ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽቡቕ ምኽሪ የድሊ ድዩ፧

ጽቡቕ ምኽሪ የድሊ ድዩ፧

ጽቡቕ ምኽሪ የድሊ ድዩ፧

ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ሰባት ጽቡቕን ሕማቕን ኪፈልጡ ኽእለት ከም ዘለዎም ከምኡውን ዝደለይዎ ዅሉ ኺገብሩ መሰል ከም ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም እዩ። ገሊኦም ከኣ ንሓደ ሰብ ሓጐስ ክሳዕ ዘምጸኣሉ: ዝዀነ ይኹን ነገር ተቐባልነት ኣለዎ ይብሉ። እቲ ንነዊሕ እዋን ቀንዲ መሰረት ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ጌርካ ዚርአ ዝነበረ ሓዳርን ናብራ ስድራቤትን: በዚ ኣመና እዩ ተጸልዩ።—ዘፍጥረት 3:5

ንኣብነት: ነታ ኣብ መክሲኮ እትነብር ቨሮኒካ a እሞ ንውሰድ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠማ ነገር ክትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት:- “ን15 ዓመት ዚኸውን ኣብ ሓዳር ድሕሪ ምጽናሕ: ብዓል ቤተይ ምስ ካልእ ሰበይቲ ርክብ ከም ዝጀመረ ነገረኒ። እታ ሰበይቲ ብዕድመ ኻባይ ስለ እትንእስን ብዝያዳ ስለ እተሐጕሶን ከኣ ከም ዘይሓድጋ ነገረኒ። እቲ ኻብ ኵሉ ዚበልጽ ፈታውየይ ከም ዝዀነ ገይረ ዝርእዮ ዝነበርኩ ሰብኣየይ ድሕሪ ደጊም ኣብ ጐድነይ ከም ዘይከውን ምፍላጠይ ኣሰምበደኒ። ሞት እተፍቅሮም ሰባት ዝኸፍአ ስቓይ ዜምጽእ ይመስለኒ ነይሩ። ንዓይ ግን ዝሙት ነቲ ኣጸቢቐ ዝፈትዎ ዝነበርኩ ሰብ ከም ዝስእን ገይሩኒ ጥራይ ዘይኰነስ: ብቐጻሊ ዚጐድኣኒ ነገራት እውን ይገብር ብምንባሩ: ዝገደደ ስቓይ እዩ ዀይኑኒ።”

ሓደ ውሉድ ዘለዎ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ እውን ምስ ሰበይቱ ድሕሪ ምፍታሑ: ነቲ ኸም ኣቦ መጠን ዘለዎ ሓላፍነት ምስካም ኣበየ። ኣዲኡ ንዕኡን ንወዱን ክትኣልዮም እዩ ዚደሊ። ንዅሉ እቲ ዝሓተታ እንተ ዘየማሊኣትሉ: ልክዕ ከም ሓደ ስዲ ቘልዓ ተቘጢዑ ይጸርፋ። ኣዲኡ ኸምዚ ኼጋጥማ ኸሎ ትገብሮ እዩ ዚሕርብታ።

እዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ነገራት ዘይተለምደ ኣይኰነን። ሕጋዊ ምፍልላይን ፍትሕን ኣብ ኵሉ ቦታታት ይውስኽ እዩ ዘሎ። ብዙሓት ቈልዑ ገና ብንእስነቶም ሓደ ኻብ ወለዶም ካብኦም ተፈልዩ ኻልእ ናብራ ኺምስርት ይርእዩ ኣለዉ። ገለ መንእሰያት ንኻልኦት ሰባት: እንተላይ ንወለዶም ዝነበሮም ኣኽብሮት ብምሉኡ ኣጥፊኦምዎ እዮም። ቀደም ዘይሕሰብ ዚበሃል ዝነበረ ሕማቕ ተግባራት እውን ይፍጽሙ። ጾታዊ ርክብ ምፍጻም: ሓሽሽ ምውሳድ: መንእሰያት ዚፍጽምዎ መጥቃዕቲ: ከምኡውን ቈልዑ ንመምህራኖም ወይ ንወለዶም ምቕታል ኣብ ብዙሓት ሃገራት ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ኣብዛ ዓለምና ቘልዑ ኣብ ምዕባይን ኣብ ሓዳርን ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ካልእ መዳያት እውን ጸገማት ከም ዘሎ ኣስተብሂልካ ትኸውን ኢኻ።

ነዚ ምዕባለታት እዚ ኽንዕዘብ ከለና: ንሰብኣዊ ሕብረተሰብ ከምዚ ዝገበሮ እንታይ ምዃኑ ይገርመና ይኸውን። ሰባት ብሓቂ ጽቡቕን ሕማቕን ዚፈልጡ እንተደኣ ዀይኖም: ስለምንታይ እዩ ንሓያሎ ጸገማት ፍታሕ ዘይተረኽበሉ፧ ጽቡቕ ምኽሪ የድሊ ድዩ፧ ትውክልቲ ዚግበሮ ጠቓሚ ምኽሪ ኽንረኽበሉ እንኽእል ምንጪ ኣሎዶ፧ ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣምላኽን ኣብቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉን ንኣምን ኢና እኳ እንተ በሉ: እዚ ግን ንውሳነታቶም ኣይጸልዎን እዩ። ካብ ኣምላኽ ምኽሪ ኽንደልን ክንቅበልን ከለና ግን እንታይ ረብሓታት ኢና እንረክብ፧ ነዚ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እስከ ንርኣዮ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስም ተቐዪሩ እዩ።