ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንተስፋ ምቝራጽ ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧

ንተስፋ ምቝራጽ ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧

ንተስፋ ምቝራጽ ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧

ተስፋ ዝቘረጽካ ዲኻ፧ ኣብዚ ዘየተኣማምንን ህውከት ዝመልኦን ግዜ ብዙሓት ሰባት ተስፋ ይቘርጹ። ገሊኣቶም ስራሕ ስለ ዘይብሎም: ገሊኣቶም ድማ ዘጋጠሞም ሓደጋ ብዜምጽኣሎም ሳዕቤን ተስፋ ይቘርጹ። ገሊኣቶም ከኣ ናይ ስድራቤት ጸገማት: ከቢድ ሕማም: ወይ ጽምዋ ስለ ዜጋጥሞም ዓቕሎም ይጸቦም።

ተስፋ ዝቘረጽካ እንተደኣ ዄንካ: ካበይ ኢኻ ሓገዝ ክትረክብ እትኽእል፧ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሚልዮናት ሰባት ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባቦም ምጽንናዕ ረኺቦም እዮም። ንሳቶም በተን “ኣምላኽ: ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ: ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን: ይባረኽ: . . . ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ” ዚብላ ቓላት ሃዋርያ ጳውሎስ ይጸናንዑ እዮም። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4) ንስኻኸ ነዚኣን ንኻልኦት ጥቕስታትን ንምንታይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስካ ዘይተንብበን፧ ከምዚ ምግባር ‘ኬጸናንዓካን ኬበርተዓካን’ እዩ።—2 ተሰሎንቄ 2:17

ምስቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ ብምሕባር እውን ንተስፋ ምቝራጽ ክንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና። ምሳሌ 12:25 “እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ: ሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ” ትብል። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምስ እንእከብ “ንነፍሲ ጥዑምን ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና” ዝዀነ “ሰናይ ቃል” ኢና እንሰምዕ። (ምሳሌ 16:24) ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር ኣኼባ ተኣኪብካ: እቲ ኣኼባ ኽሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ምዃኑ ንምንታይ ባዕልኻ ዘይትርኢ፧

ጸሎት ሓይሊ ስለ ዘለዎ: ምጽላይ እውን ሓገዝ ኪዀነካ እዩ። ናብራኻ ዜጨንቐካ እንተደኣ ዀይኑ: ናይ ውሽጢ ስምዒትካ ነቲ ‘ሰማዕ ጸሎት’ ንገሮ። (መዝሙር 65:2) እቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ካባና ንላዕሊ ገይሩ እዩ ዚርድኣና። ከም ዚሕግዘና ድማ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ቃሉ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን” ኢሉ የተስፉ። (መዝሙር 55:22) እወ: “እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ” እዩ።—ኢሳይያስ 40:31

የሆዋ ኣምላኽ ንተስፋ ምቝራጽ ንኽንዋጻኣሉ ዜድልየና ሓገዝ ኣዳልዩልና እዩ። እሞኸ ክትጥቀመሉ ዲኻ፧