ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብፍታው መስዋእቲ ብምኽፋልና ዝረኸብናዮ ዜዕግብን ዜሐጕስን ህይወት

ብፍታው መስዋእቲ ብምኽፋልና ዝረኸብናዮ ዜዕግብን ዜሐጕስን ህይወት

ታሪኽ ህይወት

ብፍታው መስዋእቲ ብምኽፋልና ዝረኸብናዮ ዜዕግብን ዜሐጕስን ህይወት

ማሪያን ዙሚጋን ሮዛ ዙሚጋን ዘዘንተዉዎ

መዝሙር 54:6 “ፈትየ መስዋእቲ ከቕርበልካ . . . እየ” ትብል። እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ፈረንሳ ዚነብሩ ማሪያን ዙሚጋን ብዓልቲ ቤቱ ሮዛን ህይወቶም ኪመርሑለን ጸኒሖም እዮም። ኣብዚ ቐረባ እዋን ካብቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍዎ ነዊሕን ዜሐጕስን ህይወት እተወሰነ ኣገዳሲ እዋናት ኣዘንትዮሙልና እዮም።

ማሪያን:- ወለደይ ካብ ፖላንድ እተሰዱ ሰዓብቲ እምነት ናይ ሮማ ካቶሊክ እዮም ነይሮም። ኣቦይ ትሑት ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ቤት ትምህርቲ ኣትዩ ኣይፈልጥን እዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም: ኣብ ድፋዕ ኰይኑ ምንባብን ምጽሓፍን ተማህረ። ንኣምላኽ ዚፈርህ እኳ እንተ ነበረ: በቲ ቤተ-ክርስትያን እትገብሮ ግን ይጕሂ ነበረ።

ብፍላይ ሓደ ፍጻመ ኻብ ኣእምሮኡ ዝሕከኽ ኣይኰነን። ሓደ መዓልቲ ሓደ ቐሺ ነታ ኣቦይ ዝነበረላ ኣሃዱ ኺበጽሓ ኸደ። ኣብቲ ኸባቢ ተወንጫፊ ምስ ወደቐ: እቲ ቐሺ ሰምቢዱ ነቲ ፈረሱ ብመስቀል እናሃረመ ሃደመ። ኣቦይ: ሓደ “ተወካሊ” ኣምላኽ ነቲ “ቕዱስ” ነገር ከም መህደሚ ገይሩ ኺጥቀመሉ ኸሎ ብምርኣዩ ሰምበደ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታትን እቲ ውግእ ዘስዓቦ ዜስካሕክሕ ነገራትን እኳ እንተ ረኣየ: እታ ኣብ ኣምላኽ ዝነበረቶ እምነት ግን ኣይደኸመትን። ካብቲ ውግእ ብሰላም ኪምለስ ዝኸኣለ ሳላ ኣምላኽ ምዃኑ ብዙሕ ግዜ ይዛረብ ነበረ።

“ንእሽቶ ፖላንድ”

ብ1911 ኣቦይ ኣብ ጐደቦኦም ካብ እትርከብ ቍሸት ኣና ሲሶቪስኪ እትበሃል ጓል ተመርዓወ። ድሕሪ እቲ ውግእ ነዊሕ ከይጸንሐ ብ1919 ኣቦይን ኣደይን ካብ ፖላንድ ናብ ፈረንሳ ተሰዱ። ኣብኡ ድማ ኣቦይ ዓዳኒ ኸሰል ኰይኑ ኺሰርሕ ጀመረ። ኣብ መጋቢት 1926 ኣነ ኣብ ካንያክ-ለ-ሚን እትበሃል ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳ እትርከብ ከተማ ተወለድኩ። ድሕሪኡ: ወለደይ ምስቶም ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ጥቓ ለንስ ኣብ እትርከብ ሎሰ-ን-ጎሀል እትበሃል ቦታ ዚነብሩ ማሕበረ ኮም ፖላንድ ኪነብሩ ጀመሩ። እቲ ሰንካቲ ሕብስቲ ዀነ እቲ ሓራድ ስጋ ዀነ እቲ ቐሺ ፖላንዳውያን ነበሩ። ስለዚ: እዚ ቦታ እዚ ንእሽቶ ፖላንድ እንተ ተባህለ ዜገርም ኣይኰነን። ወለደይ ኣብ ንጥፈታት እቲ ማሕበረሰብ ይሳተፉ ነበሩ። ኣቦይ ብዙሕ ግዜ ተዋስኦ: ሙዚቃ: ከምኡውን መዝሙር ዜጠቓልል ምርኢት የዳሉ ነበረ። ምስቲ ቐሺውን ወትሩ ይመያየጥ ነበረ። እንተዀነ ግን: እቲ ቐሺ ኣዘውቲሩ “ብዙሕ ምስጢር ኣሎ” ዚብል መልሲ ይህቦ ብምንባሩ ኣይዓግብን ነበረ።

ብ1930 ክልተ ኣንስቲ ናብ ቤትና መጻ። እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ኣባላት እቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚፍለጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እየን። ኣቦይ ከኣ ካባታተን ነቲ ንሓያሎ ዓመታት ኬንብቦ ዚደሊ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ተቐበለ። ንሱን ኣደይን ነቲ እተን ኣንስቲ ዝገደፋሎም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ተሃንጥዮም ኣንበብዎ። በቲ ኣብቲ ጽሑፋት ዘንበብዎ ኸኣ ልቦም ተተንከፉ። ብስራሕ ትሑዛት እኳ እንተ ነበሩ: ኣብቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብርዎ ኣኼባታት ኪእከቡ ጀመሩ። ምስቲ ቐሺ ዚገብርዎ ምይይጥ ናብ ክትዕ እናተቐየረ ኸደ እሞ ሓደ መዓልቲ እቲ ቐሺ ምስ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ርክብ እንተ ቐጺሎም: ስቴፋኒ ሓብተይ ካብ ትምህርቲ ሃይማኖት ከም እትስጐጕ ኣጠንቀቖም። ኣቦይ ድማ “በዚ እኳ ኣይትጨነቕ። ድሕሪ ሕጂ ጓለይ ኰነት ካልኦት ደቀይ ናብቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብርዎ ኣኼባ ምሳና ኪኸዱ እዮም” በሎ። ኣቦይ ኣባል ቤተ-ክርስትያን ምዃን ኣቋረጸ: ኣብ መጀመርታ 1932 ከኣ ወለደይ ተጠምቁ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ፈረንሳ 800 ጥራይ ዝዀኑ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነበሩ።

ሮዛ:- ወለደይ ሃንጋርያውያን እዮም ነይሮም: ልክዕ ከም ስድራቤት ማሪያን ከኣ ኣብ ዕደና ኸሰል ንምስራሕ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ኺነብሩ ጀመሩ። ብ1925 ኣነ ተወለድኩ። ብ1937 እውን ኦጒስት ቦይገን ወይ ከምቲ ብልምዲ እንጽውዖ ባባ ኦጒስት ዚበሃል ናይ የሆዋ ምስክር: ንወለደይ ብሃንጋሪኛ ግምቢ ዘብዐኛ ኼምጽኣሎም ጀመረ። እቲ መጽሔታት ይምስጦም እኳ እንተ ነበረ: ዋላ ሓደ ኻብ ወለደይ ግን ናይ የሆዋ ምስክር ኣይኰነን።

ንእሽቶ እኳ እንተ ነበርኩ: በቲ ኣብቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዘንበብክዎ ነገራት ግን ልበይ ተተንከፈ። ሱዛን ቦይገን እትበሃል ሰበይቲ ወዱ ንባባ ኦጒስት ድማ ክትግደሰለይ ጀመረት። ወለደይ እውን ናብ ኣኼባታት ሒዛትኒ ኽትከይድ ፈቐዱላ። ድሕሪ ግዜ ስራሕ ምስ ጀመርኩ: ሰንበት ሰንበት ናብ ኣኼባ ምኻደይ ነቦይ ኣሕረቖ። ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ ጽቡቕ ባህሪ እኳ እንተ ነበሮ: “ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብዚ የለኽን: ሰንበት ሰንበት ከኣ ናብ ኣኼባታት ትኸዲ!” ኢሉ ኣማረረ። ኰይኑ ግን: ናብ ኣኼባታት ኻብ ምኻድ ኣየቋረጽኩን። ስለዚ: ሓደ ምሸት “ርዖኺ ጠቕሊልኪ ውጺ!” ኢሉ ሰጐጐኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጓል 17 ዓመት ነበርኩ: ናበይ ከም ዝኸይድ እውን ሓርበተኒ። እናበኸኹ ናብ እንዳ ሱዛን ከድኩ። ኣቦይ ንሓብተይ ልኢኹ ናብ ቤት ክሳዕ ዚመልሰኒ ኸኣ ንሓደ ሰሙን ኣብ እንዳ ሱዛን ቀነኹ። ብተፈጥሮይ ፈራህ እኳ እንተ ዀንኩ: እቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 4:18 ዚርከብ “ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ” ዚብል ሓሳባት ግን ንኽጸንዕ ኣኽኣለኒ። ብ1942 ከኣ ተጠመቕኩ።

ክቡር መንፈሳዊ ውርሲ

ማሪያን:- ብ1942 እየ ተጠሚቐ: ስቴፋኒን መላኒን ዚበሃላ ኣሓተይን ስቴፋን ዚበሃል ሓወይን እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ተጠምቁ። ናብራ ስድራቤትና ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘተኰረ ነበረ። ኵላትና ኣብ ዙርያ እቲ ሰደቓ ኾፍ ንብል እሞ ኣቦይ ብፖላንድኛ መጽሓፍ ቅዱስ የንብበልና ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ ምሸት ምሸት ወለድና ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዜጋጠሞም ተመክሮታት የዘንትዉልና ነበሩ። እዚ ብመንፈስ ዜተባብዕ እዋናት ንየሆዋ ኸነፍቅሮን ብዝያዳ ኣብኡ ኽንጽጋዕን እዩ ምሂሩና። ኣቦይ ጥዕና ብምስኣኑ ስራሕ ኣቋረጸ: ብመንፈስ ኰነ ብስጋ ዜድልየና ኻብ ምምላእ ግን ኣይሰነፈን።

ኣቦይ ዝያዳ ግዜ ስለ ዝነበሮ: ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ነቶም ኣብ ጉባኤና ዝነበርና መንእሰያት ብፖላንድኛ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሓልና ነበረ። ኣብኡ ኸኣ ፖላንድኛ ምንባብ ተማሃርኩ። ኣቦይ ነቶም መንእሰያት ዘበልና ብኻልእ መገድታት እውን ኣተባቢዑና እዩ። ሓደ ግዜ እቲ ኣብ ፈረንሳ ንዚግበር ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚኣሊ ዝነበረ ሓው ጉስታቭ ሶፕፈር ንጉባኤና ኺበጽሓ ምስ መጸ: ኣቦይ ዘመርቲ ኣዳለወ: ኣብቲ ንጉስ ቤልሻጽር ዝገበሮ ድግስን ኣብ መንደቕ ዝጸሓፈት ኢድን ዜተኵር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድራማ ኣዳለወ። (ዳንኤል 5:1-31) እቲ ጸኒሑ ኣብ ትሕቲ ናዚ ጽኑዕ ኣቕዋሙ ዘይቀየረ ሉዊ ፒሆታ: ዳንኤል ኰይኑ ተዋስአ። a ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኢና ዓቢና። ወለድና ብመንፈሳዊ ነገራት ትሑዛት ኰይኖም ንርእዮም ነበርና። ወለደይ ክሳዕ ክንደይ ክቡር ውርሲ ኸም ዝሓደጉለይ ሕጂ እዩ ተረዲኡኒ።

ብ1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተባርዐ: ኣብ ፈረንሳ ስብከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣገደ። ሓደ እዋን ኣብ ቍሸትና ፍተሻ ተገብረ። ኵሉ ኣባይቲ ብወተሃደራት ጀርመን ተኸበ። ኣቦይ ኣብ ትሕቲ ኸብሕና መሕብኢ ኣዳልዩ ነበረ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሰረተ እተፈላለየ ጽሑፋት ድማ ኣብኡ ንሓብኦ ነበርና። እተወሰነ ቕዳሓት እታ ፋሺዝም ኦር ፍሪደም ዘርእስታ ጽሕፍቲ ግን ኣብ ተመዛዚ እቲ ኣብ መመገቢ ኽፍልና ዚርከብ ሰደቓ ነበረት። ኣቦይ ብኡንብኡ ኣብ ጁባ እቲ ኣብ ኮሪደር ዝነበረ ጃኬት ሓብኦ። ክልተ ወተሃደራትን ሓደ ኣባል ፖሊስ ፈረንሳን ኣብ ቤትና ኺፍትሹ ኸለዉ ብጭንቀት ንዕዘቦም ነበርና። ሓደ ኻብቶም ወተሃደራት ነቲ ኣብ ኮሪደር ተንጠልጢሉ ዝነበረ ኽዳውንቲ ኺፍትሾ ጀመረ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ነተን ጽሑፋት ኣብ ኢዱ ሒዙ ናብቲ ንሕና ዝነበርናሉ ኽሽነ መጸ። ኣተኲሩ ጠመተና እሞ ነቲ ጽሑፋት ኣብቲ ሰደቓ ኣቐሚጡ ፍተሻኡ ቐጸለ። ብኡንብኡ ነቲ ጽሑፋት ኣልዒለ: ኣብ ሓደ እቶም ወተሃደራት ኣቐዲሞም ዝፈተሽዎ ተመዛዚ ኣእተኽዎ። እቲ ወተሃደር እተን ጽሑፋት ኣበይ ከም ዘለዋ ኣይሓተተናን: ፈጺሙ ዝረስዐን እዩ ዚመስል ነይሩ!

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምጅማር

ብ1948 ፓይነር ብምዃን ብምሉእ ግዜይ ንየሆዋ ኼገልግሎ ወሰንኩ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ካብቲ ኣብ ፈረንሳ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደብዳበ መጸትኒ። እታ ደብዳበ ኸኣ ኣብ ጥቓ ቤልጅዩም ኣብ እትርከብ ጉባኤ ሲዳን ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ከም እተመደብኩ እትገልጽ ነበረት። ወለደይ በዚ መገዲ እዚ ንየሆዋ ኸም ዘገልግሎ ምስ ረኣዩ ተሓጐሱ። ኣቦይ ግን ፓይነር ኴንኳ ምግልጋል ቀሊል ዘይኰነስ ከቢድ ዕዮ ምዃኑ ሓበረኒ። እንተዀን ግን: ቤቱ ዅሉ ሳዕ ንዓይ ክፉት ምዃኑ: ጸገማት እንተ ኣጋጢሙኒ እውን ኪሕግዘኒ ድሉው ምዃኑ ነገረኒ። ወለደይ ብዙሕ ገንዘብ እኳ እንተ ዘይነበሮም: ሓዳስ ብሽክለታ ዓደጉለይ። እታ ብሽክለታ እተዓደገትላ ናይ ቅብሊት ወረቐት ክሳዕ ሕጂ ምሳይ ኣላ: ክርእያ ኸለኹ ኣዒንተይ ቅጽርጽር እዩ ዚብል። ኣቦይን ኣደይን ብ1961 ሞቱ: እቲ ኣቦይ እተዛረቦ ጥበባዊ ቓላት ግን ክሳዕ ሕጂ ኣብ እዝነይ የቃልሕ እዩ። ኣብ ኵሉ እቲ ዘገልግለሉ ዝነበርኩ ዓመታት የተባብዓንን የጸናንዓንን ነበረ።

ኣብ ጉባኤ ሲዳን እትርከብ ኤሊዚ ሞት እትበሃል 75 ዓመት ዝዕድሜኣ ክርስትያን ሓብቲ እውን ካልእ ምንጪ ምትብባዕ ዝዀነትኒ እያ ነይራ። ኣብ ክረምቲ ንስብከት ብብሽክለታይ ገይረ ናብቲ ርሕቕ ኢሉ ዚርከብ ኣቝሻት እኸይድ: ኤሊዚ ኸኣ ብባቡር ገይራ ናብኡ ትመጸኒ ነበረት። ይኹን እምበር: ሓደ መዓልቲ እቶም ሰራሕተኛታት ባቡር ኣደሙ: ኤሊዚ ድማ ናብ ቤታ እትምለሰሉ መገዲ ኣይነበራን። ሽዑ ዝረኸብክዎ እንኮ መፍትሒ ኣብቲ ናይ ብሽክለታይ መጽዓኒ ኣቕሓ ኣጐራቢተ ናብ ቤታ ምብጻሕ እዩ ነይሩ። እዚውን ምሹእ ኣይነበረን። ንጽብሒቱ መተርኣስ ሒዘ መጺአ ንኤልሲ ናብ ቤታ ሒዘያ ኸድኩ። ድሕሪኡ ባቡር ገይራ ምኻድ ገደፈቶ: በቲ ዝቘጠበቶ ገንዘብ ድማ ኣብ እዋን ምሳሕ ንኽልቴና ውዑይ ዚስተ ነገር ክትዕድግ ከኣለት። ብሽክለታይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኽትከውንሲ መን እሞ እዩ ዚሓስቦ፧

ተወሳኺ ሓላፍነታት

ብ1950 ናይ ብምሉኡ ሰሜናዊ ፈረንሳ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ሕቶ ቐረበለይ። ወዲ 23 ዓመት ስለ ዝነበርኩ: ፈለማ ፈሪሀ እየ። እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እተጋገየ መሰለኒ። ‘ነዚ ዕዮ እዚ ንምፍጻም መንፈሳዊ ዀነ ኣካላዊ ብቕዓት ኣሎኒዶ፧ ኣብ ሰሰሙን ኣብ እተፈላለየ ቤት እናሓደርኩ ብኸመይ እየ ዝኽእሎ፧’ ዚብል ሓያሎ ሕቶታት መጸኒ። ኣብ ርእሲ እዚውን ካብ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ኣትሒዘ ኣብ ዓይነይ ሕማም ኣጋጢሙኒ ስለ ዝነበረ: ዓይነይ ሓውሊሉ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ካልኦት ከመይ ከም ዚስምዖም ካብ ዘሎኒ ስክፍታ እተላዕለ ወትሩ እሽቝረር ነበርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ስተፋን በሁኒክ ዚበሃል ካብቲ ንሚስዮናውያን ዜሰልጥን ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቐ ሓው ብዙሕ ሓገዘኒ። ሓው በሁኒክ ብምኽንያት ስብከቱ ኻብ ፖላንድ ምስ ተጠረዘ: ናብ ፈረንሳ ተመደበ። ትብዓቱ ብሓቂ እዩ ልበይ ተንኪፉኒ። ንየሆዋን ንሓቅን ዓሚቝ ኣኽብሮት ነበሮ። ገሊኦም ሰባት ንዓይ የኽብደለይ ከም ዘሎ ይመስሎም ነበረ: እንተዀነ ግን ካብኡ ብዙሕ እየ ተማሂረ። ትብዓቱ ምትእምማን ከሕድር ሓገዘኒ።

ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ምግልጋለይ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዜደንቕ ተመክሮታት ንኽረክብ ኣኽኢሉኒ እዩ። ብ1953 ንሓደ ሚስተር ፓኦሊ ዚበሃል ካብ ፓሪስ ብሸነኽ ደቡብ ዚነብር ግምቢ ዘብዐኛ ብዅንትራት ዚበጽሖ ሰብኣይ ክበጽሖ ተለኣኽኩ። ምስቲ ሰብኣይ ምስ ተራኸብኩ: ካብ ውትህድርና እተሰናበተ ምዃኑን ንመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈትዋን ፈለጥኩ። ብዛዕባ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝወጸት ሓንቲ ዓንቀጽ ምስ ኣንበበ: በይኑ በዓል ዝኽሪ ኸም ዘብዓለን ብድሕሪኡ ምሉእ ምሸት መዝሙር ዳዊት ኣብ ምንባብ ከም ዘሕለፎን ነገረኒ። ዳርጋ ምሉእ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ምይይጥ ኢና ኣሕሊፍናዮ። ቅድሚ ምኻደይ: ብዛዕባ ጥምቀት እውን ኣሕጽር ኣቢልና ተዘራሪብና ኔርና። ጸኒሐ ኣብቲ ኣብ መጀመርታ 1954 ዝገበርናዮ ናይ ወረዳ ኣኼባ ኺእከብ ዕድመ ሰደድኩሉ። ናብቲ ኣኼባ መጸ: ሓደ ኻብቶም ኣብኡ እተጠምቁ 26 ሰባት እውን ነበረ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት ምንጪ ሓጐስ ኰይኑኒ እዩ።

ሮዛ:- ኣብ ጥቅምቲ 1948 ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ኣብ ጥቓ በልጅዩም ኣብ እትርከብ ከተማ ኣኖር ድሕሪ ምግልጋል: ምስ ኢሪን ኮላንስኪ (ሕጂ ኢሪን ለርዋ) እትበሃል ፓይነር ናብ ፓሪስ ተመደብኩ። ሰይንት-ዠርመን-ደ-ፐረ ዚበሃል ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ኣብ ዚርከብ ገዛውቲ: ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኽፍሊ ንነብር ነበርና። ሃገረ-ሰብ ብምንባረይ: ምስቶም ተቐማጦ ፓሪስ ብምውድዳር ዝተሓትኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ኵሎም እተራቐቑን በላሕትን ገይረ እርእዮም ነበርኩ። እንተዀነ ግን: ክሰብኽ ምስ ጀመርኩ ኻብ ካልኦት ሰባት እተፈልዩ ዘይምዃኖም ፈለጥኩ። መብዛሕትኡ ግዜ ዘብዐኛታት የባርሩና ነበሩ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር እውን ከቢድ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን: ገለ ሰባት ነቲ መልእኽትና ተቐበልዎ።

ብ1951 ናይ ወረዳ ኣኼባ ኽንገብር ከለና: ኣነን ኢሪንን ፓይነር ኴንካ ብዛዕባ ምግልጋል ቃለ-መጠይቕ ተገብረልና። እቲ ቓለ-መጠይቕ ዝገበረልና መን ይመስለኩም፧ ማሪያን ዙሚጋ ዚበሃል መንእሰይ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ እዩ ነይሩ። ቅድሚ እቲ እዋን እቲ ሓንሳእ ጥራይ ኢና ምስኡ ተራኺብና: ድሕሪ እቲ ኣኼባ ግን ክንጸሓሓፍ ጀመርና። ኣነን ማሪያንን ብዙሕ ዜመሳስለና ነገራት ኣሎና። ኣብ ሓደ ዓመት ተጠመቕና: ኣብ ሓደ ዓመት እውን ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል ጀሚርና። ልዕሊ ዅሉ ግን ክልቴና ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንቅጽል ኢና ንደሊ ኔርና። ስለዚ: ነዚ ብጸሎት ድሕሪ ምሕሳብ ብ31 ሓምለ 1956 ተመርዓና። ነዚ ስጕምቲ እዚ ምስ ወሰድኩ: ሓድሽ ዓይነት ህይወት እየ ጀሚረ። ንማርያን ሰበይቱ ምዃን ጥራይ ዘይኰነስ: ናብተን ዚበጽሐን ጉባኤታት ኣሰንየዮ ምኻድ እውን ክለምዶ ነበረኒ። እዚ ኸኣ ኣብ ሰሰሙን ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ምሕዳር ማለት እዩ። ፈለማ: ኣዝዩ ኸቢዱኒ ነይሩ: ጸኒሐ ግን ብዙሕ ሓጐስ ክረክብ ጀመርኩ።

ዜዕግብ ህይወት

ማሪያን:- ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ንዚግበር ምድላዋት ናይ ምሕጋዝ ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺብና ኢና። ብሕልፊ ብ1966 ኣብ ቦርዶ ዝገበርናዮ ኣኼባ ፍሉይ ተዘክሮ እዩ ገዲፉለይ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ፖርቱጋል ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ንጥፈታት ተኣጊዱ ነይሩ። ስለዚ: እቲ ኣኼባ ነቶም ናብ ፈረንሳ ኺመጹ ዝኸኣሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምጥቃም ተባሂሉ ብፖርቱጋልኛ እውን ቀረበ። በማእታት ዚቝጸሩ ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ካብ ፖርቱጋል መጹ: ኣበይ ከም እነዕርፎም ግን ሓርበተና። እቶም ኣብ ቦርዶ ዝነበሩ ኣሕዋት ኣብ ኣባይቶም እኹል ክፍልታት ስለ ዘይነበሮም: ሓደ ሲነማ ተኻሪና ኸም መደቀሲ ኣደራሽ ጌርና ተጠቐምናሉ። ንዅሉ እቲ ኾፍ መበሊ ኣልዓልናዮ: ኣብቲ መድረኽ ዝነበረ መጋረጃ ድማ ነቲ ኣደራሽ ኣብ ክልተ መቒልና እቲ ሓደ ንኣሓት: እቲ ሓደ ኸኣ ነሕዋት ዚኸውን መደቀሲ ኣደራሻት ንምግባር ተጠቐምናሉ። መሕጸቢ ነብስን መሕጸቢ ኢድን ገጠምናሉ: ኣብቲ ብስሚንቶ እተለሰነ ባይታ ሓሰር ኣንጸፍናሉ: ብቴንዳ ጌርና ድማ ሸፈንናዮ። ኵላቶም በቲ እተገብረ ምድላዋት ተሓጐሱ።

ኣኼባ መምስ ተወድአ: ነቶም ኣብቲ መደቀሲ ኣደራሽ ዝነበሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንበጽሖም ነበርና። ብሓቂ ባህ ዜብል ሃዋሁ እዩ ነይሩ። ንሓያሎ ዓመታት ምጽራር ኣናኣጋጠሞም ዘሕለፍዎ ተመክሮታት ምስ ነገሩና: ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ተተባቢዕና! እቲ ኣኼባ ተዛዚሙ ናብ ዓዶም ኪምለሱ ኸለዉ: ኵላትና ንብዓት እዩ ስዒሩና።

ካብዚ ኽልተ ዓመት ዚኸውን ኣቐዲሙ: ማለት ብ1964 ድማ ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል ጻውዒት ቀረበለይ። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ነቲ ዕዮ እኽእሎ እንተ ዀይነ ሓሰብኩ። እንተዀነ ግን: ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ነቲ ዕዮ ክቕበሎ ኻብ ሓተቱኒ: ይኽእሎ እዩ ኢሎም ሓሲቦም ኪዀኑ ኣለዎም ኢለ ንርእሰይ ኣእመንኩ። ምስ ካልኦት ገየሽቲ ተዓዘብቲ ብቐረባ ምዕያይ ባህ ዜብል ተመክሮ እዩ። ካባታቶም ብዙሕ እየ ተማሂረ። መብዛሕትኦም ብትዕግስትን ዘይምሕላልን ዝመጸ ናይ ሓቂ ኣብነት እዮም። የሆዋ ነዘን ባህርያት እዚኣተን ከኣ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየን። ብትዕግስቲ እንተ ተጸቢና: የሆዋ ብኸመይ ከም ዚጥቀመልና ይፈልጥ ምዃኑ ተገንዘብኩ።

ብ1982 እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ነቶም ኣብ ቡሎን-ቢያንኩር ዚበሃል ኣብ ወሰን ፓሪስ ዚርከብ ገዛውቲ ዚነብሩ 12 ፖላንዳውያን ኣሕዋት ክንሕግዞም ሓተተና። እዚ ፈጺምና ኣይተጸበናዮን። ብፖላንድኛ ቲኦክራሲያዊ ቓላት እፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ: ምሉእ ሓሳባት ንምግላጽ ግን ይኸብደኒ ነበረ። እንተዀነ ግን: እቶም ኣሕዋት ሕያዎትን ዚተሓባበሩን ብምንባሮም ብዙሕ እዮም ሓጊዞምኒ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብታ ጉባኤ እቲኣ ዳርጋ 60 ዝዀኑ ፓይነራት ዚርከብዎም 170 ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ኣለዉ። ጸኒሕና: ኣነን ሮዛን ኣብ ኦስትርያን ዴንማርክን ጀርመንን ዚርከብ ጕጅለታትን ጉባኤታትን ፖላንድኛ በጺሕና ኢና።

ከቢድ ኵነታት

እተፈላለያ ጉባኤታት ምብጻሕ ውራይና ኢልና ሒዝናዮ እኳ እንተ ነበርና: ጥዕና እናሰኣንኩ ስለ ዝኸድኩ ግን ብ2001 ገያሺ ተዓዛቢ ዀይነ ምግልጋል ኣቋረጽኩ። ኣብታ ሩት ሓብተይ እትነብረላ ኸተማ ፒቲቭየ ሓደ ኣፓርታማ ረኸብና። እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብሕያውነት ከም ዓቕምና ጥራይ እናኣገልገልና ፍሉያት ፓይነራት ኴንና ኽንቅጽል መዘዘና።

ሮዛ:- እታ ብዓል ቤተይ ገያሺ ተዓዛቢ ዀይኑ ምግልጋል ዘቋረጸላ ናይ መጀመርታ ዓመት: ኣመና እያ ኸቢዳትኒ ነይራ። ኣዝዩ ዓብዪ ለውጢ ስለ ዝገበርና: ዋጋ ዘይብለይ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ድሕሪኡ ግን ንነብሰይ ‘ነቲ ዘሎኪ ግዜን ጕልበትን ፓይነር ኴንኪ ብምግልጋል ብዚግባእ ክትጥቀምሉ ትኽእሊ ኢኺ’ ኢለ ኣዘኻኸርክዋ። ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ካልኦት ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ፓይነራት ሓቢረ ምግልጋለይ የሐጕሰኒ እዩ።

የሆዋ ዅሉ ሳዕ ይሓልየልና እዩ

ማሪያን:- ኣብ ዝሓለፈ 48 ዓመት ሮዛ ብጸይተይ ምዃና ንየሆዋ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። ኣብ ብምሉኡ እቲ ገያሺ ተዓዛቢ ዀይነ ዘገልገልኩሉ ዓመታት ብዙሕ እያ ደጊፋትኒ። ‘መዓስ ኰን ኢና ኻብዚ መገሻ ዓሪፍና ናይ ርእስና ቤት ዚህልወና፧’ ኢላ ኽትዛረብ ሰሚዐያ ኣይፈልጥን።

ሮዛ:- ሓድሓደ ግዜ ገሊኦም “ልሙድ ህይወት ኣይኰንክን እተሕልፊ ዘሎኺ። ወትሩ ምስ ካልኦት ኢኺ እትነብሪ” ይብሉኒ። ብሓቂ ግን “ልሙድ ህይወት” ዚበሃል እንታይ እዩ፧ መብዛሕትኡ ግዜ ንመንፈሳዊ ንጥፈታትና ዕንቅፋት ብዝዀነ ነገራት ኢና ንርእስና እነጨንቓ። ብሓቂ ዜድልየና ነገር እንተልዩ: ሓደ ጥዑይ ዓራት: ሓደ ሰደቓ: ከምኡውን ሒደት መሰረታዊ ነገራት እዩ። ፓይነራት ስለ ዝዀንና ብስጋ ኣመና ሒደት ጥሪት እኳ እንተ ነበረና: ፍቓድ የሆዋ ንምግባር ዜኽእለና ዅሉ ነገራት ግን ኣሎና። ሓድሓደ ግዜ “ናይ ርእስኺ ቤትን መልዕሎን ዘየብልኪ ስለ ዝዀንኪ: ምስ ኣረግኪ እንታይ ክትገብሪ ኢኺ፧” ዚብል ሕቶ ቐሪቡለይ ነይሩ። ነዚ ንምምላስ ኣብ መዝሙር 34:10 ዚርከብ “ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ ኣይጐድሎምን” ዚብላ ቓላት እየ ዚጠቅስ ነይረ። የሆዋ ወትሩ ይሓልየልና እዩ።

ማሪያን:- ሓቃ እያ። የሆዋ ኻብቲ ዜድልየና ንላዕሊ እውን እዩ ዚህበና። ንኣብነት: ብ1958 ንወረዳና ወኪለ ናብቲ ኣብ ኒው ዮርክ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ክኸይድ ተመረጽኩ። ንሮዛ ዚኸውን ትኬት መኽፈሊ ገንዘብ ግን ኣይነበረናን። ሓደ ምሸት ሓደ ሓው “ኒው ዮርክ” ዚብል እተጻሕፋ ጶስጣ ሃበና። እቲ ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ህያብ ንሮዛ ምሳይ ክትከይድ ኣኽኣላ።

ኣነን ሮዛን በቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዘሕለፍናዮ ዓመታት ዋላ ሓንቲ ኣይንጠዓስን ኢና። ዝጐደለና የብልናን: መሕልፎ እኳ ደኣስ ብዙሕ ነገር ኢና ረኺብና። እወ: ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዕግበትን ሓጐስን ዘለዎ ህይወት ኣሕሊፍና ኢና። የሆዋ ዜደንቕ ኣምላኽ እዩ። ኣብኡ ምሉእ ብምሉእ ምውካል ተማሂርና: ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ እውን እናሓየለት እያ ኸይዳ። ገለ ክርስትያን ኣሕዋትና ምእንቲ ተኣማንነቶም ህይወቶም ከፊሎም እዮም። እዚ ጥራይ ዘይኰነ ግን: ሓደ ሰብ ኣብ ነዊሕ ዓመታት ንህይወቱ በብቕሩብ መስዋእቲ ኺገብራ ኸም ዚኽእል እኣምን እየ። ኣነን ሮዛን ክሳዕ ሕጂ ነዚ ኢና ኽንገብር ጽዒርና: ኣብ መጻኢ እውን ከምኡ ንምግባር ኢና ቘሪጽና ዘሎና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ታሪኽ ህይወት ሉዊ ፒሆታ ኣብታ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1980 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “ካብ ‘ጕዕዞ ሞት’ ደሓንኩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ብ1930 ፍራንስዋ ዙሚጋን ኣና ዙሚጋን ምስ ደቆም ስቴፋኒ: ስቴፋን: መላኒ: ከምኡውን ማሪያን። ማሪያን ኣብ መንበር ደው ኢሉ ኣሎ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ላዕሊ:- ብ1950 ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ እትርከብ ኣርመንቲርስ: ኣብ ዕዳጋ ጽሑፋት ኪዕድሉ ኸለዉ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ እስሊ]

ጸጋም:- ብ1950 ስተፋን በሁኒክ ምስ ማሪያን

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ማሪያንን ሮዛን ቀቅድሚ እታ እተመርዓዉላ መዓልቲ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሮዛ (ብጸጋማይ ጫፍ) ምስታ መገላግልታ ፓይነር ዝነበረት ኢሪን (ካብ ጸጋም ራብዐይቲ) ነቲ ብ1951 እተገብረ ኣኼባ ኼፋልጣ ኸለዋ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብብሽክለታ ይጐዓዙ ነበሩ