ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ገለ ሰባት እታ ጳውሎስ ተሳፊሩላ ዝነበረ መርከብ እተሰብረት ኣብታ ኻብ ሲሲሊ ብደቡብ እትርከብ ደሴት ማልታ ዘይኰነስ ኣብ ካልእ ደሴት እዩ ይብሉ። ኣበይ ደኣ እያሞ ተሰቢራ፧

እዛ ሕቶ እዚኣ እታ ሃዋርያ ጳውሎስ ተሳፊሩላ ዝነበረ መርከብ እተሰብረት ኣብ ደሴት ማልታ ዘይኰነስ: ኣብታ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ግሪኽ ጥቓ ኮርፉ ዘላ ኣብ ባሕሪ ኣዮንያን እትርከብ ሰፋሎንያ (ወይ ከፋሊንያ) እዩ ኻብ ዚብል ኣብ ቀረባ እዋን ዝቐረበ ሓሳብ እተበገሰ እዩ። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ ንጳውሎስን ንኻልኦት እሱራትን ኣብ ትሕቲ ሓለቓ ሚእቲ ዩልዮስ ኣሕሊፎም ካብ ቂሳርያ ኸም ዝሰደድዎም ይነግረና። ኣብዚ ካርታ እዚ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ ናብ ሲዶንን ሚራን እዮም ተጓዒዞም። ብድሕሪኡ ኸኣ ብሓንቲ እኽሊ ዝጸዓነት መርከብ እስክንድርያ ገይሮም ንምዕራብ ገጾም ናብ ክኒዶስ ቀጸሉ። ከምቲ ዝሓሰብዎ ግና ንባሕሪ ኤጅያን ሰጊሮም ናብ ሮማ ኪኸዱ ኣይከኣሉን። ሓያል ንፋስ ንደቡብ ናብ ጸግዒ ቅሬጥስ ደፈኦም። ጽቡቕ ወደብ ኣብ እትብሃል ስፍራ ኸኣ ደው በሉ። እታ መርከብ ‘ካብ ቅሬጥስ ምስ ነቐለት’ “ኤውሮክሊዶን ዚብሀል ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ” ነታ መርከብ ‘መንዚዑ ወሰዳ።’ ክሳዕ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ለይቲ ኸኣ እታ እኽሊ ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ‘ባሕሪ ትመላለስ’ ነይራ። ኣብ መወዳእታ ዅሎም እቶም 276 ሰባት ኣብታ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ መሊጠ እተባህለት ደሴት በጽሑ።—ግብሪ ሃዋርያት 27:1–28:1

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዛዕባ መንነት እዛ መሊጠ እተባህለት ደሴት ብዙሕ ርእይቶታት ተዋሂቡ እዩ። ገሊኣቶም እታ ኻብ ገማግም ክሮአሽያ ርሕቕ ኢላ ኣብ ባሕሪ ኣድርያ ዘላ ሕጂ መልየት እተባህለት መሊጠ እሊርካ እያ ይብሉ። ይኹን ደኣ እምበር: እተን ጳውሎስ ቀጺሉ እተጓዓዘለን ሲራኩሳን ሲሲሊን ምዕራባዊ ገማግም ኢጣልያን ካብ መልየት ኣዝየን ርሑቓት ስለ ዝዀና እዚ ቕቡል ኣይኰነን።—ግብሪ ሃዋርያት 28:11-13

ብዙሓት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጂ ማልታ ተባሂላ ዘላ መሊጠ ኣፍሪካነስ እታ ብዓል ጳውሎስ ዘዕረፉላ መሊጠ ኸም ዝዀነት ተሰማሚዖምሉ እዮም። እታ ጳውሎስ ዝነበረላ መርከብ መወዳእታ ኣብ ቅሬጥስ ዘላ ጽቡቕ ወደብ እያ ኣዕሪፋ። ሽዑ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ነታ መርከብ ንምዕራብ ናብ ከላውዳ ወሰዳ። ንብዙሕ መዓልቲውን ደፍኣ። ስለዚ: እታ መርከብ ብዝያዳ ንምዕራብ ገጻ ናብ ማልታ እያ ኸይዳ ምባል ርትዓዊ እዩ።

ካኒባርን ሃውሰንን ኣብታ ዘ ላይፍ ኤንድ ኢፒስልስ ኦቭ ሰይንት ፖል (ህይወትን መልእኽታትን ቅዱስ ጳውሎስ) ዘርእስታ መጽሓፎም ብዛዕባ እቲ ሽዑ ግዜ ዝነበረ ንፋስ ከምኡውን እታ መርከብ “ኣንፈት ዝሰሓተትሉ መጠን” ኣብ ግምት ብምእታው ከምዚ ይብሉ:- “ኣብ መንጎ ከላውዳን ማልታን ዘሎ ርሕቀት ካብ 770 ኪሎ ሜተር ቅሩብ ዚውሕድ እዩ። ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ለይቲ እቶም ባሕረኛታት ናብ ማልታ እምበር ናብ ካልእ ቦታ [ኪቐርቡ] ዘይመስል እዩ። እታ ደሴት ማልታ ኸይኰነት ኣይትተርፍን እያ።”

ካልእ መግለጺታት እኳ እንተ ተዋህበ: ኣብዚ ካርታ ተገሊጹ ኸም ዘሎ እታ መርከብ ኣብ ማልታ እያ ተሰቢራ ምባል ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጸብጻብ ዚሰማማዕ ይመስል።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

የሩሳሌም

ቂሳርያ

ሲዶን

ሚራ

ክኒዶስ

ቅሬጥስ

ከላውዳ

ማልታ

ሲሲሊ

ሲራኩሳ

ሮሜ

መልየት

ግሪኽ

ሰፋሎንያ