 6:15) ካብ ክብሪ የሆዋ ኣምላኽ ሰላም ብምርካቡ: ትርኢቱ ኸም ልኡኽ ኣምላኽ ይመስል ነበረ። ንኣባላት ሳንሄድሪን ብትብዓት ድሕሪ ምምስካር: ዜደንቕ መርኣያ እቲ ዘይበቕዖ ሕያውነት የሆዋ ረኣየ። “መንፈስ ቅዱስ መልኦ: ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረአየ።” (ግብሪ ሃዋርያት 7:55) እዚ እጹብ ራእይ እዚ ነቲ የሱስ ከም ወዲ ኣምላኽን መሲህን መጠን ዘለዎ ቦታ ንእስጢፋኖስ ኣረጋገጸሉ። እዚ ኸኣ ነዚ ትሑት ዝነበረ እስጢፋኖስ ኣጽንዖ: ሞገስ የሆዋ ኸም ዘለዎ ኼረጋግጽ ድማ ኣኽኣሎ።

4. የሆዋ ንመን እዩ ኽብሩ ዚገልጸሎም፧

4 ከምቲ ኣብቲ እስጢፋኖስ ዝረኣዮ ራእይ እተገልጸ: የሆዋ ኽብሩን ዕላማኡን ነቶም ትሑታትን ነቶም ምስኡ ንዘለዎም ርክብ ዜማስዉሉን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ውልቀ-ሰባት እዩ ዚገልጽ። መጽሓፍ ቅዱስ “ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ” ይብል። (ምሳሌ 22:4) እምበኣር: ናይ ሓቂ ትሕትና እንታይ ምዃናን ነዛ ኣገዳሲት ባህሪ ብኸመይ ከም እነማዕብላን ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና ብምንጽብራቕ ብኸመይ ከም እንጥቀምን ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።

ትሕትና—ኣምላኽ ዜንጸባርቓ ባህሪ

5, 6. (ሀ) ትሕትና እንታይ እያ፧ (ለ) የሆዋ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ሐ) ትሕትና የሆዋ ብኸመይ ኪጸልወና ኣለዎ፧

5 እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ኵሉ ዝለዓለን ዝኸበረን የሆዋ ኣምላኽ: ዝበለጸ ኣብነት ትሕትና እዩ ኺበሃል ከሎ ንገሊኣቶም የገርሞም ይኸውን። ንጉስ ዳዊት ንየሆዋ “ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሂብካኒ: የማነይቲ ኢድካውን ደጊፋትኒ: ሕያውነትካ [“ትሕትናኻ:” NW] ድማ ዓብዪ ገይሩኒ” በሎ። (መዝሙር 18:35) ዳዊት: የሆዋ ትሑት ምዃኑ ንምግላጽ እተጠቕመላ ቓል: ካብታ “ምድናን” እትብል ናይ እብራይስጢ ሱር ቃል ዝመነጨት እያ። ስለዚ: የሆዋ ምስቲ ዘይፍጹም ዝነበረ ዳዊት ርክብ ንምግባርን ከም ተወካሊኡ ንጉስ ገይሩ ንምጥቃምን ትሕት ምስ በለ: ትሕትና ኣርእዩ እዩ። እቲ ኣብ መጀመርታ መዝሙር 18 ዚርከብ መግለጺ ኸም ዚሕብሮ: የሆዋ ንዳዊት “ካብ ኢድ ኵላቶም ጸላእቱን ካብ ኢድ ሳኦልን” ብምንጋፍ ኣዕቚብዎን ደጊፍዎን እዩ። ዳዊት ድማ ብግዴኡ ንጉስ ምስ ኰነ ዝረኸቦ ዝዀነ ይኹን ዕቤት ወይ ክብሪ: የሆዋ ብትሕትና ኣብ ዚገብረሉ ነገራት ዚምርኰስ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። እዚ ኸኣ ንዳዊት ትሑት ኰይኑ ንኪቕጽል ሓገዞ።

6 ንሕናኸ፧ የሆዋ ነታ ሓቂ ንኽንመሃር ሓርዩና: ብማሕበሩ ኣቢሉውን ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነታት ሂቡና ወይ ፍቓዱ ንምፍጻም ተጠቒሙልና ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ዅሉ ኸመይ ኪስምዓና ኣለዎ፧ ትሑታት ክንከውንዶ ኣይግብኣናን፧ ንትሕትና የሆዋ መመስገንቲ ኽንከውንን ካብቲ ብርግጽ ናብ ጥፍኣት ዚመርሕ ትዕቢት ክንርሕቕንዶ ኣይግብኣናን፧—ምሳሌ 16:18፣ 29:23

7, 8. (ሀ) የሆዋ ኣብቲ ንምናሴ ዝገበረሉ ነገራት ትሕትናኡ እተራእየት ብኸመይ እያ፧ (ለ) ትሕትና ብምርኣይ ዝመጸ የሆዋን ምናሴን እንታይ ክንስዕቦ ዚግባእ ኣብነት እዮም ሓዲጎምልና፧

7 የሆዋ ዓባይ ትሕትና ዘርኣየ: ምስ ዘይፍጹማት ሰባት ርክብ ብምግባር ጥራይ ዘይኰነስ: ነቶም ትሑታት ዘበሉ ምሕረት ኬርእዮም: ካብቲ ዘለዉዎ ኸኣ ኬተንስኦም ወይ ኬልዕሎም ፍቓደኛ ብምዃን እዩ። (መዝሙር 113:4-7) ንኣብነት: ንምናሴ ንጉስ ይሁዳ እንታይ ከም ዜጋጠሞ ንርአ። ንጉስ ምናሴ ነቲ ንጉሳዊ ስልጣኑ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ንምስፍሕፋሕ ተጠቐመሉ: ንኣምላኽ “ምእንቲ ኬዀርዮ ኸአ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፉእ ገበረ።” (2 ዜና መዋእል 33:6) ኣብ መወዳእታ የሆዋ ንምናሴ ብንጉስ ኣሶር ገይሩ ኻብ ዙፋኑ ብምውራድ ቀጽዖ። ምናሴ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተወ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱውን ኣዝዩ ርእሱ ኣትሐተ።” የሆዋ ድማ ናብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ዙፋኑ መለሶ: ሽዑ ምናሴ “[የሆዋ] ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ: ፈለጠ።” (2 ዜና መዋእል 33:11-13) እወ: ኣብ መወዳእታ ትሕትና ምናሴ ንየሆዋ ስለ ዘሐጐሶ: ይቕረታ ብምግባርን ናብ ንግስናኡ ብምምላስን ትሕትና ኣርኣዮ።

8 የሆዋ ይቕረ ንምባል ዝነበሮ ፍታውን ምናሴ ዘርኣዮ ነስሓን ንትሕትና ዚምልከት ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዚዀነና። ምስቶም ዝበደሉና ኣብ ዚህልወና ርክብ ከምኡውን ሓጢኣት ክንገብር ከለና እነንጸባርቖ ባህሪ: ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኪትንክፎ ይኽእል እዩ። ንዝበደሉና ብፍታው እንተ ሓዲግናሎምን ጌጋታትና ብትሕትና እንተ ተኣሚንናን: የሆዋ ምሕረት ኪገብረልና እዩ።—ማቴዎስ 5:23, 24፣ 6:12

ክብሪ ኣምላኽ ንትሑታት ይግለጸሎም

9. ትሕትና ምልክት ድኽመት ድያ፧ ግለጽ።

9 ይኹን እምበር: ትሕትናን ምስኣ ዚተኣሳሰራ ባህርያትን ከም ምልክት ድኽመት ወይ ንጌጋ ዕሽሽ ከም ምባል ጌርካ ኺርኣያ የብለንን። ከምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚገልጾ የሆዋ ትሑት እኳ እንተዀነ: ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ግን ጽድቃዊ ቝጥዓኡን ዜደንቕ ሓይሉን የርኢ እዩ። ካብ ዕቡያት ዚርሕቕ እኳ እንተዀነ: ሳላ እታ ትሕትናኡ ግን ነቶም ትሑታት ፍሉይ ቈላሕታ ወይ ሓልዮት ይገብረሎም። (መዝሙር 138:6) የሆዋ ንትሑታት ኣገልገልቱ ፍሉይ ሓልዮት ዘርኣዮም ብኸመይ እዩ፧

10. ኣብ 1 ቈረንቶስ 2:6-10 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ: የሆዋ ንትሑታት እንታይ እዩ ዚገልጸሎም፧

10 የሆዋ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜን በቲ ዝመረጾ መገድን ኣቢሉ: ንትሑታት ዘበሉ ዕላማኡ ብዛዕባ ዚፍጽመሉ ነገራት ብዝርዝር ገሊጹሎም እዩ። እዚ ዜደንቕ ዝርዝር ነገራት እዚ ኻብቶም ብትዕቢት ወይ ብድርቅና ኣብ ሰብኣዊ ጥበብ ወይ ኣተሓሳስባ ዚለግቡ እተሰወረ እዩ። (1 ቈረንቶስ 2:6-10) ትሑታት ግን ብዛዕባ ዕላማ የሆዋ ርጡብ ምርዳእ ስለ ዘለዎምን ነቲ ዜደንቕ ክብሩ ብዝያዳ ስለ ዜኽብርዎን: ንየሆዋ ኽብሪ ኺህብዎ ይድረኹ እዮም።

11. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ገሊኣቶም ትሕትና ኸም እትጐድሎም ብኸመይ ኣርእዮም: እዚኸ ንርእሶም ዚጐድኦም ብኸመይ እዩ፧

11 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ብዙሓት ሰባት: እንተላይ ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ኸይተረፉ: ትሕትና ስለ ዝጐደለቶም በቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ዝገለጸሎም ነገር ተዓንቂፎም እዮም። ጳውሎስ “ነህዛብ ሃዋርያኦም” ዝዀነ: ብዜግነቱ: ትምህርቱ: ዕድሚኡ: ወይ በቲ ንነዊሕ ግዜ ዝገበሮ ሰናይ ተግባራት ኣይኰነን። (ሮሜ 11:13) መብዛሕትኡ ግዜ ስጋዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት: የሆዋ ዚጥቀመሉ ሰብ ንምምራጽ ነዚ ረቛሒታት እዚ ኸም ዚርኢ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። (1 ቈረንቶስ 1:26-29፣ 3:1፣ ቈሎሴ 2:18) ይኹን እምበር: የሆዋ ምስ ጸጋኡን ጽድቁን ብምስምማዕ ንጳውሎስ መረጾ። (1 ቈረንቶስ 15:8-10) እቶም ጳውሎስ ባዕሉ “ብሉጻት ሃዋርያት” ዝበሎም ኰኑ ኻልኦት ተጻረርቲ: ንጳውሎስ ኰነ ነቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዜቕርቦ መረዳእታ ኣይተቐበልዎን። ትሕትና ስለ ዝጐደለቶም ከኣ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዕላማኡ ዚፍጽመሉ ዜደንቕ መገዲ ፍልጠትን ምርዳእን ኣየጥረዩን። እምበኣር: ነቶም የሆዋ ፍቓዱ ንምፍጻም ዚመርጾም ሰባት ኣትሒትና ወይ ብሕማቕ ዓይኒ ኽንርእዮም የብልናን።—2 ቈረንቶስ 11:4-6

12. የሆዋ ነቶም ትሑታት ሞገሱ ኸም ዚህቦም ካብ ሙሴ ብኸመይ ክንርኢ ንኽእል፧

12 በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ንትሑታት ሰባት እተወሰነ ኽብሪ የሆዋ ኸም እተገልጸሎም ዜርኢ ኣብነታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዝሒ ይርከብ እዩ። እቲ ኣብ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ “ትሕትና ዝመልኦ” ዝነበረ ሙሴ: ክብሪ ኣምላኽ ርእዩ: ምስኡ ድማ ጥብቂ ርክብ ነይርዎ እዩ። (ዘሁልቍ 12:3 ትርጕም 1990) ፈጣሪ ነዚ ን40 ዓመት ጓሳ ዀይኑ ዘሕለፈ ትሑት ሰብ እዚ: ብብዙሕ መገድታት ኣኽቢሩ ይርእዮ ነበረ: መብዛሕትኡ ኻብቲ ግዜ እቲ ድማ ኣብ ሓውሲ ደሴት ዓረብ እዩ ኣሕሊፍዎ ኪኸውን ዚኽእል። (ዘጸኣት 6:12, 30) ሙሴ ብሓገዝ የሆዋ: ኣፈኛን ቀንዲ ኣመሓዳርን ህዝቢ እስራኤል ኰነ። ምስ ኣምላኽ ክልተኣዊ ርክብ ነበሮ። ብራእይ ኣቢሉ ኸኣ “ምስሊ እግዚኣብሄር” ረኣየ። (ዘሁልቍ 12:7, 8፣ ዘጸኣት 24:10, 11) እቶም ነዚ ትሑት ኣገልጋልን ተወካልን ኣምላኽ ኣፍልጦ ዝሃብዎ ሰባት: በረኸት ረኺቦም እዮም። ንሕናውን ብተመሳሳሊ ነቲ ኻብ ሙሴ ዚዓቢ ነብዪ ዝዀነ የሱስ ከምኡውን ነቲ ብእኡ እተሸመ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣፍልጦ እንተ ሂብናሎም: ክንባረኽ ኢና።—ማቴዎስ 24:45, 46፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:22

13. ክብሪ የሆዋ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ትሑታት ጓሶት እተገልጸሎም ብኸመይ እዩ፧

13 ብዛዕባ ምውላድ እቲ ‘መድሓኒ ዝዀነ ክርስቶስ ጐይታ’ ኻብ መላእኽቲ ብስራት ዚሰምዑን ‘ክብሪ እግዚኣብሄር ኪበርህ’ ዝረኣዩን መን እዮም፧ እቶም ዕቡያት መራሕቲ ሃይማኖት ወይ ልዑል ስልጣን ዝነበሮም ኣገደስቲ ሰባት ኣይኰኑን: የግዳስ “ኣብታ ምድሪ እቲኣ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሐድሩ” ትሑታት ጓሶት እዮም። (ሉቃስ 2:8-11) እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ብኽእለቶምን ዕዮኦምን ኣኽቢርካ ዝረኣዩ ኣይነበሩን። እንተዀነ ግን: የሆዋ ቘላሕታኡ ብምግባር ብዛዕባ ምውላድ እቲ መሲህ ድማ ንመጀመርታ ግዜ ኺንገሩ ዝመረጾም እዚኣቶም እዮም ነይሮም። እወ: የሆዋ ንትሑታትን ነቶም ዚፈርህዎን ክብሩ ይገልጸሎም።

14. ትሑታት ካብ ኣምላኽ እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧

14 እዚ ኣብነታት እዚ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ የሆዋ ንትሑታት ሞገሱ ኸም ዚህቦምን ብዛዕባ ዕላማኡ ዚምልከት ፍልጠትን ምርዳእን ከም ዚገልጸሎምን ኢና እንርኢ። ደቅሰብ ዚሓትዎ እተወሰነ ብቕዓታት ዘየማልኡ ውልቀ-ሰባት ይመርጽ: ንኻልኦት እቲ ኽብሪ ዝዓሰሎ ዕላማኡ ንምንጋር ድማ ይጥቀመሎም እዩ። እዚ ኸኣ ካብ የሆዋን ካብ ትንቢታዊ ቓሉን ካብ ማሕበሩን ብቐጻሊ መምርሒ ንኽንደሊ ኺድርኸና ኣለዎ። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ዕላማኡ ነቶም ትሑታት ኣገልገልቱ ወትሩ ኸም ዚገልጸሎም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነብዪ ኣሞጽ “እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም: ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ” በለ።—ኣሞጽ 3:7

ትሕትና ኣማዕብል እሞ ሞገስ ኣምላኽ ርኸብ

15. ወትሩ ትሑታት ክንከውን ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና: እዚ ኣብቲ ንሳኦል ንጉስ እስራኤል ዜጋጠሞ ነገራት ዝጐልሐ ብኸመይ እዩ፧

15 ወትሩ ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ: ኵሉ ግዜ ትሑታት ክንከውን ኣሎና። ሓደ ሰብ ሓንሳእ ትሑት ብምዃኑ: ወትሩ ትሑት እዩ ማለት ኣይኰነን። ትሑት ዝነበረ ሰብ: ኵሩዕን ንርእሱ ኽብ ኣቢሉ ዚርእን ኪኸውን ይኽእል እዩ: እዚ ኸኣ ናብ ጥፍኣት እዩ ዚመርሕ። እቲ መጀመርታ እተቐብአ ሳኦል ንጉስ እስራኤል ከምዚ እዩ ገይሩ። መጀመርታ ኺምረጽ ከሎ: ‘ኣብ ዓይኑ ንእሽቶ ነበረ።’ (1 ሳሙኤል 15:17) ንኽልተ ዓመት ጥራይ ምስ ገዝአ ግን ተዓበየ። ነቲ የሆዋ ብነብዪ ሳሙኤል ኣቢሉ መስዋእቲ ኪቐርብ ዝገበሮ ምድላው ጠሓሶ: ቃሕ ዝበሎ ድሕሪ ምግባር ከኣ እተፈላለየ ምኽኒት ኣቕረበ። (1 ሳሙኤል 13:1, 8-14) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ትሕትና ኸም እትጐድሎ ብተደጋጋሚ ምእማን ኣበየ። ኣብ መወዳእታኡ መንፈስን ሞገስን የሆዋ ኣጥፍአ: ተዋሪዱ ድማ ሞተ። (1 ሳሙኤል 15:3-19, 26፣ 28:6፣ 31:4) ካብዚ እንወስዶ ትምህርቲ ንጹር እዩ:- ወትሩ ትሑታትን እዙዛትን ክንከውንን ንርእስና ኣዕቢና ኸይንርእን ክንጽዕር ኣሎና። በዚ ኸምዚ ኸኣ ሞገስ የሆዋ ኸም እንስእን ኪገብረና ኻብ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ብትዕቢት ዚግበር ተግባር ንርሕቕ።

16. ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋን ምስ ሰባትን ዘሎና ርክብ ምስትንታን ከመይ ገይሩ እዩ ትሕትና ኸነማዕብል ኪሕግዘና ዚኽእል፧

16 ትሕትና ኽፍሊ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ጌርካ እኳ እንተ ዘይተጠቕሰት: ከነማዕብላ ዚግባእ ኣምላኽ ዚፈትዋ ባህሪ እያ። (ገላትያ 5:22, 23፣ ቈሎሴ 3:10, 12) እዛ ባህሪ እዚኣ ብዛዕባ ርእስናን ብዛዕባ ኻልኦትን ዘሎና ኣረኣእያ እተጠቓልል ስለ ዝዀነት: ንኸነማዕብላ ዀነ ኢልና ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ነቲ ምስ የሆዋን ምስ ሰባትን ዘሎና ርክብ ምስ እንሓስበሉን ምስ እነስተንትነሉን: ትሑታት ኴንና ኽንቅጽል ይሕግዘና እዩ። ኵሎም ዘይፍጹማት ሰባት ብዓይኒ የሆዋ ኺረኣዩ ኸለዉ: ንእተወሰነ ግዜ በቚሉ ኸም ዚነቅጽ ሳዕሪ ወይ ከም ኣንበጣ እዮም። (ኢሳይያስ 40:6, 7, 22) ሓንቲ ሳዕሪ ኻብተን ካልኦት ቅሩብ ብምንዋሓ ሓበን ኪስምዓስ ግቡእ ድዩ፧ ሓደ ኣንበጣ ኻብ ካልኦት ዝያዳ ኺዘልል ብምኽኣሉ ኽንየትዶ ይግብኦ እዩ፧ ከምዚ ኢልካ ምሕሳብ ንገዛእ ርእሱ ትርጕም የብሉን። በዚ ምኽንያት እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ: “ካብ ካልኦት ዘብለጸካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ አሎካ፧ ተቐቢልካ ኻብ እትኸውን ግና: ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትኽበር፧” ብምባል ኣዘኻኸሮም። (1 ቈረንቶስ 4:7) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥቕስታት ምስ እነስተንትነሉ: ትሕትና ኸነማዕብልን ከነርእን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

17. ንነብዪ ዳንኤል ትሕትና ኼማዕብል ዝሓገዞ እንታይ እዩ ነይሩ: ንሕናውን ተመሳሳሊ ኽንገብር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

17 ነብዪ ዳንኤል እቲ እብራዊ ርእሱ ስለ ‘ዘትሓተ:’ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ “ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ” ተባሂሉ እዩ። (ዳንኤል 10:11, 12) ንዳንኤል ትሕትና ኼማዕብል ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ብቐዳምነት: ኣዘውቲሩ ናብ የሆዋ ብምጽላይ: ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ይውከል ነበረ። (ዳንኤል 6:10, 11) ብተወሳኺውን: ዳንኤል ትጉህን ቅኑዕ ዝልቡን ተማሃራይ ቃል ኣምላኽ እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ወትሩ ናብቲ ዜደንቕ ዕላማ ኣምላኽ ንኼተኵር ኣኽኣሎ። ኣበሳ ህዝቡ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣበሳኡውን ይእመን ነበረ። ናይ ገዛእ ርእሱ ጕዳይ ኣብ ምግባር ዘይኰነስ: ጽድቂ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ነበሮ። (ዳንኤል 9:2, 5, 7) ካብቲ ዳንኤል ዝገደፎ ዜደንቕ ኣብነት ትምህርቲ ኽንረክብ ከምኡውን ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና ትሕትና ኸነማዕብልን ከነርእን ንኽእልዶ፧

18. ነቶም ሎሚ ብትሕትና ዚመላለሱ እንታይ ክብሪ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧

18 ምሳሌ 22:4 “ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ” ትብል። እወ: የሆዋ ንትሑታት ሞገሱ የርእዮም እዩ: ዓስቦም ከኣ ክብረትን ህይወትን እዩ። ኣሳፍ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንኣምላኽ ዚፍጽሞ ኣገልግሎት ኪጥንጥኖ ኢሉ ድሕሪ ምሕሳብ: ብሓገዝ የሆዋ ኣተሓሳስባኡ ምስ ቀየረ: “ብምኽርኻ ኽትመርሓኒ: ደሓርውን ናብ ክብሪ ኽትቅበለኒ ኢኻ” ብምባል ብትሕትና ተኣመነ። (መዝሙር 73:24) ኣብዚ ግዜናኸ ነቶም ብትሕትና ዚመላለሱ እንታይ ክብሪ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧ ኣብ ርእሲ እቲ የሆዋ ዜርእዮም ሞገስን ምስኡ ዘለዎም እተባረኸ ርክብን: ነተን ንጉስ ዳዊት ብመንፈስ ተደሪኹ “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ብምባል ዝጸሓፈን ቃላት ዚፍጸማሉ እዋን ብሃንቀውታ ኺጽበዩ ይኽእሉ እዮም። እዚ ብሓቂ ኽብሪ ዝዓሰሎ እዋን እዩ ኪኸውን!—መዝሙር 37:11

ትዝክሮዶ፧

• እስጢፋኖስ: የሆዋ ኽብሩ ዝገለጸሉ ትሑት ሰብ ብምዃኑ ኣብነት ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧

• የሆዋ ኣምላኽ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

• የሆዋ ኽብሩ ንትሑታት ከም ዚገልጸሎም ዜርእየና እንታይ ኣብነታት እዩ፧

• ዳንኤል ዝገደፎ ኣብነት ትሕትና ንኸነማዕብል ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሳጹን]

ሓያል ግን ከኣ ትሑት

ብ1919 ኣብቲ ኣብ ሰዳር ፖይንት: ኦሃዮ: ሕ.መ.ኣ. እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ (ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ዚፍለጡ): እቲ ንዕዮ ምስክርነት ኣብ ምምሕዳር ሓላፍነት ዝነበሮ ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 50 ዓመት ዝነበረ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ: ተሓጒሱ ባልጃታት ኣጋይሽ የመላልስን ነናብ መሕደሪ ኽፍሎም ይመርሖምን ነበረ። ኣብ መወዳእታ መዓልቲ እቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ: ነቶም 7,000 ተኣከብቲ “ንስኻትኩም ነታ . . . ግርማዊት መንግስቲ ጐይታና . . . ንሰባት እትእውጁ ናይቲ ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይተትን ኣምባሳደራት ኢኹም” ብምባል ልቦም ዝተንከፎም ዝርርብ ኣቕረበ። ሓው ራዘርፎርድ ሓያል ምትእምማን ዝነበሮ ኸምኡውን ንዝኣምነሉ ነገር ከይተለማመጠ ሓያል ዘረባ ብምዝራብ ዚፍለጥ እኳ እንተ ነበረ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግን ብሓቂ ትሑት እዩ ነይሩ። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ኣብ ቤትኤል ዚግበር ናይ ንግሆ ኣምልኾ ብዜቕርቦ ዝነበረ ጸሎት ይንጸባረቕ ነበረ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ዚፈልጥ ዝነበረ እስጢፋኖስ: ብትሕትና ምግቢ ይዕድል ነበረ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ምናሴ ትሕት ብምባሉ ንየሆዋ ኣሐጐሶ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ዳንኤል “ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ” ኪበሃል ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧