ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ “ብሓደ ኣፍ” ክብሪ ሃብዎ

ንኣምላኽ “ብሓደ ኣፍ” ክብሪ ሃብዎ

ንኣምላኽ “ብሓደ ኣፍ” ክብሪ ሃብዎ

“ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ: ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ [ኣኽብርዎ]።”—ሮሜ 15:6

1. ጳውሎስ እተፈላለየ ኣረኣእያ ብኸመይ ኪተሓዝ ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ ንክርስትያናት ብጾቱ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዝሃቦም፧

 ኵሎም ክርስትያናት ሓደ ዓይነት ምርጫ ኣይኰነን ዘለዎም። ይኹን እምበር: ኵሎም ክርስትያናት ብሓባር ኣብ መገዲ ህይወት ኪመላለሱ ኣለዎም። እዚ ይከኣል ድዩ፧ ንንኣሽቱ ጕዳያት እንተ ዘየኽቢድናዮ: እወ ይከኣል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብጾቱ እዚ ትምህርቲ እዚ እዩ ኣካፊልዎም። ነዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ብኸመይ ገሊጽዎ፧ ነቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተዋህበ ማዕዳኡኸ ኣብዚ ግዜና ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንኽእል፧

ኣገዳስነት ክርስትያናዊ ሓድነት

2. ጳውሎስ ሓድነት ከም ዜድሊ ብኸመይ እዩ ዘጕልሐ፧

2 ጳውሎስ ክርስትያናዊ ሓድነት ኣገዳሲ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ: ክርስትያናት ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺጸዋወሩ ድማ ጽቡቕ ማዕዳ ሃቦም። (ኤፌሶን 4:1-3፣ ቈሎሴ 3:12-14) ይኹን እምበር: ሓያሎ ጉባኤታት ድሕሪ ምምስራቱን ንልዕሊ 20 ዓመት ንኻልኦት ጉባኤታት ድሕሪ ምብጻሑን: ሓድነትካ ዓቂብካ ምንባር ከቢድ ምዃኑ ፈለጠ። (1 ቈረንቶስ 1:11-13፣ ገላትያ 2:11-14) ስለዚ: ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ብጾቱ “ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ: ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ: ምእንቲ ኸተኽብሩስ: እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ . . . ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩም” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ሮሜ 15:5, 6) ሎሚ: ንሕናውን ብተመሳሳሊ ኸም ሓድነት ዘለዎም ህዝቡ መጠን ንየሆዋ ኣምላኽ “ብሓደ ኣፍ” ከነኽብሮ ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ ኸመይ ኢና፧

3, 4. (ሀ) ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ እተፈላለየ መበቈል ነበሮም፧ (ለ) ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ንየሆዋ “ብሓደ ኣፍ” ኬገልግልዎ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

3 ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ብዙሓት ክርስትያናት ፈተውቲ ጳውሎስ እዮም ነይሮም። (ሮሜ 16:3-16) እተፈላለየ መበቈል ዘለዎም እኳ እንተ ነበሩ: ጳውሎስ ንዅሎም ኣሕዋቱ ኸም “ፍቁራት ኣምላኽ” ገይሩ እዩ ተቐቢልዎም። “እምነትኩም ኣብ ኵላ ዓለም ስለ እተወርየት: ቅድሚ ዅሉ ብዛዕባ ዅላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ ኤመስግኖ አሎኹ” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። ሰብ ሮሜ ብብዙሕ መገዲ ኣብነታውያን ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። (ሮሜ 1:7, 8፣ 15:14) ኣብቲ ግዜ እቲ ግን እተወሰኑ ኣባላት እታ ጉባኤ ኣብ ገሊኡ መዳያት በበይኑ ኣረኣእያ ነበሮም። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ካብ እተፈላለየ መበቈልን ባህልን እተኣኻኸቡ ስለ ዝዀኑ: ነቲ ፍልልያት ብኸመይ ኪፍታሕ ከም ዘለዎ ዚገልጽ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ዝሃቦ ማዕዳ ምጽንዖም: “ብሓደ ኣፍ” ንምዝራብ ኪሕግዞም ይኽእል እዩ።

4 ኣብ ሮሜ ኻብ ኣይሁድን ካብ ኣህዛብን ክርስትያናት ዝዀኑ ነይሮም። (ሮሜ 4:1፣ 11:13) ገሊኦም ኣይሁድ ክርስትያናት እቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዚሕልዉዎ ዝነበሩ እተወሰነ ልምድታት ንድሕነት ኣድላዪ ዘይምዃኑ ኺግንዘቡ ዚግባእ እኳ እንተ ነበረ: ካብ ምሕላዉ ኼቋርጹ ግን ኣይከኣሉን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ሓያሎ ኣይሁድ ክርስትያናት መስዋእቲ ክርስቶስ ካብቲ ክርስትያናት ቅድሚ ምዃኖም ዝነበሮም ቀይድታት ሓራ ኸም ዘውጽኦም ኣሚኖም ተቐቢሎምዎ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ንገለ ኻብቲ ልምድታቶም ቀየሩ። (ገላትያ 4:8-11) ኰይኑ ግን: ከምቲ ጳውሎስ ዝጠቐሶ: ኵላቶም “ፍቁራት ኣምላኽ” እዮም ነይሮም። ኣብ ንሓድሕዶም ሰናይ ኣረኣእያ እንተ ሒዞም: ኵላቶም ንኣምላኽ “ብሓደ ኣፍ” ኪውድስዎ ኣጋጣሚ ነበሮም። ንሕናውን ኣብ እተወሰነ መዳያት እተፈላለየ ኣረኣእያ ኺህልወና ስለ ዚኽእል: ጳውሎስ ነቲ ኣገዳሲ መሰረታዊ ስርዓት ብኸመይ ከም ዝገለጾ ኽንምርምር ይግባእ።—ሮሜ 15:4

“ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ”

5, 6. ኣብታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ጉባኤ እተፈላለየ ኣረኣእያታት ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

5 ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ: ብዛዕባ በበይኑ ምርጫ ዚህልዎም መዳይ ኪዛረብ ከሎ: “ኵሉ ምብላዕ ከም እተፈቐደሉ ዚአምን አሎ: እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕ” ኢሉ ጸሓፈ። ስለምንታይ እዩ እዚ ፍልልይ ተፈጢሩ፧ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ስጋ ሓሰማ ምብላዕ ኣይፍቀድን እዩ ነይሩ። (ሮሜ 14:2፣ ዘሌዋውያን 11:7) እንተዀነ ግን: እቲ ሕጊ እቲ ድሕሪ ሞት የሱስ ይዓዪ ኣይነበረን። (ኤፌሶን 2:15) የሱስ ድሕሪ ሙማቱ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዚኸውን ጸኒሑ: ሓደ መልኣኽ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝዀነ ይኹን ምግቢ ርኹስ ከም ዘይኰነ ነገሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:7-12) ነዚ ረቛሒታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ገሊኦም ኣይሁድ ክርስትያናት ስጋ ሓሰማ ወይ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ኽልኩል ዝነበረ ኻልእ ምግቢ ኺበልዑ ኸም ዚኽእሉ ተሰሚዕዎም ይኸውን።

6 ይኹን እምበር: ገሊኦም ኣይሁድ ክርስትያናት ነቲ ኣቐዲሙ ርኹስ ዝነበረ ምግቢ ብዛዕባ ምብላዕ ኪሓስቡ ኸለዉ ጥራይ እኳ ይጽልኦም ነይሩ ይኸውን። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ተኣፈፍቲ ሰባት ነቶም ብክርስቶስ ኣሕዋቶም ዝዀኑ ኣይሁድ ከምዚ ዝኣመሰለ ምግቢ ኺበልዑ ምስ ረኣዩዎም: ነቲ ጕዳይ ኣዕሚቖም ከይሓሰቡሉ ጸሊኦምዎም ይዀኑ። ብዘይካዚውን ንኣመጋግባ ዚምልከት ቀይድታት ዘይነበሮም ገሊኦም ኣህዛብ ክርስትያናት: ንምንታይ ገሊኦም ክርስትያናት ብምግቢ ኸም ዚማጐቱ ገሪምዎም ይኸውን። ሓደ ሰብ ገሊኡ ምግቢ ዘይምብላዕ ድሕነት የምጽእ ኢሉ ኽሳዕ ዘይተማጐተ: ገሊኡ ምግቢ ኺሕረም ጌጋ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: እዚ እተፈላለየ ኣረኣእያ ኣብታ ጉባኤ ብቐሊሉ ኽርክር ኣበጊሱ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልልያት ንኣምላኽ “ብሓደ ኣፍ” ክብሪ ኻብ ምሃብ ከይዓግቶም ኪጥንቀቑ ነበሮም።

7. ኣብ ሰሰሙን ፍልይቲ መዓልቲ ብዛዕባ ምኽባር ዝመጸ እንታይ እተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ነይሩ፧

7 ጳውሎስ “እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ: እቲ ሓደ ግና ንዅላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን” ብምባል እውን ካልኣይ ኣብነት ሃበ። (ሮሜ 14:5ሀ) ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ብመዓልቲ ሰንበት ዕዮ ኺዕየ ኣየነበሮን። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ዚግበር ጕዕዞ እውን ቀይድታት ነይሩ እዩ። (ዘጸኣት 20:8-10፣ ማቴዎስ 24:20፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:12) እቲ ሕጊ ምስ ፈረሰ ግን እዚ ቐይድታት እዚ ኣብቅዐ። ይኹን እምበር: ገሊኦም ኣይሁድ ክርስትያናት ኣብታ ኣቐዲሞም ቅድስቲ ገይሮም ዚርእይዋ ዝነበሩ መዓልቲ ዕዮ ኺዓዩ ወይ ነዊሕ መገሻ ኺገሹ ይኸብዶም ነይሩ ይኸውን። በረኣእያ ኣምላኽ ሕጊ ሰንበት ፈሪሱ እኳ እንተ ነበረ: ክርስትያናት ምስ ኰኑ እውን ነታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ጥራይ ይውስንዋ ነይሮም ይዀኑ። ከምዚ ምግባሮም ጌጋ ድዩ ነይሩ፧ ኣምላኽ ሰንበት ክንሕሉ ኸም ዚደልየና ገይሮም ንኻልኦት ጸቕጢ እንተ ዘይገይሮም: ጌጋ ኣይገበሩን። ስለዚ: ጳውሎስ ንሕልና ክርስትያናት ኣሕዋቱ ኻብ ዘለዎ ኣኽብሮት ተበጊሱ: “ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን” ኢሉ ጸሓፈሎም።—ሮሜ 14:5ለ

8. ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ንሕልና ኻልኦት ኬኽብሩ እኳ እንተለዎም: እንታይ ኪገብሩ ግን እዩ ዘይነበሮም፧

8 ይኹን እምበር: ጳውሎስ ነሕዋቱ ምስቶም ምስ ሕልናኦም ዚቃለሱ ዘበሉ ኣብ ዘለዎም ርክብ ትዕግስቲ ኺገብሩ ኼተባብዖም ከሎ: ነቶም ንክርስትያናት ብጾቶም ንምድሓን ሕጊ ሙሴ ኬኽብሩ ኸም ዘለዎም ጸቕጢ ዚገብሩ ግን ኣትሪሩ ዀነኖም። ንኣብነት: ብ61 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ናብ እብራውያን መልእኽቲ ጸሓፈ። እዛ መልእኽቲ እዚኣ ክርስትያናት ኣብ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ እተመስረተ ዝበለጸ ተስፋ ስለ ዘለዎም: ንሕጊ ሙሴ ምሕላው ዋጋ ኸም ዘይብሉ ብንጹር ዚገልጽ ሓያል መልእኽቲ ዝሓዘት እያ ነይራ።—ገላትያ 5:1-12፣ ቲቶስ 1:10, 11፣ እብራውያን 10:1-17

9, 10. ክርስትያናት እንታይ እዮም ኪገብሩ ዘይግባእ፧ ግለጽ።

9 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ ንጹር ክርስትያናዊ ስርዓት ክሳዕ ዘይተጣሕሰ እተፈላለየ ምርጫታት ምግባር ንሓድነት ኣብ ሓደጋ ኼእትዎ ኸም ዘይግባእ ጳውሎስ ገሊጹ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቶም ድኹም ሕልና ዘለዎም ክርስትያናት “ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧” ኢሉ ሓተቶም። ነቶም ብርቱዕ ሕልና ዘለዎም ከኣ (ምናልባት ነቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ኽልኩል ዝነበረ ምግቢ ኺበልዑ ወይ ብመዓልቲ ሰንበት ዓለማዊ ዕዮ ኺዓዩ ሕልናኦም ዜፍቅደሎም ዘበሉ) “ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧” ኢሉ ሓተቶም። (ሮሜ 14:10) እቶም ድኹም ሕልና ዘለዎም ክርስትያናት ነቶም ዝሰፍሐ ኣረኣእያ ዘለዎም ኣሕዋቶም ኪዅንኑ ኸም ዘይብሎም: እቶም ብርቱዕ ሕልና ዘለዎም ክርስትያናት ከኣ ነቶም ኣብ ገሊኡ መዳይ ገና ድኹም ሕልና ዘለዎም ኣሕዋቶም ኪንዕቕዎም ከም ዘይግባእ እዩ ዚሕብሮም ነይሩ። ኵላቶም ንሓድሕዶም ኪከባበሩን ‘ብዛዕባ ርእሶም ካብቲ ዚግብኦም ኣዕዚዞም ንኸይሓስቡ’ ኺጽዕሩን ነበሮም።—ሮሜ 12:3, 18

10 ጳውሎስ “ኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ: እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዐቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ” ብምባል ሚዛናዊ ኣረኣእያ ገለጸ። ቀጺሉውን ‘ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ ከም እተቐበሎም’ ገለጸ። እቶም ብርቱዓትን ድኹማትን ኣብ ኣምላኽን ኣብ ክርስቶስን ቅቡላት ስለ ዝዀኑ: ንሕናውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ኺህልወናን ‘ንሓድሕድና ኽንቀባበልን’ ኣሎና። (ሮሜ 14:3፣ 15:7) ምስዚ ዘይሰማማዕ እሞ መን እዩ፧

ሕውነታዊት ፍቕሪ ኣብዚ ግዜና ሓድነት ተምጽእ

11. ብግዜ ጳውሎስ እንታይ ፍልይ ዝበለ ዅነታት እዩ ነይሩ፧

11 ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝለኣኻ መልእኽቱ: ብዛዕባ ፍልይ ዝበለ ዅነታት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። የሆዋ ነቲ ኺዳን ካብ ዜፍርሶን ሓድሽ ኪዳን ካብ ዚምስርትን ነዊሕ ኣይገበረን ነይሩ። ገሊኦም ምትዕርራይ ኣብ ምግባር ጸጊምዎም ነይሩ። ልክዕ ከምቲ ሽዑ ዝነበረ ዅነታት ሎሚ እኳ እንተ ዘየልቦ: ሓድሓደ ግዜ ግን ተመሳሳሊ ጕዳያት ኪለዓል ይኽእል እዩ።

12, 13. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ንሕልና ኣሕዋቶም ኣኽብሮት ኬርእዩሉ ዚኽእሉ ገለ ዅነታት እንታይ እዩ፧

12 ንኣብነት: ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ኣቐዲማ ዝነበረትሉ ሃይማኖት ተራ ኣከዳድና ኽትክደንን ስልማት ከይትሰላለምን ዜተባብዕ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል። ሓቂ ምስ ተቐበለት: ኣብ ግቡእ ኣጋጣሚታት ትሕትና ዜርኢ ዀይኑ በብዓይነቱ ሕብርታት ዘለዎ ኽዳውንቲ ኽትክደን ወይ ክትኰሓሓል ከም እትኽእል ምቕባሉ ይኸብዳ ይኸውን። እዚ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥሕስ ነገር ክሳዕ ዘይኰነ: ዝዀነ ይኹን ሰብ ነዛ ክርስትያን ሓብቲ ሕልናኣ ኽትጥሕስ ኬእምና ኽጽዕር የብሉን። ንሳውን ነተን ሕልናአን ነዚ ነገራት እዚ ኺገብራ ዜፍቅደለን ክርስትያን ኣንስቲ ኽትነቕፈን የብላን።

13 ካልእ ኣብነት እውን ንርአ። ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ኣልኮላዊ መስተ ፈጺምካ ኣብ ዘይስተየሉ ኸባቢ ዓብዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓቂ ምስ ፈለጠ: መጽሓፍ ቅዱስ ንወይኒ ውህበት ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሩ ኸም ዚርእዮን ከየብዛሕካ ኺስተ ኸም ዜፍቅድን ይመሃር። (መዝሙር 104:15) ነዚ ኣረኣእያ እዚ እኳ እንተ ተቐበሎ: ብምኽንያት ኣተዓባብያኡ ግን ኣልኮላዊ መስተ ዚበሃል ኪጥዕም ኣይደልን ይኸውን። ነቶም ብመጠኑ ዚሰትዩ ግን ኣይነቕፎምን። በዚ ኸምዚ ነቲ ጳውሎስ “ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሀንጽን ንስዐብ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት እዩ ኣብ ግብሪ ዜውዕል።—ሮሜ 14:19

14. ክርስትያናት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ነቲ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ዝሃቦም ማዕዳ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ዚኽእሉ፧

14 ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ዝሃቦም ማዕዳ ኣብ ግብሪ ኸነውዕለሉ ዜድልየሉ ኻልእ ኵነታት እውን ይፍጠር እዩ። ክርስትያናዊት ጉባኤ ብብዙሓት ውልቀ-ሰባት ዝቘመት ክትከውን ከላ: እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ከኣ እተፈላለየ ምርጫታት እዩ ዘለዎም። ስለዚ: ኣብ ከም ኣከዳድናኦምን ትርኢቶምን እተፈላለየ ምርጫታት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ልክዕ እዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ኵሎም ቅኑዓት ክርስትያናት ኪሕልዉዎ ዚግባእ ንጹር መሰረታዊ ስርዓታት ይጠቅስ እዩ። ዋላ ሓደ ኻባና ኣመና ፍልይ ዝበለ ወይ ትሕትና ዘየንጸባርቕ ወይ ምስ ክንመስሎም ዘይብልና ጕጅለታት ዓለም ዚምድበና ኣከዳድና ኰነ ኣመሻሽጣ ኽንስዕብ ኣይንደልን ኢና። (1 ዮሃንስ 2:15-17) ክርስትያናት ኵሉ ሳዕ: ዋላውን ኪዘናግዑ ኸለዉ: ተወከልቲ እቲ ናይ ኵሉ ፍጥረት ሉዑላዊ ምዃኖም ኪርስዑ የብሎምን። (ኢሳይያስ 43:10፣ ዮሃንስ 17:16፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10) ይኹን እምበር: ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ብክርስትያናት ተቐባልነት ዘለዎ እተፈላለየ ነገራት ኣሎ። a

ንኻልኦት ከይትዕንቅፍ ተጠንቀቕ

15. ሓደ ክርስትያን ምእንቲ ኣሕዋቱ ኺብል ገሊኡ መሰላቱ ኸይተጠቕመሉ ዚተርፍ መዓስ እዩ፧

15 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፎ ማዕዳ ኻልእ ኣገዳሲ ስርዓት እውን ጠቒሱ ኣሎ። ሓድሓደ ግዜ ጽቡቕ ዝሰልጠነ ሕልና ዘለዎ ክርስትያን ነቲ ብመሰረቱ ጌጋ ዘይብሉ ምርጫኡ ኸይጥቀመሉ ይውስን ይኸውን። ስለምንታይ፧ ገሊኡ ተግባራቱ ንኻልኦት ኪጐድኦም ከም ዚኽእል ስለ ዚፈልጥ እዩ ኸምኡ ዚገብር። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዳይ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ጳውሎስ “ሓውካ ዚዕንቀፈሉ ዘበለ ዘይምግባር: ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ: ጽቡቕ እዩ” በለ። (ሮሜ 14:14, 20, 21) “እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና: ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር: ንርእስናውን ባህ ከይነብል: ይግብኣና እዩ። . . . ነፍሲ ወከፍና: ንብጻዩ ምእንቲ ኺሀንጾ: ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ።” (ሮሜ 15:1, 2) ሕልና ሓደ ክርስትያን ብጻይና በቲ እንገብሮ ኺጕዳእ ዚኽእል እንተ ዀይኑ: ሕውነታዊት ፍቕሪ ንኽንሓልየሉን ምርጫታትና ንኽንቅይድን ትድርኸና። ኣልኮላዊ መስተ ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብነት ኪዀነና ይኽእል እዩ። ሓደ ክርስትያን ብመጠኑ ወይኒ ኺሰቲ ተፈቒዱሉ እዩ። ምስታዩ ንብጻዩ ዚዕንቅፎ እንተ ዀይኑ ግን: መሰለይ ይተሓለወለይ ኢሉ ጸቕጢ ኣይገብርን እዩ።

16. ነቶም ኣብ ዞባኻ ዘለዉ ሰባት ብኸመይ ሓልዮትካ ኸተርእዮም ትኽእል፧

16 እዚ ስርዓት እዚ ኻብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ኣብ ዘሎና ርክብ እውን ይዓዪ እዩ። ንኣብነት: ኣብ ከባቢና ዚነብሩ ሓያሎ ሰባት ዚስዕብዎ ሃይማኖት ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ሰሙን ከም መዓልቲ ዕረፍቲ ገይሮም ኪሕልዉዋ ዜተባብዕ ይኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ ንጐረባብትና ምእንቲ ኸይንዕንቅፍን ንዕዮ ስብከትና ዕንቅፋት ምእንቲ ኸይንፈጥርን: ብእተኻእለና መጠን ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ንጐረባብትና ባህ ዘይብሎም ነገር ካብ ምግባር ንቝጠብ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ሓደ ሃብታም ክርስትያን ኣብቲ ድኻታት ዚበዝሕዎ ዝያዳ ዓየይቲ ዚድለየሉ ኸባቢ ኸይዱ የገልግል ይኸውን። እዚ ክርስትያን እዚ ተራ ኽዳን ብምኽዳን: ወይ ካብቲ ዓቕሙ ዚፈቕደሉ ብዚትሕት መገዲ ብምንባር: ነቶም ሓደስቲ ጐረባብቱ ሓልዮት ኬርኢ ይደሊ ይኸውን።

17. ምርጫታት ክንገብር ከለና ንኻልኦት ኣብ ግምት ከነእቱ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

17 እቶም “ብርቱዓት” ከምዚ ዝኣመሰለ ምትዕርራይ ኪገብሩ ኽንጽበ ግቡእ ድዩ፧ ነዚ ዚስዕብ መብርሂ እሞ ሕሰበሉ:- ኣብ ሓደ ሰፊሕ ጐደና ማኪና እናዘወርና ኸለና: ኣብ ቅድሜና ገለ ቘልዑ ብሓደገኛ ኣካይዳ ስለ ዚኸዱ ኺኣትዉና ኸም ዚኽእሉ ንርኢ። ሕጊ ስለ ዜፍቅደልና ኢልና: ብዘሎና ናህሪ ምዝዋር ንቕጽል ዲና፧ ኣይፋልን: ነቶም ቈልዑ ኽንጐድኦም ስለ እንኽእል: ፍጥነትና ንንኪ። ሓድሓደ ግዜ ምስ ኣመንቲ ብጾትና ወይ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ እውን ብተመሳሳሊ ፍጥነትና ኽንንኪ ወይ ምሳታቶም ተሰማሚዕና ኽንነብር የድልየና እዩ። ምሉእ ብምሉእ መሰልና ዝዀነ ነገራት ንገብር ንህሉ ንኸውን። ዋላ ሓንቲ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣይጠሓስናን። ኰይኑ ግን: ነቶም ድኹም ሕልና ዘለዎም ከነቐይም ወይ ክንጐድእ ኣብ እንኽእለሉ እዋን: ክርስትያናዊት ፍቕሪ ብጥንቃቐ ኽንመላለስ እያ እትድርኸና። (ሮሜ 14:13, 15) ሓድነት ምዕቃብን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ምድንፋዕን: ንብሕታዊ መሰላትካ ኻብ ምጥቃም ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ።

18, 19. (ሀ) ንኻልኦት ብምሕላይ ዝመጸ ብኸመይ ኢና ኣብነት የሱስ እንስዕብ፧ (ለ) ኣብ ምንታይ ኢና ምሉእ ብምሉእ ብሓድነት እንመላለስ: ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽከ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

18 በዚ ኸምዚ ምስ እንመላለስ: ነቲ ብሉጽ ኣብነት ኢና እንስዕብ። ጳውሎስ “ከምቲ ጽሑፍ: ጸርፊ እቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ: ዚብል: ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብሎ ኣይደለየን” በለ። የሱስ ምእንታና ህይወቱ ኺስውእ ፍቓደኛ ኻብ ነበረ: ንሕናውን ነቶም “ድኹማት” ምሳና ሓቢሮም ንኣምላኽ ኬኽብሩ ዜኽእሎም እንተ ዀይኑ: ገለ መሰላትና ኽንስውእ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። እወ: ነቶም ድኹም ሕልና ዘለዎም ክርስትያናት ጸዋርን ለዋህን ምዃን: ወይ ብፍታው ምርጫታትና ምቕያድ: መሰልና ኪኽበረልና ኣለዎ ኢልና ድማ ጸቕጢ ዘይምግባር: ‘ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርና ሓደ ሓሳብ ከም እንሓስብ’ እዩ ዜርኢ።—ሮሜ 15:1-5

19 ኣብቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ዘይጥሕስ ጕዳያት ዘሎና ኣረኣእያ ዚፈላለ እኳ እንተዀነ: ኣብ ኣምልኾ ግን ምሉእ ብምሉእ ሓደ ሓሳብ እዩ ዘሎና። (1 ቈረንቶስ 1:10) ንኣብነት: ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድነት: ኣብቲ ነቶም ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚጻረሩ ሰባት ዘሎና ኣረኣእያ ይንጸባረቕ እዩ። ቃል ኣምላኽ ካብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ተጻረርቲ ኼጠንቅቐና ኸሎ: ካብ “ድምጺ ኻልእ” ክንጥንቀቕ ይነግረና እዩ። (ዮሃንስ 10:5) ነዞም ካልእ እተባህሉ ብኸመይ ከነለልዮም ንኽእል፧ ብኸመይከ ኢና ኽንርእዮም ዘሎና፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ትሕቲ ዕድመ ዝዀኑ ውሉዳት ኣብ ኣከዳድና በቲ ወለዶም ዚደልይዎ መገዲ እዮም ዚምርሑ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ኣብ ብሕታዊ ጕዳያት እተፈላለየ ኣረኣእያ ምህላው ንሓድነት ዘይንቕንቖ ስለምንታይ እዩ፧

• ከም ክርስትያናት መጠን ንሓድሕድና ብፍቕሪ ኽንተሓላለ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ጳውሎስ ንሓድነት ብዚምልከት ዝሃቦ ማዕዳ ሎሚ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእለሉ ገለ መገዲ እንታይ ኣሎ: ከምዚ ኽንገብር እትድርኸናኸ እንታይ እያ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ንሓድነት ብዚምልከት ዝሃቦ ማዕዳ ነታ ጉባኤ ኣገዳሲ ነበረ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት እተፈላለየ መበቈል ዘለዎም እኳ እንተዀኑ: ሓድነት ኣለዎም

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

እዛ መራሒት ማኪና ሕጂ እንታይ እያ ኽትገብር ዘለዋ፧