ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ፧ እምበኣር: እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

• ናይ ኮምፕሉተንስ ብዙሐ-ቛንቋ እንታይ ዓይነት ጽሑፍ እዩ: ንምንታይከ እዩ ኣገዳሲ ዝነበረ፧

ኣብቲ ግዜ እቲ ኺርከብ እተኻእለ ብሉጽ ዚበሃል ብእብራይስጥን ግሪኸኛን ላቲንን እተወሰነ ኽፋል ድማ ብኣረማይስጢ እተዳለወ ቕዱሳት ጽሑፋት ጐድኒ ንጐድኒ ኣብ እተሰርዐ ዓምዲ ብምስፋር እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሐ-ቛንቋ እዚ በቲ በዅሪ ቛንቋታት እተዳለወ ዝጸፈፈ ጽሑፋት ኣብ ምድላው ዓብዪ ስጕምቲ እዩ ነይሩ።—15/4 ገጽ 28-31

• ሰባት ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

የሆዋ ብሓቂ ዘሎ ህያው ኣካል ስለ ዝዀነ: ዚሓስብን ዚገብርን ስምዒት ዘለዎን እዩ። “ሕጉስ ኣምላኽ” እዩ: ዕላማኡ ምፍጻም እውን ባህ እዩ ዚብሎ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW፣ መዝሙር 104:31) ንስምዒት ኣምላኽ ዝያዳ እንጥንቀቕ እንተ ዄንና: ንልቡ ንምሕጓስ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ብዝያዳ ንፈልጥ።—15/5 ገጽ 4-7

• ዳዊት ንሚካል ሰበይቱ ምስሊ ጣኦት ኪህልዋ ዝፈቐደላ ስለምንታይ እዩ፧

ንጉስ ሳኦል ንዳዊት ኪቐትሎ ምስ ሓሰበ: ሚካል ኣብ ዓራቱ ኽንዲ ቕርጺ ሰብኣይ ኪኸውን ዚኽእል ምስሊ ብምንባር ንኼምልጥ ሓገዘቶ። ነቲ ምስሊ ጣኦት ወይ ተራፊም ምሓዛ: ልባ ምሉእ ብምሉእ ምስ ኣምላኽ ዘይምንባሩ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዳዊት ከኣ ብዛዕባ እቲ ምስሊ ተራፊም ኣይፈለጠን: ወይውን ጓል ንጉስ ሳኦል ብምንባራ ዕሽሽ ኢልዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ዜና መዋእል 16:25, 26)—1/6 ገጽ 29

• ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዜውጽኦ ትእዛዝ መሰረት ዚኸውን እንታይ እዩ ነይሩ፧

ኣብቲ ኣምላኽ ድሕሪ ማይ ኣይሂ: ኣብ ሕጊ ሙሴ: ከምኡውን ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29 ዝሃቦ ትእዛዝ: ናብቲ ደም የሱስ ብምፍሳስ ዚግበር መስዋእቲ ኸም ዚትኰር እዩ ገይሩ። በቲ ደም እቲ ጥራይ ድማ እዩ ሕድገት ሓጢኣት ኪርከብን ምስ ኣምላኽ ሰላም ኪግበርን ዚከኣል። (ቈሎሴ 1:20)—15/6 ገጽ 14-19

• ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ክንደይ ዚኣክል እዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ፧

ጸብጻባት ወንጌል ካብቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ን35 እዩ ዚጠቅስ። እንተዀነ ግን: ነቲ ጸብጻብ ዘይተዋህበሉ ሓዊስካ: የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ብጠቕላላ ኽንደይ ምዃኑ ኣይተገልጸን። (ማቴዎስ 14:14)—15/7 ገጽ 5