ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ‘ብዘመን ጸገማ መኸወሊና እዩ’

የሆዋ ‘ብዘመን ጸገማ መኸወሊና እዩ’

የሆዋ ‘ብዘመን ጸገማ መኸወሊና እዩ’

“ምድሓን ጻድቃን ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ: ንሱ ብዘመን ጸገማ መኸወሊኦም እዩ።” —መዝሙር 37:39

1, 2. (ሀ) የሱስ ምእንቲ ደቀ መዛሙርቱ እንታይ ኢሉ እዩ ዝጸለየ፧ (ለ) ኣምላኽ ንህዝቡ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚደልዮም፧

 የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ። ንኣምለኽቱ ብቓሕ ዝበሎ መገዲ ገይሩ ንምዕቋብ ሓይሊ ኣለዎ። ንህዝቡ ብኣካል ካብ ዓለም ፈልዩ ኣብ ሓደጋ ዘይብሉን ሰላማውን ከባቢ እውን ከይተረፈ ኼንብሮም ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ኣቦኡ ኺጽሊ ኸሎ: “ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር: ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ” በለ።—ዮሃንስ 17:15

2 የሆዋ ‘ኻብ ዓለም ኬውጽኣና’ ኣይደልን እዩ። ኣብ ክንድኡስ: ነቲ ናይ ተስፋን ምጽንናዕን መልእኽቱ ንሰባት ምእንቲ ኽንነግር: ምስ ህዝቢ እዛ ዓለም ብሓባር ክንነብር እዩ ዚደልየና። (ሮሜ 10:13-15) እንተዀነ ግን: ከምቲ የሱስ ኣብ ጸሎቱ ዝኣመቶ: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ስለ እንነብር ነቲ “ኽፉእ” እተቓላዕና ኢና። ዘይእዙዛት ደቅሰብን እኩያት መናፍስትን ብዙሕ ስቓይን ጓህን እዮም ዜምጽኡ: ክርስትያናት ከኣ ካብ ጸገማት ሓራ ኣይኰኑን።—1 ጴጥሮስ 5:9

3. እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ከይተረፉ እንታይ እዩ ዜጋጥሞም: ካብ ቃል ኣምላኽ ግን እንታይ ምጽንናዕ ኢና እንረክብ፧

3 ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተናታት: ተስፋ እንቘርጸሉ እዋናት የጋጥም እዩ። (ምሳሌ 24:10) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ጸገማት ዜጋጠሞም እሙናት ሰባት ብዙሕ ይገልጽ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ: እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ” በለ። (መዝሙር 34:19) እወ: ን“ጻድቕ” እውን ከይተረፈ ሕማቕ ነገር የጋጥሞ እዩ። ንሕናውን ሓድሓደ ግዜ ልክዕ ከም ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ‘ክንስንስንን [‘ክንምህምንን:’ ትርጕም 1990] እምብዛ ኽንቅጥቀጥን’ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 38:8) እንተዀነ ግን: ‘እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ ከም ዜድሕኖም’ ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ።—መዝሙር 34:18፣ 94:19

4, 5. (ሀ) ዕቝባ ኣምላኽ ንምርካብ ምስ ምሳሌ 18:10 ብምስምማዕ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ለ) ሓገዝ ኣምላኽ ንምርካብ እንታይ ስጕምትታት ኢና ኽንወስድ እንኽእል፧

4 የሆዋ ምስ ጸሎት የሱስ ብምስምማዕ ብርግጽ ይሕልወና እዩ ዘሎ። “ብዘመን ጸገማ መኸወሊ[ና]” እዩ። (መዝሙር 37:39) መጽሓፍ ምሳሌ “ስም እግዚኣብሄር ጽኑዕ ግምቢ እዩ: ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቍብ” ብምባል ተመሳሳሊ መግለጺ እያ እትጥቀም። (ምሳሌ 18:10) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንፍጡራቱ ዘርእዮ ለውሃት ሓደ መሰረታዊ ሓቂ እያ እትገልጽ። ኣምላኽ ብፍላይ ነቲ ንዕኡ ወትሩ ዚደልዮ ጻድቕ ልክዕ ከምቲ ጐይኻ ኼድካ እተዕቕለሉ ጽኑዕ ግምቢ ብምዃን ዕቝባ ይዀኖ እዩ።

5 ከቢድ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ: ዕቝባ ደሊና ናብ የሆዋ ኽንጐዪ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ካብ የሆዋ ሓገዝ ንምርካብ ክንገብሮ እንኽእል ሰለስተ ኣገዳሲ ስጕምትታት እስከ ንርአ። ቀዳማይ: ናብ ሰማያዊ ኣቦና ኽንጽሊ ኣሎና። ካልኣይ: ምስ መንፈስ ቅዱስ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ኣሎና። ሳልሳይ: ምስቶም ጸገማትና ዜፋዅሱልና ክርስትያናት ብጾትና ብምቅርራብ ነቲ የሆዋ ዝገበሮ ምድላው ክንጥቀመሉ ኣሎና።

ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ

6. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንጸሎት ብኸመይ እዮም ዚርእይዎ፧

6 ገለ ኽኢላታት ጥዕና ናይ መንፈስ ጭንቀትን ውጥረትን ንዘለዎም ሰባት ንምሕካም ጸሎት ይእዝዙ እዮም። ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ምስ ጸሎት ዚመሳሰል ምስትንታን ምግባር ንውጥረት ዚንኪ እኳ እንተዀነ: ገሊኡ ተፈጥሮኣዊ ደሃይ ኰነ ዝባንካ ምድራዝ እውን ተመሳሳሊ ውጽኢት ኣለዎ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንጸሎት ጽቡቕ ንኺስምዓካ ዚሕግዝ ነገር ጥራይ ከም ዝዀነ ገይሮም ብምውሳድ ኣትሒቶም ኣይርእይዎን እዮም። ጸሎት ንፈጣሪ ሓሳባትና እንገልጸሉ ኽቡር መትረብ ከም ዝዀነ ጌርና ኢና እንርእዮ። ንኣምላኽ ዘሎና ተወፋይነትን ኣብኡ ዘሎና ምትእምማንን ድማ የጠቓልል። እወ: ጸሎት ክፍሊ ኣምልኾና እዩ።

7. ብምትእምማን ምጽላይ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎትከ ንጸገማትና ኽንዋጽኣሉ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

7 ጸሎትና በቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ወይ ትውክልቲ ኺስነ ኣለዎ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ: ይሰምዓና እዩ: እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 5:14) እቲ ኻብ ኵሉ ልዕል ዝበለ: በይኑ ድማ ናይ ሓቅን ኵሉ ዚኽእልን ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ: ነቲ ኣምለኽቱ ኻብ ልቦም ዚጽልይዎ ጸሎት ፍሉይ ቈላሕታ እዩ ዚገብረሉ። ጭንቀትናን ጸገማትናን ነቲ ፈቃር ኣምላኽና ኽንነግሮ ኸለና ኸም ዚሰምዓና ምፍላጥ ጥራይ የጸናንዓና እዩ።—ፊልጲ 4:6

8. እሙናት ክርስትያናት ንየሆዋ ብጸሎት ኪቐርብዎ ኸለዉ ኺፈርሁ ወይ ዘይብቑዓት ኰይኑ ኺስምዖም ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

8 እሙናት ክርስትያናት ንየሆዋ ብጸሎት ኪቐርብዎ ኸለዉ ኺፈርሁ: ዘይብቑዓት ኰይኑ ኺስምዖም: ወይ ምትእምማን ኪጐድሎም የብሉን። ልክዕ እዩ: ብገዛእ ርእስና ምስ እንበሳጮ ወይ ጸገማት ምስ ዚበዝሓና: ንየሆዋ ብጸሎት ክንቀርቦ ኣይንድረኽን ንኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚታት የሆዋ ‘ንሽጉራት ከም ዚምሕሮምን’ ‘ንጥቑዓት ከም ዜጸናንዖምን’ ኣይትረስዕ። (ኢሳይያስ 49:13፣ 2 ቈረንቶስ 7:6) ብሕልፊ ብግዜ ጭንቀትን ጸገማትን ኢና ናብቲ መኸወሊና ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና ብምትእምማን ክንጽጋዕ ዘሎና።

9. ንኣምላኽ ብጸሎት ክንቀርቦ ኸለና: እምነት እንታይ ግደ እዩ ዘለዋ፧

9 ካብ ጸሎት ምሉእ ብምሉእ ተጠቀምቲ ንምዃን: ናይ ሓቂ እምነት ክትህልወና ኣለዋ። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ” ይብል። (እብራውያን 11:6) እምነት ክትበሃል ከላ ኣምላኽ “ኸም ዘሎ” ምእማን ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ዚዓቢ ነገር እያ እተጠቓልል። ናይ ሓቂ እምነት ክትበሃል ከላ ኣምላኽ ነቲ ንዕኡ እዙዛት ብምዃን ዘሕለፍናዮ ናብራ ዓስቢ ኺህበና ኽእለትን ድሌትን ከም ዘለዎ ምሉእ ምትእምማን ምህላው ተጠቓልል። “ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ: ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን።” (1 ጴጥሮስ 3:12) የሆዋ ኸም ዚሓልየልና ወትሩ ንዝክር እንተደኣ ዄንና: ጸሎትና ፍሉይ ትርጕም እዩ ዚህልዎ።

10. ካብ የሆዋ መንፈሳዊ ምብርታዕ ክንረክብ እንተደኣ ዄንና: ጸሎትና ኸመይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧

10 የሆዋ ንጸሎትና ዚሰምዖ ብምሉእ ልብና ምስ እነቕርበሉ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ብምሉእ ልበይ እምህለል አሎኹ: ዎ እግዚኣብሄር: ምለሰለይ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 119:145) ጸሎትና ኸምቲ ብዙሓት ሃይማኖታት ብልምዲ ዚገብርዎ ንማለቱ ዚግበር ወይ ብፍርቂ ልቢ ዚግበር ኣይኰነን። ‘ብምሉእ ልብና’ ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና: ቃላትና ትርጕምን ዕላማን እዩ ዚህልዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ልባዊ ጸሎት ድሕሪ ምቕራብና: ‘ጾርና ናብ እግዚኣብሄር ብምድርባይና’ ዚርከብ እፎይታ ይስምዓና። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተመባጽዖ ‘ንሱ ይሓልየልና እዩ።’—መዝሙር 55:22፣ 1 ጴጥሮስ 5:6, 7

መንፈስ ቅዱስ ሓጋዚና እዩ

11. የሆዋ ንኺሕግዘና ኸየባተኽና ምስ ‘እንልምኖ:’ መልሲ ዚህበሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

11 የሆዋ ጸሎት ይሰምዕ ጥራይ ዘይኰነስ ይምልስ እውን እዩ። (መዝሙር 65:2) ዳዊት “ንስኻ ኽትመልሰለይ ኢኻ እሞ: ብመዓልቲ ጸበባይ ክጽውዓካ እየ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 86:7) ስለዚ ድማ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ‘እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ንዚልምንዎ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዚህቦም:’ ሓገዝ የሆዋ ንምርካብ ከይተሓለሉ ‘ኺልምኑ’ ኣተባብዖም። (ሉቃስ 11:9-13) እወ: እቲ መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ ንሰባት ከም ሓጋዚ ወይ መጸናንዒ ይኸውን እዩ።—ዮሃንስ 14:16

12. ዜጋጥመና ጸገማት ዘይስገር መሲሉ ኺረኣየና ኸሎ: መንፈስ ኣምላኽ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

12 ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ: መንፈስ ኣምላኽ በቲ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኼበርትዓና ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) እቲ ብዙሕ ጽንኩር ኵነታት ዘሕለፈ ሃዋርያ ጳውሎስ ብምትእምማን “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” በለ። (ፊልጲ 4:13) ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ብዙሓት ክርስትያናት ድሕሪ ምልማኖም መንፈሶም ተሓዲሱን ስምዒታዊ ብርታዐ ረኺቦምን እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበልና: እቲ ዜጋጠመና ኸቢድ ጸገማት ዘይስገር ኰይኑ ኣይስምዓናን እዩ። እዚ ኣምላኽ ዚህበና ሓይሊ እንተ ረኺብና: ከምቲ ሃዋርያ “ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ: ግናኸ ኣይጸበናን: እንገብሮ ይጠፍኣና: ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና: ንስጐጒ: ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና: ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና” ኽንብል ንኽእል ኢና።—2 ቈረንቶስ 4:8, 9

13, 14. (ሀ) የሆዋ በቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ኣቢሉ መኸወሊና ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓልካ ብብሕቲ ብኸመይ ሓጊዙካ፧

13 መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ጥቕምና ኢሉ ንቓል ኣምላኽ ብመንፈስ ተመሪሕካ ኸም ዚጸሓፍን ከም ዚዕቀብን ገይሩ እዩ። የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ ብግዜ ጸገማ መኸወሊና ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ዚገብረሉ መገዲ ጥበብ ከምኡውን ምኽሪ ወይ ናይ ምሕሳብ ክእለት ብምሃብ እዩ። (ምሳሌ 3:21-24) መጽሓፍ ቅዱስ ነተሓሳስባና የሰልጥኖ: ነእምሮና ኸኣ የብልሖ እዩ። (ሮሜ 12:1) ቃል ኣምላኽ ኣዘውቲርና እናኣንበብናን እናኣጽናዕናን ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ: ‘ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ንልቦናና ኼነላምዶ’ ንኽእል ኢና። (እብራውያን 5:14) ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥበባዊ ውሳነ ንኽትገብር ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ብብሕቲ ርኢኻዮ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እዋን ጭንቂ ጽቡቕ መፍትሒ ንኽንረክብ ዜኽእለና ብልሓት ይህበና።—ምሳሌ 1:4

14 ቃል ኣምላኽ ብኻልእ መገዲ እውን የበራትዓና እዩ። እዚ ኸኣ ተስፋ ድሕነት ብምሃብ እዩ። (ሮሜ 15:4) እከይ ንሓዋሩ ኸም ዘይቅጽል መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ዝዀነ ይኹን ዜጋጥመና ሓሳረ መከራ ንግዜኡ እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:16-18) “በታ እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኣሎና። (ቲቶስ 1:2) ነቲ የሆዋ እተመባጽዖ ብሩህ መጻኢ ወትሩ እናዘከርና ብተስፋ እንተ ተሓጒስና: ንዝዀነ ይኹን ጸበባ ብትዕግስቲ ኸነሕልፎ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 12:12፣ 1 ተሰሎንቄ 1:3

ጉባኤ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ እያ

15. ክርስትያናት ንሓድሕዶም ኪተሓጋገዙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

15 ብግዜ ጸገማ ኺሕግዘና ዚኽእል የሆዋ ዚገበረልና ኻልእ ምድላው: ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎና ምቅርራብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር: ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ” ይብል። (ምሳሌ 17:17) ቃል ኣምላኽ ንዅሎም ኣባላት ጉባኤ ንሓድሕዶም ኪከባበሩን ኪፋቐሩን እዩ ዚእዝዞም። (ሮሜ 12:10) ሃዋርያ ጳውሎስ “ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር: ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ” በለ። (1 ቈረንቶስ 10:24) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ምሓዝ ኣብቲ ዜጋጥመና ፈተና ዘይኰነስ: ኣብቲ ንኻልኦት ዜድልዮም ነገራት ከነተኵር ይሕግዘና። ንኻልኦት ክንሕግዝ ከለና: ንዖኦም ንጠቕሞም ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ጾርና ኽንስከሞ ዜኽእለና እተወሰነ ሓጐስን ዕግበትን ክንረክብ የኽእለና።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

16. ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብኸመይ እዩ ንኻልእ ኬተባብዕ ዚኽእል፧

16 ብመንፈስ ብሱላት ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ንኻልኦት ኣብ ምብርታዕ ኣገዳሲ ግደ ኺህልዎም ይኽእል እዩ። ነዚ ምእንቲ ኺገብሩ ኢሎም: ተቐረብትን ንምሕጋዝ ድሉዋትን እዮም ዚዀኑ። (2 ቈረንቶስ 6:11-13) ኵሎም ኣባላት ጉባኤ ግዜ ወሲዶም ንመንእሰያት ዚንእዱ: ንሓደስቲ ኣመንቲ ዚሃንጹ: ከምኡውን ንእተጨነቑ ዜተባብዑ ምስ ዚዀኑ: እታ ጉባኤ ብሓቂ በረኸት እዩ ዚህልዋ። (ሮሜ 15:7) ሕውነታዊ ፍቕሪ ንሓድሕድና ብዓይኒ ጥርጣረ ኸይንርአአ እውን ትሕግዘና እያ። ብሕታዊ ጸገማት ምልክት መንፈሳዊ ድኽመት ከም ዝዀነ ጌርና ብታህዋኽ ክንድምድም የብልናን። ጳውሎስ እምበኣር ንክርስትያናት “ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ከተተባብዕዎም” ኢሉ ኺምሕጸኖም ሓቁ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:14) ኵሉ እሙን ክርስትያን ጸገም ከም ዜጋጥሞ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 14:15

17. ንክርስትያናዊ ሕውነት ንምድልዳል ዚሕግዘና እንታይ ኣጋጣሚታት ኣሎና፧

17 ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንሓድሕድና ንኽንጸናናዕን ንኽንተባባዕን ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልና። (እብራውያን 10:24, 25) እዚ ፍቕራዊ ምድግጋፍ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ጥራይ እተደረተ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: ኣብ ካልእ እዋን እውን ጽቡቕ ምሕዝነት ኪህልዎም ኣጋጣሚታት የናድዩ እዮም። ጸገማት ኬጋጥም ከሎ: ሓያል ምሕዝነት ድሮ ስለ ዝመስረትና ንምትሕግጋዝ ድሉዋት ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር: ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ [ኪኸውን የብሉን።] . . . ሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየ: ኵሉ ኣካላት ይስቀ: ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣ: ኵሉ ኣካላት ሐቢሩ እዩ ዚሕጐስ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ቈረንቶስ 12:25, 26

18. እተደቘስና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ: ካብ ምንታይ ዝንባለ ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧

18 ሓድሓደ ግዜ እምብዛ እተደቘስና ኻብ ምዃንና እተላዕለ: ምስ ክርስትያናት ብጾትና ምቅርራብ ይኸብደና ይኸውን። ንርእስና ኻብቲ ክርስትያናት ብጾትና ዚህቡና ምጽንናዕን ደገፍን ምእንቲ ኸይንጠልያ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ክንቃለሶ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ንርእሱ ዚፍለ ትምኒቱ ይደሊ: ንዅሉ ጥበብውን ይቃወሞ” ብምባል የጠንቅቐና። (ምሳሌ 18:1) ኣሕዋትናን ኣሓትናን መግለጺ ሓልዮት የሆዋ እዮም። ነዚ ፍቕራዊ ምድላው እዚ ኣፍልጦ እንተደኣ ሂብናሉ: ብግዜ ጸገማ እፎይታ ኽንረክብ ኢና።

ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

19, 20. ቅዱሳት ጽሑፋት ኣሉታዊ ሓሳባት ከነርሕቕ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

19 ተስፋ ምቝራጽን ጓህን ኬጋጥም ከሎ: ብቐሊሉ ኣብ ኣሉታዊ ሓሳባት ኢኻ እተተኵር። ንኣብነት: ጸበባ ኼጋጥም ከሎ: ገለ ሰባት እቲ ዜጋጥሞም ዘሎ መከራ: ስምረት ኣምላኽ ከም ዘይብሎም ዚሕብር ገይሮም ብምውሳድ ንመንፈሳውነቶም ኣብ ሕቶ የእትዉ እዮም። የሆዋ “ብእኩይ” ንዋላ ሓደ ኸም ዘይፍትን ግን ክንዝክር ኣሎና። (ያእቆብ 1:13) ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ “ንደቂ ኣዳም ዜዋርዶምን ዜጕህዮምንሲ ብፍታው ልቡ ኣይኰነን” ይብለና። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:33) እኳ ደኣስ: ኣገልገልቱ ኺሳቐዩ ኸለዉ: ብዙሕ እዩ ዚጕሂ።—ኢሳይያስ 63:8, 9፣ ዘካርያስ 2:8 ትርጕም 1990

20 የሆዋ “ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን” እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:3) ይሓልየልና እዩ: ብግዜኡ ኸኣ ልዕል ኬብለና እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:6, 7) ኣምላኽ ከም ዚፈትወና ዘይንርስዕ እንተደኣ ዄንና: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺህልወና: ካብኡ ሓሊፍና እውን ንኽንሕጐስ ኪሕግዘና እዩ። ያእቆብ “ኣሕዋተየ: በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም: ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 1:2) ስለምንታይ፧ “ተፈቲኑ ምስ ወጸ: ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ” ብምባል ባዕሉ መለሰ።—ያእቆብ 1:12

21. ዝዀነ ይኹን ጸገም እኳ እንተ ኣጋጠመና: ኣምላኽ ነቶም ንዕኡ እሙናት ዝዀኑ እንታይ ውሕስነት እዩ ኣትዩሎም፧

21 ከምቲ የሱስ ዜጠንቀቐና: ኣብ ዓለም ጸበባ ኣሎና። (ዮሃንስ 16:33) እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ‘ጸበባ: ስደት: ጥሜት: ዕርቃን: ፍርሂ’ ኻብታ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ወዱን ከም ዘይፈልየና ተመባጺዑልና ኣሎ። (ሮሜ 8:35, 39) ዝዀነ ይኹን ዜጋጥመና ጸገም ግዜያዊ ምዃኑ ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ! ስቓይ ደቅሰብ ክሳዕ ዜብቅዕ ግን እቲ ፈቃር ኣቦና የሆዋ ይሕልወና ኣሎ። ዕቝባ ደሊና ናብኡ እንተ ጐዪና: “ንጥቑዓት እምባ: ብጊዜ ጸበባ እምባ” ኪዀነና እዩ።—መዝሙር 9:9

እንታይ ተማሂርና፧

• ክርስትያናት ኣብዛ እክይቲ ዓለም ኪነብሩ ኸለዉ እንታይ እዮም ኪጽበዩ ዘለዎም፧

• ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ኻብ ልቢ ዝመነጨ ጸሎት ዜበራትዓና ብኸመይ እዩ፧

• መንፈስ ኣምላኽ ሓጋዚ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

• ንሓድሕድና ንምትሕግጋዝ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ናብ ጽኑዕ ግምቢ ንሃድም ከም ዘሎና ጌርና ንየሆዋ ኽንደልዮ ኣሎና

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ብመንፈስ ብሱላት ዝዀኑ ሰባት ዝረኸብዎ ዘበለ ኣጋጣሚ ንኻልኦት ንምንኣድን ንምትብባዕን ይጥቀሙሉ