ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እቲ ኽትገብሮ እትኽእል ዝበለጸ ነገር እዚ እዩ”

“እቲ ኽትገብሮ እትኽእል ዝበለጸ ነገር እዚ እዩ”

“እቲ ኽትገብሮ እትኽእል ዝበለጸ ነገር እዚ እዩ”

ኣለክሲስ: ሞሬሊያ ኣብ እትበሃል ከተማ መክሲኮ ዚነብር ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓ እዩ። ወለዱ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይገብሩ: ናብ ኣኼባታቶም እውን ይኸዱ እዮም። ኣለክሲስ ምስ ወለዱ ናብ ናይ ወረዳ ኣኼባ ኸደሞ ኣብኡ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኬድካ ምስባኽ እተርኢ ሓንቲ መርኣያ ተዓዘበ። ናብ ኣቡኡ ተጠውዩ ኸኣ “ባባ: ባባ: ንስኻኸ ንምንታይ ኢኻ ዘይትሰብኽ፧” ኢሉ ሓተቶ። ኣቦኡ ድማ “ነዚ ምእንቲ ኽገብር ገና እመሃር እየ ዘለኹ” ኢሉ መለሰሉ። ኣለክሲስ ከኣ ብውዕዉዕ ስምዒት “ባባ: እቲ ኽትገብሮ እትኽእል ዝበለጸ ነገር እዚ እዩ” በሎ።

እዚ ንእሽቶ ቈልዓ እዚ ምስቲ ኻብ የሆዋ እተማህሮ ነገራት ተሰማሚዑ ምንባር ኣድላዪ ኸም ዝዀነ ኣስተብሂሉ እዩ። ናብ የሆዋ ድሕሪ ምጽላይ: ነቶም ምስኡ ዚነብሩ ደቂ ሓትኖኡ ኻብታ ብሓገዝ ወለዱ እተማህራ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት እትበሃል መጽሓፍ ነገሮም። ዋላኳ ኼንብብ እንተ ዘይጀመረ በቲ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ስእላዊ መብርሂታት ተደጊፉ ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ኣጸቢቑ እዩ ዚፈልጦ። ንሰባት ናብ ቤቶም እውን ከይተረፈ ኸይዱ ነቲ ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ዚፈለጦ ኺነግሮም እዩ ዚደሊ።

እወ: ዓበይቲ ዀኑ ንኣሽቱ ናብራኦም ከምቲ እቲ “ቅዱስ” ዝዀነ የሆዋ ዝደልዮ ብምግባሮም: እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ብዛዕባ የሆዋ ነህዛብ ናይ ምምስካር ዕዮ ረኺቦም ኣለዉ። (ኢሳይያስ 43:3፣ ማቴዎስ 21:16) ብርግጽ: እዚ ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል እቲ ዝበለጸ ነገር እዩ።