ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥዑይ መንግስቲ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ጥዑይ መንግስቲ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

ጥዑይ መንግስቲ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ

“ኣብዛ ዓለም ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ ኣብታ ኻልእ ዚምርኰሳ እናዀና ይኸዳ ስለ ዘለዋ: መንግስትታት በብውልቀን ኪፈትሓኦ ዘይክእላ ተኸታታሊ ዓለምለኻዊ ጸገማት ይለዓል ኣሎ። ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ጥራይ እዩ ነቲ እናዓበየ ዚኸይድ ዘሎ ንደቅሰብ ዜጋጥሞም ሓደጋታትን ጸገማትን ኪፈትሖ ዚኽእል።”—ጉላም ኡማር ዚበሃል ፓኪስታናዊ ናይ ፖለቲካ ተንታኒ

ኣብዚ ግዜና ዓለም ግርምቢጥ ብዝዀነ ነገራት እያ መሊኣ ዘላ። እኹል ሃብቲ እኳ እንተሎ: ንሓያሎ ሰባት ድራር ዕለት ምርካብ ቃልሲ እዩ ዀይንዎም ዘሎ። ኣብዚ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ኣስፋሕፊሑሉ ዘሎ ዘመን ዚነብሩ ሰባት ካብቶም ክሳዕ ሕጂ ዝነበሩ ወለዶታት ብዙሕ እተማህሩን ዝያዳ ፍልጠት ዘለዎምን እኳ እንተዀኑ: ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሰባት ግን ቀዋሚ ስራሕ ምርካብ የጸግሞም ኣሎ። ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ዝያዳ ናጽነት ዘለዎም እኳ እንተ መሰሉ: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ግን ፍርህን ሻቕሎትን ስግኣትን ኣለዎም። ኣዝዩ ዚማርኽ ምሹእ ኣጋጣሚታት ዘሎና ንመስል እኳ እንተ ዀንና: ላዕለዎት ኰነ ታሕተዎት ሰበ-ስልጣን ብልሹዋትን ዓመጽትን ብምዃኖም ንብዙሓት ተስፋ ኣቝሪጽዎም እዩ።

እቲ ንደቅሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ ጸገማት እምብዛ ኻብ ምብዛሑ እተላዕለ: ሓንቲ ሃገር ወይውን ጕጅለ ሃገራት ኪፈትሓኦ ኣይክእላን እየን። ስለዚ: ብዙሓት ተዓዘብቲ ኣብ ዓለም ሰላምን ደሓንን ምእንቲ ኺሰፍን: ኵለን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ሓንቲ መንግስቲ ኺሓብራ ኸም ዘለወን ይኣምኑ። ንኣብነት: ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ኣልበርት ኣንስታይን ነዚ ሓሳብ እዚ ይድግፎ ነበረ። ብ1946 “መብዛሕትኦም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ሰላምን ደሓንን ኣብ ዝሰፈነሉ ሃዋሁ ኺነብሩ ኸም ዚደልዩ ብጽኑዕ እኣምን እየ። . . . ደቅሰብ ሰላም ኪረኽቡ ዘለዎም ድሌት: ሓንቲ ዓለምለኻዊት መንግስቲ ብምቛም ጥራይ እዩ ኺፍጸም ዚኽእል” በለ።

ድሕርዚ: ልዕሊ 50 ዓመት እኳ እንተ ሓለፈ: እዚ መሰረታዊ ድሌት እዚ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣይተፈጸመን። ኣብታ ኣብ ፓሪስ: ፈረንሳ: እትሕተም ጋዜጣ ለ ሞንድ ዝወጸ ርእይቶ: ብዛዕባ እቲ ኣብ መበል 21 ዘመን ዜጋጥም ዕንቅፋታት ኪዝርዝር ከሎ: “ዓሌታዊ ጃምላዊ ቕትለት ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፋል ዓለም ኬጋጥም ከሎ ብኡንብኡ ጣልቃ ኽትኣቱ ንእትኽእል ኣህጉራዊት መንግስቲ መሰረት ዚኸውን ስርዓተ-ፍርዲ: ምምሕዳር: ከምኡውን ቅዋም ኪህሉ ኣለዎ። ካብ ሽዑ ንደሓር ምድሪ ሓንቲ ሃገር ምዃና ተቐባልነት ኪረክብ ኣለዎ” በለ። ደቅሰብ ኣብ መጻኢ ብሰላም ምእንቲ ኺነብሩ: ነዚ ነገር እዚ ኺፍጽሞ ሓይልን ክእለትን ዘለዎ መን እዩ፧

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድዩ፧

ብዙሓት ሰባት ዓለምለኻዊ ሰላም ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዚመጽእ እዮም ተስፋ ዚገብሩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓለም ናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ዜምጽእ መንግስቲ ድዩ፧ ልክዕ እዩ: እዚ ውድብ እዚ ዜነቓቕሕን ተስፋ ዘለዎ ዚመስልን ፖለቲካዊ መደረ ኻብ ምሃብ ኣይሰነፈን። ንኣብነት: ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ብ2000 ዘውጽኦ “ኣዋጅ መዋእለ ሽሕ” ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ሓያል ቃል ኣተወ:- “ንህዝብታትና ኻብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ዝቐዘፈ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ዚግበር ኰነ ሃገራት ንሓድሕደን ዚገብራኦ ውግእ ዜስዕቦ ስቓይ ሓራ ንምግባር ዚከኣለና ዅሉ ኽንገብር ኢና።” ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዋጃት ብምውጻኡ: ብብዙሓት ሰባትን ትካላትን ተወዲሱን ተደኒቑን እዩ። ናይ 2001 ናይ ሰላም ሽልማት ኖበል እውን ተዓዊቱ እዩ። እቲ ኣብ ኖርወይ ዝመሰረቱ ኮሚተ ኖበል ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ኽብሪ ኺገልጽ ከሎ: “ናብ ዓለምለኻዊ ሰላምን ምትሕብባርን ኪብጻሕ ዚከኣል ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቢልካ ጥራይ እዩ” በለ።

እዚ ዅሉ እኳ እንተ ተባህለ: እቲ ብ1945 እተመስረተ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሓቅን ነባርን ዓለምለኻዊ ሰላም ዜምጽእ መንግስቲ ዀይኑ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ከመይሲ: እተን ኣባላት ሃገራት ድሌተን ኬማልኣን ሃገራዊ ጥቕመን ኬቐድማን ዚገብራኦ ነገራት ንዝበዝሕ ጻዕርታቱ ኣበርዒንዎ እዩ። ሓደ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ብዛዕባ እቲ ሕጂ ሰባት ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎም ኣረኣእያ ኺገልጽ ከሎ: “ዓለምለኻዊ ርእይቶ ዚዕቅን ባሮሜተር [መለክዒ መሳርሒ] ጥራይ” ኰይኑ ኸም ዜገልግል ድሕሪ ምግላጽ: “ሒዝዎ ዘሎ ዛዕባ ንሓያሎ ዓመታት ክትዕ እተኻየደሉ ጕዳያት እኳ እንተዀነ: ፍታሑ ንምርካብ ግን ዚረብሕ ምዕባለ ኣይተገብረን” በለ። እምበኣር: ‘ኣብ ዓለም ዘለዋ ሃገራት ሓደ መዓልቲ ሓድነት ይህልወንዶ ዀን ይኸውን፧’ ዚብል ሕቶ መልሲ ዜድልዮ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝዓይነቱ ሓድነት ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም ዚመጽእ ይገልጽ። እዚ ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧ ኣየነይቲ መንግስቲኸ እያ ነዚ እተምጽእ፧ መልሲ ንምርካብ ነዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ግዳ ኣንብባ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ኣንስታይን ዓለምለኻዊት መንግስቲ ኸም እተድሊ ይኣምን ነበረ

[ምንጪ ስእሊ]

Einstein: U.S. National Archives photo