ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኵሉ ዝበለጸ ምኽሪ ምርካብ

ካብ ኵሉ ዝበለጸ ምኽሪ ምርካብ

ካብ ኵሉ ዝበለጸ ምኽሪ ምርካብ

ዕዉት ናብራ ዅሉ ዚምነዮ እዩ። ኣብዛ እተሓላለኸት ዓለም ከምዚ ዝዓይነቱ ናብራ ንምንባር ጽቡቕ ምኽሪ ኽትረክብን ነቲ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎን ኣሎካ። ይኹን እምበር: ደቅሰብ ጽቡቕ ምኽሪ ኺወሃቦም ከሎ ወትሩ ኣይኰኑን ዚሰምዑ። ሰብ ቃሕ ብዝበሎ መገዲ ገይሩ ህይወቱ ኺመርሕ ኣለዎ ኢሎም ዚዛረቡ ሒደት ኣይኰኑን። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ: እቲ ቐንዲ ጸላኢ ልዑላውነት ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ናጻ ዀይኖም ኪነብሩ እዩ ተመባጺዑሎም። ኣብ ዘፍጥረት 3:5 ንሄዋን “ኣምላኽ ደኣ [ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም] ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ: ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ” ኢሉ ተዛረባ።

ድሕርዚ ኣዳምን ሄዋንን ብርእሶም ጥራይ ኪምርሑ ምስ ጀመሩ: ብዘይ ሕማቕ ሳዕቤን ዕዉት ናብራ ኺነብሩ ኽኢሎም ድዮም፧ ኣይፋልን። ጽቡቕን ሕማቕን ኪፈልጡ ዝነበሮም ትጽቢት ብምፍሻሉ ዜጕሂ ነገር እዩ ኣጋጢምዎም። ሞገስ ኣምላኽ ሰኣኑ: ዘይፍጹማት ኰይኖም ኪነብሩ ጀመሩ: ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ሞቱ። (ዘፍጥረት 3:16-19, 23) ሞት ንዅላትና ይትንክፈና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ [ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ይብል።—ሮሜ 5:12

ኣዳምን ሄዋንን ዝገበርዎ ምርጫ ሕማቕ ሳዕቤን እኳ እንተ ኣስዓበሎም: ብዙሓት ሰባት ነቲ ፈጣሪ ደቅሰብ ዚህቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓል ጠቓሚ ምዃኑ ገና ኣይኣመኑሉን። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ‘መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ምዃኑ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺምና ተዳሊና: ፍጹማት ክንከውን’ ድማ ከም ዚሕግዘና ይገልጽ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ እንተ ስዒብና: ብርግጽ ዝያዳ ሓጐስ ኢና እንረክብ። ናብራ ስድራቤት ሓደ ኻብቲ እዚ ኣብ ግብሪ ዚውዕለሉ ሰፊሕ ዓውዲ እዩ።

ኣብ ሓዳር እሙን ምዃን

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ንሓዳር ነባሪ ኪኸውን እዩ ዕላማ ገይሩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 2:22-24፣ ማቴዎስ 19:6) ኣብ ርእሲ እዚውን ቅዱሳት ጽሑፋት “እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን:” ማለት እቶም ሰብ ሓዳር ካብ ሓዳሮም ወጻኢ ብዕሉግ ርክብ ከይገብሩ እዩ ዚገልጽ። (እብራውያን 13:4) እንተዀነ ግን: ኣብዚ ግዜና ሓያሎ ሓዳር ነዚ ስርዓት እዚ ዜማልእ ከም ዘይኰነ ትፈልጦ ትኸውን። ገለ ሰባት ኣብ ስራሕ ኣዘውቲሮም ንኻልእ ሰብ የኳሽሙ። ገሊኦም ከኣ ምስ ብዓልቲ ሓዳሮም ዘይኰነት ካልእ ሰብ ግዜ ንምሕላፍ ንስድራቤቶም ይሕስዉ። አረ ገሊኦም እሞ ኸኣ ከምቲ ነታ ኣብ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ እተጠቕሰት ቨሮኒካ ዘጋጠማ ንብዓልቲ ሓዳሮም ጠንጢኖም ምስ ዝነኣሰት ሰበይቲ ኺነብሩ ይጅምሩ: እዚ ኸኣ መንእሰይ ኰይኑ ኸም ዚስምዖምን ዝያዳ ሓጐስ ከም ዜምጽኣሎምን ኣፎም መሊኦም ይዛረቡ።

ይኹን እምበር: ዝኸፈልካ ኸፊልካ ንርእስኻ ኸተሐጕስ ምጽዓር ነባሪ ሓጐስ ኣየምጽእን እዩ። እዚ ነገር እዚ ሓቂ ምዃኑ ሮናልድ ኪምስክር ይኽእል እዩ። ህይወቱ ዚመሓየሸሉ መሲልዎ: ንስድራቤቱ ሓዲጉ ምስ ሓንቲ ኽልተ ቘልዑ ዝወለደትሉ ንሽዱሽተ ዓመት ብምስጢር ውሽማኡ ዝነበረት ሰበይቲ ተጠቕለለ። እንተዀነ ግን: ሓዳሩ በቲኑ ኻብ ዚኸይድ ነዊሕ ከይጸንሐ: እታ ውሽማኡ ጠንጢናቶ ኸደት! ኣብ መወዳእታ ሮናልድ ምስ ወለዱ ኺነብር ጀመረ። ነቲ ዘጋጠሞ ዅነታት ከኣ “ውርደት” ብምባል እዩ ገሊጽዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብዙሕ ኣብነታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ብስስዐ ተደሪኽካ ዚግበር ነገራት ፍትሕን ምብትታን ስድራቤትን ንኺበዝሕ ኣበርክቶ ገይሩ: ንዓበይቲ ዀኑ ቘልዑ ድማ ብዙሕ ስቓይ ኣምጺኡ እዩ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ምስዓብ ናይ ሓቂ ሓጐስ እዩ ዜምጽእ። ሮበርቶ ነዚ ስለ እተመኰሮ ኸምዚ ዚስዕብ በለ:- “ሳላ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ: ምስ ሰበይተይ ኣብ ምፍልላይ ኣይበጻሕናን። ካብ ሓዳር ወጻኢ ምስ ካልእ ሰበይቲ ርክብ ንኽንምስርት ብዚመጸና ፈተና እንተ ተሰኒፍና: ዋላ እውን ውቅብቲ ትኹን ብዘየገድስ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣይንረክብን ኢና። ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ንሓያሎ ዓመታት ካብ ጐድነይ ዘይተፈልየት ብዓልቲ ቤተይ ኣኽቢረ ንኽርእያ ሓጊዙኒ እዩ።” እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ “ነታ ሰበይቲ ንእስነቱ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይጥለም” ዚብል ምኽሪ ኣብ ህይወት ሮበርቶ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። (ሚልክያስ 2:15) ካብቲ ኣምላኽ ዚህበና ምኽሪ ብኸመይ ዝበለ ኻልእ መገድታት ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧

ኣተዓባብያ ደቅና

ኣርብዓ ዓመት ኣቢሉ ይገብር: ወለዲ ኣብ ኣተዓባብያ ደቆም ቀይድታት ኪገብሩ የብሎምን ዚብል ኣረኣእያ ኼስፋሕፍሕ ጀመረ። ውሉዳት ብዛዕባ ኣተሓሳስባኦምን ጠባዮምን ብርእሶም ውሳነ ኺገብሩ ምሕዳጎም ቅኑዕ መሲሉ ኺርአ ጀመረ። እዚ ምዕባለኦም ከይዕገት ካብ ዚብል ዕላማ እዩ ተበጊሱ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ብዙሕ ቀይድታት ዘይብሉ ኣገባብ ኣመሃህራ እውን ቈመ። ገለ ኻብቲ እዚ ኣመሃህራ እዚ ዚስዕቦ ኣገባብ: እቶም ተማሃሮ ኣብ ክፍሊ ኣትዮም ኪመሃሩ ይደልዩ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም: ከምኡውን ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኣብ መዘናግዒ ወይ ኣብ ትምህርቲ ኼሕልፉ ኸም ዚደልዩ ባዕላቶም ኪውስኑ ዚሓድግ እዩ። ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቤት ትምህርቲ ዚስዕቦ ስርዓት: “ቈልዑ ኻብ ናይ ዓበይቲ ኣረኣእያን ጣልቃ ምእታውን ምሉእ ብምሉእ ናጻ ዀይኖም ስምዒቶም ኪገልጹ ንምፍቃድ” እዩ። ኣብዚ ግዜና ብዛዕባ ባህሪ ደቅሰብ ሓሳብ ዚህቡ ገለ ኣማኸርቲ ኣብቲ ወለዲ ብፍቕሪ ተደሪኾም ተግሳጽ ኪህቡ ዚደልዩሉ እዋናት እውን ከይተረፈ: ንገሊኡ ዓይነት ተግሳጽ ይቃወምዎ እዮም።

እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧ ብዙሓት ሰባት ጽኑዕ ዘይኰነ ኣተዓባብያ: ንውሉዳት መጠኑ ዝሓለፈ ናጽነት ከም ዜፍቅደሎም ይኣምኑ። እዚ ድማ ጠንቂ እቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ዓመጻን ምውሳድ ሓሽሽን ከም ዝዀነ ይስምዖም። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ: ካብቶም መልሲ ዝሃቡ 70 ሚእታዊት ዝዀኑ: ቈልዑን መንእሰያትን ከምቲ ዚግብኦም ካብ ወለዲ መምርሒ ይወሃቦም ከም ዘየሎ ገሊጾም። ብዙሓት ሰባት ጠንቂ እቲ መንእሰያት ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝታዀስዎ ተዅስን ካልእ ዚፍጽምዎ ዜስካሕክሕ ዓመጻን ኪገልጹ ኸለዉ “ወለዲ ብዚግባእ ዘይቈጻጸሩ ስለ ዝዀኑ” ብምባል ወቐሳኦም ኣስምዑ። እቲ ሳዕቤን ኣመና ሕማቕ ኣብ ዘይኰነሉ እዋናት እኳ: ወለዲ ንደቆም ብግጉይ ኣተዓባብያ ብምዕባዮም ንሳቶም ኰኑ ደቆም መሪር ፍረ እዮም ዚዓጽዱ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ እዩ ዚብል፧ ወለዲ ስልጣኖም ኪጥቀሙሉ ኸለዉ ፈቃራትን ጽኑዓትን ኪዀኑ ኸም ዘለዎም እዩ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚምዕድ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ: ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖ” ይብል። (ምሳሌ 22:15) ልክዕ እዩ: ኵሉ እቲ ወለዲ ዚህብዎ ተግሳጽ ዚግባእ ኪኸውን ኣለዎ። ዝዀነ ይኹን ተግሳጽ ክትህብ ከለኻ: ልኡምን ርእስኻ እትቈጻጸርን ሓላዪን ክትከውን ኣሎካ። እዚ ኸኣ መርኣያ ፍቕሪ እዩ። ወለዲ ንስልጣኖም ብጭካነ ዘይኰነስ ብፍቕሪ ምስ ዚጥቀሙሉ: ኣሳልጦ ንኺረኽቡ ዝያዳ ዕድል ይህልዎም።

ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ጽቡቕ ፍረ ኸም ዚርከብ ተራእዩ እዩ። ኣርቱሮ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተመርዓወ ወዲ 30 ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ኣብ መክሲኮ ዚነብር ሰብኣይ እዩ። ርእይቶኡ ኺገልጽ ከሎ “ኣቦይ ንዓይን ነሕዋተይን ኣብታ ስድራቤት ስልጣን ዘለዎም ንሱን ኣዴናን ምዃኖም ንጹር ገይሩልና ነይሩ። ተግሳጽ ካብ ምሃብ ድሕር ኢሎም ኣይፈልጡን። ኰይኑ ግን: ግዜ ወሲዶም ወትሩ የዕልሉና ነበሩ። ሕጂ ምስ ዓበኹ: ጽቡቕ ህይወት እየ ዝመርሕ ዘለኹ: እዚ ኸኣ ብዓብዪኡ ሳላ እቲ ዝረኸብክዎ ጽቡቕ ስልጠና ምዃኑ እፈልጥ እየ” በለ።

ካብቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ምኽሪ ተጠቐም

እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ: ንደቅሰብ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ምኽሪ ሒዙ ኣሎ። መምርሒታቱ ኣብ ስድራቤት ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ኣብዛ ብዙሓት ሰባት በቲ ዝበለጸ ጥበብ ኪምርሑ ዘይደልዩላ ዓለም ብኸመይ ክንመላለስ ከም ዚግብኣና ስለ ዚምህረና: ብብዙሕ መገዲ የዕጥቐና።

እቲ ንደቅሰብ ዝፈጠረ የሆዋ ኣምላኽ ብዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣቢሉ “ኣነ ኽምህረካ: ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ: ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ” ብምባል መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። (መዝሙር 32:8) ፈጣሪ ኻብ ሓደጋ ኺሕልወና ኢሉ ኺቋመተናስ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ፧ ነፍሲ ወከፍና ግን ‘ነቲ የሆዋ ኼዕቍበና ኢሉ ዚህበና መምርሒ ብትሕትና እቕበሎ ድየ፧’ ንእትብል ሕቶ መልሲ ኽንህበላ ኣሎና። ቃሉ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ብምባል ፍቕሪ ዝሓዘለ ምኽሪ ይህበና።—ምሳሌ 3:5, 6

ንየሆዋ ምፍላጡ ጻዕርን ተወፋይነትን ይሓትት: ኰይኑ ግን ደቅሰብ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሎም ነዚ ዕላማ እዚ ኺበጽሕዎ ይኽእሉ እዮም። እቲ የሆዋ ኽንስዕቦ ዚምሕጸነና ዓይነት ናብራ ህይወት: “ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ አለዎ።” ነቲ ዜምጽኦ ጥቕሚ ኽንርኢ ኸለና ብሓቂ ዓብዪ ረብሓ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 4:8፣ 6:6

በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዓሚቝ ምስትውዓልን ምስኡ ተሰማሚዕካ ምኻድ ዜምጽኦ በረኸትን እንተ ተሳሒብካ: ቃል ኣምላኽ ምንባብን ብዛዕባኡ ምስትንታንን ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ሃቦ። ከምዚ እንተ ጌርካ: ነቲ ሎሚ ዀነ ኣብ መጻኢ ዜጋጥም ዝዀነ ይኹን ጸገም ብዓወት ንኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብታ ዅሎም ብየሆዋ ዚመሃሩላን ሰላሞም ዓብዪ ዚዀነላን ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ናይ ምንባር ተስፋ ኽትረክብ ኢኻ።—ኢሳይያስ 54:13

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ንሓዳር ኬደልድሎ ይኽእል

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ጽቡቕ መምርሒ ዚህብ እኳ እንተዀነ: ንምዝንጋዕ ግን ኣይክልክልን እዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ዜውዕሉ ሚዛናዊ ናብራ ይነብሩ