ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓጐስ ንምርካብ ብሓቂ ዜድሊ ነገራት

ሓጐስ ንምርካብ ብሓቂ ዜድሊ ነገራት

ሓጐስ ንምርካብ ብሓቂ ዜድሊ ነገራት

እቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋን እቲ “ብጹእ [ሕጉስ] በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘለዎ” የሱስ ክርስቶስን ሓጐስ ንምርካብ ብሓቂ እንታይ ከም ዜድሊ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW፣ 6:15) መፍትሕ ሓጐስ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ እንተዀነ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።—ራእይ 1:3፣ 22:7

የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ውሩይ ስብከቱ: ሕጉስ ንምዃን እንታይ ከም ዜድሊ ገሊጹ ኣሎ። እቶም (1) ብመንፈስ ድኻታት ወይ መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ: (2) ዚጕህዩ: (3) ዓቃላት ወይ ለዋሃት: (4) ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን: (5) መሓርቲ: (6) ጽሩያት ልቢ: (7) ገበርቲ ሰላም: (8) ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ: ከምኡውን (9) ምእንቲ የሱስ ዚጽረፉን ዚስጐጉን ዘበሉ “ብጹኣን” ወይ ሕጉሳት ምዃኖም ገለጸ።—ማቴዎስ 5:3-11 a

የሱስ እተዛረቦ ሓሳባት ቅኑዕ ድዩ፧

ገለ ኻብቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት እተወሰነ መግለጺ የድልዮ እዩ። እቶም ብጽሩይ ልቢ ዚድረኹ ዓቃላት: መሓርቲ: ከምኡውን ገበርቲ ሰላም ካብ ሓራቓት: ተበኣስቲ: ከምኡውን ሕሱማት ንላዕሊ ሓጐስ ከም ዚረኽቡ ዚኽሕዶ እሞ መን እዩ፧

እንተዀነ ግን: ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን ወይ ዚጕህዩ ብኸመይ ሕጉሳት ኪበሃሉ ኸም ዚኽእሉ ንሓትት ንኸውን። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ብዛዕባ ዅነታት ዓለም ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። በቲ ኣብዚ ግዜና “ዚግበር ዘሎ ጽያፍ ዚጕህዩን ዚትክዙን” እዮም። (ህዝቅኤል 9:4) እዚ ንባዕሉ እኳ ሓጐስ ዜምጽኣሎም ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ጽድቂ ንምስፋንን ንጭቍናት ፍትሒ ንምውጻእን ዘለዎ ዕላማ ምስ ፈለጡ: ሓጐሶም ደረት የብሉን።—ኢሳይያስ 11:4

ንጽድቂ ፍቕሪ ዘለዎም ሰባት: ብተደጋጋሚ ቕኑዕ ካብ ምግባር ኪሰንፉ ኸለዉ ይጕህዩ እዮም። ስለዚ: መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ይግንዘቡ እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት: ደቅሰብ ድኻሞም ኬሰንፉ ዚኽእሉ ብሓገዝ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ስለ ዚፈልጡ: ካብኡ መምርሒ ንምርካብ ፍቓደኛታት እዮም።—ምሳሌ 16:3, 9፣ 20:24

ዚጕህዩ: ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን: ከምኡውን መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሰባት: ምስ ፈጣሪ ጽቡቕ ርክብ ምህላው ኣገዳሲ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ምስ ሰባት ጽቡቕ ርክብ ምህላው ሓጐስ ዜምጽእ ካብ ኰነ: ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ምህላው ደኣ እሞ ክንደይ ብዝያዳ ሓጐስ ዘየምጽእ! እወ: እቶም ቅኑዕ ዘበለ ዜፍቅሩን ካብ ኣምላኽ መምርሒ ኪቕበሉ ፍቓደኛታት ዚዀኑን ብሓቂ ሕጉሳት ኪበሃሉ ይኽእሉ እዮም።

ይኹን እምበር: ዚስጐጉን ዚጽረፉን ሕጉሳት ኪዀኑ ዘይመስል ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። የሱስ ባዕሉ ኻብ በሎ ግን ሓቂ ኪኸውን ኣለዎ። እምበኣር: ከመይ ጌርና ኢና ነዘን ቃላቱ ኽንርድአን ዘሎና፧

ዚስጐጉ ብኸመይ እዮም ሕጉሳት ኪዀኑ ዚኽእሉ፧

የሱስ ጸርፍን መስጐጕትን ንባዕሉ ሓጐስ ከም ዜምጽእ ኣይተዛረበን። የግዳስ: “ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ: . . . ብጹኣን እዮም። እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን: ብጹኣን ኢኹም” በለ። (ማቴዎስ 5:10, 11) ስለዚ: ሓደ ሰብ ሓጐስ ኪረክብ ዚኽእል ሰዓቢ ክርስቶስ ብምዃኑን በቲ የሱስ ዝመሃሮ ጽድቃዊ ስርዓታት ብምምልላሱን ምስ ዚጽረፍ ጥራይ እዩ።

እዚ ኣብቲ ንቐዳሞት ክርስትያናት ዜጋጠሞም ኵነታት ክርአ ይከኣል እዩ። ኣባላት እቲ ሳንሄድሪን ዚበሃል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ “ንሃዋርያት ጸዊዖም ገረፍዎም: ብስም የሱስ ከይዛረቡ አዚዞም ከኣ ሐደግዎም።” እቶም ሃዋርያት እንታይ ገበሩ፧ “ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ኺሐስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ: ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሐጐሱ ኸዱ። ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 5:40-42፣ 13:50-52

ሃዋርያ ጴጥሮስ “ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም: እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሐድር እዩ እሞ: ብጹኣን [ሕጉሳት] ኢኹም” ብምባል ኣብ መንጎ ጸርፍን ሓጐስን ዘሎ ምትእስሳር ብዝያዳ ኣነጺሩልና ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 4:14) እወ: ከም ክርስትያን መጠን ቅኑዕ ብምግባርካ ስቓይ ኬጋጥመካ ኸሎ: ዋላ እውን እቲ ስቓይ ዜሐጕስ እንተ ዘይኰነ: ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ትረክብ ከም ዘለኻ ብምፍላጥካ ግን ትሕጐስ ኢኻ። መንፈስ ቅዱስ ምስ ሓጐስ ብኸመይ እዩ ዚተኣሳሰር፧

ግብሪ ስጋዶ ወይስ ፍረ መንፈስ፧

ኣምላኽ ነቶም ዚእዘዝዎ ጥራይ እዩ መንፈስ ቅዱሱ ዚህቦም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:32) የሆዋ ነቶም ኣዘውቲሮም “ግብሪ ስጋ” ዚገብሩ መንፈሱ ኣይህቦምን እዩ። እዚ ግብሪ እዚ “ምንዝር: ርኽሰት: ዕብዳን: ኣምልኾ ጣኦት: ጥንቈላ: ጽልኢ: ባእሲ: ቅንኢ: ቊጥዓ: ሻራ: ምፍልላይ: ዝርግርግ: ቅንኣት: ቅትለት: ስኽራን: ጓይላ: ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ።” (ገላትያ 5:19-21) ልክዕ እዩ: ኣብዛ ዓለምና “ግብሪ ስጋ” ኣስፋሕፊሑ እኳ እንተሎ: እቶም ኣዘውቲሮም ከምዚ ዚገብሩ ግን ናይ ሓቅን ነባርን ሓጐስ የብሎምን። ኣብ ክንድኡስ: እዚ ነገር እዚ ምስ ኣዝማድን ፈተውትን እትፈልጦም ሰባትን ዝነበረካ ጽቡቕ ርክብ ዜበላሹ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ቃል ኣምላኽ “እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” ገሊጹ ኣሎ።

ብኣንጻሩ ግን: ኣምላኽ መንፈሱ ነቶም “ፍረ መንፈስ” ዜፍርዩ ይህቦም እዩ። እዚ ፍረ እዚ ዜጠቓልሎ ባህርያት “ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ [“ሰላም:” ትርጕም 1990]: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል [“ርእስኻ ምግታእ:” ትርጕም 1990] እዩ።” (ገላትያ 5:22, 23) ነዚ ባህርያት እዚ ኸነንጸባርቕ ከለና: ምስ ሰባትን ምስ ኣምላኽን ሰላማዊ ርክብ ይህልወና: እዚ ኸኣ ናይ ሓቂ ሓጐስ የምጽእ። (ሳጹን ርአ።) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ፍቕሪ: ለውሃት: ሕያውነት: ከምኡውን ካልእ ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርያት ብምንጽብራቕ: ንየሆዋ ነሐጕሶ: ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ጽድቂ ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ እውን ይህልወና።

ሓጐስ ንኽትረክብ ምርጫ ቐሪቡልካ ኣሎ

ቮልፍጋንግን ብሪግትን ዚበሃሉ ኣብ ጀርመን ዚነብሩ ሰብ ሓዳር: መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ኬጽንዑ ኺጅምሩ ኸለዉ: እቲ ሰባት ሕጉስ ንምዃን የድሊ ዚብልዎ ብዙሕ ስጋዊ ጥሪት ነበሮም። ምሉእ ጥዕና ዝነበሮም መንእሰያት እውን እዮም ነይሮም። ክቡር ክዳውንቲ ይኽደኑን ኣብ እተሰላለመ ቤት ይነብሩን ነበሩ: ጽቡቕ ስራሕ እውን ነበሮም። መብዛሕትኡ ግዜኦም ዝያዳ ስጋዊ ጥሪት ኣብ ምድላብ እዮም ዜውዕልዎ ነይሮም: እዚ ግን ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣየምጽኣሎምን። ድሕሪ ግዜ ግን እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ሓደ ኣገዳሲ ምርጫ ገበሩ። መንፈሳዊ ነገራት ንምስዓብ ዝያዳ ግዜን ጻዕርን ወፈዩ: ብዝያዳ ናብ የሆዋ ዚቐርቡሉ መገዲ ድማ ኣናደዩ። ነዊሕ ከይጸንሑ እቲ ዝገበርዎ ምርጫ ኣብ ኣረኣእያኦም ለውጢ ኣምጽአ: እዚውን ብግዴኡ ህይወቶም ቀሊል ንምግባር ከምኡውን ፓይነራት ማለት ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ንምግልጋል ደረኾም። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቲ ኣብ ጀርመን ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለንተኛታት ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ንወጻእተኛታት ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ምእንቲ ኺምህሩ ሓደ ኣብ እስያ ዚዝረብ ቋንቋ ይመሃሩ ኣለዉ።

እዞም ሰብ ሓዳር እዚኣቶም ናይ ሓቂ ሓጐስ ረኺቦምዶ፧ ቮልፍጋንግ ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “ካብቲ መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ምስዓብ ብዝያዳ ዘተኰርናሉ እዋን ኣትሒዝና ዝያዳ ሓጐስን ዕግበትን ኢና ረኺብና። ንየሆዋ ብምሉእ ልብና ምግልጋል ንሓዳርና ኣደልዲልዎ እዩ። ኣቐድም ኣቢልና ጽቡቕ ሓዳር እኳ እንተ ነበረና: ናብ እተፈላለየ ኣንፈት ዚጐተና ሓላፍነታትን ድሌትን ግን ነይሩና እዩ። ሕጂ ግን ብሓባር ሓደ ሸቶ ኢና እንስዕብ ዘሎና።”

ሓጐስ ንምርካብ እንታይ የድሊ፧

ካብ “ግብሪ ስጋ” ርሓቕ: ናይ ኣምላኽ “ፍረ መንፈስ” ድማ ኣፍሪ። ሓደ ሰብ ሕጉስ ንኪኸውን: ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ንኺህልዎ ባህጊ ኼሕድር ኣለዎ። ነዚ ሸቶ እዚ ኺበጽሖ ዚጽዕር ሰብ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ሕጉሳት ዝዀኑ ሰባት ዝሃቦ መግለጺ ዚበቅዕ እዩ።

ስለዚ: ሓጐስ ክረክብ ኣይክእልን እየ ኢልካ ኣይትደምድም። ሓቂ እዩ: ኣብዚ እዋን እዚ ጥዕና የብልካን ትኸውን ወይ ኣብ ሓዳርካ ጸገማት የጓንፈካ ይህሉ ይኸውን። ምናልባት ክትወልደሉ እትኽእል ግዜ ሓሊፉ ይኸውን ወይ ጽቡቕ ስራሕ ንምርካብ ትቃለስ ትህሉ ትኸውን። ምናልባት እውን ጁባኻ ጐዲላ ትኸውን። ይኹን እምበር: ኣጆኻ ተስፋ ኣይትቝረጽ! መንግስቲ ኣምላኽ ነዝን ንሓያሎ ኻልእ ጸገማትን ክትፈትሖ እያ። እወ: ድሕሪ ሓጺር እዋን የሆዋ ኣምላኽ ነቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “መንግስትኻ መንግስቲ ዘለኣለም እያ: . . . ኢድካ ትኸፍት እሞ: ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ” ብምባል እተዛረቦ መብጽዓ ኺፍጽሞ እዩ። (መዝሙር 145:13, 16) ከምቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ዚምስክርዎ: ነዚ የሆዋ ዝኣተዎ ዜጸናንዕ መብጽዓ ኣብ ኣእምሮኻ ምሓዝ ኣብዚ እዋን እዚ ሓጐስ ኣብ ምምጻእ ዓብዪ እጃም ኣለዎ።—ራእይ 21:3

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዘን ትሽዓተ ነጥብታት ነፍሲ ወከፈን በታ ማካሪይ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቃል እየን ዚጅምራ። ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኰነ ኸም እኒ ዘ ጀሩሳሌም

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሓጐስ ንምርካብ ኣበርክቶ ዚገብር ረቛሒታት

ፍቕሪ ካልኦት ብግዴኦም ንኼፍቅሩኻ ትድርኾም።

ሓጐስ ጸገማት ንምስጋር ዜኽእል ብርታዐ ይህበካ።

ሰላም ምስ ካልኦት ዘሎካ ርክብ ሓርፋፍ ከይከውን ይሕግዘካ።

ዓቕሊ ኣብ ትሕቲ ፈተና እውን ሕጉስ ኴንካ ኽትቅጽል ተኽእለካ።

ለውሃት ካልኦት ናባኻ ንኺሰሓቡ ተኽእለካ።

ሕያውነት እንተ ኣርኢኻ: ሓገዝ ኬድልየካ ኸሎ ሰባት ኪሕግዙኻ እዮም።

እምነት በቲ ኣምላኽ ዚህበካ ፍቕራዊ መምርሒ ኸም እትተኣማመን ትገብረካ።

ህድኣት ናይ ልብን ኣእምሮን ኣካልን ርግኣት ተምጽኣልካ።

ርእስኻ ምግታእ ብዙሕ ጌጋታት ንኸይትገብር ተኽእለካ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ሓጐስ ንምርካብ: ብመንፈስ ዜድልየካ ነገራት ከተማልእ ኣሎካ