ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ምእንቲ ወንጌል ዚጐዓዝ’ ተባዕ ገያሻይ

‘ምእንቲ ወንጌል ዚጐዓዝ’ ተባዕ ገያሻይ

‘ምእንቲ ወንጌል ዚጐዓዝ’ ተባዕ ገያሻይ

ጆርጅ ባሮው ወዲ 18 ዓመት ከሎ: 12 ቛንቋታት ይፈልጥ ምንባሩ እዩ ዚንገር። ድሕሪ ኽልተ ዓመት ከኣ 20 ቛንቋታት “ብፍጥነትን ብውሕልናን” ኺትርጕም ይኽእል ነይሩ።

ብ1833 እዚ ፍሉይ ክእለት ዘለዎ ሰብኣይ እዚ በቲ ኣብ ለንደን: ዓዲ እንግሊዝ: ዚርከብ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ብሪጣንያን ወጻኢ ሃገራትን ቃለ-መጠይቕ ኪግበረሉ ጻውዒት ቀረበሉ። ንመጐዓዝያ ዚዀኖ ገንዘብ እኳ እንተ ዘይነበሮ: ነዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዚ ኺጥቀመሉ ስለ ዝወሰነ: ወዲ 30 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብታ ዚነብረላ ኸተማ ኖርዊች ን28 ሰዓት 180 ኪሎ ሜተር ብእግሩ ተጓዕዘ።

እቲ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ከቢድ ዕዮ ሃቦ። እዚ ዕዮ እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ገለ ኽፋል ቻይና ዚዝረብ ቋንቋ ማንቹ ምጽናዕ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ሰዋስው ዚገልጽ መጽሓፍ ኪወሃቦ ምስ ሓተተ: ናብ ማንቹ እተተርጐመ ወንጌል ማቴዎስ ከምኡውን መዝገበ-ቓላት ማንቹ-ፈረንሳይኛ ጥራይ እዮም ኪህብዎ ኽኢሎም። እንተዀነ ግን: ኣብ ውሽጢ 19 ሰሙን “ብሓገዝ ኣምላኽ . . . ንቛንቋ ማንቹ ኽመልኮ ኽኢለ” ኢሉ ናብ ለንደን ጸሓፈ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ነቲ ሓደ ኻብ ደቀባት መክሲኮ ዚዛረብዎ ናዋትል ብዚበሃል ቋንቋ እተዳለወ ወንጌል ሉቃስ እውን ይእርም ምንባሩ ድማ እቲ ዕማም ኣዝዩ ዜደንጹ እዩ ነይሩ።

ብቛንቋ ማንቹ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ መበል 17 ዘመን በቲ ናይ ሞንጎልያ ዊጉር ዚበሃል ፊደላት ጌርካ ቛንቋ ማንቹ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ጽሑፍ ምስ ሰፈረ: ናይ ቻይና ናይ ስራሕ ቋንቋ ዀነ። እዚ ቛንቋ እዚ ምስ ግዜ እናደኸመ እኳ እንተ ኸደ: ኣባላት ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ብሪጣንያን ወጻኢ ሃገራትን በዚ ቛንቋ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሕታምን ንምዝርጋሕን ሃንቀውታ ነበሮም። ክሳዕ 1822 ኣብ ዝነበረ እዋን ነቲ ብስቲፓን ቪ. ሊፖፍትሰፍ እተተርጐመ 550 ቅዳሓት ወንጌል መዊሎምዎ ነይሮም። እዚ ሰብ እዚ ን20 ዓመት ኣብ ቻይና ዝነበረ ኣባል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ሩስያ ነበረ። እቲ ዘዳለዎ ትርጕም ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ ተሓትመ። እንተዀነ ግን: ሒደት ቅዳሓት ድሕሪ ምዕዳሉ: ምጥልቕላቕ ማይ ነቲ ዝተረፈ ብምሉኡ ኣበላሸዎ።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ብምሉኡ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ተተርጐመ። ብ1834 ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፍ እቲ መብዛሕትኡ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ስለ እተረኽበ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ኣለዓዓለ። እሞ ደኣ ነቲ ብቛንቋ ማንቹ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምእራም ዜተሓባብርን ነቲ ዝተረፈ ትርጕም ዚዛዝሞን መን እዩ፧ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ብሪጣንያን ወጻኢ ሃገራትን ንጆርጅ ባሮው ነዚ ዕዮ እዚ ሃብዎ።

ናብ ሩስያ

ባሮው ኣብ ፒተርስበርግ ምስ ኣተወ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብትኽክል ምእንቲ ኺእርሞ: ቋንቋ ማንቹ ንምጽናዕ ብዙሕ ግዜ ኣሕለፈ። እዚ ዅሉ እኳ እንተ ገበረ: እቲ ዕዮ ኸቢድ ጻዕሪ ዚሓትት ነበረ: ነቲ ኣብ መወዳእታ “ጽቡቕ ሕታም ምብራቓውያን” ተባሂሉ እተጸውዐ ሓድሽ ኪዳን ዚኸውን ፊደላት ኣብ ምስራዕ ምእንቲ ኺሕግዝ ድማ ኣብ መዓልቲ ንኣስታት 13 ሰዓት ይሰርሕ ነበረ። ብ1835 ሓደ ሽሕ ቅዳሓት ተሓትመ። ባሮው ነዚ ናብ ቻይና ወሲዱ ንምዕዳል ዝገበሮ መደብ ግን ኣይሰለጦን። መንግስቲ ሩስያ ነቲ ጕዳይ ምስ ጐረቤቶም ሃገር ዝነበሮም ምሕዝነት ኬበላሹ ዚኽእል ሚስዮናዊ ዕዮ ገይሮም ስለ ዝረኣዮ: “ብቛንቋ ማንቹ እተጻሕፈት ሓንቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ትኹን” እንተ ተማሊኡ ናብ ዶብ ቻይና ንምኻድ ፍቓድ ከይወሃቦ ኸልከልዎ።

ዓሰርተ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ ሒደት ቅዳሓት ተዘርግሐ: ብ1859 ከኣ ብቛንቋታት ማንቹን ቻይናን እተተርጐመ ወንጌል ማቴዎስን ወንጌል ማርቆስን ጐድኒ ንጐድኒ ኣብ እተጻሕፈ ዓምድታት ተሰሪዑ ወጸ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ግዜ እቲ መብዛሕትኦም ቋንቋ ማንቹ ኼንብቡ ዚኽእሉ ሰባት: ቋንቋ ቻይና ምንባብ እዮም ዚመርጹ ነይሮም: ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ማንቹ ንምትርጓም ዚነበረ ተስፋ ድማ ሃሰሰ። ቋንቋ ማንቹ ይመውት ነበረ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ብቛንቋ ቻይና ተተክአ። ብ1912 ቻይና ሪፓብሊክ ምስ ኰነት ድማ ፈጺሙ ኣልገሰ።

ሓውሲ ደሴት ኣይበርያ

ጆርጅ ባሮው በቲ ዘሕለፎ ተመክሮ ፍናን ረኺቡ ናብ ለንደን ተመልሰ። ብ1835 ናብ ፖርቱጋልን ስጳኛን ተመደበ: ከምቲ ጸኒሑ ባዕሉ ዝጸሓፎ ኸኣ ናብዘን ሃገራት እተመደበ “ኣእምሮ እቶም ህዝቢ ንሓቅታት ክርስትና ንምቕባል ክሳዕ ክንደይ ከም እተዳለወ ንምርግጋጽ” እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ፖለቲካውን ማሕበራውን ዘይምርግጋእ ኣስፋሕፊሑ ብምንባሩ: ብማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ብሪጣንያን ወጻኢ ሃገራትን ዳርጋ ኣይተተንከፋን ነይረን። ባሮው ኣብ ገጠራት ፖርቱጋል ምስ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ምዝርራብ ኣሐጒስዎ ነበረ: ነዊሕ ከይጸንሐ ግን እቲ ኣብኡ ዜጋጠሞ ሃይማኖታዊ ዘይምግዳስን ሸለልትነትን ናብ ስጳኛ ንኪኸይድ ኣገደዶ።

ኣብ ስጳኛ ግን እተፈልየ ዅነታት እዩ ኣጋጢምዎ። ቋንቋ ጂፕሲ ኺዛረብ ስለ ዚኽእል ድማ ብፍላይ ምስቶም ጂፕሲ ዘበሉ ተቐራረበ። ኣብታ ሃገር ካብ ዚኣቱ ነዊሕ ከይጸንሐ: “ሓድሽ ኪዳን” ናብቲ ኣብ ስጳኛ ዚርከቡ ጂፕሲ ዚዛረብዎ ኺታኖ ዚበሃል ቋንቋ ኺትርጕሞ ጀመረ። ነዚ ዕዮ እዚ ንምፍጻም ክልተ ኣንስቲ ጂፕሲ ኸም ዚሕግዛኦ ገበረ። ነቲ ናይ ስጳኛ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ የንብበለን እሞ: ተርጒመን ኪነግራኦ ይሓተን ነበረ። በዚ ኸምዚ ነቲ ቍንቍኛ ጂፕሲ ብልክዕ ኪፈልጦ ኸኣለ። ሳላ እዚ ጻዕሪ እዚ ኸኣ ወንጌል ሉቃስ ኣብ ጽድያ 1838 ተሓትመት: ካብዚ ተበጊሱውን ሓደ ኣቡን “ንብምልእታ ስጳኛ ብቛንቋ ጂፕሲ ገይሩ እምነታ ኬቐይራ እዩ” ኢሉ ተዛረበ።

ጆርጅ ባሮው “ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ቛንቋ ባስክ ኣብ ምትርጓም ክኢላ ሰብ” ኪረክብ እውን ሓላፍነት ተዋህቦ። እዚ ዕዮ እዚ ንዶ/ር ኦቴሳ ዚበሃል: ባሮው ባዕሉ “ነቲ ኣነውን እተወሰነ ፍልጠት ዘሎኒ ላህጃታት ኣጸቢቑ ዚፈልጥ ሰብኣይ” ብምባል ዝጸሓፈሉ ሓኪም ተዋህበ። ብ1838 ወንጌል ሉቃስ ብናይ ስጳኛ ባስክ ንመጀመርታ ግዜ ዝወጸት ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኰነት።

ባሮው ነቶም ተራ ሰባት ንምንቃሕ ባህጊ ስለ ዝነበሮ: ነቶም ኣብ ገጠራት ዚቕመጡ ድኻታት ሰባት ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ንምዕዳል ነዊሕን ሓደገኛን ጕዕዞታት ይገብር ነበረ። ካብ ሃይማኖታዊ ድንቍርናን ማሪታዊ እምነትን ሓራ ኼውጽኦም ይደሊ ነበረ። ንኣብነት: ነቲ ብገንዘብ ዚዕድግዎ ዝነበሩ ስርየት ሓጢኣት: ዋጋ ኸም ዘይብሉ ኼቃልዕ ከሎ: “እቲ ቕኑዕ ኣምላኽ ንሓጢኣት ንመሸጣ ኼፍቅድ ይኽእል ድዩ፧” ዚብል ሕቶ ኣቕረበ። ኣባላት ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣብቲ ሱር ዝሰደደ እምነታት ዚግበር ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ ነቲ ንጥፈታቶም ከየአግዶ ስለ ዝፈርሁ: ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ምዝርጋሕ ጥራይ ኬተኵር መምርሒ ሃብዎ።

ባሮው ነቲ ኣብ ኢል ኑወቮ ተስታመንቶ: ማለት ብስጳንኛ እተዳለወ ሓድሽ ኪዳን ዚርከብ ብዛዕባ ሰረተ-እምነት ናይ ሮማ ካቶሊክ ዚገልጽ መብርሂ ብምሕዳግ ነቲ ትርጕም ኬሕትሞ ናይ ቃል ፍቓድ ረኸበ። እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ኣብ ፈለማ ነቲ ትርጕም ሓደገኛን “ዘይግቡእን መጽሓፍ” ብምባል ንዝገበሮ ምጽራር ሰጊርካ እዩ እዚ ኺሕተም ተኻኢሉ። ድሕርዚ ባሮው ብስጳንኛ እተዳለወ ሓድሽ ኪዳን ንምሻጥ ኣብ ማድሪድ መደበር መሸጣ ኸፈተ: እዚ ኸኣ ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓለማውያን ሰበ-ስልጣንን ኣጋጨዎ። ን12 መዓልቲ ተኣስረ። ተቓውሞኡ ምስ ገለጸ: ብሕም ከይበለ ኺወጽእ ተነግሮ። ማእሰርቱ ዘይሕጋዊ ምንባሩ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈለጠ: ኣብነት ሃዋርያ ጳውሎስ ብምጥቃስ ንስሙ ኻብ ዜጸልም ነገራት ሓራ ዀይኑ ብዚግባእ ክሳዕ ዚፍታሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኺጸንሕ ወሰነ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:37

ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ብቕንኣት ዚዓዪ ተወካሊኦም ብ1840 ካብ ስጳኛ ኺለቅቕ ከሎ: “ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት ዳርጋ 14,000 ቅዳሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ስጳኛ ኪዝርጋሕ ተኻኢሉ” ዚብል ጸብጻብ ሃበ። ባሮው ኣብዚ ዓብዪ ግደ ስለ ዝነበሮ: ነቲ ኣብ ስጳኛ ዘሕለፎ እዋን “ኣብ ህይወተይ እተን ልዕሊ ዅሉ እተሓጐስኩለን ዓመታት” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።

እታ ፈለማ ብ1842 እተሓትመትን ክሳዕ ሕጂ እትሕተም ዘላን ዘ ባይብል ኢን ስፐይን (መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ስጳኛ) ዘርእስታ መጽሓፍ: ጆርጅ ባሮው ብዛዕባ መገሻታቱን ዘጋጠሞ ዜደንቕ ኵነታትን እትገልጽ ባዕሉ ብንጹር ዝጸሓፋ ጸብጻብ እያ። ኣብዛ ብኡንብኡ ተፈታውነት ዝረኸበት መጽሓፍ እዚኣ: ንገዛእ ርእሱ “ምእንቲ ወንጌል ዝጐዓዝ . . . ገያሻይ” ኢሉ ገሊጽዋ ኣሎ። ብዘይካዚውን: “ከምቲ ክርስቶስ ዝገበሮ ናብቲ ኣብ ኵድዅዶታትን ኣኽራንን ዚርከብ ግሉልን ንጹልን ቦታታት ከይደ: ነቶም ህዝቢ ኼዘራርቦም ውጥን ገበርኩ” ኢሉውን ጸሓፈ።

ጆርጅ ባሮው ቅዱሳት ጽሑፋት ብውዕዉዕ ስምዒት ብምዝርጋሑን ብምትርጓሙን ንኻልኦት መሰረት ኣንቢሩሎም እዩ። እዚ ኸኣ ብሓቂ ዓብዪ መሰል እዩ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ጆርጅ ባሮው መጽሓፍ ቅዱስ ንምትርጓምን ንምዝርጋሕን ካብ (1) ዓዲ እንግሊዝ ናብ (2) ሩስያ: (3) ፖርቱጋል: (4) ስጳኛ ተጓዕዘ

[ምንጪ ስእሊ]

Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ብ1835 እተሓትመ ኻብ ጸጋም ናብ የማን እተጻሕፈ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ገጹ ዚንበብ ብቛንቋ ማንቹ እተዳለወ ወንጌል ዮሃንስ

[ምንጪ ስእሊ]

From the book The Bible of Every Land, 1860

[ምንጪ ስእሊ]

From the book The Life of George Borrow by Clement K. Shorter, 1919